Eritrea at a crossroads

“Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope”

Ch 3. A Plan to Dismember Eritrea

Ethnically disunited and economically non-viable, there is no good reason for preserving it (Eritrea) as an administrative unit…
The right solution would seem to be to dismember it along its natural lines of cleavage.
– British draft resolution, UN General Assembly, May 1949

ነታ ብነገዳዊ ኣቃውማ ዚተመቓቐለትን ብቍጠባዊ ዓይኒ ነብሳ ክኢላ ኪትቅጽል ዘይትኽእልን ኤርትራ፡ ከም ምምሕዳራዊ ኣሃዱ ንምዕቃብ፡
ዚዀነ ጽቡቕ ምኽንያት የለን ..። ንዓኣ፡ ማዕር-ማዕረ’ቲ ባህርያዊ ደረታት ናይ ነቓዓ ምምቕቓል እቲ ቅኑዕ ፍታሕ ዚኸውን ይመስል።
– ብሪጣንያዊ ንድፊ ውሳኔ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕ.ሃ.፡ ግንቦት 1949

The plan to partition Eritrea, divide its people and destroy its identity, and the plunder of its productive assets that retarded its development, under the British Military Administration are covered in Chapter 3: A Plan to Dismember Eritrea. The chapter describes the awakening of the Eritrean people’s aspirations for self-determination, the chain of events that unfolded, and the resultant turbulence whose severe ‘stresses and strains’ brought Eritrea to the brink of chaos and extinction, leaving lasting scars on the Eritrean psyche and body politic. It also portrays the rise of organised national political activity and the blend of British intrigues, Ethiopian interference, and Big Power caprices. This dynamic thwarted Eritrea’s legitimate claim to decolonisation and sowed the seeds of long-term conflict that beset Eritrea and Ethiopia and disturbed the security and stability of the Horn of Africa as a whole.

እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምምቕቓል፣ ሃገራዊ መንነት ኤርትራ ንምጥፋእ፣ ኣብ እዋን ብሪጣንያዊ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዚተኣልመ ውጥን ምጕዝዛይ፤ ምስቲ ንምዕባሌኣ ዘዛሕተለ ምዝማት እቶታዊ ጸጋታት ኤርትራ፣ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ይግለጽ። እዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ብዛዕባ ምብርባር ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ፣ እቲ ተኸታቲሉ ዚተኸስተ ሰንሰለት ፍጻሜታት፣ እቲ ከም ውጽኢቱ ዚሰዓበ ህውከት፣ እቲ ንኤርትራ ናብ ደንደስ ሕንፍሽፍሽን ጥፍኣትን ኣገማጊሙዋ ዚነበረ፡ኣብ ኤርትራዊ ስነኣእምሮን ፖለቲካዊ ኣካልን ጸናሒ በሰላ ዚገደፈ ብርቱዕ ‘ውጥረትን ጸቕጥን’ ተዘንቱ። ብዛዕባ ምጅማር ውዱብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ትገልጽ። ብመንጽሩ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ንምብርዓኑ ዚተፈጸመ ዝንቕ ናይ ብሪጣንያዊ ውዲታት፡ ኢትዮጵያዊ ምትእትታውን ናይተን ዓበይቲ ሓያላት ብድዐታትን፡ ትዝርዝር። እቲ ስዒቡ ዚተፈጥረ ዳይናሚክ፡ነቲ ካብ መግዛእቲ ናይ ምልቓቕ ሕጋዊ ጠለብ ኤርትራ ዓንቂጹ፣ ክርዳድ ናይቲ ንነዊሕ እዋን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሳቐየ ግጭት ዘሪኡ፣ ንጸጥታን ርግኣትን መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሪጉ።