All updates

ሃገረ መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ

03/11/2020

ሃገረ መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ

እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሃገራዊ ግዝኣት መንግስታዊ መዝነትን ዘቤታዊ ሕጋዊ ስልጣንን ዚኽልል፣ ዚተሓንጸጸ፡ ርጉእን ዚተፈልጠን ዶብ ዘለዎ፣ ዘመናዊ ሃገረ መንግስቲ ኣብቲ ኦሪታዊ ታሪኽ ናይ ኣፍሪቃ ፈጺሙ ኣይነበረን። ኣብታ ካብ ጥንታዊ መዋእል ኣትሒዙ ንኣሽሓት ዓመታት፡ ኣብ ዚተፈላለየ ዞባታት ናይታ ክፍለ-ዓለም፡ ልሉያት ኢምጰራጦርያታትን ንግስነታትን ዚተስኣላን ዚወደቓላን ቅድመ-መግዛእታዊት ኣፍሪቃ፣ እቲ ኣምር ናይ ዶብ፡ ከም ሓደ ኣብቲ ክሉ ሃገራዊ መንግስታት ምምሕዳራዊ ቍጽጽር ዘረጋግጻሉ፡ ወግዓዊ ልዑላዊ መዝነት ዘሰላስላሉ፡ ዘቤታዊ ሕጋዊ ስልጣን ዘተግብራሉ፡ ቀዋምን ብኣህጕራዊ ደረጃ ዚተፈልጠን ደረታት ናይ መሬታዊ ግዝኣት ዚውስን ሕንጻጽ፡ ኵሉዅሉ ኣይነበረን። እቲ ኣብነታት ነቲ ንግስነት ናይ ኣዅሱም፡ ነቲ ንግስነት ናይ ጋና፡ ነቲ ኢምጰራጦርያ ናይ ማሊ፡ ነቲ ኢምጰራጦርያ ናይ ሶንግሃይ፡ ነቲ ንግስነት ናይ ዚምባብወ፡ ነቲ ንግስነት ናይ ሙታፓ፡ ነቲ ንግስነት ናይ ኮንጎ የጠቓልል (3)።

ስርዓተ መንግስትን እቲ መሰነይታኡ ዚዀነ ኣምር ናይ ግዝኣታዊ ልዑላውነትን፡ ኣብዛ ናይ እዋንና ኣፍሪቃ ብመሰረቱ ውጽኢታት ናይቲ መግዛእታዊ ተመኵሮ ኢዮም። መበቈል ናይቶም ነታ ናይ ድሕረ-መግዛእቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚውስኑ ቀወምቲ ዶባት እቲ ብሃጸያዊት ኤውሮጳ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ መበል ዓሰርተው ትሽዓተን መፈለምታ ናይ መበል ዕስራን ዘመናት ዚተፈጸመ ምምቃልን ምክፍፋልን ናይታ ክፍለ-ዓለም ኢዩ። እቲ ድምር ስምብራት ናይቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ መበል ዓሰርተው ሸሞንተን መፈለምታ ናይ መበል ዓሰርተው ትሽዓተን ዘመናት ዚተኸስተ ፖለቲካዊ ሰውራ ኣብ ፈረንሳን ቍጠባዊ ሰውራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን፣ ነቲ ንፖለቲካዊ ኣቀዋውማ ናይ ኤውሮጳ ዚቐየረ ዌስትፋልያዊ ስርዓተ መንግስቲ ፈጢሩ። እቲ ዋንነት ናይ ግዝኣት ከም “ቅድመ-ኵነት ንምስልሳል ናይ ግቡእ ወይ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኣህጕራዊ ደረጃ” ዘቐምጥ ኤውሮጳዊ ስርዓተ መንግስቲ ደፋእ እናበለ ናብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ (4)።

እቲ ምዝርጋሕ ናይቲ ዌስትፋልያዊ ስርዓተ መንግስቲ ናብ ኣፍሪቃ ብመንገዲ መግዛእታዊ ጐበጣ ኣቢሉ ኢዩ ተፈጺሙ። በቲ እናዓበየ ዚኸደ ጠለብ ንኣፍሪቃዊ ጕልበት፡ ጥረ ነገራት፡ ማዕድናትን ዕዳጋታትን ብምድራኽ፣ እታ ሽዑ እትለዓል ዚነበረት ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ንምጕባጥን ንምምቕቓልን ኣብ ምሽማው ኣተወት (5)። ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ዋዕላ በርሊን፡ “ኤውሮጳ ንኣፍሪቃ ወሪራ፣ ዋንነት ናይ ኣፍሪቃ ጨቢጣ፣ ንኣፍሪቃ ናብ ግዝኣታት ናይ ኤውሮጳ መቓቒላ” (6)። ንረብሓታት ናይተን ሃጸያውያን ሓይልታት ኣብ ምስልሳል፡ እቲ መግዛእታዊ ስርዓት ነቲ ነዚ ህሉው ፖለቲካዊ ካርታ ናይ ኣፍሪቃ ዚቐረጸ ሓደስቲ ግዝኣታዊ ኣሃዱታት ጐዛዝዩ።

“እቲ ንኣፍሪቃ ንምምቕቓል ኣብ 1884-85 ዚተኻየደ ዋዕላ በርሊን ወግዓዊ ጅማሮ ናይቲ ምስግዳድ ናይቲ ኤውሮጳዊ ግዝኣታዊ ሞደል ኣብታ ክፍለ-ዓለም ኣመልኪቱ” (7)። እቲ ዋዕላ፡  “ዲፕሎማሲ፡ ስልጣናዊ ፖለቲካን ኣህጕራዊ ሕግን” ብምጥቃም፣ ነቲ ኣብ መንጎ’ተን ሽዑ ዚትስኣ ዚነበራ ሃጸያዊ ሓይልታት ኤውሮጳ እናዓበየ ዚኸይድ ዚነበረ ውድድር ንግዝኣታት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ፣ ነቲ ምሽማው ንኣፍሪቃ ርትዓዊ መልክዕ ንምልባስ፣ ኣብ ግጭት ብዘይ ምእታው መግዛእታዊ ምስፍሕፋሕ ንምስላጥ፣ ሓደ ሕጋውን ፖለቲካውን መቓነስራሕ ንምውዳድ ዚዓለመ ነበረ (8)። ብመሰረቱ፡ እቲ ሓፈሻዊ  ድንጋገ (General Act) ናይ ዋዕላ በርሊን ነቲ ኤውሮጳዊ ምሽማው ንኣፍሪቃ ሸምጊሉን ነቲ መግዛእታዊ ጐበጣ፡ ግዝኣታዊ ምምቕቓልን ፖለቲካዊ ዕብለላን ናይታ ክፍለ-ዓለም ባሪኹን።

እቲ ዚሰዓበ ምምቕቓል ናይ ኣፍሪቃን ምሕንጻጽ ናይ መግዛእታዊ ዶባትን፡ እቶም ሃጸያውያን ሓይልታት ነቲ ከባብያዊ ኵነታት ኣብ ግምት ብዘይ ምእታው ዘስገደዱዎ ሃውራዊ ተግባራት ኢዩ ነይሩ (9)። “እቶም መግዛእታዊ ሓይልታት ንዚተፈላለዩ ጀኦግራፍያዊ ዞባታትን ኤትኒካዊ ጕጅለታትን ናብ ብሰብ-ሰርሖ (artificial) ዚተሃንጻ ፖለቲካዊ ኣሃዱታት ኣኪቦም”፡ ብዙሕ ግዜ ነቲ ከባብያዊ ክዉንነት ኰነ ነቲ ረብሓታት ናይቶም ዚትንከፉ ህዝብታት ግምት ብዘይ ምሃብ “ኤትኒካዊ ጕጅለታት ጐዛዚዮም፡ ህዝብታት መቓቒሎም” (10)። ብግብሪ፡ እቶም  መግዛእታዊ ሓይልታት ኤውሮጳ ኣብ ካርታ ናይ ኣፍሪቃ፡ ሰብ-ሰርሖ ግዝኣታዊ ሕንጻጻት ዘመልክት መስመራት ከም ዶባት ስኢሎም ሕብረብሄራዊ ሃገራት ብምፍጣር ንብሄራት ብሃውራዊ ኣገባብ ብመልክዕ ሃገራዊ ዶባት ፈናጪሎም (11)።

ንሳዕቤናት ናይቶም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰብ-ሰርሖ ሕንጻጻትን ሃውራዊ ምክፍፋላትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርዳእ፡ ክልተ ካብቶም ኣዝዮም ጕሉሓት ኣብነታት ምጥቃስ ይኣክል፡- (1) እቲ ኣብ መንጎ’ተን ሓሙሽተ ኣሃዱታት ናይተን ናይ ሽዑ ብሪጣንያዊት ሶማሊላንድ፡ ፈረንሳዊት ሶማሊላንድ፡ ኢጣልያዊት ሶማሊላንድ፡ ብሪጣንያዊት ኬንያን ሃጸያዊት ኢትዮጵያን ዚተፈጸመ ምጕጅጃል ናይ ህዝቢ ሶማልያ፤ (2) እቲ ኣብ መንጎ’ተን ናይ ሽዑ ፈረንሳዊት ሶማሊላንድ፡ ኢጣልያዊት ኤርትራን ሃጸያዊት ኢትዮጵያን ዚተፈጸመ ምጕጅጃል ናይ ህዝቢ ዓፈር። እተን ብከምዚ ኣገባብ’ዚ ኣብ መላእ’ታ ክፍለ-ዓለም ዚተሃንጻ መግዛእታዊ ግዝኣታት ናብተን መግዛእታዊ ሃገረ መንግስታት፡ ኣብ መወዳእትኡ ድማ፡ ናብተን ናጻ ሃገረ መንግስታት ናይዛ ናይ ዘመንና ኣፍሪቃ ማዕቢለን።


For more information, read the booklet (below): ምህናጽ ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን