Power tends to corrupt, and absolute power corrupts absolutely.
-Lord Acton
ስልጣን ናብ ብልሽውና ይደፋፍእ፣ ፍጹም ስልጣን ፍጹም ብልሽውና የምጽእ።
– ሎርድ ኣክተን
Disconnect between Policy and Practice contrasts the policies
and practices of the government in terms of the establishment of a
constitutional, democratic and developmental state capable of promoting
political participation, gender equality, and religious freedom. Using
the policy instruments provided by the National Charter, the
Macro-Policy paper and the ratified Constitution as benchmarks, the
chapter exposes the existence of an enormous disparity between the
stated policies and actual practices of the government. Linking the
unfortunate political, economic and social reality prevailing in Eritrea
today to this disparity, it concludes that its root cause is structural
and its remedy lies in national renewal.
ምዕራፍ
10፡- ፍልልይ ኣብ መንጎ ሜላን ግብርን ነቲ ሜላታትን
ተግባራትን ናይቲ መንግስቲ፡ ብመንጽር ምምስራት ናይ ፖለቲካዊ ተሳትፎ፡ ጾታዊ ማዕርነት፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከተረጋግጽ እትኽእል፣
ሓንቲ ቅዋማዊት፡ ደሞክራስያዊትን ማዕባሊትን ሃገር፣ ተነጻጽር። ነቶም፡ እቲ ዚተሳእለ ሃገራዊ ቻርተር፡ እቲ ዚተሓንጸጸ ማክሮ-ቍጠባዊ
ፖሊሲ፡ እቲ ዚጸደቐ ቅዋም ዚቐረቡዎም መሳርሒታት ሜላ፡ ከም መምዘኒታት ብምጥቃም፣ እዛ ምዕራፍ’ዚኣ፡ ነቲ ኣብ መንጎ’ቲ እዉጅ
ሜላታትን ክዉን ተግባራትን ናይቲ መንግስቲ ዘሎ ደርማስ ዘይምምጥጣን ተቃልዕ። ነቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ቅርሱስ ፖለቲካዊ፡
ቍጠባውን ማሕበራውን ክዉንነት፡ ምስዚ ዘይምምጥጣን ናይ ሜላን ተግባራትን’ዚ ብምትእስሳር፣ እቲ ሱራዊ ጠንቂ ናይቲ ሽግር ኣቀዋውማ
ናይቲ ስርዓት ስለዚዀነ፣ እቲ ፍታሕ ሃገራዊ ምሕዳስ ምዃኑ ትድምድም።