ወተርሉ፡ በልጁም
24 ግንቦት 2026
መልእኽቲ መበል 35 ዝክረ-ዓመት ናጽነት ኤርትራ
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡
ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡
ዕዙዝ ሰላምታ ብምቕዳም፡ ኣብዚ መበል 35 ዝክረ-ዓመት ናጽነት ሃገርና ብዓቢ ሓበን እንጽንብለሉ ዘለና ቅንያት’ዚ፡ ምዉቕ ዮሃናን ሰናይ ትምኒት ንርሑስ መዓልቲ ናጽነትን አቕርብ። ጽንብል ዝክረ-ዓመት ሃገራዊ ናጽነት፡ ኤርትራውያን ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዓቢ ሓበንን ውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒትን የኽብሩዎ ኣለዉ።
ናጽነት ኤርትራ ዓቢ ዓወት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ክንድ ዚዀነ፡ ዓመት-ዓመት ብሓበን ኪጽንበል ግቡእ ኢዩ። እቲ ኣጸነባብላ ልዑል ክብሩ ኪሕዝ ድማ፡ ንመሰረታዊ ዕላማታት ናይቲ ዚተኸፍለ ዓቢ መስዋእቲ ዘዘኻኽር፣ ነቲ ዕላማታት ክዉን ንምግባር ሕልና ዘበራብር፣ ንሃረርታን ስጡም ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘሕድስ ኪኸውን ይግባእ።
ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ንገዚፍ ሰራዊት ወራር ኢትዮጵያ ኣላሽ ኣቢሉ፡ ሓርነት መሬትን ባሕርን ኤርትራ ዘበሰረላ ክብርቲ መዓልቲ ሓበንን ደስታን ህዝቢ ኤርትራ ኢያ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ልብን ኣእምሮን ወለዶታት ኤርትራውያን ፍሉይ ቦታ ሒዛ ኪትነብር ኢያ። ናጽነት ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሃገርናን ባሕርናን ዳግም ንምጕባጥ ቀጻሊ ጃህራን ፈኸራን ዚውርወረሉ ዘሎ እዋን’ዚ፣ ኵሉ ፈታው ሃገሩ ኤርትራዊ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ኰነ ኣሰላልፋኡ ብዘየገድስ፡ ንታህዲድ ኲናት ባዕዳዊ ወራር ንምብርዓን ብትሪ ኪቃወም ግቡእ ኢዩ።
ነቶም ሃገርና ንምውራርን ባሕርና ንምውናናን ለይትን መዓልትን ሓሶታት እናነዝሑ ዚፍክሩ ዘለዉ ድማ፡ ቅድሚ 35 ዓመታት፡ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ነቲ ንሳላሳ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ዚፈጸመ ሰራዊት ወራር ኢትዮጵያ ስዒሩ፣ ሰንሰለት ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓንሳብ ንሓዋሩ ሰይሩ፣ ልዑላዊ ናጽነት ኤርትራ ኣጐናጺፉ፣ ስግር ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ካብቲ ጨቛኒ ስርዓት ደርግ ኣብ ምግልጋል ወሳኒ ኣበርክቶ ከም ዚገበረ ደጋጊምካ ምዝኽኻር፡ ካልኣይ ንኪሓስቡ ኪሕግዞም ይኽእል ኢዩ ።
እቲ ብከቢድ መስዋእቲ ናይቶም ኣብ መሳርዕ ህሰሓኤ ኰነ ኣብ ስቱር ከተማውን ገጠራውን ስርሒታትት ዚተበጀዉ ጀጋኑ ሓርበኛታትን መዘና-ኣልቦ ጽንዓት ህዝብን ዚተሓፍሰ ዕዙዝ ታሪኻዊ ዓወት ኲናት ሃገራዊ ሓርነት፡ ሃገራዊ መሰል ህዝብና ኣጨቢጡ፤ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ክዉን ገይሩ፣ ኣብ መሳርዕ ናጻ ሃገራት ኣህጕራዊ ኮም ግቡእ ቦትኣ ኣትሒዙ። ኣብ መላእ ህዝብና፡ ሃልሃልታ ሽግ ምሉእ ተስፋን ዓቢ ትጽቢትን ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንራህዋ ወሊዑ።
ጽንብል ሃገራዊ በዓል ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንራህዋ ዘዕግብ፣ ብቅዋም ዘመሓድር፣ ግዝኣተ ሕጊ ዘኽብር፣ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዚተክል፣ ምዕቡል ዘመናዊ ቍጠባ ዚሃንጽ፣ ሽቕለትን ሃብትን ዚፈጥር፣ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን ሃገራዊ መንግስቲ ንምምስራት ነጥበ መቐይሮ ኪኸውን ይግባእ። እሱራት ዚፍትሑሉ፣ ቍጠባዊ ልምዓት ዚድርኽ ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተቅርጺ ዚህነጸሉ፣ እገዳ ህንጻን ምሕዳስን መንበሪ ኣባይቲ ዚለዓለሉ መጻኢ ዚኸፍት ነጥበ መቐይሮ ኪኸውን ይግባእ።
ምልዓል ናይቲ ዘይፍትሓዊ በይናዊ እገዳ ኣመሪካ ኣዝዩ ዘሕጕስ ክስተት ኢዩ። እዚ ኣወንታዊ ክስተት ምልዓል ናይቲ ግዳማዊ እገዳ ብምልዓል ናይቲ ንነዊሕ እዋን ተነቢሩ ዚጸንሐ ዘቤታዊ እገዳ ምስ ዚስነ፣ ቍጠባ ኤርትራ ኪስስን፡ ህዝብና ካብ ድኽነትን ስእነትን ኪገላገል፡ ጽሩይ ማይ ኪሰቲ፡ ብቑዕ ኣገልግሎታት መብራህትን ኤለክትሪሲትን፡ መጐዓዝያን መራኸቢታትን፡ ኢንተርነት፡ ወዘተ.፡ ኪረክብ ምኸኣለ።
ኣብዚ ዓራርቦ ጸሓይ ናይቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዚተተኽለ ሊበራላዊ ኣህጕራዊ ስርዓትን ቅልውላው ሕርሲ ናይቲ ሓድሽ ሕብረ-ዋልታዊ ስርዓትን ሰፊኑ ዘሎ ሓደገኛ ሕጊ ጫካ፣ ድሕነት ሃገረ ኤርትራ ብዓቕሚ ህዝባ ጥራይ ከም ዚረጋገጽ አስምር። ብዝሒ ህዝቢ ኣገዳሲ ሰብኣዊ ርእሰማል ኢዩ። ብዝሒ ህዝብን ቍጠባዊ ሃብትን መሰረት ዘተኣማምን ዓቕሚ ሃገራዊ ምክልኻል ኢዮም። ኣብዚ መሰረት ዓለምለኻዊ ቍጠባ ካብ ርእሰማል ናብ ፍልጠት ተቐይሩሉ ዘሎ እዋን’ዚ፣ መንእሰያትና ምሕብሓብ፡ ህዝብና ምስሳን፡ ሰብኣዊ ርእሰማልና ብስነፍልጠትን ስነኪነታዊ ክእለትን ምዅስኳስ፡ ቍጠባዊ ልምዓት ምርግጋጽ ህላወኣዊ ግድነት ኢዩ።
ኣብዚ ስግኣት ባዕዳዊ ወራር ዘንጸላልወሉ ዘሎ እዋን’ዚ፣ ነባሪ ውሕስነት ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራን ድሕነት ሃገረ ኤርትራን ንምርግጋጽ፡ ቅዋማዊ ምሕደራ ምትካል፣ ትካላዊ ኣገባብ ስግግር ስልጣን ምውዳድ ይጠልብ። ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ፡ ምስረታ ተሓታትን ግሉጽን ተግባራዊ መንግስቲ፣ ዳግመ-ሕውየት ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፣ ህንጸት ኣድማዒ መንግስታዊ ትካላት የድሊ። ምሉእ ዓቕሚ ሃገር ዘቤታዊ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ፣ ቍጠባዊ ምዕባለ ኣብ ምቅልጣፍ፣ መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ምምሕያሽ፣ ጃምላዊ ፍልሰት መንእሰያት ኣብ ምግታእን ምቕልባስን፣ ኪዋፈር ይግባእ። እዚ ድማ ዘተኣማምን ሰረት ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልዑላውነትን ሃገረ ኤርትራ የንጽፍ።
ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን ሰናይ ምሕደራ ይግብኦ ኢዩ። ኵሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ ከከም ዓቕሙን ሞያኡን፡ ሰሪሑ ብሰላምን ክብረትን ኪነብር፡ መሰረታዊ መሰል ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ድሕነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገር ዘውሕስ፣ ሰብኣዊ ድሕነትን ልዑላውነትን ህዝቢ ዘዐዝዝ፣ ሰናይ ምሕደራ ዘስፍን፣ ርጉእ ስግግር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ንምድራኽ ብንቕሓት ኪቃለስ ዜግነታዊ መሰል ኰነ ሃገራዊ ግቡእ ኣለዎ። ምርግጋጽ ልዑላውነት ሃገርን ልዑላውነት ህዝብን ዘይነጻጸሉ ረቛሒታት ውሕስነት ነባሪ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ስለ ዚዀኑ።
መበል 35 ዝክረ-ዓመት ናጽነት፡ ኣብታ እነፍቅራ ሃገርና ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ቍጠባዊ ልምዓትን ኪኸፍት፣ ነቲ ሕያዋይ ህዝብና ድማ፡ ሓድሽ መዋእል ናይ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ፍትሕን ራህዋን ከበስር፣ ዘለኒ ተስፋን ትምኒትን ዳግም እገልጽ።
ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ
ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ
ደጊመ፡ ርሑስ በዓል ናጽነት እምነ።
