All updates

ሓተታ - ምምዕባል ኤርትራን ምጕንጻፍ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

05/10/2024

ሓተታ 

ምምዕባል ኤርትራን ምጕንጻፍ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራን


ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
 

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ኣዝዩ ብርቱዕ ቃልሲ ኣካይዱ፡ ኣዝዩ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ። ነቲ ዕዉት ኲናት ሃገራዊ ሓርነት ኣብ ምክያድን ናጽነት ድሕሪ ምጭባጥን፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ንኤርትራ ንምልማዕን ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ንምርግጋጽን ንዚነበሮ ፕሮግራማዊ መብጽዓ ደጋጊሙ ገሊጹ። ተጋደልቲ ሓርነት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ምእንቲ’ዚ ዕላማ’ዚ ተቓሊሶም፤ ብዙሓት ኣህጕራውያን ፈተውቲ ኤርትራ ደገፎም ወፍዮም፤ ኵሎም ድማ ኣብ ትግባረኡ ዓቢ ተስፋ ኣንቢሮም።

እቲ ተምሳላዊ ድሕረ-መግዛእታዊ ኣፍሪቃዊ መንግስቲ ልምዓት፡ ሓርነትን ድሕንነትን ናይቲ ዓቢ ኣብዝሓ ህዝብታት ኣፍሪቃ ከምጽእ ዘይምኽኣሉ፡ እቲ ፍሽለት ንከም በዓል ዓብዱልራሕማን መሓመድ ባቡ ዚኣመሰሉ ፓን-ኣፍሪቃውያንን ከም በዓል ቤዚል ደቪድሰን ዚኣመሰሉ ተመራመርቲ ታሪኽ ኣፍሪቃን ጠንቂ ናይ ዓሚቚ ብስጭትን ሓፈሻዊ ጓህን ኰይኑዎም ጸኒሑ ኢዩ። ድሕሪ’ቲ ንናጻ ኣፍሪቃ ዚሃሰየ “ኣዝዩ ብዙሕ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቊጠባውን ነውጽታት”፡ እቶም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ፓን-ኣፍሪቃውያን ኣዕሩኽ ኤርትራ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ኤርትራ መንገዲ መጻኢ ኣፍሪቃ ከም እትመርሕ ኣእምሮኣዊ ስእሊ ነይሩዎም። ዕውትቲ ኤርትራ ጐደና ዕዉት መጻኢ ኣፍሪቃ ከም እትጸርግ ዚነበሮም ዓቢ ትስፉውነትን ልዑል ትጽቢታትን ገሊጾም።

ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ብዛዕባ ንኤርትራ ናብ “ኣፍሪቃዊት ሲንጋፖር” ምቕያር ብዙሕ ወግዓዊ ዘረባታት ይናፈስ ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 1990ታት፡ ዳርጋ ኵሉ’ቲ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ኰነ ኣብቲ ገዛኢ ግንብር፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ልሉይ መዝነት ዚነበሮ በዓል ስልጣን (መን መን’)፡ ንኣገባብ ስራሕ ናይቲ ሲንጋፖራዊ ሞደል ንምዕዛብ፡ ንዓወታቱ ብዓይኒ ንምርኣይ ኰነ ካብቲ ተመኵሮኡ ንምምሃር ናብታ ብንእሽቶ ደሴት ዚቘመት ወደባዊት ከተማ ሃገረ ሲንጋፖር ብምምልላስ መጽናዕታዊ ዑደት ኣካይዱ ኢዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ብምሱጥ መግለጺታት ናይ ላዕለዎት ሰብመዚ መንግስቲ ዚተዓንገለን ኣብቲ ዘቤታዊ ማዕከናት ዜና ብሰፊሕ ሸፈነ ዚተዘርግሐን፡ ውዕዉዕ ስምዒትን ዓቢ ሃንቀውታን ኣስፊኑ ነበረ። 

ብርግጽ፡ ምህናጽ ናይ ሓንቲ ደሞክራስያውን ልምዓታውን ጠባያት ብሓባር እተጣምር ሃብታም ሃገር ብሓሳብ ምስኣል ይከኣል ኢዩ፤ ኤርትራ ኣብቲ እዋን ናጽነታ ድማ፡ ከምኡ ዓይነት ሃገር ንምዃን ብርቂ ዕድል ነይሩዋ። ሃገር እኮ፡ ብመሰረቱ፡ ብሰብ ዚፍጠር፡ ዚጸንሕን ዚሕሎን ማሕበራዊ መቕወምያ ኢዩ። ደድሕሪ ምጽዳቕ ሃገራዊ ቻርተርን ምስኣል ማክሮ-ፖሊሲ ወረቐትን፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ንሲንጋፖር ከም ኣብነት (ሞደል) ንምኽታል ዕላማ ከም ዘለዎ ኣዊጁ። ኣብ ውሽጢ ህግሓኤ ኣብ ሓበንን ርእሰ-ተኣማንነትን ምስልሳል ዕዉት ኲናት ናጽነት ዚተሰረተ ኣድማዒ ምኽታል ናይቲ ዕዉት ልምዓታዊ ስትራተጂ ሲንጋፖር ንኤርትራ ናብ ‘ኣፍሪቃዊት ሲንጋፖር’ ኪቕይር ከም ዚኽእል ሰፊሕ እምነት፡ ልዑል ተስፋን ዓቢ ትጽቢትን ነይሩ።

ናጻ ኤርትራ ንቕልጡፍ፡ ዚተመጣጠነን ሰሳንን ቍጠባዊ ዕቤትን ማሕበራዊ ግስጋሰን እትሰርሕ ልምዓታዊት ሃገር ኪትከውን፡ ኣብ መሪሕነትን ኣብቶም ላዕለዎት ካድራትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ሓባራዊ ስምምዕ ማዕቢሉን መብጽዓ ተኣትዩን ነይሩ ኢዩ። ካብቲ ኣብ 1987 ዚተኻየደ ካልኣይ ጕባኤ ኣትሒዙ፡ ህግሓኤ ነቲ ዚኽተሎ ዚነበረ ስነሓሳብ ‘ስነ-ፍልጠታዊ ማሕበርነት’ን ሰረተ-እምነት ትእዛዛዊ ቍጠባን ገዲፉ፣ ድሕሪ ሓርነት፡ ሓንቲ ሕውስዋስ ቍጠባዊ ስርዓት እትኽተል ደሞክራስያዊት ሃገር ንምምስራት ኣዊጁ ነይሩ። በዚ መሰረት’ዚ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዚሰዓበ ምርዓም ሃገራዊ ቻርተር፡ ምድላው ማክሮ-ፖሊሲ ወረቐትን ምጽዳቕ ቅዋም ኤርትራን፡ እሙንነት ናይቲ ግንባር ነቲ ኣብ 1987 ዚተኣወጀ ስነ-ሓሳባዊ ለውጢ ኣረጋጊጹ፣ መብጽዓ ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ንኣብ ክሊ መቓነ-ስራሕ ናይ ሕውስዋስ ቍጠባ እትህነጽ ልምዓታዊት ሃገርን ሃብታም ሕብረተሰብን ሓቢሩ።

ከም ሓፈሻዊ ሕጊ፡ ሓደ ልምዓታዊ መንግስቲ ፕራግማታዊ (ግብራዊ) እምበር ስነ-ሓሳባዊ መቕወምያ ኣይኰነን። ብትኽክለኛ ኣጠማምታ፡ ንዕላመት ናይ ሓደ ሕውስዋስ ቍጠባዊ ስርዓት እምበር ንርእሰማልነት ኰነ ንማሕበርነት ኣይድግፍን ኢዩ። ሓደ ሕውስዋስ ቍጠባ ባእታታት ናይ ርእሰማላውን ማሕበርነታውን ስርዓታት የጣምር። ሰሳኒ ቍጠባዊ ልምዓት ንምትብባዕ፣ ንሓባረ-ምንባርን ብሓባር ምስራሕን ናይ ሓይልታት ዕዳጋን ሕጋጋት መንግስትን ዘኽእል ስርሒታት ናይ ብሕታዊ ዋኒንን ምእኩል ቍጠባዊ ዕቀዳን (ውጥን) የፍቅድ።  

እዚ ኣብ ገለ ኣብ መንጎ “ሓደ ናይ ናጻ ዕዳጋ ርእሰማላዊ ቍጠባዊ ስርዓትን ብምእኩል ዚተወጠነ ቍጠባዊ ስርዓትን” ዘሎ ቦታ ወይ “ሓደ ‘ብሕታዊ ዋንነት ምስ መንግስታዊ መምርሒ ዘጣምር’ ውጥነ-ርትዓዊ ርእሰማላዊ ስርዓት” ሓደ ፍኖት ይስእልን ሓደ ውጥን ናይ ልምዓት ይትግብርን። ሓደ ልምዓታዊ መንግስቲ፡ ልክዕ ከም ኣብቲ ተመኵሮ ናይተን ‘እስያውያን ኣናብር’ ዚበሃላ ሃገራት፡ ኣብቲ ብዕዳጋ ዚድረኽ ቍጠባ ንትሕዝቶን መርኣያን ቍጠባዊ ህይወት ዚቐርጽን ዚውስንን “ስፋይ-ኣልቦ መርበብ ናይ ፖለቲካዊ፡ ቢሮክራስያውን ናይ ሰብ ገንዘብን ጽልዋታት” ኪፈጥርን ኪሰርዕን ምኸኣለ።

እቲ ቀንዲ ሕላገት ናይ ልምዓታዊ መንግስቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቅልጡፍን ሰሳንን ልምዓት ምስ ማሕበራዊ ፍትሒ ዚውዕል ሓያል ሽርክነትን ኣድማዒ ምትሕብባርን ናይ መንግስታውን ብሕታውን ጽላታት ዚዅስኵስ መንግስታዊ ምትእትታው ኣብቲ ቍጠባ ኢዩ። ልምዓታዊ መንግስቲ ብዓይነታዊ መርኣያኡ መላኺ ኪኸውን እንከሎ፡ ብግድነት ወይ’ውን ብዘይ ተቐያያሪነት ግን ኣይኰነን። ብዙሕ ግዜ ድማ፡ ጽቡቕ ናይ መላእ ሃገር ወይ ህዝቢ ንምስፋሕ ከም ዚሰርሕ ምልክታት ኣለዉ። ንሓደ ልምዓታዊ መንግስቲ፡ ደሞክራስያዊ ይኹን ምልካዊ ብዘየገድስ፡ ካብ ኵሎም ካልኦት ዓይነታት መንግስቲ ፈልዮም ዘለሊዩ ኣርባዕተ መምዘኒታት ከም ዘለዉ ተመኵሮ ይሕብር።  

እቶም ዘይነጻጸሉ መምዘኒታት ድማ፦ ቀዳማይ፡ መግለጺ ናይ ንጹር ልምዓታዊ ዕላማታት፤ ካልኣይ፡ ነቶም ዚተገልጹ ዕላማታት ንምውቃዕ ዘኽእል ምስረታ ናይ ብቑዓት ትካላዊ መዋቕራት፤ ሳልሳይ፡ ኣብ ኣሰራርሓ መንግስታዊ ኣገልግሎት መዝነተ-ብቕዓትን (መሪቶክራሲ) ክእለትን ምኽታል፤ ራብዓይ ድማ፡ ኣድማዒ ኣቕርቦት ናይ ዚተመሓየሸ ህዝባዊ ጸጋ ወይ ሰናይ-ህላወ፡ ዚለዓለ ደረጃ መነባብሮን ዚደንፍዐ ሰብኣዊ ኵነትን ንኣብዝሓ ናይ ዜጋታታን ኢዮም።

ሲንጋፖር ኣብቲ ጫፍ ናይ ሓውሲ-ደሴት ማላይ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ኣለዋ። ህዝባ፡ ብቐንዱ ኤትኒካዊ ጕጅለታት ናይ ቻይናውያን፡ ማለዥያውያን፡ ህንዳውያን፡ ፐራናካውያንን ኤውሮኤዥያውንን ዚሓቘፈ ኰይኑ፣ ሕብረ-ዓሌታውን ሕብረ-ሃይማኖታውን እውን ኢዩ። ኣብ 1965 ናጽነታ ኣብ ዚተጐናጸፈትሉ እዋን፡ ሲንጋፖር ዚዀነ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ዚዀነ ብቑዕ ቀረብ ማይ፡ ዚዀነ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ፡ ዚዀነ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት፡ ዚዀነ ተስፋ ዚህብ ትጽቢታት ኣይነበራን። ምስተን ካብኣ ኣጸቢቐን ዚዓበያን ኣዝየን ዚሓየላን ጐረባብታ፡ ማለዥያን ኢንዶነዥያን፡ ውጡር ዝምድናታት ነይሩዋ። እቲ ቀንዲ ጸጋኣ ወይ መድሕና ኣብቲ መዝነተ-ብቕዓት ንምኽታል ዚተመባጽዐን ቅልጡፍ ቍጠባውን ማሕበራውን ለውጢ ንምምጻእ ዚተወፈየን፣ ሓደ ሓያል ሃገራዊ መንነት ዚሰነዐን ናይ ውሑዳን መሰላት ብምሕላው ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ዚሃነጸን፣ ንቑሕ (ስልጡን) መሪሕነት ዚተነጽፈ ነበረ።  

መንግስቲ ሲንጋፖር፡ ሓደ ዕላመት ናይ ‘ተኣላዪ ደሞክራሲ’ ብምርዓም፣ ስሉጥ፡ ተሓታትን ግሉጽን ስርዓት ናይ ህዝባዊ ምምሕዳርን ኣብ መዝነተ-ብቕዓት ዚተመስረተ ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ኣቘመ። ንተሳትፎ ዘቤታዊ ርእሰማልን ዋሕዚ ናይ ቀጥታዊ ግዳማዊ ወፍርን ፍልጠታዊ ክእለትን ዘመቻችእ፣ ናብ ሰደድ ዚጠመተ ልምዓታዊ ስትራተጂ ቀይሱን ተግቢሩን፤ ብባንካዊ፡ ፋይናንሳውን ወደባውን ኣገልግሎታት ዚተመርሐ ዘመናዊ ጽላት ኣገልግሎታት ሃኒጹ። ብተወሳኺ፡ ንህዝባዊ መሳለጥያታትን ኣገልግሎታትን ዘደንፍዕ ትሕተ-ቅርጺ ንምውዳድ፡ ብቑዕ ኣመሓዳድራ ዘለዎም ሓያላት መንግስታዊ ዋኒነ-ትካላት መስሪቱ፤ ብጽላታት ናይ ‘ልዑል ተክኖሎጂ’ ዚተደረኸ ዘመናዊ ቍጠባ ንምምዕባል ዘድሊ ፍልጠትን ክእለታትን ንምፍራይ፡ ልዑል ዓይነት ናይ ሳልሳይ (ላዕለዋይ) ደረጃ ትምህርቲ ኣስፋሕፊሑ፤ ምስተን ጎረባብታ ከኣ፡ ናጻ ንግዲ፡ ምዉቕ ዝምድናታትን ሰላምን ኰስኲሱ።

ኣብ 1984፡ ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመታት ድሕሪ ምጕንጻፍ ናጽነት፡ ሲንጋፖር፡ ብትሑት ዝቕባበን ምሉእ ሽቕለትን ዚተሰነየ ኣደናቒ ቍጠባዊ ዕቤት ኣመዝጊባ፤ ካብ ድኽነት ተገላጊላ ናብ ብልጽግና ኣትያ፤ ኮማዊ ግጭት ስዒራ ዘቤታዊ ቅሳነት ኣረጋጊጻ፤ ምስ ጐረባብታ ምዉቕ ዝምድናታት ኰስኲሳ፤ ናብ ሓንቲ ኣገዳሲት ተዋሳኢት ኣብ ምምዕባል ዞባዊ ምትሕግጋዝ፡ ጸጥታን ምሕዝነትን ማዕቢላ። ቍጠባ ሲንጋፖር ብቐጻልነት ኪዓብን ሃብቲ ኪፈጥርን ጸኒሑ፡ እቲ ህዝቢ ሓደ ካብቶም ኣዝዩ ዚለዓለ ደረጃ መነባብሮ ዘለዎም ህዝብታት ንኪኸውን ኣኽኢሉ። ብመጠን ተመጣጣኒ ዓቕሚ ሸመታ ዚዕቀን ጃምላዊ ዘቤታዊ እቶት ንሓደ ሰብ፡ ሲንጋፖር፡ ምስቲ ዘለዋ ወግዓዊ ትሕጃ ወጻኢ ሸርፊ ናይ 506.4 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ (ነሓሰ 2024)፡ እታ ኣዝያ ዚሃብተመት ሃገር ኣብ ዓለም ኰይና ኣላ።

ኣብቲ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናጽነታ ዚረኸበትሉ እዋን፡ ንስፍሓት መሬትን ብዝሒ ህዝብን ኰነ ንዓቐን ዕቑር ጸጋታትን ዓሌታዊ ብዙሕነትን ብዚምልከት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሲንጋፖርን ደርማስ ዘይተመሳሳልነት ነይሩ ኢዩ። እቲ ኵነታትት ብዝያዳ ንኤርትራ ዚምችእ ነይሩ። ምርዓም ናይቲ ሲንጋፖራዊ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ሞደል ንኤርትራ፡ ምስቲ ዚነበራ ተዛማዲ ብልጫ፡ ምናልባት ነቲ ዕዉት ተመኵሮ ናይ ሲንጋፖር ኣብ ህንጸት ሃገር፡ ምህናጽ መንግስትን ቍጠባዊ ልምዓትን ብቐሊሉ ምቕዳሕ ወይ ምድጋም መኽኣላ ነይሩ ይኸውን። 

ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ምስ ዚርአ ግን፡ እቲ ኵሉ ሃነይነይነት ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስቲ ናይ ሲንጋፖራዊ ሞደል፡ ኪኖ ንህልከተ ዕዳጋ ዚተዘርግሐ መተዓሻሸዊ ረክላም ዚኸይድ ዚነበረ ኣይመስልን። ምኽንያቱ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ከምኡ ዓይነት ሞደል ብዓወት ንምትግባርን ንኤርትራ ናብ ኣፍሪቃዊት ሲንጋፖር ንምቕያርን እቲ ዘድሊ መቘምያታት፡ ብሕልፊ ድማ፡ ፖለቲካዊ ድሌት፡ ዓይነት መሪሕነት፡ ተግባራዊ ትካላት፡ ተሓታትን ግሉጽን መንግስታዊ ምምሕዳርን ፋይናንስን፡ መዝነተ-ብቕዓትን ክእለትን ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎት፡ ወዘተ.፣ ብፍጹም ስለ ዘይነበሮ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መብጽዓ ናይ ደሞክራስያዊት ሃገርን ሕውስዋስ ቍጠባን ራሕሪሑ፡ ኣምሳይኡ፡ መላኽን ድሕንነታውን ስርዓትን ብልሽታዊ ናይ ኩፖን ቍጠባን ብምትካል መጠነ-ሰፊሕ ድኽነትን ስእነትን ፈጢሩ።

ብሕጽር ዚበለ ኣቀራርባ፡ እቲ ኣብ ሃገራዊ ቻርተር፡ ማክሮ-ፖሊሲ ወረቐትን ቅዋም ኤርትራን ዚሰፈረ ራእይ፡ ዕላማታት፡ መትከላት ኰነ ክብርታት፣ ነቲ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ንኤርትራ ናብ ሓንቲ ሓራ፡ ደሞክራስያዊትን ልምዓታዊትን ሃገር ንምቕያር ዘድሊዩ ሕጋዊ መሳርሒታት፡ ቍጠባዊ መምርሒታትን ፖለቲካዊ ግቡእነትን ኣውሂቡዎ ነይሩ ኢዩ። እቶም ሰለስተ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ሕጋውን መቓነ-ስራሓት፡ ነቲ መንእሰይ መንግስቲ ነቶም ዕላማታት ናይ ህንጸት ሃገር፡ ምህናጽ መንግስትን ማሕበረ-ቍጠባዊ ልምዓትን ንምጭባጥ ዘድልዩዎ ቀንዲ ናይ ፖሊሲ መምርሒታትን ቅጥዓዊ መለክዒታትን ኣዋዲዶሙሉ ነይሮም ኢዮም። ኣብቲ መጀመርያ፡ እቲ ዚተኣትወ መብጽዓ ናይ ብሩህ መጻኢ፡ ብመንገዲ ስሉጥ ምፍጻም ዕማማት ናይቲ መንግስትን ሓቀኛ ኣቕርቦት ናይ ዚለዓለ ደረጃ መነባብሮን ዚበለጸ ዓይነት ህይወትን ክዉን ኪኸውን ልዑል ተስፋታትን ዓቢ ትጽቢታትን ነይሩ። 

ሎሚ፡ ዝያዳ ሳላስን ሰለስተን ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ እዚ ህሉው መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽሑፍ ኪኽተል ከም ዘይከኣለ ኰነ ኣድማዒ ኣጠቓቕማ ናይቶም ዚተዳለዉሉ ናይ ፖሊሲ መሳርሒታት ገይሩ ሃገር ንምምዕባልን ህዝቢ ሓራ ንምውጻእን ከም ዘይበቕዐ ምግምጋም ኣዝዩ ምዙን፡ ውድዓውን ርትዓውን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብግኑን ስእነት ኰነ ጕድለት ናይ ከም ዚብላዕ መግቢ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ዚስተ ማይ፡ ኤለክትሪሲትን መብራህትን፡ ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ መጐዓዝያ፡ መራኸቢታት፡ ወዘተ.፡ ዚኣመሰሉ መሰረታዊ ሰብኣዊ ጠለባት መነባብሮን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ምስቓይ ይርከብ። ከተማታትን ወደባትን ኤርትራ፡ ምስቲ ፍሩስ ህንጻታተንን ዚተበላሸወ ጽርግያታተንን፡ ኣብ ኵነት ናይ ፍጹም ምምሽማሽ ይርከባ። ኤርትራ ሎሚ ኣብ ጽልሙት ኵነታት ኪትሕመስ ኣዝዩ ዘሐዝን ኢዩ።

[:swvar:text:838:]

ስለዚ’ምበኣር፡ እቲ መንግስቲ ነቲ ቍጠባ ከማዕብል፡ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ከቕርብ፡ ደረጃ መነባብሮ ክብ ከብል፡ ዓይነት ኣነባብራ ህይወት ከመሓይሽ፡ ሰብኣዊ ኵነት ህዝቢ ኤርትራ ሓፍ ከብል ብዘይ ምኽኣሉ፡ ኪንቀፍ ብሓቂ ግቡእን ኣድላይን ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ፡ ሓደ ኣብቲ እዋን’ቲ ገስጋሲ ሰውራዊ ምንቅስቓስ ዚነበረ፡ መሬትን ህዝብን ሓራ ንምውጻእ ኣንጻር ሓያላት ተጻባእቲ ብዓወት ዚተቓለሰ፡ ድሕሪ ናጽነት ማህሚኑ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት፡ ግስጋሰን ራህዋን ከጐናጽፍ ዚኽእል ተግባራዊ መንግስቲ ኪምስርትን ኪሃንጽን ዘይምኽኣሉ፡ መሪር ታሪኻዊ ግሪንቢጥ ምዃኑ ኢዩ። ዋላ’ኳ እቶም ኣብቶም ሰለስተ ሰነዳት ዚሰፈሩ ዓበይቲ መብጽዓታትን፡ እቶም መብጽዓታት እቲኣቶም ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ኣዕሩኽ ኤርትራን ዚፈጠሩዎም ዓበይቲ ትጽቢታትን ልዑላት ተስፋታትን እንተነበሩ፣ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ክዉንነት ጽልሙት መዝገብ ናይ ሓደ ኣብ ኵሉ መዳያት፡ እቲ ክዉን ግብሩ ካብቲ እዉጅ ፖሊሲኡ ዚረሓቐ ዝሩግ መንግስቲ፣ ምስቲ ኵሉ ጕድኣታዊ ሳዕቤናቱ ንኤርትራን ንህዝባን፣ የርኢ። 

ኤርትራ ሽሕ’ኳ ኣብዘን ዚሓለፋ ዝያዳ ሳላሳ ዓመታት ናይ ናጽነት ቅልጡፍን ሰሳንን ልምዓት ንምምዝጋብ ዓበይቲ ዕድላት እንተ ኣባኸነት፣ ኵሉ ተስፋ በኒኑ ማለት ኣይኰነን። ምስ ለውጥን ርጉእ ስግግር ናብ ቅዋማዊ መንግስትን፡ ነቲ ኣብቲ ሃገራዊ ቻርተር ተዓቚሩ ዘሎ ራእይ ናይ ደሞክራሲ፡ ግስጋሰን ራህዋን፣ ነቶም ኣብቲ ማክሮ-ቍጠባዊ ሜላዊ መቓነ-ስራሕ ተነጺፎም ዘለዉ ዕላማታት ናይ ልምዓት፡ ፍትሕን ብልጽግናን፣ ነቶም ኣብቲ ቅዋም ኤርትራ ተወቂጦም ዘለዉ ሃረርታታት ናይ መሰረታዊ ሓርነታት፡ መባእታዊ መሰላትን ፍትሕን ምሕዋይን ምስልሳልን ኪከኣል ኢዩ። ምህናጽ ናይ ሓደ ከም ሲንጋፖር ንኤርትራ ልምዓት ዘምጽእን ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዘጐናጽፍን ሓድሽ መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን፡ ከምቲ ኣብ 1990ታት፡ ኣብ ኣእምሮኻ ምስኣልን ክዉን ንምግባር ምስራሕን ከም ዚከኣል እኣምን። 

ይዅን’ምበር፡ እዚ እምነት’ዚ ብግብሪ ክዉን መታን ኪኸውን፡ እቲ ድሕሪ ስግግር ዚትከል ሓድሽ መንግስቲ ንቑሕን ስልጡን መሪሕነት ኪህሉዎ፣ ቅዋማዊ ኪኸውን፣ ብቑዕ ሰብኣዊ ርእሰማል ዚሃንጽ ስርዓተ-ትምህርቲ ከተኣታቱ፣ ጥዕና ዜጋታት ዘረጋግጽ ኣገልግሎት ሕክምና ኪዝርግሕ፣ ንጹር ልምዓታዊ ዕላማታት ከቐምጥ፣ ነቶም ዚተቐመጡ ዕላማታት ንምውቃዕ ዘኽእሉ ብቑዓት ትካላዊ መዋቕራት ኪምስርት፣ ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ኪዅስኵስ፣ ኣብ ኵሉ-መዳያት ህዝባዊ ምምሕዳርን ሲቪላዊ ኣገልግሎትን መዝነተ-ብቕዓት (መሪቶክራሲ) ከዘውትርን ክእለት ከቐድም፣ ደረጃ መነባብሮ ናይ ኣብዝሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕን ሰብኣዊ ኵነቱ ክብ ዘብልን ስሉጥ ኣቕርቦት መሰረታዊ ጠለባትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከዋድድ የድሊ።