Eritrea at a crossroads

“Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope”

Ch 17. Securing the Peace Between Eritrea and Ethiopia

War is the decision to go for victory [rather] than resolution.

Peacemaking is an attempt to resolve the sources of the conflict and restore a situation of balance, thereby eliminating the need for victory and defeat.

– Jim Wallis

ኲናት፡ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ዓወት ዘናዲ ውሳኔ ኢዩ።

ዕርቂ ሰላም ነቲ ምንጭታት ናይቲ ግጭት ንምፍታሕን ኵነት ናይ ጃላነት ንምምላስን፣ ብኡ ኣቢልካ ድማ፡ ኣድላይነት ናይ ዓወትን ስዕረትን ንምግላፍ ዚግበር ፈተነ ኢዩ።

– ጂም ዋሊስ

Chapter 17: Securing the Peace between Eritrea and Ethiopia crystallises the key provisions of, and the effort to implement, the Algiers Agreement. It notes the omission of the Inquiry Commission and the creation of the Claims and Boundary commissions. It summarises the final damage awards of the Claims Commission, the territorial significance of the delimitation decision of the Boundary Commission, and its virtual demarcation of the boundary. In addition, it assesses the role of the parties in terms of the respect of their treaty obligations under the agreement and in the failure to achieve durable peace between Eritrea and Ethiopia. 

Further, the chapter notes the lack of convergence of interest, unity of purpose, and coherence of policy that has hampered the effort of the UN Security Council to help Eritrea and Ethiopia achieve peace. It stresses the need for the full implementation of the Algiers Agreements; and for Ethiopia’s unconditional recognition of the border, as demarcated by the EEBC and respect of Eritrea’s territorial integrity to ease a troubled historical memory, and secure a stable peace and normal relations in the interests of the fraternal peoples.

ምዕራፍ 17፡- ምውሓስ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ቀንዲ ትሕዝቶታት ስምምዕ ኣልጀርስን፡ ነቲ ንምትግባሩ ዚተኻየደ ጻዕርን ትጸምቝ። ንግድፈት ወይ ዘይምቛም ናይታ መርማሪት ኮሚሽንን ምቛም ናይተን ኮሚሽናት ካሕሳን ዶብን ትገልጽ። ጽማቝ መግለጺ ናይቲ ኮሚሽን ካሕሳ ዚበየኖ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ካሕሳ፣ ግዝኣታዊ ትርጕም ናይቲ ውሳኔ ምድራት ዶብ ኮሚሽን ዶብ፣ ኣገዳስነት ናይቲ ሕጋዊ ምምልካት ዶብ ኣብ ወረቐት (virtual demarcation)፣ ተቕርብ። ብተወሳኺ፡ ንተራ ክልቲኡ ወገናት ኣብ ምኽባር ናይቲ ነፍሲ ወከፉ ብመሰረት’ቲ ስምምዕ ዚኣተዎ ውዕላዊ ግዴታታት፣ ንፍሽለት ምርግጋጽ ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ትግምግም።

ብተወሳኺ፡ እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ንምምጻእ ዚተኻየደ ጻዕሪ ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዚዓንቀፈ ስእነት ምግጥጣም ናይ ረብሓ፡ ስእነት ሓድነት ናይ ዕላማ፡ ስእነት ጥምረት ናይ ፖሊሲ፡ ትምዝግብ። ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓታት ናይቲ ኣሕዋት ህዝብታት፣ ነቲ ኣሸጋሪ ታሪኻዊ ተዘክሮ ንምህሳስ፣ ርጉእ ሰላምን ንቡር ዝምድናታትን ንምምላስ፣ ኣድላዪነት ምሉእ ትግባረ ስምምዕ ኣልጀርስ፤ማለት፡ ዘይኵነታዊ ምቕባል ናይ ኢትዮጵያ ነቲ ብኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚተደረተ ዶብን ምኽባር መሬታዊ ምሉእነት ኤርትራን፣ ተጕልሕ፤