All updates

መልእኽቲ መበል 33 ዝክረ-ዓመት ናጽነት ኤርትራ

22 May 2024

 

ወተርሉ፡ በልጁም 

23 ግንቦት 2024

መልእኽቲ መበል 33 ዝክረ-ዓመት ናጽነት ኤርትራ

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡

ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ምዉቕ ሰላምታ ብምቕዳም፡ ኣብዚ መበል 33 ዝክረ-ዓመት ናጽነት ሃገርና ብዓቢ ሓበን እንጽንብለሉ ዘለና ዕዙዝ ቅንያት’ዚ፡ ምዉቕ ዮሃናን ሰናይ ትምኒት ንርሑስ መዓልቲ ናጽነትን አቕርብ። ኣስዒበ፡ መበል 33 ዝክረ-ዓመት ናጽነት፡ ኣብታ እነፍቅራ ሃገርና ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ቍጠባዊ ልምዓትን ኪኸፍት፣ ነቲ ሕያዋይ ህዝብና ድማ፡ ሓድሽ መዋእል ናይ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ፍትሕን ራህዋን ከበስር፣ ዘለኒ ተስፋን ትምኒትን እገልጽ።

24 ግንቦት 1991 ሓርነት ምሉእ ግዝኣት ኤርትራ ዘበሰረት ክብርቲ መዓልቲ ሓበንን ደስታን ህዝቢ ኤርትራ ኢያ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ልብን ኣእምሮን ኤርትራውያን ብኣንጸባራቒ ወርቂ ቀለም ተወቂጣ ኪትነብር ኢያ። 24 ግንቦት 1991 ኰነ 1993፡ መዓልቲ ድርብ ጽንብል ሓርነትን ናጽነትን ኢያ። ክንድ ዚዀነ፡ ኵሉ ፈታው ሃገሩ ኤርትራዊ፡ ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ዳያስፖራ፡ ብዓቢ ሓበንን ድምቀትን ከብዕሎ ግቡእ ኢዩ። 

ኣብ 24 ግንቦት 1993፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰንሰለት ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓንሳብ ንሓዋሩ በጣጢሱ፡ ልዑላዊ ናጽነት ተጐናጺፉ። እቲ ብከቢድ መስዋእቲ ጀጋኑ ሓርበኛታትን መዘና-ኣልቦ ጽንዓት ህዝብን ዚተሓፍሰ ዕዙዝ ታሪኻዊ ዓወት ኲናት ሃገራዊ ናጽነት፡ ኤርትራ ሃገርና ኣብ መሳርዕ ናጻ ሃገራት ኣህጕራዊ ኮም ግቡእ ቦትኣ ኪትሕዝ ኣኽኢሉ። ሃገራዊ መሰል ህዝብና ኣጨቢጡ። ኣብ መላእ ህዝብና፡ ሃልሃልታ ሽግ ምሉእ ተስፋን ዓቢ ትጽቢትን ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንራህዋ ወሊዑ። 

ድሕሪ ናይ ዘመናት ባዕዳዊ መግዛእቲ፣ ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንራህዋ ዘዕግብ፣ ብቅዋም ዘመሓድር፣ ግዝኣተ ሕጊ ዘኽብር፣ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዚተክል፣ ምዕቡል ዘመናዊ ቍጠባ ዚሃንጽ፣ ሽቕለትን ሃብትን ዚፈጥር፣ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን ሃገራዊ መንግስቲ ኪምስረት ዓቢ ተስፋ ነይሩዎ። 

መንእሰይ ብንቡር ስድራቤታዊ ሓልዮት፡ ዘመናዊ ትምህርትን ሃገራዊ ወንን ዚዅስኰሰሉ ኵነት ኪፍጠር፣ ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ ሓረስታይ ኪሓርስ፣ ነጋዳይ ኪነግድ፣ ዋኒንተኛ ርእሰማሉ ከውፍር ዘፍቅድ፣ ሃገራዊ ሃብቲ ዘኻዕብትን መነባብሮ ህዝቢ ዘመሓይሽን ቍጠባዊ ሜላን ሕጋዊ መቓንን ኪዋደድ ዓሚቝ ድሌት ነይሩ። 

ናይ ታሪኽ ግሪንቢጥ ኰይኑ ግን፡ ግዝኣተ ሕጊ ረጊጹ፡ ግዝኣተ ሰብ ዘስገድድ፣ ብውልቃዊ ዊንታ ዘመሓድር፣ ቍጠባ ሃገር ዓጽዩ ዚርምስ፣ ሃውራዊ ማእሰርትን ገደብ-ኣልቦ ቀይድን ዘዘውትር፣ ሽቕለተ-ኣልቦነት ዘዐቢ፣ ክቱር ድኽነት ዘስፋሕፍሕ፣ ጃምላዊ ፍልሰት ዚድርኽ ምልካዊ ስርዓት መንግስታዊ ስልጣን ገቢቱ። ኤርትራ ኣብ ኵሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት፡ ከም ሽንቲ ገመል፡ ንድሕሪት ተጓዒዛ። 

ብመንጽር’ቲ ኣብተን ካብ መግዛእቲ ተላቒቐን ናጻ ዚወጻ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ኵሉ-መዳያዊ ፍሽለት፣ ኤርትራ ኣብ 1991 ሓራ ኣብ ዚወጽኣትሉ እዋን፣ ካብቲ ፍሹል ተመኵሮ ኪትመሃር፡ ከምቲ ኣብ መስርሕ ኲናት ሓርነት ዘመዝገበቶ መስተንክራዊ ዓወት፡ እንተላይ ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ዳግመ-ህንጻን ማሕበረ-ቍጠባዊ ልምዓትን፡ ኣብነት ዕዉት ኣፍሪቃዊ ተመኵሮ፣ ንህዝባ ሓርነትን ራህዋን እተጐናጽፍ፡ ኣብ ኣፍሪቃ መርኣያ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ቍጠባዊ ልምዓትን ማሕበራዊ ፍትሕን ኪትከውን፣ ዓቢ ትጽቢት፡ ተስፋን ተኽእሎን ነይሩ። 

ይዅን’ምበር፡ ከምቲ ኣብታ ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፦ ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን ዘርእስታ መጽሓፈይ ብዝርዝር ተገሊጹ ዘሎ፡ ጥልመት ፕሮግራማዊ ዕላማታት ሓርነታዊ ቃልሲ ኣጋጢሙ። እቲ ዚተነብረ ተስፋ ህዝብናን ኣህጕራዊ ፈተውትን ዛጊት ኣይተማልአን። ኤርትራ ሎሚ ብመብዛሕትኡ’ቲ ብኣካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ባንክ ዓለም፡ ማዕከን ኣህጕራዊ ገንዘብ፡ ትካል ሞ ኢብራሂም፡ ወዘተ.፡ በብግዜኡ ዚወጽእ መምዘኒታትት ኣሃዛዊ ሓበሬታን ዓይነታዊ ገምጋምን፡ ብዘይካ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን፡ ትሕቲ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ትስራዕ። ስለምንታይ፧ 

እቲ መልሲ ንጹር ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብቶም ካልኦት ህዝብታት ኣፍሪቃ ይዅን ዓለም ስለ ዝሓምቕ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ ሃገሩ ዕድላት ስለ ዚተነፍገ ጥራይ ኢዩ። ብዚተረፈ፡ ሃገሩ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ብምውጻእ ኰነ ተሰዲዱ ዕዉት ዋኒናት ብምህናጽን፡ ንልምዓት ናይተን ከም ኣንጎላ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ወዘተ. ዚኣመሰላ ዘዕቈበኦ ሃገራት ርኡይ ኣበርክቶ ብምግባር፣ ጻዕረኛ፡ ህርኩት፡ ሓቦኛ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ ኢዩ። 

ህዝቢ ኤርትራ (1) ውሕስነትን ድሕነትን ዘረጋግጽ፣ (2) ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዘስፍን፣ (3) ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘዘውትር፣ (4) ብልሽውና ዘወግድ፣ (5) ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዘፍቅድ፣ (6) ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር፣ (7) ህዝቢ ዚሓቍፍን ማዕርነት ዘውሕስን፣ (8) ስሉጥ ህዝባዊ ምምሕዳር ዘሰላስል፣ (9) ምቹእ ሃዋህው ዋኒንን ዕዮን ዘጣጥሕ፣ (10) ምዕቡል ኣካላውን ማሕበራውን ትሕተቅርጺ ዚሃንጽ፣ (11) ሃገራዊ ቍጠባ ዘማዕብል፣ (12) ግቡእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ዘቕርብ፣ (13) ኣከባቢ ዘሰስን፣ ሰናይ ምሕደራ እንተ ዚዋደደሉ ነይሩ፣ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ክንዲ ትሕቲ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ ኣብ መሳርዕ ሃገራት ማእከላይ እቶት ኪትስራዕ ምኸኣለት ነይራ። እቲ ጠንቂ ህሉው ድሕረት ሃገርና ሕማቕ ምሕደራ ምዃኑ ከም ሓቒቕ ንጹር ኢዩ።

ርግጽ፡ ኤርትራ፡ ኣብዘን ዚሓለፋ 26 ዓመታት፡ ከም ወራር፡ ጐበጣ ክፋላት ልዑላዊ ግዝኣታ፡ ኵነተ ‘ኣይኲናት፡ ኣይሰላም’፡ በይናዊ እገዳ፡ ዚኣመሰሉ ግዳማዊ ተጻብኦታት ኣጋጢሙዋ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ተጻብኦ፡ ኣሉታዊ ስንብራት’ኳ እንተነበሮ፣ ቅርዑይ ዘቤታዊ ሜላታት ንዘይ ምስልሳል፣ ማለት፡ ቅዋም ንዘይምትግባር፡ ግዝኣተ ሕጊ ንዘይምስፋን፡ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንዘይምትካል፡ ዘቤታዊ ወፍርን ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍርን ዘተባብዕ ሕጋዊ መቓን ንዘይምውዳድ፡ ብቑዕ ወይ እኹል መመኽነይታ ኣይነበረን። ግደ ሓቂ፡ እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ድሕረት ሕማቕ ምሕደራ ኢዩ። ሓሳድ ምሕደራ ኣብ ህዝብና ድኽነት ኣስፊሑን ኣዕሚቑን፡ መጕሃይ ፈተውትን መወራዘዪ ጸላእትን ገይሩና።

ዝምድናታት ኣብ መንጎ ሃገራት፡ ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ዚተመስረተ ኢዩ። ሓንቲ ሃገር፡ ነባሪ ረብሓ’ምበር ነባሪ ፈታዊ ይዅን ነባሪ ጸላኢ ከም ዘይብላ፡ ውሩያት ፖለቲከኛታትን ፖለቲካዊ ሊቃውንትን ይመኽሩ። ኣብዚ፡ ዓለምና ካብ እንኮ-ዋልታዊ ናብ ብዝሐ-ዋልታዊ ስርዓት እትሰጋገረሉ ዘላ ሕንፍሽፍሽ ዚመልኦ ሕገ-ኣልቦ ታሪኻዊ መድረኽ’ዚ፣ ኤርትራ ምስ ኵለን ሃገራት፡ እንተላይ ምስተን ዓበይቲ ሓያላት፡ ብንቡር ዘዋስእ፡ ኣብ መትከል ሰላማዊ ሓባረ-ህላወ ዚምርኰስ፡ ናጻ ዘይሻራዊ ግዳማዊ ሜላ ኪትክተል ንሃገራዊ ረብሓ ብዝያዳ ዘዕዝዝ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። 

ኤውሮጳዊ ሕብረትን (ኤሕ) ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (ሕመኣ)፡ ብወገነን፡ ክንዮ ጽልኢ ናይዚ ህሉው ስርዓት ዚጥምት፣ ንረብሓ ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ግቡእ ግምት ዚህብ፣ ምዙን ሃናጺ ሜላ ኪኽተላ ይግባእ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረኦ ዘይፍትሓዊ በይናዊ እገዳ ብቕጽበት ከልዕላ፣ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዚኽተለኦ ንልዑላውነት ሃገረ ኤርትራን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ዚጻባእ፡ ውክልናዊ ኲናት ዘሳውር ሻራዊ ሜላ ዳግመ-ግምት ኪገብራሉ ተደላይነት ዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ይጠልብ። ነቲ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ንከንሳሕብ ዘቃልሐኦ ሰረትኣልቦ ጻውዒታት ደው ከብላ፡ ነቲ ብመግዛእታዊ ውዕላት ዚተደረተን ብውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚተረጋገጸን ግዝኣታዊ ምሉእነት ኤርትራ ወግዓዊ ተፈላጥነት ኪህባ ይግባእ። 

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ኣብ ዓዘቕቲ ዓሚቝ ቅልውላው ጥሒሉ ይርከብ። ኢትዮጵያ ዕጡቓት ተቐናቐንትን ኣሰላልፋ ሓይልታትን እናቐያየረ ብዚካየድ ቀጻሊ ኲናታት ሓድሕድን ጃምላዊ መቕተልትን ትሕመስ ኣላ። ሱዳን ኣብ ሓደገኛ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚዳ ትናወጽ ኣላ። ሶማልያ ዛጊት ኣብ መላእ ግዝኣታ ስልጣኑ ዘንበረ ማእከላይ መንግስቲ የብላን። ውሽጣዊ ሽግራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ብሓቛፊ ልዝብ ኪፍታሕ፣ ጐረባብቲ ሃገራት ኰነ ኣህጕራዊ ኮም፡ ህውከት ዘሳውር ጣልቃነት ዘይኰነስ፣ ዕርቂ ዘተባብዕ፡ ድሕነት ህዝቢ ዘውሕስን ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእን ኣበርክቶ ኪገብሩ ይግባእ።

ኣብዚ እቲ ምስብባር ናይቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዚተተኽለ ሊበራላዊ ኣህጕራዊ ስርዓትን ጻዕረ-ልደት ናይቲ ሓድሽ ስርዓትን ዘሎ ሓድሽ እዋን ሓደገኛ ሕጊ ጫካ፣ ድሕነት ሃገረ ኤርትራ ብዓቕሚ ህዝባ ጥራይ ከም ዚረጋገጽ የስምር። ብዝሒ ህዝቢ ኣገዳሲ ሰብኣዊ ርእሰማል ኢዩ። ብዝሒ ህዝብን ቍጠባዊ ዓቕምን መሰረት ዘተኣማምን ዓቕሚ ሃገራዊ ምክልኻል ኢዩ። ኣብዚ መሰረት ዓለምለኻዊ ቍጠባ ካብ ርእሰማል ናብ ፍልጠት ዚቕየረሉ ዘሎ እዋን’ዚ፣ መንእሰያትና ምሕብሓብ፡ ህዝብና ምስሳን፡ ሰብኣዊ ርእሰማልና ብፍልጠትን ክእለትን ምዅስኳስ፡ ህላወኣዊ ግድነት ኰይኑ ኣሎ። 

ስለዚ፡ ነባሪ ውሕስነት ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራን ድሕነት ሃገረ ኤርትራን፡ ትካላዊ ኣገባብ ስግግር ስልጣን ምውዳድ ጥራይ ዘይኰነስ፣ እንተላይ ቅልጡፍ ምእላይ ናይቲ ሓደ ገባርን ሓዳግን ሰብ ምርኢትን ምትእትታው ፖለቲካዊ ለውጥን  ይጠልብ። ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ፡ ምስረታ ተሓታትን ግሉጽን ተግባራዊ መንግስቲ፣ ዳግመ-ሕውየት ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፣ ህንጸት ኣድማዒ መንግስታዊ ትካላት የድሊ። ምሉእ ዓቕሚ ሃገር ዘቤታዊ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ፣ ቍጠባዊ ምዕባለ ኣብ ምቅልጣፍ፣ መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ምምሕያሽ፣ ጃምላዊ ፍልሰት መንእሰያት ኣብ ምግታእን ምቕልባስን፣ ኪዋፈር ይግባእ።  

ኵሉ ብናጽነት ኤርትራ ዚሕበን፡ ብድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ዚግደስ ኤርትራዊ ዜጋ፡ (1) ኣርማን ሰንደቕን ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ከኽብር፣ (2) ብስም ተቓውሞ፡ መጋበርያ ናይ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ዘለዎም ተጻባእቲ ባዕዳውያን ሓይልታት ካብ ምዃን ኪቝጠብ፣ (3) ብስም ደገፍ፡ ውልቀ-መላኺ ምውዳስን ምልኪ ምጽብባቕን ገዲፉ፡ ንደሞክራስያዊ ስግግር፡ ፍትሕን ራህዋን ኪጣበቕ ይግባእ። 

ዕላማ ዕቱብ ሃገራዊ ፖለቲካ፡ (1) ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዘስፍን፣ (2) መሰረታዊ ሓርነታትን መሰላትን ዘኽብር፣ (3) ሰብኣዊ ርእሰማል ብዘመናዊ ስነፍልጠት፡ ስነኪነትን ግብራዊ ክእለትን ዚሃንጽ፣ (4) መንግስታዊ ፋይናንስ፡ ሃገራዊ ሃብትን ባህርያዊ ጸጋታትን ብተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘመሓድር፣ (5) ማሕበረ-ቍጠባዊ ልምዓት ዘሰስን፣ (6) መነባብሮ ህዝቢ ዘመሓይሽ ቅዋማዊ ምሕደራ ምድራኽ ኪኸውን ከም ዚግባእ ከስምረሉ እፈቱ።

ከምቲ ኣብቲ እዋን ኲናት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገር ንምውሓስ፡ ኣብ ጐድኒ ህዝብናን ሰራዊትናን ኰነ እቲ ፖሊሲታቱን ተግባራቱን እንነቕፎን እንቃወሞን መንግስቲ፡ ደው ዝበልና፣ ኣብ እዋን ሰላም’ውን፡ ኵሉ ሓርበኛ ኤርትራዊ፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ዘስፍን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምድራኽ ብንቕሓት ኪቃለስ ይግባእ። ስለምንታይ፧ ብመሰረቱ፡ ምርግጋጽ ልዑላውነት ሃገርን ልዑላውነት ህዝብን ዘይነጻጸሉ ረቛሒታት ምውሓስ ነባሪ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ስለ ዚዀኑ።  

ኵሉ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ዚደሊ ኤርትራዊ፡ ግዳማዊ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኤርትራ ዚነጽግ፣ ብኤርትራዊ ዋንነት ዚእለ ሃገር-በቈል ለውጢ ብምምጻእ፡ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ዚተመስረተ መንግስታዊ ስርዓት ንምትካል ኪሰርሕ ብጹእ ዜግነታዊ ግቡእ ከም ዘለዎ አተሓሳስብ። 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ኵሉም ህዝብታት፡ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን ሰናይ ምሕደራ ይግብኦ ኢዩ። ኵሉ ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሓሪሱ፡ ሰሪሑ፡ ነጊዱ፡ ኣውፊሩ ብኽብረት ኪነብር፡ ዘይንፈግ መሰል ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ድሕነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገር ዘውሕስ፣ ሰብኣዊ ድሕነትን ልዑላውነትን ህዝቢ ዘዐዝዝ፣ ሰናይ ምሕደራ ዘስፍን፣ ርጉእ ስግግር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ንምድራኽ ብንቕሓት ኪቃለስ ዜግነታዊ መሰል ኰነ ሃገራዊ ግቡእ ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ከርፋሕ መነባብሮ ከሕልፍ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ፈቐዶ ከተማታት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ከርተት ኪብሉ፡ ግዳያት ሓሳረ-መከራ ኪዀኑ፡ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን ተርእዮ ኢዩ። ኣብ ዓዲ በጺሖም ዚምለሱ “ተሃንጢና ንኸይድ፡ ጕሂና ንምለስ” ዚብሉ ኤርትራውያን ብዙሓት ኢዮም። ብሕጊ እትመሓደር፡ ቀሲንናን ተሓጒስናን እንነብረላ ኤርትራ ኪትህልወና ይግባእ። መታን ኪትህልወና ድማ በብዓቕምና ንጽዓር።

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ! 

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ! 

ደጊመ፡ ርሑስ መዓልቲ ናጽነት እምነ።