ሓተታ፦ ታህዲዳት ስርዓት ኣቢይ ኣሕመድ ኤርትራ ንምውራር ይኰነን

16/08/2025
[:swvar:text:838:]

ሓተታ፦ ታህዲዳት ስርዓት ኣቢይ ኣሕመድ ኤርትራ ንምውራር ይኰነን

ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

እዚ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ’ቲ ኣስፋሕፋሒ ትረኻ ኢትዮጵያን ሃገራዊ ትረኻ ኤርትራን ዘሎ ቀጻሊ ምትፍናን ብሰለስተ ክፋላት ዚቐርብ ሓተታ ኢዩ። እዚ ጽጹይ ሓተታ’ዚ፡ ኣብ ድልዱል ሰረት ታሪኽን ኣህጕራዊ ሕግን ብምምርኳስ፡ ነቲ መሰረት-ኣልቦ ኣስፋሕፋሒ ጠለባት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ የቃልዕን ንግቡእነት ናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ የደልድልን።  

 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኤርትራ ወሪሩ ንወደብ ዓሰብ ብምሓዝ ዋንነት ገማግም ባሕሪ ንምጥራይ ኪህድድ ጸኒሑ። እቲ ታህዲድ፡ ኣብቲ ፋልማይ ኣቀራርባኡ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ካብቲ ኣጋጢሙዎ ዘሎ እናገደድ ዚኸይድ  ዘቤታዊ ሽግራት ብምጥምዛዝ ነቲ ድኹምን ዘንቈልቍል ዘሎን ኤትኖ-ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ዚሕግዝ ደገፍ ንምልዕዓል ዚዓለመ ፕሮፓጋንዳዊ ሽጣራ ይመስል ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ ሰመራ፡ ርእሰ-ከተማ ናይታ ምስ ኤርትራ እትዳወብ ዞባዊት ምምሕዳር ዓፈር፡ ሰራዊት፡ እንተላይ ዳማታት ኤርትራውያን ዚተሓወሱዎ፡ ምውፋሩ ኪኖ መናወራ ዚኸይድ ንኲናት ወራር ዚቀራረብ ዘሎ የምስል። ከም መቕድም፡ ኣቢይ ኣብቲ ኣብ 15 ለካቲት 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዚተጋብአ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንሰፊሕ መሬት ኤርትራ (እንተላይ ክፋላት ጂቡትን ሶማልያን) ናብ ኢትዮጵያ ዚሓወሰ ካርታ ናይ ኣፍሪቃ ዘርጊሑ። እዚ ቅሉዕ ግህሰት ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ዚገልጽ ስጕምትታት’ዚ ብግብሪ ኣዋጅ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ የመልክት። 

 ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ 13 ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ቀሪቡ ኣብ ልዕሊ ናጽነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ናይተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕን ወሽመጥ ዓደንን ዘለዋ መዳውብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዘተኰረ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ታህዲድ ብወግዒ ኣዊጁ። 

እዚ ድማ፡ ንጕዳይ ሰላምን ኲናትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንተላይ ንርግኣትን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስለ ዚትንክፍ፡ ኣብ እዋኑ ግቡእ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ወይ ደማርሽ (démarche) ምውሳድ ዚግብኦ ኣገዳሲ እዋናዊ ጕዳይ ኢዩ። ኰይኑ ግን፡ ልክዕ ከምቶም ቅድሚ ሕጂ ንኤርትራ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈሉ ፍሽለታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ብቕጽበት ግቡእ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ብምውሳድ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ንማለቱ’ውን ኣየመዝገበን። እቲ ናይ ዚሓለፈ ተመሳሳሊ ፍሽለታት ናይቲ ስርዓት ውጽኢት ናይቲ ዓሚቝ ጽልእን ንዕቀትን ፕረሲደንት ኢሳያስ ንዘቤታውን ኣህጕራውን ግዝኣተ ሕጊ ኰነ ስእነት ግቡእ መረዳእታ ናይ ኣገዳስነት ምውሳድ እዋናዊ ዲፕሎማስያዊ ስጕምትታት ኢዩ። 

እቲ ብኦሮሞ ዚተዓብለለ ሰልፊ ብልጽግናን ዓሻክር ኦሮሙማዊ መንግስትን ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንግስታውን ማሕበራውን መራኸቢ ብዙሃን እናተጠቕሙ፡ ነቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ንምፍጻም ዘካይዶ ዘሎ ሕንከት-ኣልቦ ምጕብዕባዕ ዚድግፍ ዒቕታ ናይ ደንቈሮ፡ ሸበድበዳዊ መርዛም ጐስጓስ ኲናት ኪገብሩ ጸኒሖም ኣለዉ። እቲ ንኤርትራ ንምውራር ኪውርወር ዚጸንሐ ታህዲድ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ንኣቕዋሚ ኣዋጅ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ንውዕል ሕቡራት ሃገራት 1982 ኣብ ሕጊ ባሕሪ ኰነ ንሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን 2018 ዚጻረር ኢዩ። ዕሸላዊ ፖለቲካን ሕልማዊ ህርፋናንን ኣቢይ ንኢትዮጵያ ድሮ ኣብ ዓዘቕቲ ኤትኒካዊ ኲናታትን ሓድሕደ-ህልቂታዊ ግጭታትን ሸሚሙዋ ይርከብ። ወራር ኣንጻር ኤርትራ ድማ ብሓዊ ምጽዋት ኪኸውን ኢዩ። ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት መሰረት ንቡር ዝምድናታት ዚዀነ ኣህጕራዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ኣንጻር ኤርትራ “ሕጊ ጫካ” ምዝውታር፡ ሓደገኛ ስዕረት ኢትዮጵያ ዘኸትል፣ ነታ ንገዛእ ርእሳ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ብዝያዳ ዘናውጽ፡ ዚብትንን ዘፍርስን ኪኸውን ኢዩ። 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን እቲ ኦሮሙማዊ ሰልፊ ብልጽግናኡን ኣብቲ ኣብ ፓርላማ፡ ምስ ዋኒንተኛታት፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኰነናትን ካድረታት ሰልፍን ዘካይዱዎ ኣኼባታት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዎ ጥጁእ ኣስፋሕፋሒ ግዝኣታዊ ውጥን ተኸታታሊ ደረቐኛ መግለጺታት ኣብ ምቕራብ ተጸሚዶም ከም ዚጸንሑ ቅሉዕ ሚስጢር ኢዩ። ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ መደረ፡ ቀይሕ መስመር ብወግዒ ብምጥሓስ፡ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኪትውንን “ባህርያዊ መሰል” ኣለዋ፣ ቀይሕ ባሕሪ “ባህርያዊ ዶብ” ኢትዮጵያ የቕውም፣ ኣብ ታሪኻዊ፡ ጀኦግራፍያዊ፡ ኤትኒካውን ቍጠባውን መመኽነይታታት ዚተመስረተ ቀጥታዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ምውናን ድማ ንኢትዮጵያ ህላወኣዊ ኣድላይነት ኣለዎ ኪብል ብሓሶት ጽዒዱ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ሓደ ስጕምቲ ተሪፉና ዚብል ጃህራ ኪደጋግም ጸኒሑ።  

እዚ ነቲ ግጉይ ኣስፋሕፋሒ ትረኻ ዚምግብ ፈጠራዊ ታሪኽ’ዚ ንሕልሚ ናይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ዓባይ ኢትዮጵያ ብምዕንጋል፡ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምዕብላል ኣዕነውቲ ኲናታት ወራር ንኸካይዱን (1961-1991፡ 1998-2000) ዘሕፍሩ ስዕረታት ንኪስከሙን ደሪኹዎም ኢዩ። ሽሕ’ኳ ብዝሒ ህዝብን ሓይሊ ተዅስን ኣገደስቲ ረቛሒታት እንተዀኑ፡ ኲናት ብቐንዱ ውድድር ናይ ሓይሊ ድሌት ኢዩ። እቲ ፍጹም ወተሃደራዊ ዓወት ናይቲ ብረታዊ ቃልሲ ኰነ እቲ ዕዉት ምፍሻል ናይቲ ንኤርትራ ዳግም ንምጕባጥ ድሕሪ ናጽነት ዚተኻየደ ፈተነ ኢትዮጵያ ውጽኢት ናይቲ ቈራጽ ውሳኔን ተዓጻጻፊ ጽንዓትን ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ምቅዋም ወራር ኢትዮጵያን ዘይሕለል ድሌት ምክልኻል ልዑላዊ ሃገርነት ኤርትራን ኢዩ። 

እቲ ንኤርትራዊት ወደብ ዓሰብ ብሓይሊ ንምውናን ኰነ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምምስራት ዚተገልጸ ዕላማ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ዳርጋ ኣዋጅ ኲናት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኢዩ። ንምዃኑ፡ ቅድሚ’ቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ 1952 ዚተስገደደ ናይ ኤርትራ ፈደረሽን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ይዅን ወደብ ወኒና ትፈልጥ ዲያ፧ ብርግጽ፡ ኣይፋል!

እቲ ጠለብ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይዅን ሕልሚ ዓባይ ኢትዮጵያ ኰነ ዓባይ ትግራይ ከ ሓድሽ ዲዩ፧ እቲ ብሓያሎ ልሂቃን ኢትዮጵያ ኰነ ገዛእቲ ልሂቃን ትግራይ ብቐጻሊ ዚደጋገም ንልዑላውነት ኤርትራ ዚጻባእ ትረኻ ኸ፡ ቅኑዕ ዲዩ ወይስ ግጉይ፧ እቲ ነባሪ ፍታሕ ከ እንታይ ኢዩ፧

ምብርባር ናይቲ ኣስፋሕፋሒ ትረኻ

ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ኣፍደገ ባሕሪ ኪትውንን ባህርያዊ መሰል ኣለዋ ዚብል ምጕት ከሰራስር እንከሎ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ብወለዶታት ናይ ገዛእትን ገዛእቲ ልሂቃንን ዘመናዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኪውርወር ዚጸንሐ ኣስፋሕፋሒ ህርፋናት ይደግም ጥራይ ከም ዘሎ ዘካትዕ ኣይኰነን። ማለት፡ ነቲ ኤርትራ ንኣሽሓት ዓመታት ዘይትንጸል ኣካል ኢትዮጵያ ከም ዚነበረት ኣምሲሉ ዚምጕት ኣስፋሕፋሒ ትረኻ ኢትዮጵያ ኢዩ ከም ብሓድሽ ዘበራብር ዘሎ።  

ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ገዛእቲ ልሂቃን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ድንገተኛ አጀንዳ ናይ “ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ ኢትዮጵያ” ረኪሱ፡ እንደገና ቁማር ንምጽዋት ሓደገኛ ውዲት ኣበጊሱ ኣሎ። ኣቢይን ናይ ቀረባ ደቀ መዛምርቱን ነቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወደብ፡ መተሓላለፊ ኮረደዮ ኰነ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምውናን ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንተላይ ንኤርትራ ዳግም ኣብ ትሕቲ ዕብለላ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ዘለዎም ሕቡእ ውጥን፡ ሰላሕታዊ ፕሮፓጋንዳ ኪገብሩ ከም ዚጸንሑ ቅሉዕ ምስጢር ኢዩ። እዚ ዓይነት ውጥን’ዚ ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ፡ ዘስካሕክሕ ሞትን ዕንወትን ኣስዒቡ ከም ዚፈሸለ ምዝኽኻር የድሊ። ኣብዚ እዋን’ዚ ምብርባሩ ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዚጸንሐ ታሪኽ ናይ ደም ምፍሳስ ዘግድድ ጥራይ ኢዩ ኪኸውን።

ወግዓዊ ምእዋጅ ናይቲ ኣስፋሕፋሒ ውጥን ንስርዓት ኣቢይ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት፡ ቍጠባታትን መጻኢታትን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጂቡትን ሶማልያን ሓደገኛ ሳዕቤን ዘኸትል ኲናት ንምትዅታዅን ንዅሎም ወገናት ዘኽስር ገበጣ ንምጽዋትን መንገዲ ተራጽሞ ኣትሒዙዎ ኣሎ። እቲ ሓደጋ ወይ ሽሑራዊ ሓይሊ ካብቲ ጥርሙዙ ወጺኡ ተበቲኑ ኣሎ (the genie is out of the bottle)። እቲ ማንታዊ፡ ተገራጫውን በብግዜኡ ዚቀያየርን ጽዕዳ ናይቲ በብእብረ ዚግለጽ ኣማራጺታት ናይ ሰላማውን ጐነጻውን ኣገባባት ምጕባጥ ዓሰብ፣ ምስቲ ንኤርትራ ንምውራር ዘድሊ ወተሃደራዊ ምቅርራብ ከም ዚወደአ ዚደጋግሞ ጃህራ፣ እቶም ወተሃደራቱ፡ ኣብቲ ምርኢታዊ ሰልፊ ናይ ወተሃደራዊ ዓደዅዶዅ “እቲ ባሕሪ ናትና ኢዩ፣ እቲ ወደብ ናትና ኢዩ፣ እተን መራክብ ናትና ኢየን” ኢሎም እናጨደሩ ሰላምታ ብምሃብ ዚምርሹሉ ክዉንነት ነቲ ድሮ ዚፈጸሞ ዕንወት ከዐሪ ይዅን ነቲ ብሰሪ ዋሕዚ ሕዱር ውስልትናኡ ዚተፈጥረ ጋግ ዘይእሙንነት ከጽብብ ከቶ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እቲ ሓድሽ ካርትኡ፡ እቶም ተደጋገምቲ ታህዲዳቱ ኰነ ወተሃደራዊ ወፍሩ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ፡ ነቲ ሓደጋ ኲናት ኣዕሪጉዎ ይርከብ። 

ብርግጽ፡ ኲናት ኣብ ኵሎም ወገናት ሞትን ዕንወትን ዚዘርእ ብዝሐ-ብልሓዊ ሴፍ ኢዩ። እንተ ተወሊዑ፡ ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ዕንወት ዘምጽእን ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ዘስዕብን ኪኸውን ኢዩ። ኣብቲ ቀንዲ መተሓላለፊታት መራክብ ናይ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ’ውን፡ ንባሕራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኲናት ኣብ ልዕሊ ኣህጕራዊ ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ዓቢ ሓደጋ ዘኸትል ኢዩ። 

ሓለንጊ ሃልወሳ 

ኣቢይ ኣሕመድ፡ መጻኢ መደበር ናይቲ ኣብ ቀላይ ጻና ተመስሪቱ ዚህነጽ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ምዃኑ ኣብ ዚተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብቅሉዕ ኪእምት ጸኒሑ ኢዩ። ኣብቲ እዋን ክቱር ዕርክነት ኢሳያስን ኣቢይን፡ ነቲ ብመግዛእታዊ ውዕል ዚተደረተ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ከም ኣህጕራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓባራዊ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ንኪሰማምዑ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ እንተላይ በዚ ደራሲ ብመንገዲ ሓደ እሙን ላዕለዋይ በጻሒ ዓርኪ ኤርትራ ኣቢሉ፡ ለባም ምኽሪ ቀሪቡሉ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ክንዲ በቲ ሽዑ ዚነበሮ ርኡይ ላዕለዋይ ኢድ ነቲ ናይ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ከም መሰረት ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወግዓዊ ኣፍልጦ ኢትዮጵያ ዘረጋግጽ፣ ኢሳያስ ነቲ ክቡር ሓልዮታዊ ምኽሪ “ጕዳይ ዶብ ሕጂ እዋናዊ ቀዳምነትና ኣይኰነን” ኢሉ ብምንጻግ፡ ነቲ ንሰላሳን ኣርባዕተን ዓመታት ተቐቢሩ ዚነበረ ምዉት ሕልሚ ከበራብር መሪጹ። 

ኢሳያስ ሕጂ’ውን፡ ኣብቲ ልክዕ ደረትን ቀጺሉ ዚስዕብ ኣካላዊ ምምልካትን ናይቲ ኣህጕራዊ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ምስቲ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕን መዕለቢ ንምግባርን ወርቃዊ ዕድል ኣባኺኑ። እቲ ወግዓዊ ክልተኣዊ ስምምዕ  ተበጺሑ እንተ ዚነብር፣ ንጕዳይ ዶብ ወግዓዊ መደምደምታ ብምልባስ፡ ነዚ ብሓድሓደ መራሕትን ካድረታትን ሰልፊ ብልጽግናን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ኰነ ጠንቃማት ኣባላት ኤሊታት ኢትዮጵያን ትግራይን ዚደጋገም ዘሎ፡ ኤርትራ መሬት ኢትዮጵያ (ትግራይ) ሒዛ ኣላ ዚብል ዘይቅኑዕ ክስታት ሓንሳእ ንሓዋሩ ምዓጸዎ ነይሩ። 

በቲ ኢሳያስ ዘወፈየሉ ኣህራሪ ህያብ ካርታ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፣ በቲ ቅጥዒ፡ ትሕዝቶን ሚዛንን መንግስታዊ ፕሮቶኮል ዚሰሓተ፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ዘድፈረ፣ “ካብ ብሕጂ ንደሓር ንስኻ ኢኻ ትመርሓና”፣ “ንስኻ ኢኻ ትውክለና”፣ “እቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ኢሉ ዚሓስብ፡ እቲ ነቲ ክዉንነት ዘይፈልጥ ኢዩ” እናበለ ዚደጋገሞ፡ ክብረት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘዋረደ፣ ውልቃዊ ስምዒቱ ዘቃልዐ ከዳዕ ኣሽካዕላል፣ ምናልባት ናይ ሓሶት ተስፋ ብምስራጽ ንኣስፋሕፋሒ ህርፋን ኣቢይ ብዝያዳ ኣለዓዒሉ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣቢይ፡ ኣብቲ ንኢሳያስ ዚደገሰሉ ዓቢ እንግዶት ወግዓዊ ድራር ብክቱር ታሕጓስ “እቲ ኣነን ኤሱን (ኢሳያስ) እንካፈሎ ዓሰብ ኢዩ” ኢሉ ኪእውጅ እንከሎ፡ ኢሳያስ ብዘይካ ብብርቱዕ ደስታ ኣፍልቡ ምህራም ዚዀነ መልሰ-ግብሪ ኣየርኣየን። ከምቲ ዚበሃል፡ ኣቢይ ኣምሳያ ዓሰብ ግዝኣታዊ በደላ፡ ምቅሊት ብርክታት፡ ፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣወፍዩ ነይሩ።

[:swvar:text:838:]

መራሒኡ ዚነዓቖ ሃገርን ዘሽካዕልለሉ ህዝብን ዚዀነ ይደፍሮ! ብምስጢር እንታይ ተባሂሉ ብርግጽ ዝፈልጦ የብለይን። ብዚዀነ፡ ከንቱ ሕልምታቱ ንጐድኒ ገዲፍካ፡ ኣቢይ እቲ ከም መዋገዪ ዘቕረቦ (1) ግዝኣታዊ በደላ፡ (2) ምቅሊት ብርክታት ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ዓቢ ግድብ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ወይ (3) ፈደረሽን ይዅን (4) ኮንፈደረሽን፡ ርትዓዊ መበገሲ ልዝብ ከም ዘይኰነ ንምግንዛብ፡ ብፖለቲካዊ መምዘኒ፡ ኣመና ጥረ፡ ኣመና ተልመዴን ወይ ኣመና ሃልወሳዊ ምዃኑ ይእምት። እቲ ናብ ጐበጣ ዘምርሐ ፈደረሽን ይዅን እቲ ምስኡ ዚመሳሰል ኮንፈደረሽን ሕቡእ ዕላማ ዚሓዘለ፡ መሪር ታሪኻዊ ዝኽሪ ናይ ጥልመት፡ ኲናትን ደም ምፍሳስን ዘለዎ፡ ከም መበገሲ ልዝብ ከገልግል ዘይክእል ውዱቕ ሓሳብ ኢዩ። እቲ ግዝኣታዊ በደላ ኰነ ምቅሊት ብርክታት ድማ፡ ምስቲ ክብሪ ናይቲ ባህርያዊ ሃብቲ ገማግም ባሕርን ክቡር ባሕራውን ማዕድናውን ጸጋታት ናይቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ግዝኣታዊ ማያትን ሕዙእ ቍጠባዊ ዞባን ዚመጣጠን ኣይኰነን። 

ኣቢይ፡ ነቲ በቲ ዚሰምዖ መብጽዓ ዚሓደሮ ህርፋን ብሰላማዊ መንገዲ ከርዊ ብዘይ ምኽኣሉ፡ ሕርቃኑ ንምውጻእ ብዚመስል ብንዕቀትን ብድዐን ብዚተላዕጠጠ መልሰ-ግብሪ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ከም ግድነታዊ ህላወኣዊ ኣድላይነትን ኵነት ናይ ኢትዮጵያ ልዑላውነትን፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናንን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምምስራትን “ዘለዋ ባህርያዊ መሰል” ብሓይሊ ንምርግጋጽ ሓደገኛ ዕንደራ ኣዊጁ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቅሉዕ ወራር ብምፍጻም ወደብ ዓሰብ ንምሓዝ ኣብ ቀጻሊ ምጕብዕባዕን ምሽብሻብን ይርከብ። 

ብሓቂ፡ ሓንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር መተሓላለፊ ኮረደዮን ኣፍደገ ባሕርን ኪትውንን ሓደ ዓቢ መኽሰብ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ ዚዀነት መተሓላለፊት ሃገር ልዑላውነታን ግዝኣታዊ ምሉእነታን ብፍታው ኣሕሊፋ ኪትህብ ምጽባይ፡ ተኽእሎኡ ከምቲ “ድሌታት ኣፍራስ እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ ለመንቲ ምተወጥሑዎም ነይሮም” ዚብል ምስላ ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ኤርትራ፡ ጂቡቲን ሶማልያን ንጠለብ ኣቢይ ብንጹር ነጺገንኦ ኢየን። 

ዋንነት ወደብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣቢይ ብሸፈጥ ዘጕባዕብዖ፡ ህላወኣዊ ኣድላይነት ኰነ ኵነት ናይ ልዑላውነት ከም ዘይኰነ፣ ወደብ ዘይምውናን ድማ ዕንቅፋት ንልምዓት ኢትዮጵያ ከም ዘይኰነ ከስምረሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ኢትዮጵያ ወጻኢ ካብ ወደባት ኤርትራ፡ ካልኦት ኣማራጺታት ኣለዋኣ፤ ኣብዘን ዚሓለፋ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት እውን ከም ምርጫኣ ኪትጥቀመለን ጸኒሓ ኣላ። 

ብዚተረፈ፡ ንውሽጣዊ ጠንቅታት ድሕረት ኢትዮጵያ ግዳማዊ መመኽነይታ ምንዳይ ኰነ ካብቲ ሓቂ’ቲ ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ምፍታን፣ ግጉይ፡ ኪኖ ኣፍንጫ ዘይርኢ ፖለቲካን ኣንጻራዊ ውጽኢት ዚህሉዎን ኢዩ። ብታህዲድ ወይ ዝውታረ ሓይሊ ዋንነት ንምጥራይ ዚግበር ዚዀነ ፈተነ፡ ሓደገኛ ጠላዕ ከም ምጽዋት ኢዩ ዚኸውን። ዚዀነት መተሓላለፊት ሃገር፡ ብኸምዚ ዓይነት ምጕባባዕን ነውራም ጥሕሰት ኣህጕራዊ ሕግን፡ ገታር ግህሰት ናጽነታ፡ ልዑላውነታን ግዝኣታዊ ምሉእነታን ኣይከተፍቅድን ኢያ። ከምዚ ዓይነት ወራር ግድን ድርብ ዚብልሑ ሴፍ ከይኑ፡ ተመሊሱ ንኢትዮጵያ ዘዕኑ፡ዘፍርስን ዚበታትንን ኪኸውን ከም ዚኽእል ምግንዛብ የድሊ። 

ብመንጽር’ቲ ህሉው ሃገራውን ዞባውን ዳይናሚክስ ኪርአ እንከሎ፣ እቲ ብሓድሽ ኢምጰራጦርያዊ ህርፋን ዚድፋእ አጀንዳ ኣቢይ ሃልወሳዊ፡ ሓደገኛን ዘይጭበጥን ኢዩ። እቲ ንዕኡ ዚድርኽ፡ ኣብ ክሊ’ቲ ኣዝዩ ጐዳኢ ኤትኖ-ሃይማኖታዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ “ንኢትዮጵያ ምግዛእን ነቲ ዞባ ምዕብላልን ተራና እዩ” ዚብል ሓውሲ ጕልቡብ ምህለላ፡ ንኢትዮጵያ ኰነ ነተን ናይ ቀረባ ጐረባብታ መዓት ዚድግስ ሓደጋ ኢዩ። ኣቢይ ነቲ “ክንገዝእን ክንዕብልልን ተራና ኢዩ” ዚብል ትረኻ ልሂቃን ኦሮሞ ከስገድዶ ይኽእል ዶ ኣይክእልን ኰነ ኣብ ልዕሊ’ተን ጐረባብቲ ሃገራት ወራር ኪፍጽም ኪፍቀደሉ ዲዩ ኣይኪፍቀደሉን፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዚመጽእ ምዕባለታት ዚምርኰስ ጕዳይ ይኸውን። እቲ ነቲ ዓብን እናወሰኸ ዚኸይድን ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ ከም መፈራርሒ ምጥቃሱ፡ ነተን ብስፍሓት መሬትን ብዝሒ ህዝብን ካብ ኢትዮጵያ ኣዐሪየን ዝንእሳ ሃገራት ኤርትራ፡ ጂቡቲን ሶማልያን፡ ሓደጋ ሰብኣዊ ማዕበላት ናይ ወረርቲ ዕስለታት ክፍንወልክን እየ፡ ዚትሕዝቶኡ እሙት ታህዲድ ምዃኑ ኣይሰሓትን። 

እዚ ድሮ ተፈቲኑ ዚፈሸለ ኢዩ (déjà vu)። ሂትለር ኣብ ጀርመንን ኣብ ኤውሮጳን ፈቲኑዎስ፣ ንጀርመን፡ ንኤውሮጳን ንዓለምን መዓት መቕዘፍትን ዕንወትን ኣስዒቡሎም ኢዩ። እቶም ቀቅድሚ ኣቢይ ዚነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ - ሃጸይ ሃይለሰላሴ፡ ፕረዚደንት መንግስቱን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስን - ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተመሳሳሊ ጐበጣን ወራርን ፈቲኖም፡ ፈሺሎም ኢዮም። እቲ ኣዝዩ ድኹም፡ ብጭንቀት ዚተዋሕጠ፡ እናበኣሰ ብዚኸይድ ዓሌትነት ወይ ኤትኒሲቲ ዚልለ ስርዓት ኣቢይ ተመሳሳሊ ዕድል ናይ ስዕረት ከም ዘጋጥሞ ታሪኽ ይምህር። ስለዚ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ካብቶም ዚሓለፉ ጕድኣታዊ ፍሽለታት መራሕቲ ኢትዮጵያ ኪመሃር፡ ነቲ ፋይዳ-ኣልቦ ግን ከኣ ኣዕናዊ አጀንድኡ ዳግመ-ግምት ኪገብረሉ፡ ነቲ ኣስፋሕፋሒ ውጥኑ ኪቕልብስ ከድሊዮ ኢዩ። ህድእ ኢሉ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን እተን ካልኦት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዚርከባ ሃገራት ጂቡቲን ሶማልያን ግዝኣት ናይ ምስፍሕፋሕን ባሕሪ ናይ ምውናንን ሃልወሳዊ ጥሙሑ ልጓም ኪገብረሉ ከድሊዮ ኢዩ።  

እቲ ሓደገኛ ዝንቕ ድንቍርናን ትዕቢትን 

እቲ ኣቢይ ንኣዅሱም፡ ራእሲ ኣሉላን ሃይለስላሴን እናጠቐሰ ዘቕረቦ ግጉይን ሃንዳፍን ጠለብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ከም ባህርያዊ ዶብ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብዛዕባ ታሪኽ ንግስነት ኣዅሱምን ኤርትራን ዘለዎ ፍጹም ድንቍርና የመልክት። እቲ ቀይሕ ባሕሪ ባህርያዊ ዶብ ኢትዮጵያ የቕውም ዚብል መግለጺኡ ኰነ እቲ ኤርትራ ባህርያዊት ኣካል ኢትዮጵያ ተቕውም ዚብል ኣመቱ ብርኡይ ስሕተት ኢዩ። ነገሩ “ኪበልዑዎ ዚደለዩ ኣባ ጕንባሕ ዛግራ ይብሉዎ” ኢዩ። 

እቲ ኣቢይ፡ ብቐጥታ ይዅን ብመንገዲ ምእዙዛት ኣገልገልቱ፡ ዚነዝሖ ዘሎ መሃይማዊ ትረኻ፡ ኲናት ዚጽሕትር መግለጺታት ኰነ ትዕቢተኛ ምጕባባዕ ሓደገኛ ሳዕቤናት ከኸትል ዘይክእል እንተ ዚኸውን ነይሩ፣ እቲ ኣታላሊ ጠለባቱ ከም ዕሸላዊ ምህዞ ናይቲ ሃርጋፍ ሕልሙ ተራእዩ፡ ዕሽሽ ተባሂሉ ኪሕለፍ ምተኻእለ ነይሩ። ብወግዒ በቶም መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ይዅን በቶም ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ናይቶም ደገፍቲ’ቲ ስርዓት ይዝርጋሕን ብብዝሒ ይደጋገምን ስለ ዘሎ ግን፣ እቲ “ሓሶት እንተ ተደጋገመ ሓቂ መታን ከይመስል”፣ ኣስዒበ፡ ንዕኡን ንመሰልቱን ሓጺር ጽማቝ መባእታዊ ታሪኽ ኤርትራ (Eritrean History 101) አወፍየሎም። 

ንግስነት ኣዅሱምን ኤርትራን 

መሬት ዘመናዊት ኤርትራ፡ ምስታ 40 ኪሜ ደቡብ ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ተደኲና ዚነበረት ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ፡ መበቈልን ጀኦግራፍያዊ ማእከልን ንግስነት ኣዅሱም የቕውም ነይሩ። ኣብቲ ስልጣኑ ኣብ ዚለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ዚነበረ 4ይን 5ይን ዘመናት ድ.ል.ክ.፡ ንግስነት ኣዅሱም ክንዮ’ዛ ናይ ሎሚ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክሳብ ሰሜናዊ ሱዳን፡ ደቡባዊ ምስሪ (ግብጺ)፡ ደቡባዊ ስዑድ ዓረብያ፡ የመን፡ ጂቡቲ፡ ሰሜናዊ-ምዕራብ ሶማልያ ተዘርጊሑ ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ 7ይ ዘመን ስልጣንን ጽልዋን ኣዅሱም “ከም ቀጥታዊ ሳዕቤን ወራር ዓረብ ኣብ ልዕሊ ምስሪ” ነቶም ኣብ ምብራቕ ምስሪን ሰሜናዊ ሱዳንን ዚነበሩ ቀቢላታት በጃ ብሓይሊ ናብ ደቡብ ገጾም ደፊኦም ነቶም ድሮ ኣብ ሰሜናዊ ከበሳን ጐላጕል ባርካን ሰፊሮም ዚነበሩ ኣዝማዶም ናብቲ ማእከላይ ከበሳ ናይዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ደፊኦሞም። 

 

[:swvar:text:838:]
ካርታ 1: ሓርፋፍ ስእሊ ዝርጋሐ ንግስነት ኣዅሱም፡ 6ይ ዘመን (underlying map © Google)

ወራር በጃ፡ ምስቲ ዚሰዓበ ቅልጡፍ ዝርጋሐ ምስልምና ናብቲ ቦታታት ገማግም ቀይሕ ባሕርን፡ ምዕናው ኣዱሊስ ኣብ 710 ድ.ል.ክ.ን ተደሚሩ፡ ንኣዅሱም ካብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኣርሒቑ ነጺሉዋ። እዚ ፍጻሜታት’ዚ ነቲ ቀንዲ ምንጪ ሃብታን ስልጣናን ዚነበረ ባሕራዊ ንግዳ ዘሪጉ ምንቍልቋል ንግስነታ ኣቀላጢፉ። ውድቀት ኣዅሱምን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ኣብ ኢድ ናይቲ ዘስፋሕፍሕ ዚነበረ ምስልምና ነቶም ክርስትያን ኣዅሱማውያን ናብ ደቡብ ገጾም ከንሳሕቡ ብምቕሳብ፡ ካብ ኵሉ ተገሊሎም ኣብቲ ዘዕቈቦም ከበሳታት ኣቢሲንያ ምስ ሰፈሩ፣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ገጾም ተመሊሶምኣይፈልጡን። ሓንሳብ ምስ ኣንቈልቈለት፡ ኣዅሱም ፈጺማ ኣይተሰአትን። ካብ ውድቀት ኣዅሱም ክሳብ ኣጋ መወዳእታ መበል 13 ዘመን (1270)፡ “መላእ ኤርትራ ጌና ኣብ ትሕቲ ናይ በጃ ኮንፈደራሲ ይመሓደር ነይሩ”።

ድሕሪ ናይ ሓደ ዘመን ምፍንጫል፡ ማእከላይ ከበሳ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ መበል 15ን 18ን ዘመናት፡ ሕመረት ምድረ ባሕሪ ኰይኑ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ባሕሪ ነጋሲ ልዑላውነት ነይሩዎ። ሽሕ’ኳ ኣብቲ እዋን “ዘመነ መሳፍንቲ ኣቢሲንያ” ነቲ ታሪኻዊ ዶብ ምድረ ባሕርን ኣቢሲንያን ዘቕውም መስመር መረብ-በለሳ-ሙና ዚሰግር ተደጋጋሚ ሓድሕዳዊ ወራራት እንተ ነበረ፣ እቲ ንግዝኣት ዘመናዊት ኤርትራ ዘቕውም ማእከላይ ከበሳ፡ ሰሜናዊ ከበሳ፡ ምዕራባዊ መታሕትን ምብራቓዊ ጐላጕልን (ገማግም ባሕሪ) ካብ ኣቢሲንያ ዚተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ጀይምስ ብሩስ፡ እቲ ኣብ 1770 ንምንጪ ሰማያዊ ኒል ኣብ ቀላይ ጻና ንምርካብ ካብ ምጽዋዕ ዚተበገሰ ስኮትላንዳዊ ዳህሳሲ፡ “ምድረ ባሕሪን ኣቢሲንያን ብቐጻሊ ኣብ ናይ ሓድሕድ ኲናት ዚተጸምዳ ብንጹር ዚተፈላለያ ፖለቲካዊ ኣሃዱታት ከም ዚነበራ” ይገልጽ። 

ኣብቲ ካብ ውድቀት ኣዅሱም ኣብ 8ይ ዘመን ክሳብ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1952 ዚዝርጋሕ መዋእል፡ ዚዀነ ኣቢሲንያዊ መራሒ ይዅን ወራሪ፡ እንተላይ ራእሲ ኣሉላ፡ ንመላእ ምድረ ባሕሪ ዓብሊሉ ይዅን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ በጺሑ ኣይፈልጥን ኢዩ።  

ይዅን’ምበር፡ ኣብቲ ቀጥታዊ ቅድመ-መግዛእታዊ እዋን፡ መሬት ምድረ ባሕሪ፡ ብሰሪ ውሽጣዊ ዳይናሚክስን ግዳማዊ ዓመጽን፡ ኣብ ካልእ ወቕቲ ናይ ምፍንጫል ወደቐ። ኣብ ምብራቕ፡ እታ ኣብ 1557 ንምጽዋዕን ሕርጊጎን ዚተቘጻጸረት ዑስማናዊት ቱርኪ (13)፡ ነታ ወደባዊት ከተማን ገማግማዊ ጐላጕልን፡ ክሳብ’ቲ ኣብ 1872 ናብ ኸዲቫዊት ምስሪ ዚሰጋገር፡ ጐቢጣቶ ጸንሐት። ብተወሳኺ፡ ኸዲቫዊት ምስሪ ንጋብላ ጋሽ-ሰቲት ወሪራ፡ ንዞባ ቦጎስ ጐቢጣ፡ ኣብ መፋርቕ 1880ታት ኣብ ከረን ዕርዲ መስሪታ ንማእከላይ ከበሳ ወረረት።

ብሸነኽ ደቡብ፡ ኣቢሲንያውያን ንማእከላይ ከበሳ ወሪሮም ኣንጻር ምስራውያን ተዋጊኦም ንሰሜን ገጾም ደፍኡ። ሽዑ ራእሲ ኣሉላ ንራእሲ ወልደሚካኤል ኣታሊሉ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ብምእታው ቀንዲ መደበሩ ኣብ ኣስመራ ተኸለ። ኢጣልያ ኣብ 1869 ኣብ ወሽመጥ ዓሰብ፡ ኣብ ጠረፍ ናይቲ ደቡባዊ ጫፍ፡ መራግጾ መስሪታ፡ በቶም ብተኽእሎ ፈረንሳዊ ምስፍሕፋሕ ካብ ጂቡቲ ናብ ኤርትራ ዚሰግኡ ብሪጣንያውያን ተተባቢዓ፡ ወራር ብምቕጻል ንምልእቲ ኤርትራ ጐቢጣ፡ ኣብ 1890 ምምስራት ናይታ ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ግዝኣታ ኣወጀት። 

ታሪኻዊ መርትዖ እምበኣርከስ፡ ንብዙሕ ዘመናት ዚጸንሐ ህላወ ምድረ ባሕሪ፡ ከም ነብሳ እተመሓድር ፖለቲካዊት ኣሃዱ፡ ናጻ ካብ ኣቢሲንያ፡ ግን ከኣ፡ ኣብ ቀጻሊ ግጭት ምስ ኣቢሲንያ ከም ዚነበረት የረጋግጽ። ኣብቲ ካብ ውድቀት ንግስነት ኣዅሱም ክሳብ ምጽኣት ኤውሮጳዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዚዝርጋሕ ዓሰርተው ሓደ ዘመናት፡ ኣብ ኣቢሲንያ ሓያሎ ተወዳደርቲ ንግስነታት ኪትስኣን ኪወድቃን ተራእየን ኢየን። ይዅን’ምበር፡ ዚዀነት ካብተን ኣብቲ መዋእል’ቲ ኣብ ኣቢሲንያ ዚትስኣን ዚወድቃን ዚነበራ ተወዳደርቲ ንግስነታት ኰነ ዚዀነት ዘመናዊት ሃገር ናይዚ እዋንና ንነብሳ ከም ቀጥታዊ ወራሲት ናይ ንግስነት ኣዅሱም ከተቕርብ ዚዀነ ርትዓዊ መመኽነይታ የብላን። ዋላ ሓንቲ ካብአን’ውን፡ ብሓቂ፡ ርትዒ ሒዛ ኣብ ልዕሊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ቍጽጽር ይዅን ስልጣን ነይሩኒ ኪትብል እትኽእል ጥንታዊት ትዅን ዘመናዊት ሃገር የላን። 

ኣብቲ ካብ ውድቀት ንግስነት ኣዅሱም ኣብ 8ይ ዘመን ኣትሒዙ ክሳብ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 1952 ዚዝርጋሕ መዋእል ናይ ዓሰርተው ክልተ ዘመናት፡ ዚዀነ ኣቢሲንያዊ መራሒ ይዅን ወራሪ፡ እንተላይ ራእሲ ኣሉላ፡ ንመላእ ምድረ ባሕሪ ዓብሊሉ ይዅን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ በጺሑ ወይ ረጊጹ ከም ዘይፈልጥ፡ ዘየካትዕ ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ።