All updates

መልእኽቲ ባሕቲ መስከረም 2026

01/09/2026
[:swvar:text:838:]

1 መስከረም 2026

መልእኽቲ ባሕቲ መስከረም 2026

ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ 

ባሕቲ መስከረም 2026፡ መበል ስሳን ሓሙሽተን (65) ዝክረ-ዓመት ምጅማር ናይቲ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ውሑዳት ብጾቱን ዚወልዑዎ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነት ኢዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ድሕሪ ናይ ሳላሳ (30) ዓመታት መሪር ኲናት ሃገራዊ ሓርነት ብፍጹም ዓወት ተዛዚሙ። እቲ ደምዳሚ ታሪኻዊ ዓወት ልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣምጺኡ። ክንዲ ዚዀነ፡ ባሕቲ መስከረም ብዓቢ ሓበን እትዝከር ዕዝዝቲ ዕለት ኢያ።

ይዅን’ምበር፡ ኵሉ’ቲ ደድሕሪ ናጽነት፡ ኣብቲ ቀዳማይ መፋርቕ ናይ 1990ታት፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ዚተበገሰ፣   ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምምስራት ዚተጀመረ፣ ብቐዳምነት መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ዘማልእ ምዕቡል ሃገራዊ ቍጠባ ንምህናጽ ዚተዋደደ መስርሕ ምህናጽ ሃገር፡ ህንጸት መንግስትን ቍጠባዊ ልምዓትን ተዀሊፉ። ነቲ ብወግዒ ዚጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ረጊጹ፡ ዓመጸኛ ግዝኣተ ሰብ ተኺሉ። ኤርትራ፡ ዚሰርሕ መንግስታዊ ትካል ኰነ ህዝቢ ዚዕንግል ቍጠባ  ዘይብላ ሃገር ኰይና። 

ብጠንቂ’ቲ ዚፈጸመ ምዅላፍ ድማ፡ ልዑላዊ ናጽነት ሃረርታ ህዝብና ንሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን፣ ንቅዋማዊ ስርዓትን ደሞክራስያዊ ምሕደራን፣ ንማሕበረ-ቍጠባዊ ልምዓትን ባህላዊ ትንሳኤን ኣየማልአን። ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ኣየመሓየሸን። ሰብኣዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ቅሳነትን ኣየስፈነን። ግዝኣተ ሕጊ ዘኽብር፣ ንህዝብና ዚውክል ኰነ ንድሌቱ ዘማልእ፣ ፍትሒ ዘመሓድር፣ ተሓታትን ግሉጽን ቅዋማዊ መንግስቲ ኣይተተኽለን። 

ድሕሪ ናጽነት፡ ብፍላይ ኣብዘን ዚሓለፋ ዳሕረዎት ዕስራን ሽዱሽተን (26) ዓመታት፣ ግዝኣተ ሕጊ ተረጊጹ፡ ግዝኣተ ሰብ ነጊሱ፣ ዘቤታዊ ጭቈናን መድቈስትን ሳዕሪሩ። ኣብ ክንዲ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲቲታትን ሆስፒታላትን፣ ኣብያተ ማእሰርቲ በዚሑ። ዓድታትና ባዲሙ፣ ከተማታትናን ወደባትናን ዓንየን፡ ተደዊነን። ኤርትራ ሃገርና ግዳይ ድሕረት፡ ድንቍርና፡ ድኽነትን ጃምላዊ ፍልሰትን ኰይና፤ ብዝሒ ህዝብና ነክዩ፣ መጠነ-ዕቤቱ ኣንቈልቊሉ፤ ደሞግራፍያዊ ኣቀዋውማ ሕብረተሰብና ተዘሪጉ። ኤርትራ ኣብ ኵሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት፡ ንድሕሪት ተጐቲታ፣ ኣብቲ ዚተሓተ ደረጃ ምዕባለ ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ። 

ኵሉ-መዳያዊ ጥቡቕ ማሕበራዊ ቍጽጽር ንምርግጋጽ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብዋሕዲ ማይ፡ ብሕጽረት መግቢ፡ ብቐጻሊ ምቍራጽ ኤለክትሪሲቲ፡ ብስእነት ብቑዕ ኣገልግሎታት ሕክምናን መጐዕዝያን፡ ከም ዚሳቐን ዚሻቐልን ተገይሩ። ዓለም ሰብ-ሰርሖ ብልሓት (ኣርቲፊሻል ኢተሊጀንስ) ብምጥቃም ዓቢ ምዕባለ ተርእየሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ተሓሪሙ ድሕሪ ሰቡ ተሪፉ። ኣባይቲ ከይሃንጽ፡ ከየዕሪ፡ ከይጽግን፡ ከየሐድስ፡ ንዝያዳ ዕስራ (20) ዓመታት ተኣጊዱ። ዚተሃንጸ ኣባይቲ ፈሪሱ። ህዝቢ ንምስቓይ፡ ብመደብ፡ ኣዋጣሪ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ተፈጢሩ። 

ኣብዚ መበል ስሳን ሓሙሽተን (65) ዝክረ-ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሃገራዊ ሓርነትና እንጽንብለሉ ዘለና ዕዙዝ ኣጋጣሚ’ዚ፣ መንእሰይ ኤርትራ፡ ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ዚተበገሰሉን ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ዚተሰውኡሉን ዕላማ ክዉን ንምግባር፣ ቅዋማዊ ምሕደራ ዘሰላስል ግሉጽን ተሓታትን ሃገራዊ መንግስቲ ንምትካል ቃልሱ ከሐድስን ከበርትዕን ይግባእ። 

ሎሚ ባሕቲ መስከረም 2026 ብሓበን እንዝክረሉ ኣብ ዘለና ኣጋጣሚ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዘንጸላሉ ዘሎ ደመና ኲና ብትሪ ብምቅዋም፣ ኣብ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ሃረርታ ህዝብና ንግዝኣተ ሕጊ፡ ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንሰብኣዊ ድሕነት፡ ንራህዋ ክዉን ንምግባር ቃለስና ነሐድስ።

ዕድመ ንባሕቲ መስከረም፡ መበገሲት ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ! 

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!