All updates

ለበዳ ኮሮናቫይረስ (COVID-19)

23/03/2020

ለበዳ ኮሮናቫይረስ (COVID-19)

ካብ ድሮ 2020 ኣትሒዙ ዚላባዕ ዘሎ ሰፊሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዛጊት መድሃኒት ዘይተርኽቦ ብቕልጡፍ ፍጥነትን ሓያል ናህርን እናተዘርግሐ ናብ መላእ ዓለምና ምልሓሙ ዓቢ ስንባደን ብርቱዕ ሻቕሎትን ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ንመላእ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዘስግእ ተላባዒ ለበዳ’ዚ ድሮ ኣብ ሓያሎ ሃገራት እናወሰኸ ዚኸይድ ከቢድ ስምብራት ናይ ሞትን ስቅያትን የስዕብ ኣሎ። ብኡ መጠን ድማ፡ ብዛዕባ ምልክታቱ፡ ኣቐዲምና ብኸመይ ንከላኸሎ ኰነ ምስ እንልከፍ ብኸመይ ከም እነሕውዮ፣ ጠቓሚ ሓበሬታን ምኽርን ብቐጻሊ ይውሕዝ ኣሎ።

ብመንጽር’ዚ፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ክኢላታት፡ ብውልቅን ብምትሕብባርን፡ ዘበርክቱዎ ዘለዉ ኣስተምህሮታት፡ ሓበሬታን ምኽርን ኣዝዩ ዚነኣድ ኢዩ። ነዚ ድማ፡ ኵልና ብተገዳስነት ክንከታተሎ፡ ብግቡእ ክንጥቀመሉ፡ ንዘይበጽሖ ከነብጽሕ እዋናዊ ግዴታን ሓላፍነትን ኣለና። ማዕረ ማዕሪኡ እቶም ብኮሮናቫይረስ ዚተለኽፉ ኣሕዋትና/ኣሓትና ተምኵሮኦም ብትብዓት ከካፍሉ፣ ኵላትና ድማ ዝከኣለና ከነተባብዖምን ክንድግፎምን ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ኣዝዩ ሓደገኛ እዋን’ዚ፡ ነቲ ዚሓሊ መንግስትን መባእታዊ መከላኸሊ ናውትን ዘይብሉ ህዝብና ኪብክል ዚኽእል ሕማም ተሰኪምና ንዓዲ ካብ ምኻድ ክንቍጠብ ብጥብቂ ነተሓሳስብ። ብወገንና፡ ጠቓሚ ኰይኑ ዝረኣየና ሓበሬታን ምኽርን፡ ካብ ሎሚ ጀሚርና ኣብዚ ፍሉይ ዓምዲ ናይ ኤሪ-ፕላትፎርም’ዚ ከነቃልሕ ኢና።

ክንዮ’ቲ ሓበሬታን ምኽርን፡ ኤርትራዊ፡ ብዓቢኡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ ብጠንቂ’ቲ ፍሉጥ ኣዝዩ ዘሐዝን ኵነታት መነባብሮኡ፣ ካብ ዓዱ ወጻኢ ኣብ ስደት’ውን፡ ብፍላይ ኣብ መዳጎኒታት ሊብያ፡ መዓስከራት ስደተኛታትን ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ብፍሉይነት፡ ንሓደጋ ኮሮናቫይራስ ዚተቓልዐ ሰብ ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ኵነታቱ ብፍሉይ ኣተኵሮ ክንከታተልን ኵሉ ዚከኣል ምትሕብባር ክንገብርን ዓቢ ሓላፍነት ኣለና።

[:swvar:text:838:]