All updates

ሓተታ 2፦ ታህዲዳት ስርዓት ኣቢይ ኣሕመድ ኤርትራ ንምውራር ይኰነን!

23/08/2025
[:swvar:text:838:]

ሓተታ 2 ታህዲዳት ስርዓት ኣቢይ ኣሕመድ ኤርትራ ንምውራር ይኰነን!

ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

እዚ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ’ቲ ኣስፋሕፋሒ ትረኻ ኢትዮጵያን ሃገራዊ ትረኻ ኤርትራን ዘሎ ቀጻሊ ምትፍናን ብሰለስተ ክፋላት ዚቐርብ ሓተታ ኢዩ። እዚ ጽጹይ ሓተታ’ዚ፡ ኣብ ድልዱል ሰረት ታሪኽን ኣህጕራዊ ሕግን ብምምርኳስ፡ ነቲ መሰረት-ኣልቦ ኣስፋሕፋሒ ጠለባት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ የቃልዕን ንግቡእነት ናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ የደልድልን።  

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኤርትራ ወሪሩ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ብምጕባጥ ንወደብ ዓሰብ ንምውናን ኪህድድ ጸኒሑ። እቲ ታህዲድ ታሪኻዊ ይዅን ሕጋዊ መሰረት ስለ ዘይብሉ፣ ኣቢይ ኣሕመድ ኣቓልቦ ህዝቢ ካብቲ ኣጋጢሙዎ ዘሎ እናገደድ ዚኸይድ ዘቤታዊ ሽግራት ብምጥምዛዝ ነቲ ድኹምን ዘንቈልቍል ዘሎን ኤትኖ-ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ዚሕግዝ ደገፍ ንምልዕዓል ዚዓለመ ስምዒታዊ ፕሮፓጋንዳ ኢዩ ዚነዝሕ ዘሎ። 

ኣብ 13 ጥቅምቲ 2023፡ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ሓደገኛ ታህዲድ ኣዊጁ። ኣብ 15 ለካቲት 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዚተጋብአ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንሰፊሕ መሬት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዚሓወሰ ካርታ ናይ ኣፍሪቃ ዘርጊሑ። ታህዲዳቱ ብምዝያድ፡ ኣብ ሰመራ፡ ርእሰ-ከተማ ናይታ ምስ ኤርትራ እትዳወብ ዞባዊት ምምሕዳር ዓፈር፡ ሰራዊት፡ እንተላይ ዳማታት ኤርትራውያን ዚተሓወሱዎ፡ ኣውፊሩ ይርከብ። እዚ ቅሉዕ ግህሰት ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ዚገልጽ ስጕምትታት’ዚ ብግብሪ ኣዋጅ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ የመልክት። 

ኣደዃዅና ኤርትራን ኢትዮጵያን 

ኣብቲ እዋን ቅድመ-መግዛእታዊ መዋእል፡ ኣብ መንጎ መፋርቕ መበል 16ን ኣጋ መወዳእታ መበል 19ን ዘመናት፡ ግዝኣት ዘመናዊት ኤርትራ ተፈናጭሉ ኢዩ ነይሩ። ምድረ ባሕሪ ግዳይ ጐበጣ ዚተፈላለዩ ክፋላት ግዝኣታ ብዑስማናዊት ቱርኪ (1557-1872)፣ ብኸዲቫዊት ምስሪ (1872-1885)፣ ብኢጣልያ (1869-1889)፣ ብኣቢሲንያ (1876-1887) ኰይና ተመቓቐለት። ጐበጣ ኢጣልያ ኣብ 1890 ግዝኣታዊ ውህደት ኤርትራ ኣምጺኡ ምእኩል ምምሕዳር ብምምስራት፡ መግዛእታዊት ሃገር ኣቚሙ። ስዒቡ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢጣልያዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ (1890-1941)፣ ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር (1941-52)፣ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ (1952-1962)፣ ኣብ መወዳትኡ ድማ፡ ብጐበጣ ኢትዮጵያ (1962-1991) ተገፊዓ። 

ኣብ መንጉኡ፡ ኣብቲ መጀመርታ ናይ ኤውሮጳዊ ባዕዳዊ ምሽማው ንኣፍሪቃ፡ ኣቢሲንያ ከም ግዳይን በደለኛን ናይ መግዛእታዊ ወራር፡ ስግንጢራዊ ተራ ተጻወታ። ንመግዛእታዊ ወራር ኢጣልያ ብዓወት መኪታ ከተብቅዕ፡ ተገምጢላ፡ ንጐረባብቲ ህዝብታት ወሪራ ጐበጠት። ኣብ 1896፡ ንወራር ኢጣልያ ኣብ ውግእ ዓድዋ ብምፍሻል ዓቢ ቅያ ፈጺማ።  እቲ ታሪኻዊ ዓወት ዓድዋ “ድሕር’ቲ ኣብ እዋን ሃኒባል ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳዊት ሃገር ዚተመዝገበ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዓወት ኢዩ” ተባሂሉ ይቐርብ ኢዩ (19)። ግደ ሓቂ ግን፡ እቲ ቀዳማይ ዓወት ኣፍሪቃዊ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ወራሪ ኤውሮጳዊ ሰራዊት፡ እቲ ማህዳዊ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ’ቲ ብጀነራል ጎርዶን ዚተመርሐ ብሪጣንያዊ ሰራዊት ኣብ ኻርቱም፡ ኣብ ጥሪ 1885፡ ዚተመዝገበ ዓወት ምዃኑ ምጥቃስ ግቡእ ኢዩ። 

መግዛእታዊ ወራር ኢጣልያ ድሕሪ ምፍሻል፡ ኣቢሲንያ፡ ምስ መግዛእታዊ ሓይልታት ኤውሮጳ ውዲት ብምግባር ኰነ ንሓድሕዳዊ ውድድራቶም ብጕርሒ ብምምዝማዝ፡ ዘይኣቢሲንያዊ ግዝኣታት ብሓይሊ ንምሓዝ ተኸታታሊ ኲናታት ብምክያድ ኣስፋሕፈሐት። ምውናን “ዓቢ ብዝሒ ዘመናዊ ኣጽዋር”፡ ኣብ መጀመርያ ካብ ኢጣልያ፡ “መፈለምታ ሃጸይነት መነሊክ ኣኽኢሉ”፡ ዳሕራይ ድማ ካብ ፈረንሳ፡ “መፈጸምታ ሃጸይነቱ ኣኽኢሉ”። እዚ ድማ መነሊክ፡ ንጉስ ሽዋ፡ ኣብ 1889 ከም ሃጸይ “ኣብ ኣቢሲንያ ማእከላይ ስልጣን” ንምጭባጥ፣ “ግዝኣታት” ብሓይሊ ንምሓዝ፣ “ንንግስነት ሽዋ” ናብ “ሃጸይነት ኢትዮጵያ” ንምቕያር ኣኽኢሉዎ። እቲ ኣብ ምዕራብ፡ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ናይታ ሃገር ብሓይሊ ዚተታሕዘ “ግዝኣታት” ነቲ ዘይኣቢሲንያዊ ህዝብታት ዓፈር፡ ኣንዋክ፡ በኒ ሻንጉል፡ ቦራና፡ ጋምቤላ፡ ጉራጌ፡ ኦሮሞ፡ ኮንሶ፡ ሲዳማ፡ ሶማሊ፡ ወላሞን ወላይታን ዚነብሩሉ መሬት የጠቓልል (20)። ምስ መፈጸምታ ወራራት መነሊክ ኣብ 1910፡ ኣቢሲንያ ነዚ ናይ ሎሚ ጀኦፖለቲካዊ ቅርጻን ኣህጕራዊ ዶባታን ኪትሕዝ እንከላ፡ ኤርትራ ድሮ ኣብ 1890፡ ማለት 20 ዓመታት ቅድሚ ኣቢሲንያ፡ ዚተደኰነት መግዛእታዊ ሃገር ኰይና ጸኒሓ።

ስለዚ እምበኣርከስ፡ ቅድሚ ምጽኣት መግዛእታዊ መዋእል በዚ ናይ ሎሚ ጀኦፖለቲካዊ ኣቀዋውማታተንን ህሉው ኣህጕራዊ ዶባተንን ዚፍለጣ ኢትዮጵያ ኰነ ኤርትራ ዚበሃላ ሃገራት ከም ዘይነበራ ጕሉሕ ኢዩ። እዚ ህሉው ጀኦፖለቲካዊ ኣቀዋውማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ልክዕ ከምቲ ናይታ ተምሳላዊት ወይ ቅድመ-መርኣያ ዘመናዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ብጠንቂ’ቲ ብመግዛእታዊ ሓይልታት ኤውሮጳ ዚተፈጸመ ምጕዝዛይ ኣፍሪቃ ዚተወሰነ ኢዩ። መግዛእታዊ ምጕዝዛይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንህሉው ጀኦፖለቲካዊ ኣቀዋውማ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ነቲ ናይ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መልክዕ ከትሕዝ እንከሎ፣ እቲ መግዛእታዊ ውዕላት ድማ ነቲ ኣህጕራዊ ዶባተን ደሪቱ። 

ኣቀዋውማ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰለስተ መግዛእታዊ ውዕላት ዚተደረተ ኣስታት 1,000 ኪሜ ዚንውሓቱ ናይ ሓባር ዶብ ኣለወን። እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኢጣልያን ስምምዕ ዚተገብረሉ ውዕል 1900 ነቲ ማእከላይ ክፋል ናይቲ ዶብ ይሕንጽጽ (21)። እቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያ፡ ኢትዮጵያን ዓባይ ብሪጣንያን ስምምዕ ዚተገብረሉ ውዕል 1902 ጥብቆ ናይ ውዕል 1900 ኰይኑ፣ ነቲ ማእከላይ ክፋል ናይቲ ዶብ ከይተንከፈ ከም ዘለዎ ገዲፉ፡ ነቲ ምዕራባዊ ክፋል ናይቲ መስመር ውዕል (Treaty Line)  የመሓይሽ (22)። እቲ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ስምምዕ ዚተገብረሉ ውዕል 1908 ነቲ ምብራቓዊ ክፋል ናይቲ ዶብ ይድርት (23)። 

በዞም ሰለስተ መግዛእታዊ ውዕላት ምስ ተደረተ፡ እቲ ብመግዛእታዊ ውዕላት ዚተደረተ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብግብርን ብሕግን ኣህጕራዊ ቍመንኡ ዓቂቡ ጸኒሑ፣ ኤርትራ፡ ኣብቲ ከም ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ናጽነታ ዚኣዋጀትሉ እዋን ድማ፡ ከም ዘለዎ ወሪሳ ባሪኻቶ። ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራን ምጽንባር ኤርትራ ናብቲ ኮም ናይ ናጻ ሃገራትን፡ ብመሰረት ውዕላዊ ሕጊ፡ ብጹእነት ናይቲ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ኣጽዲቑ። እቲ ኣብ መትከል ዘይተተንካፍነት (uti possidetis juris) ናይቶም ኣብ እዋን ናጽነት ዚውረሱ መግዛእታዊ ዶባት ዚምርኰስ ብጹእነት ናይ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ብኣህጕራዊ ልምዳዊ ሕጊ ኰነ በቲ ኣቕዋሚ ተግባር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዚድገፍ ኢዩ። 

ኣብ እምኒዓረ ዚተውቕረ ግቡእነት

ኢጣልያ ነቲ ክሳብ ሽዑ ተፈናጭሉ ዚነበረ ግዝኣትን ዚተፈላለየ ህዝብን ብሓባር ኣብ ትሕቲ ሓደ ማእከላይ ምምሕዳር ኣምጺኣቶ። ሕቡር መግዛእታዊ ኣሃዱ መስሪታ። ኣብታ ሰፈራዊ ግዝኣት ኢጣልያ (Italian settler colony) ኪትከውን ዚተበየነላ ኤርትራ፡ ኣገልግሎት ንምውዳድ ዚዓለመ መርበብ ናይ ዘመናዊ ከተማዊ፡ ኢንዳስትርያዊ፡ መጐዓዝያን መራኸቢታትን ትሕተቅርጺ ሃኒጻ። ምትእትታው ናይ ሓደስቲ ረቛሒታትን ዝምድናታትን ማእቶት፡ ንቕሓት ናይ ሓባራዊ ባዕዳዊ ጭቈና ዘማዕበሉ ሓደስቲ ማሕበራዊ ሓይልታት ፈጢሩ። 

ተቓውሞ ንኢጣልያዊ መግዛእታዊ ጭቈናን ስርዓታዊ ዓሌትነትን ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ኰስኲሱ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣንበድቢዱ። ተመኵሮ ናይ ሓባር ጭቈና ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምዕባለ ናይ ሓባር ስነኣእምሮኣዊ ኣቀዋውማን ፍሉይ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ኣደንፊዑ (24)። እቲ ክዉንነት ናይ ርእሰ-ምምሕዳራዊ ኤርትራዊ ታሪኽ ምስቲ ስልጡን ኤርትራዊ ባህሊ ተደሚሩ፡ ፍሉይ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ደሪዑ። 

መቐጸልታ ኢጣልያዊ ሜላ ጭቈናን ዓሌታዊ ኣድሉዎን ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ንሃንቀውታ   ኤርትራውያን ንናጽነት ብዝያዳ ኣበርትዖ። መጐት ናይ መግዛእታዊ ጭቈናን ተቓውሞ ጭቁናትን ንቕሓት ናይ ሓባር ኵነትን ንዅሉ ኤትኒካዊ፡ ቋንቋኣዊ፡ ሃይማኖታውን ዞባውን ምትእስሳር ዚሰገረ ጠማሪ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ፈጢሩ። እቲ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዚተኻየደ ሓባራዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ተቓውሞ ፍሉይ ኤርትራዊ መንነት ኣደልዲሉ፣ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣትሪሩ፣ ንሃጸያዊ ኢትዮጵያዊ ዕብለላን ኣኽኣልቱን ስዒሩ። ጽንዓት፡ ብርታዐን ሓቦን ኤርትራዊ ሃገራውነት ንጐበጣ ኢትዮጵያን ኣህጕራዊ ተሓባበርቱን ብዓወት መኪቱ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ጨቢጡ። ናጽነት ኤርትራ ንጕዳይ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኣህጕራዊ ዶብን ኤርትራ ሓንሳብ ንሓዋሩ መዕለቢ ገይሩሉ። 

ኣፍደገ ባሕሪ፧ መሰል ተጠቃምነትምበር ዋንነት ኣይኰነን 

ኣቢይ ኣሕመድ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ይብጽሓኒ ኢዩ ብምባል፡ ንዕኡ ንምርካብ ንወለዶታት ኪዋጋእ ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። እቲ ሃንዳፍ ጠለቡ ሓድሽ ነገር ኣይኰነን። ነቲ ብሉይ ትረኻ ናይ ሓድሓደ ባእታታት ናይቶም ግቡእነት ልዑላዊ ናጽነት ኤርትራ ዚነጽጉን በቲ ክዉንነት ናይ ናጻ ኤርትራ ዘስቈርቍሩን ባእታታት ልሂቃን ኢትዮጵያ (እንተላይ ትግራይ) ዘቃልሕ ኢዩ። እዚ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ምዉት ታሪኽ፡ ደሞግራፍያዊ ረቛሒ፡ ኤትኒካዊ ወይ ባህላዊ ተመሳሳልነት ብምምርኳስ፡ ንኤርትራ ንምዕብላልን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብን ዚህውትት ኣስፋሕፋሒ ትረኻታት ናይ “ዓባይ ኢትዮጵያ”ን “ዓባይ ትግራይ”ን ዚሰማማዕ ኢዩ። 

እቲ ዚጐሳጐሰሉ ዘሎ ጠለብ ናይ መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕርን ናጽነት ምትሕልላፍን ዘይኰነስ፡ ጠለብ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢዩ። እዚ ጠለብ ንመሰል ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ’ዚ ድማ ንናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ህላወኣዊ ስግኣት፣ ንሰላም፡ ግስጋሰን ድሕነትን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ኰነ ንዞባዊ ርግኣትን ጸጥታን ድማ ኣስጋኢ ሓደጋ ኢዩ። 

ጠለብ ኢትዮጵያ ንመሰል ምጥቃም ኣፍደገ ባሕሪ ግቡእን ግዳማዊ ንግዳ ንምስልሳል ኣድላይን ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ኵነትን ቅጥዕን ተጠቃምነት ኰነ ምትሕልላፍ ምስ ሓንቲ ወይ ኵለን ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ጐረባብታ ኣብ ኣህጕራዊ ሕጊ ብዚተመስረተ ክልተኣዊ ልዝብ ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ይግባእ። ውዕል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕጊ ባሕሪ (ዓንቀጽ 125) (25) እተን ከም ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ብግዝኣት ናይተን መተሓላለፍቲ ሃገራት ኣቢለን መሰል ምጥቃም ኣፍደገ ባሕርን ናጽነት ምትሕልላፍን ከም ዘለወን፤ እዚ መሰል’ዚ ኣብ መንጎ እተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራትን መተሓላለፊ ሃገራትን ኣብ ስምምዕ ብዚብጽሓሉ ኣገባብን ቅጥዕታትን ኪኸውን ከም ዘለዎ፤ እተን መተሓላለፊ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ግዝኣተን ምሉእ ልዑላውነት እናተጠቕማ፡ ኣብ ልዕሊ ግቡእ ረብሓታተን ዚዀነ ምጥሓስ ንምክልኻል ኵሉ ዘድሊ ስጕምትታት ንምውሳድ ምሉእ መሰል ከም ዘለወን የቐምጥ። 

ዋላ እተን ኣፍደገ ባሕርን ናይ ገዛእ ርእሰን ወደባትን ዚውንና ሃገራት፡ ከም መመላእታ ናይተን ናታተን ወደባት፡ ምእንቲ ስሉጥ ኣገልግሎትን ምውሓድ ወጻእታትን፡ መተሓላለፊ ሃገራት ይጥቀማ ኢየን። ንኣብነት፡ እታ ኣብ ኤውሮጳ ዚዓበየ ቍጠባን ሓያሎ ናይ ገዛእ ርእሳ ወደባት እትውንን ጀርመን ንሆላንዳዊት ወደብ ሮተርዳም ከም ቀንዲ ኣፍደገ ናይቲ ዚበዝሐ ክፋል ኣህጕራዊ ንግዳ ትጥቀም። እተን ኣብ ዓለም ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ኣርባዓን ኣርባዕተን ሃገራት፡ እንተላይ እተን ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከባ ዓሰርተው ሽዱሽተ ሃገራት፡ መምስተን ዚምልከተን መተሓላለፊ ሃገራት ክልተኣዊ ስምምዓት ብምግባር ኢየን ኣህጕራዊ ንግደን ዘሰላስላ። ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሳ’ውን ግዳማዊ ንግዳ እተሰላስለሉ ከምኡ ዚኣመሰለ ክልተኣዊ ስምምዕ ምስ ጅቡቲ ኣለዋ፣ ኣብ 1993 ድማ፡ ኣዝዩ ሕድገታዊ ኵነታት ዚሓዘለ መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕርን ናጽነት መተሓላለፍን ናብን ካብን ወደባት ኤርትራ ምጽዋዕን ዓሰብን ምስ ኤርትራ ብምልዛብ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ገይራ ከም ዚነበረት ዚዝከር ኢዩ። 

ይዅን’ምበር፡ ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ምስ ኣወጀትን ንምጽዋዕን ዓሰብን ብኣየር ምድብዳብ ምስ ጀመረትን፡ ምጥቃም ኣገልግሎት ወደባት ኤርትራን መሳለጥያታት መተሓላለፍን ብበይናዊ ውሳኔ ከም ዘቋረጸት ምዝካር ይግባእ። ኢትዮጵያ ክንዮኡ ብምኻድ፡ ኣህጕራዊ መጐዓዝያ መራክብ ወደባት ኤርትራ ንከይጥቀማ ሃዲዳ። ብወገነይ፡ ኤርትራ ኣብ ዚዀነ እዋን መሰል ተጠቃምነት ወደባታ ንኢትዮጵያ ዚኸልከለትሉ ኣጋጣሚ ኣይፈልጥን እየ።   

ይዅን’ምበር፡ ድሕሪ መወዳእታ ናይቲ ኲናት፡ እቲ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዚነበረ መለስ ዜናዊ፡ ንኤርትራ ኣታዊታት ንምኽላእን ኣብ ልዕሊኣ ፋይናንሳዊ ጕድኣት ንምውራድን፡ ፖለቲካ “ክሰር-ክሰር” ቅኒተ-ኣእምሮ ብምምራጽ፡ ወደባት ኤርትራ ንኸይጥቀም ከም ዚወሰነ እፈልጥ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ጽዩፍ ጠለባ ንዋንነት ገዲፋ፡ ኣንፈት ኣተሓሕዛኣ ኪትእርም፡ ኣብ ውሽጢ መቓን ውዕል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕጊ ባሕሪ፡ ንመሰል ተጠቃምነት ወደባትን ናጽነት መተሓላለፍን ብቕንዕና ኣብ ናይ “ክሰብ-ክሰብ” ምውጋይ ኪትላዘብ ከድሊያ ኢዩ። 

ወደባት ኤርትራ፡ ሽሕ’ኳ ሎሚ ዓንየን ብዘይ ስራሕ ባኺነን ናብ ምትሃተ ከተማታት ተቐይረን እንተሃለዋ፡ ልክዕ ከም ዱባይ ማዕቢለን፡ ከም ቀንዲ መላግቦታት ዓለምለኻዊ መርበብ ንግድን ማእከላት ኣህጕራዊ ምስግጋር መራክብን ከገልግላ ዓቢ ተኽእሎ ኣለወን። ምስ መጠነኛ ምስትውዓል፡ ልቦና፡ ሓልዮትን ክእለትን ዘለዎ ምምሕዳር፣ እተን ህሉዋት ወደባት ኤርትራን ሓያሎ ካልኦት ኪምዕብላ ዚኽእላ ተወሰኽቲ ወደባት ኣብ ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን፡ ክንየው ኤርትራን እቲ ዞባን፡ ንካልኦት ሃገራት ከገልግል ዘኽእል እኹል ዓቕሚ ኣሎ።

ኤሪ-ፕላትፎርም ነዚ ኣቐዲሙ ኣብ 30 ሕዳር 2023 ኣብ www.eri-platform.org ስዒቡ ተመሓይሹ ኣብ 11 መጋቢት 2025 ዳግም ዚተዘርግሐ ሓተታዚ፣ ኣብዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንኤርትራ ንምውራር ወተሃደራዊ ምቅርራብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ብምኽንያት እዋናዊ ኣገዳስነቲ፡ ብጠለብ ሓያሎ ተኸታተልቲ፡ ሎሚ ንህሉው ቀዳምነት ርእሰ-ምክልኻል ኤርትራ ዘንጸባርቕ፡ ምስ እዋናዊ ምዕባለታት ዘመዓራሪ ትሕዝቶኣዊ ምምሕያሽ ብምግባር፣ ይዝርጋሕ ኣሎ።