The reasonable man adapts himself to the world; the unreasonable one persists in trying to adapt the world to himself.
Therefore, all progress depends on the unreasonable man.
– George B. Shaw
እቲ ርትዓዊ ሰብ ንነብሱ ናብ ዓለም የርዕም፤ እቲ ዘይርትዓዊ ግን ንዓለም ናብ ነብሱ ኬርዕም ኢዩ ሒዅ ዚብል።
ስለዚ፡ ኵሉ ግስጋሰ ኣብቲ ዘይርትዓዊ ሰብ ኢዩ ዚምርኰስ።
– ጆርጅ በርናርድ ሸው
The writer speaks of the formative influences on his political
perspective and dedication to the cause of the liberation,
reconstruction and development of Eritrea and the progress, prosperity
and wellbeing of the people in Chapter 14: In the Service of Eritrea.
The chapter highlights his efforts to revitalise the University of
Asmera as a centre of higher learning and applied research and institute
the Bank of Eritrea as a functional central bank. It also touches on
his work in Eritrea’s diplomatic service. Further, it recounts the role
of constant presidential interference in disrupting the effort to build
institutions and undermining mission delivery.
ደራሲ ብዛዕባ
ቀራጺ ጽልዋታት ኣብ ፖለቲካዊ ኣጠማምታኡን፣ ወፈያኡ ንዕላማታት ሓርነት፡ ዳግመ-ህንጸትን ልምዓትን ኤርትራን፣ ግስጋሰ፡ ራህዋን
ብልጽግናን ህዝቢ ኤርትራን፣ ኣብ ምዕራፍ 14፡- ኣብ ኣገልግሎት ኤርትራ ይገልጽ። እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡
ነቲ ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ከም ማእከል ናይ ላዕለዋይ ትምህርትን ግብራዊ ምርምርን ንምሕዋይ ኰነ ንባንክ ኤርትራ ከም ምዕሩይ ማእከላይ
ባንክ ንምህናጽ ዘካየዶ ጻዕርታት ተድምቕ። ንስርሑ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ኤርትራ’ውን ትትንክፍ። ብተወሳኺ፡ ንተራ ቀጻሊ
ፕረዚደንታዊ ምትእትታዋት ኣብ ምዝራግ ናይቲ ትካላት ንምህናጽ ዚካየድ ጻዕርታትን፡ ኣብ ፈጽሚ በጺሖም ፍረ ከም ዘይህቡ ኣብ ምግባርን
ትዝርዝር።