All updates

ሓርነት ባጽዕ - መሽንቆቓ ኣብ ክሳድ ወራሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ

10/02/2022

ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ተጋደልቱን ታሪኽ ኪሰርሑ’ምበር ኣብ ዝኽሪ ታሪኽ ኪነብሩ ኣይተቓለሱን። ነቲ ታሪኻዊ ዓወት ብረታዊ ቃልሲ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ብዘስፍን ኣድማዒ ዓወት ህንጸት ሃገር፡ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ግስጋሰ፡ ባህላዊ ትንሳኤ ንምምላእ ኢዮም ንእስነቶም፡ ህይወቶም፡ ኣካላቶም፡ ዕድላቶም ዘወፈዩ።