Ethnically disunited and economically non-viable, there is no good reason for preserving it (Eritrea) as an administrative unit…
The right solution would seem to be to dismember it along its natural lines of cleavage.
– British draft resolution, UN General Assembly, May 1949
ነታ ብነገዳዊ ኣቃውማ ዚተመቓቐለትን ብቍጠባዊ ዓይኒ ነብሳ ክኢላ ኪትቅጽል ዘይትኽእልን ኤርትራ፡ ከም ምምሕዳራዊ ኣሃዱ ንምዕቃብ፡
ዚዀነ ጽቡቕ ምኽንያት የለን ..። ንዓኣ፡ ማዕር-ማዕረ’ቲ ባህርያዊ ደረታት ናይ ነቓዓ ምምቕቓል እቲ ቅኑዕ ፍታሕ ዚኸውን ይመስል።
– ብሪጣንያዊ ንድፊ ውሳኔ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ.ሃ.፡ ግንቦት 1949
እቲ
ንህዝቢ ኤርትራ ንምምቕቓል፣ ሃገራዊ መንነት ኤርትራ ንምጥፋእ፣ ኣብ እዋን ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዚተኣልመ ውጥን ምጕዝዛይ፤
ምስቲ ንምዕባሌኣ ዘዛሕተለ ምዝማት እቶታዊ ጸጋታት ኤርትራ፣ ኣብዛ ምዕራፍ
እዚኣ ይግለጽ። እዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ብዛዕባ ምብርባር ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ፣ እቲ ተኸታቲሉ ዚተኸስተ ሰንሰለት
ፍጻሜታት፣ እቲ ከም ውጽኢቱ ዚሰዓበ ህውከት፣ እቲ ንኤርትራ ናብ ደንደስ ሕንፍሽፍሽን ጥፍኣትን ኣገማጊሙዋ ዚነበረ፡ኣብ ኤርትራዊ
ስነኣእምሮን ፖለቲካዊ ኣካልን ጸናሒ በሰላ ዚገደፈ ብርቱዕ ‘ውጥረትን ጸቕጥን’ ተዘንቱ። ብዛዕባ ምጅማር ውዱብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ
ንጥፈታት ትገልጽ። ብመንጽሩ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ንምብርዓኑ ዚተፈጸመ ዝንቕ ናይ ብሪጣንያዊ ውዲታት፡ ኢትዮጵያዊ ምትእትታውን ናይተን
ዓበይቲ ሓያላት ብድዐታትን፡ ትዝርዝር። እቲ ስዒቡ ዚተፈጥረ ዳይናሚክ፡ነቲ ካብ መግዛእቲ ናይ ምልቓቕ ሕጋዊ ጠለብ ኤርትራ ዓንቂጹ፣
ክርዳድ ናይቲ ንነዊሕ እዋን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሳቐየ ግጭት ዘሪኡ፣ ንጸጥታን ርግኣትን መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሪጉ።