All updates

ህሉው ኵነታት ሃገርናን እዋናዊ ሃገራዊ ዕማማትን

06/08/2018
ፈስቲቫል ኤርትራ 2018
Frankfurt, Germany
4 ነሓሰ 2018

ህሉው ኵነታት ሃገርናን እዋናዊ ሃገራዊ ዕማማትን

 

ዝኸበርኪ ኣደ መንበር፡ የቐንየለይ።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2018፡

ኣቐዲመ፡ ምዉቕ ሰላምታ አቕርብ። ኣስዒበ፡ ስለ’ቲ ኣብዚ ፈስቲቫል’ዚ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርናን እዋናዊ ሃገራዊ ዕማማትን ኣብ ዚካየድ ዘተ ንምስታፍ ዚተዋህበኒ ዕድል  አመስግን። ናይ ሎሚ ዘተና፡ ኣብዚ ንነፍሲ ወከፍ ሓርበኛ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ ኤርትራዊ ኣዝዩ ዘሻቕል፣ ነቲ ህዝብና ድሕሪ ናይ 72 ዓመታት (1946-2018) መሪር ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲታት ኣካይዱ፣ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁ፡ ዕንወት ሃገሩ፡ ዝርገት ማሕበራዊ ህይወቱ ከፊሉ፣ ዚተጐናጸፎ ልዑላዊ ናጽነት፣ በቲ ብስም ፍልስፍና ‘ፍቕርን ምድማርን’ ዚካየድ ዘሎ ድራማ ወይ ተዋስኦ፡ ድነ ስግኣት ዘንጸላልወሉ ዘሎ እዋን ይካየድ ስለዘሎ፣ ፍሉይ ሓላፍነት የሰክመና። 

ኵላትና ክንከታተሎ ከም ዝጸናሕና፣ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሳምንቲ ዘይመልእ እዋን፡ ኣብ መንጎ 5 ሰነን 16 ሓምለን  2018፣ ካብቲ ብመሪር ተጻብኦ ዚልለ ነዊሕ ኵነተ ኣይኲናት፡ ኣይሰላም ናብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኣመና ህንጡይ ኵነተ ሰላምን ምሕዝነትን፣ ንዅሉ ተዓዛቢ ዘስደመመ ሃንደበታዊ ለውጢ ኣርእዩ። ሰንሰለት ናይቶም ብፍጥነት ተኸታቲሎም ዚሓለፉ ድራማዊ ፍጻመታት ኣብዚ ደጊምካ ምዝርዛር ዘድሊ ኣይመስለንን።

ብዚዀነ ግን፣ እቲ ቅልጡፍ ናህሪ ናይቶም ፍጻመታት፡ ነቲ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ገለ’ኳ ከይተፈጸመ፡ ኣብ ሳምንቲ ዓሰርተታት ዓመታት ተፈጺሙ (decades where nothing happened, and weeks when decades happened) ዚብል ብሂል እንግሊዛውያን ይገልጽ። ሕመረት ናይቶም ፍጻመታት እቲ 5 ነጥብታት ዚሓዘ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኢዩ። ዕላምኡ፡-

(1) እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዚጸንሐ ኵነተ ኲናት ከም ዘብቅዕ ምግባር፤

(2) ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር ምፍጣር፤

(3) ርክባት መጐዓዝያ፡ ንግድን መራኸቢታትን ኰነ ንቡር ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምምላስ፤

(4) ውሳነ ዶብ ምትግባር፤

(5) ዞባዊ ሰላም፡ ልምዓትን ምትሕብባርን ምርግጋጽ።

እቲ ሓባራዊ ኣዋጅ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዝምድናታት ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራትን ህዝብታትን፡ ንሓደ ኣመና ኣዕናዊ፡ ኣዝዩ ግናይን መሪርን ምዕራፍ  ይድምድም።

(1) ፖለቲካ ናይ ትርጉም-ኣልቦ ኲናትን ሓድሕዳዊ ተጻብኦን፤

(2) ትራጀዲ ናይ ጃምላዊ ጥርዝያታትን ምዝንባል ህዝብታትን፤

(3) ራስያታት ሃብቲ፡ ንብረትን ጥሪትን ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፤

(4) ሓሳድ ናይ ‘ክሰር-ክሰር’ ክልተኣዊ ዝምድናታት፤

(5) ገዚፍ ክሳራ ዕድል ቍጠባዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ግስጋሰን ሰብኣዊ ድሕነትን ን2ኡ ህዝብታት።

ምኽታም ኵነተ ኲናት፣ ምድቃስ ዶባዊ ግጭት፣ ምምላስ ንቡር ክልተኣዊ ዝምድናታት፣ መብጽዓ ንጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር፣ ንነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰነ ንስፍነት ሰላም፡ ጸጥታ፡ ርግኣትን ዞባዊ ምትሕብባርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽቡቕ ፋል ኢዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ሓድሽ ዝምድና ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዚተነብረ እገዳ ንምልዓልን ኣባልነት ኤርትራ ኣብ በይነ-መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት [Inter-Governmental Authority on Development (IGAD)] ንምምላስን መንገዲ ዚጸርግ ኢዩ።

መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ንሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ብዓቢ ታሕጓስ ተቐቢሉዎ። ዓሚቝ ናፍቖትን ሃንቀውታን ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዚሰኣኖ ርጉእ ሰላምን ንቡር ህይወትን ስለ ዘለዎ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ውን፡ ብደስታ ተቐቢሉዎ። መኣዝን ናይቲ ፍጻመታት እናነጸረ ምስ መጽአ ግን፡ ነቲ ታሕጓስን ደስታን ዓቢ ሻቕሎት ተወሲኹዎ። ስለምንታይ፧

(1)  መልሲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንመግለጺ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣዕናዊ ኣሉታዊ ጸዓት (negative energy) ከመንጩ ዚኽእል ሕዱር ቅርሕንትን ህርፋን ሕነ ምፍዳይን ስለዘንጸባርቕ፤

(2)  ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዚበጽሓሉ ፈላሚ ዑደት፡ ን1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ “ምቕሉል መራሒና” ምባል ልዑላውነት ሃገር ዘሕስር ስለዚዀነ፤

(3)   እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ዚተራእየ፣ ንቡር ፕሮቶኮላዊ ቅጥዒ ዚሰኣነ ሆይሆይታ ኰነ ሃገራዊ ጥልመት ዘመልክት፡ ‘ሓደ ህዝቢ ኢና’፡ ‘ንስኻ ኢኻ ትመርሓና’፡ ‘ውክልና ሂበካ ኣለኹ’ ዚብል ዘረባታት፣ ንልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ዘስግእ ክስተት ስለዚዀነ፤   

(4)  ብመንጽር’ቲ፡-

    4.1 ሃገርን ህዝብን ዘድመየ ኣዕናዊ ዶባዊ ኲናት፤

    4.2 ብምስምስ ‘ጐበጣ’ን ኵነተ ‘ኣይኲናት፡ ኣይሰላም’ን፣ ሃገር ከዕኑን ህዝቢ ኪረግጽን ዚጸንሐ ምልካዊ መድቈስቲ፣ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ገና ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ሰራዊት እናሃለወ፣ እቲ ዚበሃል ዚነበረ ቅድመ-ኵነት ምንስሓብ ከይተማልአ፣ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ምእዋጅ፤

    4.3 ኣብቲ ዚገሃድ ዘሎ ሓድሽ ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ ‘ዶብ ኣገዳስነት የብሉን’፣ ‘ብጕዳይ ዶብ ኣይተዘራረብናን’፣ እናተባህለ ሕቶ ዶብ መዕለቢ ከይተገብረሉ፡ ተጐስዩ ይሕለፍ ምህላዉ፤

እዚ ንልዑላዊ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተርእዮታት’ዚ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፣ ደጋፊ ይዅን ተቓዋሚ ናይቲ ስርዓት፣ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ክስተት ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ትርጕም ሓባራዊ ኣዋጅ ኣዳቒቕና ክንርዳእ፣ ኣተገባብርኡ ብጥንቃቐ ክንከታተል የድሊ።

1. ዘላቒ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንተላይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብህያው ሰላምን ሓቀኛ ሰብኣዊ ድሕነትን ኪስነ ይግባእ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ሓድሓደ ዞባታት ዚካየድ ዘሎ ደማዊ ኤትኒካዊ ግጭትን ቅስቀሳ ዘመተ ጽልእን ከቋርጽ፤ ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ብጠንቂ ኣረሜናዊ መድቈስቲ፡ ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ደረት-ኣልቦ ቀይድን ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሰፊኑ ዘሎ ሓፈሻዊ ኵነተ ስግኣት ከኸትም ኣለዎ። ኣብ ክልቲአን ሃገራት፡ ንዚሓለፉ ጌጋታት ብምእራምን ንዚጸንሑ ቍስልታት ብምሕዋይን ህያው ሰላም ንምስፋን፣ ልቦና ዘለዎ፡ ኣብ ናይ ትማሊ ቅርሕንቲ ዚነብር ዘይኰነስ፡ ሎሚ ንናይ ጽባሕ ተስፋ ዚሰርሕ መሪሕነት ከድሊ ኢዩ።  

መስርሕ ምርግጋጽ ዘላቒ ሰላም፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት፡ ንዅሎም ፖለቲካዊ ተዋሳእትን ሰብ ጕዳይን ዚሓቍፍ፣ ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ዘእቱ ኪኸውን ይግባእ። ንዚዀነ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ተዋሳኢ ይዅን ወገን ዚንጽል ወይ ዘግልል መስርሕ፣ ውጽኢቱ፡ መጻኢ ሰላም ዚዘርግ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መጻኢ ኲናት ዚቕስቅስ፤ ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህውከት ከናኽስ ከም ዚኽእል ኣስተብህሎ ይሓትት።

2. ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚጠቅም፡ ንረብሓታቶም ዘገልግልን ዘዕብን ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር ምፍጣር፣ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ህላወ ናይ ብማዕረ ዘዋስእ ተመሳሳሊ ሜዳታት ንጥፈት ይጠልብ። ኣብቲ ሓፈሻዊ ኵነት ናይ ክልቲአን ሃገራት ብዙሕ ተመሳሳልነት’ኳ እንተሃለወ፣ ብጠንቂ’ቲ ኣብ ተክኒካውን ሞያውን ዓቕሚ ሰብ ኰነ ኣብ ደረጃ ዕቤትን ኣሰራርሓን ትካላት ዘሎ ዘይተመጣጠነ ምዕባለታት፣ ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ጥቡቕ ክልተኣዊ ምትሕብባር ዚረኽቦ ጥቕምታት ኣዝዩ ዘይመዛዘን ኪኸውን ኢዩ። ፖለቲካ፡ ቍጠባ ኰነ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብኣረሜናዊ ምልክን ብሕትውና ህግደፍን ተደቚሱ፡ ኣብ ፍጹም ዕንወት ከም ዘሎ ኵሉ ዚፈልጦ ኢዩ። ኤርትራዊ ወፍሪ ዓጊትካ ኢትዮጵያዊ ወፍሪ ምዕዳም ጣቋ ዘለዎ ሜላ ኣይኰነን፤ ዘቤታዊ ወፍሪ ኣጊድካ ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ኪትስሕብ ዘይከኣል’ዩ።

ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኦም ሰብ ዓቕሚ ገዳይም መራሕትን ካድራትን ብረታዊ ቃልሲ ኰነ ላህመት ምሁራት፡ ሰብ-ዋኒንን ሞያውያንን ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ኣብ ስደት ኣለዉ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ምንቍልቋል ደረጃን ዓይነትን ትምህርቲ ንወለዶታት መንእሰያት ዕድል ግቡእ ትምህርቲ ነፊጉ። እዚ ክዉንነት’ዚ፡ ኣብ ኵሉ ሜዳታት ስራሕ፡ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ትካላት መንግስቲ ኰነ ዋኒናት፡ ክቱር ሕጽረት ክኢላ ሓይሊሰብ ፈጢሩ።

ብሕጋዊ ዓይኒ፡ መብጽዓ ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ኣዋጅ ሰላም ብፈጻሚ ሽማግለ ኢህወደግ (EPRDF)፡ ብካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ብፓርላማ ኢትዮጵያን ዚተደገፈ ኢዩ። ብወገን ኤርትራ ግን፡ ኣብቲ ኣጠራጣሪ ሕጋዊ ቀያድነት ዚህሉዎ ዊንታን ረብሓን ውልቀ-መላኺጥራይ ዚተመርኰሰ ኢዩ።

ኪኖ’ቲ ዓቢ ሃጓፍ ግዝኣተ ሕግን ቅዋማዊ ምሕደራን፡ ኤርትራ ዋላ ስማዊ ፓርላማ፡ ተግባራዊ ካቢነ ኰነ ብግቡእ ዚሰርሑ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘለዎም መንግስታዊ ትካላት የብላን። ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኰነ ባንክ ኤርትራ ብዛዕባ ኣታዊታትን ወጻኢታትን መንግስቲ ዚዀነ ኣፍልጦ የብሎምን። እቲ ካብ ዕደና ወርቅን ነሃስን ዚርከብ ልዑል መኽሰብ’ኳ ኣበይ ከም ዚኣቱ ብወግዒ ኣይፍለጥን።

እኩብ ድምር ናይቲ ቀጻሊ ምጕስቛል፡ ሃውራዊ ቀይዲ፡ ምስሓብ ፍቓድ ንግዲ፡ ምዕሻግ ዋኒናት፣ ሰብ ዋኒን ብብዝሒ ሃገር ገዲፎም ከም ዚስደዱ ገይሩ። ውጽኢት ናይዚ ግፍዕታት’ዚ፣ ንህዝብን ሰብ ዋኒንን ኤርትራ፣ ብመንጽር’ቶም ኣብ ዚሓሸ ተዛማዲ ኵነት ዚርከቡ መማዝንቶም ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ኣዝዩ ዓቢ መግዳዕቲ የውድቖም። ክንዲ ዚዀነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቍጠባዊ ዕብሰት፡ ፖለቲካዊ ልምሰትን ሕብረተሰባዊ ዝርገትን ከየብቅዐ፣ ህዝብን ሰብ ዋኒንን ኤርትራ፡ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዚፍጠር ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር ተመጣጣኒ ረብሓታት ኪሓፍሱ ዚከኣል ኣይኰነን። 

3. ንቡር ክልተኣዊ ዝምድናታት፣ ዲፕሎማስያዊ ኰነ ናይ መጐዓዝያ፡ ንግድን መራኸቢታትን ርክባት ምምላስ ሓደስቲ ዕድላት ዚኸፍት ኣገዳሲ ምዕባለ ኢዩ። ውጽኢቱ ድማ፡ንህዝቢ ኤርትራ ብቐጥታ፡ ማዕረ ዘርብሕ ኪኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ብናይ መቝነን መግቢ፡ ብክቱር ሕጽረት ማይ፡ ብቐጻሊ ምቍራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ብዋሕዲ መሳለጥያታት መጐዓዝያን መራኸቢታትን እናተሳቐየ ዚነብር ዘሎ ኢዩ። ካብቲ ሓድሽ ዝምድናታት ሓባራዊ ጥቕሚ መታን ኪረክብ ድማ፣ እቲ ብህግደፍ ተባሒቱ ዘሎ ሃገራዊ ቍጠባ ንብሕታዊ ጽላት ክፉት ኪኸውን፣ እቲ ዓንዩ ዘሎ ኣካላዊ ትሕተ-ቅርጺ ኪዕረ፣ መሳለጥያታት መጐዓዝያን መራኸቢታትን ኪመሓየሹ፣ እኹል ቀረብ መግቢ፡ ጸዓትን ማይን ኪረጋገጽ የድሊ። 

4. ትግባረ ውሳነ ዶብ ሰረት ናይ ኵሉ’ቲ ኣብ መንጎ ክልተ ልዑላውያን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚፍጠር ዝምድናታት፣ እንተላይ ናይቲ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር፣ ኰይኑ ዘገልግል ኢዩ። ዶብ ኣድላዪ ረቛሒ ናይ ዘመናዊ ስርዓተ ኣህጕራዊ  ዝምድናታት ኢዩ። ስለዚ፡ ብንጹር ዚተመልከተ ዶብ ሃገራዊ መንነት ዜጋታት ይውስን፤ ቦታታት ልኡላዊ ስልጣን ወይ ዘቤታዊ ሕጋዊ ስልጣን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ይድርት። ብዚተረፈ፡ ዶብ ትርጉም የብሉን ምባል፡ ድንቍርና ወይ ውዲት ዘመልክት ኣበሃህላ ምዃኑ ኣስተብህሎ የድሊዮ።

ኵሎም ዶባት ኣብ መንጎ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብሃውራዊ መግዛእታዊ ውዕላት ዚተወሰኑ ኢዮም። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን፡ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት 1900፡ 1902፡ 1908፡ ብጀኦግራፍያዊ ደረታትን  ጀኦሜትርያዊ ኣመልከትን፡ ዚተደረተ ኢዩ። እቲ ኣብ ክልቲኡ ሸነኻት ወሰናስን ዶብ ዚነብር ህዝቢ ንደረት ናይቲ ሓባራዊ ዶብ ካብ ቀደሙ ኣረጋጊጹ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ናይ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ብሕግን ብግብርን ኣህጕራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰይኑ ንዳርጋ ሓደ ምሉእ ዘመን ጸኒሑ ኢዩ። ኢትዮጵያ ኪኖ’ቲ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ምስሕሓብ ኣልዒላ ወይ እጀታ ኣንቢራ ኣይትፈልጥን ኢያ። ኣብ 1997 ጥራይ ኢዩ ንሰፊሕ ቦታታት መሬት ኤርትራ ናብታ ሽዑ ስፍሓት ወሲኻ ዚቘመት ክልል ትግራይ ብበይናዊ ኣገባብ ዚጸንበረ ካርታ ዳግም ዚተሳእለ።

ዶባት ናይተን ናጽነት ዚጐናጸፋ ግዙኣት ሃገራት ንምዕቃብ ዘገልግል መትከል ልማዳዊ ኣህጕራዊ ሕጊ ኣሎ። እቲ ኣብቲ ፈለማ እዋን፡ ንዶባት ናይተን ካብ መግዛእቲ ዚተላቐቓ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ንምሕንጻጽ ኣብ መዓላ ዚወዓለ መትከል ኡቲ ፖሲደቲስ ጁሪስ (uti possidetis juris) ከም ቅቡል ኣገባብ ማዕቢሉ፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ተቐባልነት ኣጥርዩ። እቲ መትከል፡ ዘይተተንካፍነት ናይቶም ኣብ እዋን ናጽነት ዚውረሱ ዶባት የረጋግጽ። እዚ ኣብ ቻርተር ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (1963)፡ ውሳነ ካይሮ ውሓኣ (1964)፡ ህንጻዊ ሰነድ ኣፍሪቃዊ ሕብረት (2000) ብግቡእ ሰፊሩ ይርከብ። ውሓኣ ኰነ ኣሕ፡ ብጹእነት ናይቲ ኣብ እዋን ናጽነት ዚውረስ መግዛእታዊ ዶብ ብትሪ ይድግፉ።

እምበኣርከስ፡ ንውሳነ ዶብ ግቡእ ግምት ኣብ ምሃብ፣ ህያው ፍታሕ ጕዳይ ዶብ፡ ምስቲ ኣብ ወሰናስን ዶብ ካብ ጥንቲ ዚነብር ህዝቢ ብምምኽኻር፡ ብመሰረት መትከል ኡቲ ፖሲደቲስ ጁሪስ፡ ነቲ ታሪኻዊ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ኪዕቅብ ይግባእ። ከምዚ ዚኣመሰለ ፍታሕ ነቲ ቅድመ-1997 ዚነበረ ኵነተ ህላወ (status quo ante) ዚመልስ፣ ነቲ ኣብቲ ወሰናስን ዶብ ዚነብር ኤርትራዊ ኰነ ኢትዮጵያዊ ካብ መሬት ዓደቡኡ ዘየልቅቕ፣ ሃገራዊ መንነቱን ዜግነቱን ዚዕቅብ፣ ቦታታት ዘቤታዊ ሕጋዊ ስልጣን ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘይቅይር፣ ዚወሓደ ምዝንባል ህዝቢ ዘስዕብ ፍታሕ ይኸውን።

5. ምርግጋጽ ሰላምን ምምላስ ንቡር ዝምድናታትን፣ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኵሉ ኣቓልቦኦም፡ ጻዕሮም፡ ጸጋታቶም ናብ ምፍታሕ ዘቤታዊ ብድሆታት ደሞክራስያዊ ምሕደራን ሓቛፊ ልምዓትን ንምድሃብ ባይታ ይጸርግ። ዕዉት ደሞክራስያዊ ስግግርን ሓቛፊ ልምዓትን ኣብ ክልቲአን ሃገራት ድልዱል ሰረት ናይ መጻኢ ክልተኣውን ዞባውን ዝምድናታተን ዘንጽፍ ይኸውን። ሰናይ ናይ ‘ርባሕ-ርባሕ’ ክልተኣዊ ዝምድና ድማ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሓያል ደራኺ ዞባዊ ሰላም፡ ልምዓትን ምትሕብባርን ኰይኑ ከገልግል ይኽእል።

ምስልሳል ዕዉት ደሞክራስያዊ ስግግር ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ህያው ሰረት መስርሕ ዞባዊ ፖለቲካዊ ምትሕብባርን ቍጠባዊ ውህደትን ከንጽፍ ይኽእል። ሽዑ፡ እዞም ከም መጋረዲ ዘገልግሉ ዘለዉ ዶባት ናብ መራኸቢ ድንድል ኪቕየሩ ይኽእሉ። እዚ ግን፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ልዑላውነትን መሬታዊ ምሉእነትን ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዚምርኰስ፣ ብንጡፍ ተሳትፎን ግሁድ ፍቶትን ህዝብታት ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብዚስነዩ ስምምዓት መሰረት ብዚውሰዱ፣ ደረጃ ብደርጃ ብዚውህለሉ ስጕምቲታት ዚፍጸም ዘገምታዊ መስርሕ ኪኸውን ይግባእ። 

እምበኣርከስ፡ እዚ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዚተራእየ ቅልጡፍ ለውጢ ካብ ኵነተ ኲናት ናብ ህንጡይ ሰላም በዚ መምዘኒታት’ዚ ኢዩ ኪርአ ዘለዎ። እቲ ዘስደምም ሆይሆይታ ሓድሽ ፍቕርን ምድማርን፣ እቲ ህዉኽ ዘረባ ናይ ሓደ ህዝቢ፣ እቲ ተደጋጊሙ ዚተባህለ ህያብ መሪሕነትን ውክልናን፣ ስግንጢርን ኣዝዩ ኣሻቓልን ተርእዮ ኢዩ። ብፍላይ፡ ታሪኽ ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ኰነ እቲ ዚጸንሐ ተጻብኦ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ምስ ዚኣቱ። ሎሚ ዕዮ ገዛና ምስ ዘይንሰርሕ፣ መጻኢና ኣብ ኢድና ንምጭባጥ  ብፍጥነት ምስ ዘይንቀሳቐስ ድማ፣ ካብቲ ፈጠራ (myth) ናይ ሓደ ህዝቢ ናብ ፈጠራ ናይ ሓንቲ ሃገር ምስጋር ቀሊል ኪኸውን ኢዩ። ዚሓለፈ ታሪኽ ኪድገም ከነፍቅድ የብልናን!  ሓቅታት ምኽሓድ ኰነ ምዝናይ ኣየዋጽእን ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገርና፡ ኣብ መሬት ዓደቦና፡ ንዘስካሕክሕ ሳዕቤናት ናይ ከምዚ ዓይነት ፈጠራ ንሰላሳ ዓመታት (1961-1991) ሓርነታዊ ኲናት፣ ንክልተ ዓመታት (1998-2000) ዶባዊ ኲናት፣ ክቡር ዋጋ ብህይወት፡ ብደም፡ ብረሃጽ ከፊልና ኢና፤ ክሳብ ለይቲ ሎሚ’ውን፡ ህዝብና ብናይ ዓሰርተታት ዓመታት መድቈስትን ዚባኸነ ዕድል ልምዓትን ራህዋን ይሳቐ ኣሎ።

ብመንጽሩ፡ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ንፋስ ለውጢ የንበልብል፣ ሓድሽ ኣሰራርዓ ሓይልታት ይኽሰት፣ ሓድሽ ፖለቲካዊ ስርርዕ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ሓድሽ  ዝምድናታት ይምዕብል ኣሎ። ጽልዋ ናይዚ ዅሉ ኣብ ህሉው ኵነታት ህዝብናን መጻኢ ጕዕዞ ሃገርናን እንታይ ኪኸውን’ዩ? ብወገንና ኸ፡ ነቲ ብከቢድ መስዋእቲ ዚተረጋገጸ መሰል ርእሰ-ውሳነን ልዑላዊ ናጽነትን ሃገረ ኤርትራ ብምውሓስ፤ ደሞክራስያዊ ስግግር ንምርግጋጽ እንታይ ክንገበር ይግባእ፧

ምስዚ ዚኽሰት ዘሎ ኵነት ዘሳኒ፣ ነቲ ዚፍጠር ብድሆታት ንምምካት ኰነ ነቲ ዚኽፈት ዕድላት ንምጥቃም ዘኽእል፣ ኣብ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ኣወዳድባ፡ ኣብ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ጕዳያት፡  መሰረታዊ ለውጢ (paradigm shift) ምግባር የድሊ።

1. ካብቲ ዚጸንሐ ዕንክሊላዊ ፖለቲካ ናይ ህልኽን ቅርሕንትን ወጺእና፣ ንዚበዝሐ ኤርትራዊ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፣ ተቓዋሚ፡ ደጋፊ ይሃሉ ተዓዛቢ፣ ምእንቲ ናይ ሓባር ዕላማ ብናይ ሓባር ራእይ ዘሳትፍ ወይ ኣብ ጽምዶ ዘእቱ፣ ሓድሽ ኣሰራርሓ ንምትእትታው ምስራሕ።

2. ካብ ፖለቲካ ቅድመ-ናጽነት ንገላገል። ንኣብነት፡ ሕቶ ሰንደቕ ዓላማ ወይ ባንዴራ ብዚምልከት። ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ውድብ ይዅን በርጌሳዊ ማሕበር ዚመረጻ ባንዴራ ኪትህሉዎ መሰሉ ኢዩ። እታ ኵለን ሃገራትን ውድባትን ኣህጕራዊ ኮም ዚፈልጣኣ ባንዴራ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ግን ሓንቲ ኢያ። ሓደ ብግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ዚቘመ ሃገራዊ ወካሊ ኣካል (ፓርላማ ወይ ሃገራዊ ባይቶ) ኣድላዪነቱ ገምጊሙ፡ ብኣገባብ ክሳብ ዚቕይራ ድማ፣ ኵሉ ኤርትራዊ፡ ተቓዋሚ ይዅን ደጋፊ ስርዓት ብዘየገድስ፣ ከም ሃገራዊት ባንዴራ ኪቕበላ ይግባእ። እቲ ብዛዕባ ባንዴራ ዚግበር ቍርቍስ ዘየድሊ፡ ፋይዳ-ኣልቦ፡ ከፋፋሊ ስለዚዀነ።

3. ትግባረ ቅዋም 1997። መንቅብ ዘይብሉ፡ ዕቃበታት ዘየልዕል፡ ንዅሉ ዘሐጕስ፡ ምሉእ ዚበሃል ቅዋም የለን፤ ኣብ ታሪኽ ደቂሰብ’ውን ተራእዩ ኣይፈልጥን። ዚዀነ ቅዋም ኣብ መስርሕ ተመኵሮ ህዝቢ ናይ ሓንቲ ሃገር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ ከም ሰረት ግዝኣተ-ሕጊ ዘገልግል ሰነድ ኢዩ።

ክንዲ ዚዀነ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ብዘይ ቅዋም፡ ብዊንታ ውልቀሰብ ዚመሓደር፣ ብሓደ ጌና ምሉእ ዘይኰነ፣ ግን ከኣ እናተመሓየሸ ምሉእ ዚኸውን ቅዋም ኪመሓደር ይምረጽ።

እቲ ኣቐዲመ ዘፍኣምኩዎ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ድማ ነዚታት የጠቓልል። ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ኣዝዩ ዘይምቹእ ባይታ ቃልሲ ኰይኑ፡ ንጨፍላቒ ባህርይ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቅላዕ፣ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝቢ ኰነ ኣፍልጦ ኣህጕራዊ ኮም ኣብ ምዕባይ ውጽኢታዊ ስራሓት ኣካይዱ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ገለ ውድባት ኰነ ባእታታት፡ ኣብ ጕዳይ ባዕዳዊ ጐበጣ ወይ ሕቶ እገዳ፡ ንሃገራዊ ረብሓ ዚጻረር፡ ጸግዒ ተጻባእቲ ወገናት ምሓዝ፣ ኣብ ሃገራዊ ተኣማንነት (loyalty and credibility) ተቓውሞ ጥርጣረ፣ ኣብ ኣድማዕነቱ ሃስያ ከም ዚገደፈ ኣይስሓትን።

እምበኣርከስ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ደሞክራስያዊ ስግግር ንምምጻእ፣ ሎሚ ንመብዛሕትኡ ኤርትራዊ፡ እንተላይ ነቲ ላንግ-ላንጋ ኰይኑ ይዅን ንስርዓት ህግደፍ ኪድግፍ ዚጸንሐ፡ ኣብ ጽምዶ ዘእቱ ሓያል ዘመተ ንምክያድ፡-

ዶብ ይመልከት! ቅዋም ይተግበር! ፖለቲካዊ እሱራት ይፈትሑ! ሃገራዊ ኣገልግሎት ሕጋዊ ገድቡ ይሓዝ! ኤርትራ ኣብ ኲናት የመን ኣይትሳተፍ! ወዘተ.፣ ዚብሉ እዋናዊ ጭርሖታት ብምልዓል፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ጸቕጢ ንምዝያድ፣ ሃገር ካብ ስግእት ዳግማይ ጐበጣ ንምድሓን፣ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምድራኽ ንተዓጠቕ።

ስለ’ቲ ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ አመስግን።

ዘልኣለማዊ ሓበን ንሰማእታትና!

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!