Eritrea at a crossroads

“Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope”

Ch 12. Eritrea: The Future of Africa That Works

I have seen the future – of Africa [in Eritrea]- and it works. 

-Abdulrahman Babu

መጻኢ ናይ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ርእየዮ፣ ትስፉው ድማ ኢዩ።

– ዓብዱልራህሕማን ባቡ

Chapter 12: Eritrea: The Future of Africa that Works contrasts the historical colonialist and nationalist narratives, on the one hand, and the official and dissenting perspectives within the nationalist narrative, on the other. It contends that Eritrea’s record has not borne out the optimism of sympathetic observers, like Abdulrahman Babu, that independent Eritrea would deliver democratic development and prosperity where other African states had failed. The chapter asserts that the regime has not lived up to the progressive goals of the struggle and the ideals of the freedom fighters that animated Babu’s enthusiasm. It admits that, far from representing the future of Africa that works, Eritrea manifests the authoritarian features of the prototype African state, with its attendant crises of legitimacy, delivery and relevance.

ምዕራፍ 12፡- ኤርትራ - መርኣያ ትስፉው መጻኢ ኣፍሪቃ ነቲ ታሪኻዊ መግዛእታውን ሃገራውን ትረኻታት፡ ብሓደ መዳይ፡ ነቲ ወግዓውን ተቓዋምን ኣረኣእያታት ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ’ቲ ሃገራዊ ትረኻ ድማ፡ በቲ ካልእ፡ ተነጻጽር። ነቲ እተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዚፈሸላሉ ምጕንጻፍ ደሞክራስያዊ ምዕባለን ራህዋን፡ ናጻ ኤርትራ ኪትዕወተሉ ኢያ፡ ዚብል ዚነበረ ትስፉውነት ናይ ከም በዓል ዓብዱልራሕማን ባቡ ዚኣመሰሉ ተደናገጽቲ ተዓዘብቲ፡ ተመክሮ ኤርትራ ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ትምጕት። እታ ምዕራፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ንትስፉውነት ናይ በዓል ባቡ ዘበገሰ ገስጋሲ ዕላማታት ናይቲ ብረታዊ ቃልስን ብጹእ ሃረርታን ፍጹም ተወፋይነትን ናይቶም ተጋደልቲ ሓርነትን፡ ኪትግብር ከም ዘይከኣለ ተረድእ። ብተወሳኺ፡ ብጠንቂ’ቲ ምጥፋእ ሕጋውነት ናይቲ ስርዓት ኰነ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ከማልእ ይዅን ንረብሓ ህዝቢ ከሰርሕ ዘይምኽኣሉ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ቅልውላዋት፣ ኤርትራ መርኣያ ትስፉው መጻኢ ኣፍሪቃ እትውክል ዘይኰነስ፣ ሕማቕ ኣብነት መላኺ ጠባያት ርዒማ ዘላ ሃገር ምዃና፡ ትእመን።