All updates

መልእኽቲ ባሕቲ መስከረም 2024 ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

31 August 2024

መልእኽቲ ባሕቲ መስከረም 2024
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

 

ሓደ መስከረም 2024፡ መበል 63 ዝክረ-ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነት ኢዩ። ባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ዓይነታዊ መቐይሮ ዘበሰረት፣ እምነ- ኵርናዕ ኲናት ናጽነት ዘንበረት፣ ብዓቢ ሓበን እትዝከር ዕዝዝቲ ዕለት ኢያ። ብረታዊ ቃልሲና ን30 ዓመታት ብብዙሕ ሓጐጽጐጽ፡ እንተላይ ብመሪር ኲናት ሓድሕድ፡ ሓሊፉ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣምጺኡ። ብዓወት ካብ ዚዛዘም ድሮ 33 ዓመታት፣ ልዑላዊ ናጽነት ካብ ዚእወጅ ድማ 31 ዓመታት ሓሊፉ።

ኰይኑ ግን፡ ናጽነት ሃገር፡ ከምቲ ትጽቢት ዚተነብረሉ፡ ሃንቀውታ ህዝብና ንልዑላዊ ስልጣን፡ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ኣየማልአን፤ ማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባለ ኣየምጸአን፤ መነባብሮ ህዝቢ ኣየመሓየሸን፤ ቅሳነትን ራህዋን ሕብረተሰብ ኣየስፈነን። ኮታ፡ ህዝብና ዛጊት ጻማ ኰነ ደበስ ናይቲ ዓቢ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁ ዚኸፈለሉ ዕዉት ብረታዊ ቃልሱ፤ ፍትሒ ዘመሓድር፡ ሓርነት ዘውሕስ፡ ራህዋ ዘስፍን ቅዋማዊ መንግስቲ ኪተክል ኣይከኣለን።

ኣብዘን ዚሓለፋ ዝያዳ 30 ዓመታት ናጽነት፡ ኤርትራ ንድሕሪት ተጐቲታ፣ ብዅሉ መምዘኒታት ኣብቲ ዚተሓተ ደረጃ ምዕባለ ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ። ግዝኣተ ሰብ ነጊሱ፣ ዘቤታዊ ጭቈናን መድቈስትን ሳዕሪሩ፣ ብሒም ዚበለ ይተሓጐም ኰይኑ። ኣብ ክንዲ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲቲታት፡ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ማእሰርቲ በዚሑ። ገጠራትና ባዲሙ፣ ከተማታትናን ወደባትናን ዓንየን። ከም ድምር ውጽኢት ናይዚ ዅሉ’ዚ ድማ፡ ህዝብና ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሩ ብንቡር መጠን ዕቤት ዚስስን፡ ብተዛማዲ ኪንኪ ጸኒሑ።

ኵሉ’ቲ ደድሕሪ ናጽነት፡ ኣብቲ ቀዳማይ መፋርቕ ናይ 1990ታት፡ ዚተበገሰ መደባት ልምዓት በብሓደ ተዀሊፉ። ኣብ ክሊ’ቲ ዚሰዓበ ሓሳድ ቍጠባዊ ሜላ፡ ኵሉ-መዳያዊ ማሕበራዊ ቍጽጽር ንምርግጋጽ ናይ ኩፖን ቍጠባ ተኣታትዩ። እዚ ይትረፍ ልምዓት ከምጽእ፡ ኣቕርቦት መሰረታዊ ጠለባት ህዝብን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፣ ማለት፡ መግቢ፡ ማይ፡ ሓለዋ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ጸዓት፡ መብራህቲ፡ መጐዓዝያ፡ መራኸቢታት፡ ወዘተ.፣ ከዋድድ ኣይከኣለን። እዚ ድማ; ክቱር ሓፈሻዊ ድኽነት ኣስፊሑን ኣዕሚቑን። ህዝቢ ኣባይቱ ከየዕሪ፡ ከይጽግን፡ ከየሐድስ ወይ ሓደስቲ ኣባይቲ ከይሃንጽ ንዝያዳ 20 ዓመታት ተኸልኪሉ። እዚ ድማ፡ ኣዋጣሪ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ፈጢሩ።

ብሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ደረት-ኣልቦ ቀይዲ፡ ሕጋዊ ቅጥዑ ዚጠሓሰ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወዘተ.፡ ዚልለ ዝውታረ ሕጊ-ኣልቦ ኣመሓዳድራ ጃምላዊ ፍልሰት ደሪኹ። ኵሉ’ቲ ድሕሪ ናጽነት ዚተሰደ ይዅን ኣብ ወጻኢ ኪነብር ዚተገደደ ኤርትራዊ ግዳይ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኣደራዕ ናይቲ ስርዓት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። መንእሰያት ብፍላይ፡ ብጠንቂ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ብኵራት ግቡእ ትምህርቲ፣ ስእነት ኣፍራዪ ሽቕለት፣ ኣብ ሃገሮም ተኽእሎ ርሁው መጻኢ ኰነ ንቡር ህይወት ስለ ዚተዓጽዎም፣ ብምሒር ተስፋ ምቝራጽ፡ ብጃምላ ናብ ስደት ኪውሕዙ ተደፊኦም።

ኣብ ስደት፡ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ዳያስፖራ፡ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ መስደዲኡ ዘንጊዑ፡ ግዳይ መቓቓሊ ሜላታት ናይቲ ስርዓትን ፈላላዪ ሽርሕታት ባዕዳውያን ተጻባእትን ብምዃን፣ ገሊኡ ከም ደጋፊ፡ ገሊኡ ከም ተቓዋሚ፡ ገሊኡ ከም ልኡም ተዓዛቢ ተጐጃጂሉ፣ ኣብ ሓድሕዳዊ ምትፍናንን ቍርቍስን ወዲቑ። እቲ ደጋፊ፡ ምንቍልቋል ሃገሩን ሕሰም መነባብሮ ህዝቡን እናረኣየ ከም ዘይረኣየ፡ ናብ ዕዉር ቲፎዞን ወዳስን ውልቀመላኺ ተቐይሩ።

ገለ ካብቲ ተቓዋሚ እየ በሃላይ ንገዛእ ርእሱ፡ መኣዝኑ ስሒቱ፡ ረብሓ ህዝቡን ሃገሩን ዘንጊዑ፡ ምስ ባዕዳዊ ተጻብኦ ወጊኑ። ገሊኡ ካብ መሳርዕ ተቓውሞ ኣልጊሱ ብጕንሕጕንብሕ ናብቲ ስርዓት ገጹ ዘንቢሉ። ገሊኡ ድማ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ቅሉዕ መጋበርያ ናይቶም ንኤርትራ ዳግም ንምጕባጥ፣ ግዝኣታዊ ምሉእነታ ንምግሃስ፣ ንኤርትራዊ መንነት ንምብራዝ፣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምፍራስ ኰነ ንልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ንምቕልባስ ዚሕልኑ ተጻባእቲ ግዳማዊ ሓይልታት ብምዃን፤ ባንዴራ ፈደረሽንን ባንዴራ ባዕድን ጐድኒ ንጐድኒ እናኣንበልበለ፡ ኣብ ዕላማ-ኣልቦ ጐነጽን ተራጽሞን ተዋፊሩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ስደት ኪካየድ ዚጸንሐ ዕላማ-ኣልቦ ጐነጽን ምቅትታልን ብቕጽበት ደው ኪብል፣ እቶም ነቲ ጐነጻዊ መጥቃዕትን ምቅትታልን ዘሳውሩ ነቲ እኩይ ተግባራቶም ከቋርጹ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዚኽሰቱ ፍልልያት ብጐነጽ ዘይኰነስ ብልዝብ ኪእለዩ፣ ብትሪ አማሕጽን።

ጐነጻዊ መጥቃዕቲ ኰነ ሓድሕዳዊ ተራጽሞ ኣብ ዳያስፖራ ነቲ ኣብ ሃገርና ብኤርትራዊ ተግባራዊ ዓቕሚ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል ዚካየድ ፍትሓዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዚሃሲ’ምበር ዚሕግዝ ኣይኰነን። ግደ ሓቂ፡ ብባዕዳዊ ሓይሊ ዚዝወር፣ ዘይኤርትራውያን ብብዝሒ ዘዋስ፣ ንምስሊ ተቓውሞ ዘነውር፣ ሓድነት ኤርትራውያን ዚዘርግ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ዘሰውድ፣ ንዕላማ ባዕዳዊ ተጻብኦ ዘገልግል፣ ፋሉላዊ ጐነጽ ወጊድ ኪበሃል ይግባእ። ኤርትራዊ ሃገራውነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነት፡ ልዑላውነትን ድሕነትን ሃገረ ኤርትራ ዘማእከለ ተቓውሞ ኣንጻር’ቲ ዓመጸኛ ስርዓት፡ ዜግነታዊ ግቡእን ደሞክራስያዊ መሰልን ምዃኑ ደጋጊመ ከስምረሉ እፈቱ።

ዕላማ ሃገራዊ ተቓውሞ፡ ኣብ ውሽጢ ይዅን ኣብ ወጻኢ፡ (1) ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ዚምስረት፣ (2) መሰረታዊ ሓርነታትን መሰላትን ህዝቢ ዘኽብር፣ (3) ሰብኣዊ ርእሰማል ብዘመናዊ ስነፍልጠት፡ ስነኪነትን ግብራዊ ክእለትን ዚሃንጽ፣ (4) መንግስታዊ ፋይናንስ፡ ሃገራዊ ሃብትን ባህርያዊ ጸጋታትን ብትካላዊ ኣገባብ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘመሓድር፣ (5) ማሕበረ-ቍጠባዊ ልምዓት ዘሰላስል፣ (6) መነባብሮ ህዝቢ ዘመሓይሽ፣ (7) ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ህዝቢ ዘስፍን፣ ቅዋማዊ ምሕደራ ምድራኽ ምዃኑ ደጋጊመ አዘኻኽር።

ሎሚ ባሕቲ መስከረም ብሓበን እንዝክረሉ ኣብ ዘለና ኣጋጣሚ፡ ኣብ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ሃንቀውታ ህዝብና ንግዝኣተ ሕጊ፡ ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንድሕነት፡ ንራህዋ ክዉን ንምግባር ንቃለስ።

ዕድመ ንባሕቲ መስከረም፡ መበገሲት ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!
ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!