All updates

መንቀራቕሮ ኤርትራ Eritrea’s Predicament

08/05/2017
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብ 05-20 ሚያዝያ 2017፡ ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ስራሕ ዑደት ብምፍጻም፣ ኣብ ሰለስተ (3) ዚተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት፡ ማለት፡ ዩኒቨርሲቲ ኒው ኢንግላንድ፡ ሲድኒ ዩኒቨርሲቲ፣ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ፣ ብዛዕባ “ደሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ:- ትማሊ: ሎምን ጽባሕን” ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ። ኣብ ካንቤራ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያትን ንግድን ኣውስትራልያ ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ብዛዕባ እቲ ኪህሉን ኪምዕብልን ዚግብኦ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ዝርርብ ኣካይዱ። ብተወሳኺ፡ ምስ ኤርትራዊ ኮም ኣብ ካንቤራን መልቦርንን፡ ኣብ ዚገበሮ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ብዛዕባ “ኤርትራ ኣብ መንቀራቕሮ፡- ምህናጽ ሃገር፡ ዞባዊ ፖለቲካዊ ስነምንቅስቓስን ኣህጕራዊ ስርዓትን” መግለጺ ብምሃብ፡ ዘተታት ኣካይዱ። ስዒቡ፡ እቲ ኣብቲ ሓባራዊ ዘተታት ዚተዋህበ ተመሳሳሊ መግለጺ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ይቐር

 _____________________________

ኤርትራ ኣብ መንቀራቕሮ
ምህናጽ ሃገር፡ ዞባዊ ፖለቲካዊ ስነምንቅስቓስን ኣህጕራዊ ስርዓትን

ኣብዚ ሓባራዊ ዘተ’ዚ፣ ምሳኹም፡ ብዛዕባ ጕዳይ ኤርትራ ሃገርና ንምምይያጥ ዕድል ብምርካበይ ዓቢ ደስታ እስመዓኒ። ሎሚ መዓልቲ፡ ብኣጋጣሚ፡ ፋሲካ ስለ ዚዀነ ድማ፣ ንዅላትና ኣሕቢሩ ርሑስ በዓል ፋሲካ ኪዀነልና፣ ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ።

ኣብቲ ቀንዲ ናይ ሎሚ መዛረቢ ኣርእስቲ ቅድሚ ምእታወይ፣ ነቶም ብስምኩም ምዉቕ ሕውነታዊ ኣቀባብላ ዚገበሩለይ፣ ኣብ መዓልቦ ነፈርቲ እግረይ ካብ ዝረግጽ ኣትሒዞም፡ ብንኡድ ሕውነታዊ ኣኽብሮትን ቀጻሊ ለጋስ ሓልዮትን ዚሕብሕቡኒ ዘለዉ፣ ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣካየድቲ ኤርትራዊ ኮም መልቦርን፡ ዕዙዝ ልባዊ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ። ብወገንይ ድማ፣ ምቹእ ኣጋጣሚ ረኺበ፣ ካሕሳኦምን ካሕሳኹምን ከውዕለኒ ተስፋ እገብር። ምስ’ዚ ኣተሓሒዘ፡ ነቶም ብኣጋጣሚ ናብ ኣውስትራልያ ምምጽአይ፡ ምሳኹም ንምርኻብ ዝነበረኒ ድሌት፣ ነዚ ኣኼባ’ዚ ብምውዳብ፡ ክዉን ዚገበሩ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ልባዊ ምስጋናይ አቕርብ።

ከም መበገሲ ዘተና፣ ስለምንታይ ነታ “ኤርትራ ቃራና መንገዲ፧ ታሪኽ ዓወት ጥልመትን ተስፋን” ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝደረስኩ: ኣሕጽር እቢለ ክሕብር እፈቱ።

(1) ኣብቲ ብዛዕባ ታሪኻውን ዘመናውን ኣመጻጽኣ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ እኩብ ፍልጠት፡ ኣበርክቶ ንምግባር።

(2) ኣብቲ ብዛዕባ መጻኢ ወይ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ዚካየድ ሃገራዊ ልዝብ፣ ብኣረኣእያ ናይ ሓደ ኤርትራዊ ተጋዳላይ፡ ኣበርክቶ ንምግባር።  

ብቐዳምነት፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ኵነታት፡ ኣመጻጽኣኡን ኣንፈት መጻኢ ጕዕዞ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን፡ ኣብ ጽጹይ ሓበሬታ ዚተመርኰሰ ክትዕ ንምድራኽ ትሕልን። ኪኖ ኤርትራ ድማ፣ ብዛዕባ’ቶም መሰረታውያን ጠንቅታትን ቀንዲ ደፋእቲ ረቛሒታትን ናይቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ሰፊኑ ዘሎ ሓፈሻዊ ድኽመት፡ ኣብ ፍልጠትን ቅኑዕ መረዳእታን ዚተመስረተ ክትዕ ብምድራኽ፣ ኣብቲ ምእንቲ ዳግመ-ህንጸት መንግስትን ምትካል ደሞክራስያዊ ስርዓትን ዚካየድ ጻዕሪታት ኣበርክቶ ንምግባር ትዕልም። ነዚ ዕላማ’ዚ ንምስላጥ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን
www.eri-platform.org እትብል ወብሳይት ኣቚመ ኣለኹ። ንኺትከታተሉዋን ኪትሳተፉዋን ድማ ብኣኽብሮት እዕድም።

ሕጂ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ መኣከቢና፡ ማለት፡ “ኤርትራ ኣብ መንቀራቕሮ፡- ምህናጽ ሃገር፡ ዞባዊ ፖለቲካዊ ስነምንቅስቓስን ኣህጕራዊ ስርዓትን” ክኣቱ እየ። መእተዊ ዘረባይ ኣርባዕተ ክፋላት ዚሓዘ ኢዩ፡- (1) ምህናጽ ሃገርን ተራ ኤርትራዊ ዳያስፖራን፣ (2) ዞባዊ ፖለቲካዊ ስነምንቅስቓስ፣ (3) ኣህጕራዊ ስርዓት፣ (4) መደምደምታ።

1.     ምህናጽ ሃገርን ተራ ኤርትራዊ ዳያስፖራን

ኵላትና ከም እንፈልጦ፣ ክቡር ህዝብና፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንነዊሕ ዓመታት፣ ምእንቲ ሓርነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ራህዋን፣ መሪር ተጋድሎ ኣካይዱ፡ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ፡ ሃገሩ ሓራ ኣውጺኡ ከብቅዕ፤ ናጽነት ድሕሪ ምጭባጥ፡ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ፡ ኣብ ትሕቲ መሪር ጭቈና፡ ምልክን ድኽነትን ይሳቐ ኣሎ። ስለምንታይ፧

ኣብቲ ዝርዝር ጠንቅታት ቅድሚ ምእታወይ፣ ኣብዚ ደጊመ ከረጋግጾ ዝደሊ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ። ናጽነት ፍረ ጻዕርን ዓቢ ታሪኻዊ ዓወትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ናጽነት ድሕሪ ምጭባጥ ግን፣ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)/ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ንበይኑ ተቓሊሱ ዓወት ከም ዘምጽአ፣ ንመበገሲ ዕላማታት ቃልሲን መሰረታዊ ፖለቲካዊ መሰል ርእሰ-ውሳኔን ህዝብና ጠሊሙ፣ ካብ ባዕዳዊ ግዝኣት ዘይሓይሽ፡ ምልካዊ ስርዓት ተኺሉ።

ኣደዃዅና ሃገረ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኰነ ኣመዓባብላ ፍሉይ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ኣብ ስነመጐታዊ መስርሕ ተራጽሞ ዓመጽ ገዛእትን ተቓውሞ ግዙእትን፡ኵላትና እንፈልጦ ታሪኽ ስለዚዀነ፣ ኣብዚ ከም ርዱእ ጕዳይ ክሰግሮ እየ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ

መትከል መሰል ርእሰ-ውሳኔ፡ ኣብ ኣህጕራዊ ሕጊ፡ ሰለስተ (3) መዳያት ኣለዉዎ፡-

(1) መሰል ርእሰ-ውሳኔ ከም ሃገር፣ መጻኢ ዕድሉን ኣህጕራዊ ፖለቲካዊ ቦታኡን ከም ድሌቱ ምውሳን።

(2) መሰል ርእሰ-ውሳኔ ከም ህዝቢ፣ ዚመረጾ መንግስቲ ከቕውምን ዘይማእመኦ መንግስቲ ኪቕይርን።

(3) ባህላዊ ርእሰ-ምሕደራ ከም ሕብረ-ብሄራዊ ወይ ሕብረ-ነገዳዊ ህዝቢ፣ ባህሉ፡ ቋንቍኡን ልምድታቱን ከዘውትር፡ ኪዕቅብን ከማዕብልን።

ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ምቕሳም ፍልጠትን ኣእምሮኣዊ ምዕባለን ዘለዎ ብልጫታት፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ቋንቋ ንሓደ ህዝቢ ፍልጠት ታሪኹ የስንቕ፣ ምስ ባህሉ የተኣሳስር፣ ቀጻልነት መንነቱ የረጋግጽ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 21 ሚያዝያ፡ ከም ኣህጕራዊ መዓልቲ ቋንቋ ኣደ ዘብዕል።

ኪኖ’ዞም ብኣህጕራዊ ሕግን ኣዋጃት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዚተረጋገጹ መሰረታውያን መሰላት እዚኣቶም፣ ቃልሲ ህዝብና ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ካብ ጐበጣ ኢትዮጵያ ንምግልጋል ጥራይ ኣይነበረን። ማዕር-ማዕረ ሃገራዊ ሓርነት፡ መሰረታዊ ማሕበረ-ቍጠባዊ ለውጢ ንምምጻእ ዚዓለመ ኢዩ ነይሩ።

ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት፡ ግቡእ ምስልሳል መስርሕ ህንጸት ሃገርን መንግስትን፡ ነዞም ዚስዕቡ ረቛሒታት ዘማልእ፡ወይ ብውሑዱ፡ ኣብ ግምት ዘእተወ ኪኸውን ነይሩዎ:-

(1) ሓቛፊ መንግስቲ- ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዚሓቍፍን ዘሳትፍን።

(2) ቅዋማዊ መንግስቲ- ግዝኣተ-ሕጊ፡ ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራስያዊ መትከላትን።

(3) ደሞክራስያዊ መንግስቲ - ኤርትራ ናይ ሓባር ዓደቦ ወይ ዓደኖ ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ዜጋ - ብማዕረ መሰላት፡ ማዕረ ናጽነታት፡ ማዕረ ዕድላት፡ ማዕረ ግዴታታት።

(4) ስምርቲ ሃገር፡ ምስ ዘይምእኩል ምምሕዳራዊ ስርዓት።

(5) ዓለማዊት ሃገር - መሰረታዊ መሰልን ናጽነትን ሃይማኖታት ዘኽብር፣ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዘይሓዋውስ መንግስቲ።

(6) ማዕባሊት ሃገር - ዚተመጣጠነን ዚተመዛዘነን ልምዓት፡ ቍጠባዊ ዕቤት፡ ራህዋ።

ይኹን’ምበር፣ ኤርትራ ከም ሃገር ብመንገዲ ረፈረንደም፡ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ምስ ጨበጠት፣ መሰል ርእሰ-ውሳኔኣ ከም ህዝብ ኰነ ከም ሕብረ-ብሄራዊት ወይ ሕብረ-ነገዳዊት ሃገር ግን፣ ገና ብሕጂ ዚረጋገጽ መሰላት ኢዩ። ብኸመይ፧  

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ፡ ብጻዕርን መስዋእትን ሃገራዊ ናጽነት ዘረጋገጸ፣ ሎሚ’ውን፡ ብቐዳምነት፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ጻዕርን መስዋእትን፣ ደሞክራሲ፡ ማዕርነት፡ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ ክብረትን ራህዋን ዚሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ብዘይካ ተጊሁ ምቅላስ ካልእ ኣማራጺ የብሉን።

ተራ ኤርትራዊ ዳያስፖራ

ኤርትራዊ ዳያስፖራ፡ ብመንጽር’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚነብር ህዝብና፡ ዓቢ ተዛማዲ ዓቕሚ ኣለዎ። ኤርትራዊ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ተቓውሞ ኣብ ወጻኢ፡ ብዅሉ ምድባት ህላዌኡ፡ (ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ መርበባት ሓበሬታ ወይ ዜናዊ ማዕከናት፣ ውልቀሰባት)፣ ነዚ ዓቕሚ’ዚ ኣወሃሂዱ ምስ ዚንቀሳቐስ፣ ኣብቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዚካየድ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣገዳሲ ኣቀላጣፊ እጃም ከበርክት ምኸኣለ። ኣድማዒ ኣቀላጣፊ ተራ መታን ኪጻወት ግን፡ ንጻዕርታቱ ፍረ ዘውህብ መኣዝን ኪሕዝ ኣለዎ። ከም ኣብነታት፡-

1.  ቀዳምነታቱ ምስራዕ። እዚ ኣብ ዳያስፖራ ዘሎ ፖለቲካዊ ተቓውሞ፣ ካብቲ ተጸሚዱዎ ዚጸንሐ ሃሳዪ ማሕለኻ ናይ ሓድሕዳዊ ቍርቍስ፡ ቈየቛ፡ ጸለመ፡ ወዘተ.፡ ተገላጊሉ፣ ቀዳምነታቱ ኣለሊዩ ብምስራዕ፣ ስሩዕ ምስግጋር ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምቅልጣፍ፡ ንህዝብና ካብዚ ወሪዱዎ ዘሎ ኣደራዕ ሓሳረ-መከራ ንምድሓን ምስራሕ።

2.  ሃገርን ህዝብን፡ ብሓደ ወገን፡ ምምሕዳርን ስርዓትን ድማ፡ በቲ ካልእ፡ መሚኻ ምርኣይ። ክብረት ናይታ ብከቢድ መስዋእቲ ብሉጻት መንእሰያት ደቃ ዚመጸት ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ምሕላው። ንድሕነት፡ ልዑላውነት፡ መሬታዊ ምሉእነት ሃገረ ኤርትራ ምጥባቕ፣ ንሓድነት፡ ስኒት፡ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ምጽዓር፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ምቅላዕ፡ ምንጻል፡ ምድኻም።

3. ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ምስግጋር ንምቅልጣፍ፣ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ዘመናዊ ታሪኽ ኤርትራ፣ ኣብ ናይ ሓባር ግንዛበ ህሉው ኵነታት ኤርትራ፣ ኣብ ሓባራዊ ራእይ ዚተመርኰሰ ናይ ሓባር መደብ ዕዮ ብምስኣል፡ ዓቕምታትካ ኣወሃሂድካ ምስራሕ።

4. ሃገርን ህዝብን ነበርቲ፣ ስርዓትን ሰበስልጣንን ሓለፍቲ ኢዮም። በዚ ይዅን በቲ፡ ፖለቲዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና፡ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ዘይተርፍ ፍጻሜ ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ደሞክራስያዊ መተካእታ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ንምርግጋጽ፤ ብኣግኡ፡ ቀንዲ ዕማማት መሰጋገሪ መድረኽ ምልላይ፣ ገደብ ግዜ፡ ትግባረን መስርሕ ኣፈጻጽማን ናይቶም ቀንዲ ዕማማት ምውሳን፣ ኣቃውማ፡ ዕምሪ፡ ትሕዝቶን ቅርጽን መሰጋገሪ መንግስቲ ምንጻር፣ ዕዉት ፈጽሚ ናይቲ መስርሕ ምስግጋር ንምርግጋጽ ምድላው።

5.  ጭቈና ኣብ ዘለወሉ፡ ተቓውሞ ኣሎ። መጐት ጭቈናን ተቓውሞን ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብስቱር ዚካየድ ተቓውሞ ንምሕያልን፣ ምስኡ ተኣሳሲርካ፡ ምጽኣት ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍን ምስራሕ።

6.  ኣሽንኳይ ዶ ንእሽቶ፡ ድኻን ድኽምትን ኤርትራ፣ እተን ዓበይቲ፡ ሃብታማትን ሓያላትን ሃገራት እውን፣ ከካብ ዞብአን ይዅን ካብ ዓለም ተነጺለን ኪምዕብላን ኪብልጽጋን ኣይክእላን ኢየን። ኵሉ ዲፕሎማስያዊ ስራሓት፣ ኣህጕራዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፣ ቍጠባውን ንግዳውን ዝምድናታት፣ ሃገራዊ ረብሓ ንምዕቃብን ንምዕባይን ዚዓለመ ኢዩ። ኤርትራ’ውን፡ ከም ሰባ፡ ካብ ዞባኣን ዓለምን ተነጺላ ኪትምዕብል ኰነ ኪትብልጽግ እትኽእል ናይ በይና ደሴት ኣይኰነትን። ነዚ ክዉንነት’ዚ ብግቡእ ተገንዚብና፤ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍ ዚድርኽ፣ ናጽነት ሃገራዊ ፖሊሲን ውሳኔን ዘኽብር፣ ኣህጕራዊ ደገፍን ዞባዊ ምሕዝነትን ምዅስኳስ።

ኣንፈት’ዚ መኣዝን’ዚ ሒዙ ምስ ዚሰርሕ፣ ኤርትራዊ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዳያስፖራ፡ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ ኰነ ኣብቲ ዚስዕብ መስርሕ ምውዳድ ደሞክራስያዊ መንግስትን ዳግመ-ህንጸት ሃገርን ኣድማዒ እጃም ንምብርካት ጥጡሕ ባይታ ከንጽፍ ምኸኣለ።                                      

2. ዞባዊ ፖለቲካዊ ስነምንቅስቓስ (Regional Political Dynamics)

ቀርኒ ኣፍሪቃን ጋብላ ቀይሕ ባሕርን፣ ብቐጻሊ ህውከት፡ ብክቱር ድኽነት፡ ብስእነት ወይ ዋሕዲ ደሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ብኣመና ድኹማት መንግስታት፡ ዚልለ ዞባ ኢዩ። እስከ ነተን ሃገራት በብሓደ ዘርዚርና ንርኣየን፡-

ጂቡቲ፡-

ብወተሃደራውን ባሕራውን መደበራት ናይቲ ብ “ኲናት ኣንጻር ሽበራ” ዚፍለጥ ስርሒታት ሓያላን መንግስታት ተዕለቕልቕ ዘላ ሃገር።

ኤርትራ፡-

ብኣረሜናዊ ምልኪ ህዝባ ኪነብረላ ናብ ዘይክእል ምድራዊት ሲኦል ተቐይራ ዘላ ንጽልቲ ሃገር።

ኢትዮጵያ፡-

ኣብ ትሕቲ ኵነተ-ህጹጽ ኣዋጅ እትርከብ ሃገር።

ኬንያ፡-

ብተዛማዲ ርግእት እትልለ፡ ቍጠባዊ ርእሰ-ሓያል ናይቲ ዞባ።

ሶማልያ፡-

ብውሽጣዊ ቅልውላው ዚተረመሰት፣ ብግዳማዊ ወተሃደራዊ ምትእትታዋት ሓድነታ ዚተዘርገ፣ መላእ መሬት ሃገር ብዘይቈጻጸር፡ ስማዊ ማእከላይ መንግስቲ ‘እትመሓደር’ ሃገር።

ደቡብ ሱዳን፡-

ኣብ ባርዕ ሓድሕዳዊ ምቅትታል ጥሒላ ትልብለብ ዘላ ሓዳስ ሃገር።

ሱዳን፡-

ኣብ ትሕቲ ጥሩፍ እስላማዊ ስርዓት ሓድነት ህዝባ ዚተዘርገ፣ ብቐጻሊ ኲናታት ሓድሕድን ማሕበራዊ ህውከትን እትሕመስ ዘላ ሃገር። ንኣብነት፡ ዳርፉር፡ ደቡብ ኮርዶፋን፡ ብሉ ናይል፡ጎቦታት ኑብያ፡ ምብራቓዊ ዞባ ።

ዩጋንዳ፡-

ኣብ ተዛማዲ ርግኣት እትርከብ ሃገር።

የመን፡-

ብኲናት ሓድሕድን ግዳማዊ ምትእትታውን እናዓነወት፣ ህዝባ ኣብ ትሕቲ ዘየቋርጽ ባርዕ ቦምባታት ዚሳቐየላ ሃገር።

3. ኣህጕራዊ ስርዓት

እቲ ብልሙድ ኣዘራርባ ‘ኣህጕራዊ ስርዓት’ ዚበሃል፡ ስርዓት ናይ ኣብ ውድድር ንስልጣንን ዕቤት ሃገራዊ ረብሓታትን ዚተጸምዳ፡ ናጻ ልዑላውያን መንግስታት ስርዓት ኢዩ። ዝምድና ኣብ መንጎ ሃገራት፡ ንስሙ’ኳ ብኣህጕራዊ ሕግን ንቡር ዲፕሎማስያዊ መትከላትን ኢዩ ዚግዛእ እንተተባህለ፣ ብግብርስ፡ ኣብ ተዛማዲ ሓይልን ሃገራዊ ረብሓታትን ኢዩ ዚምርኰስ።

እቲ ‘ኣህጕራዊ ኮም’ ዚብል ኣምር፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም ዘጠቓልል ኢዩ።  ንጹር መለለዪ ወይ ውዱብ ቅርጺ የብሉን። ምናልባት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው.ሕ.ሃ.)፡ ኣብቲ ሓፈሻዊ ባይቶኡ (General Assembly) ኣባልነት ናይ ኵለን ሃገራት ዓለም ስለዚሓቍፍ፡ ብዘልማድ፡ ከም ወካሊ ኣካል ናይ ኣህጕራዊ ኮም ይውሰድ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ገባርን ሓዳግን ዚዀነ ጸጥታዊ ባይቶኡ (Security Council)፡ በተን ናይ ቀውፊ ስልጣን (veto power) ዘለወን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት (Permanent Members) ዚተዓብለለ፡ ንነናይ ገዛእ ርእሰንን ንናይተን ‘መሓዙትና’  ዚብለአን ሃገራትን ረብሓታት ዚሰርሕ ኣካል ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ቀዋሚት ኣባል ጸጥታዊ ባይቶ ው.ሕ.ሃ.፡ ኣብቲ ኣብ ኣህጕራውን ዞባውን መጋባእያታት እትኽተሎ ሜላ ይዅን ኣብ ክልተኣዊ ጕዳያት ናይ ካልኦት ኣባል ሃገራት እትወስዶ መርገጺታት፣ ብመሰረት ኣህጕራዊ ሕጊ ፍትሒ ንምስፋን ዚጣበቕ ወይ ንቡር ዲፕሎማስያዊ መትከላት ንምኽባር ዚሰርሕ ኣይኰነን።

እዚ ዘለናዮ ዘመን፡ዘመነ-ዓውላማነት (globalism)፡ እንተላይ ዘመነ-ዞባውነት (regionalism) ኢዩ። መሰረታዊ ዕላማ ዞባውነት፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ሰላም፡ ርግኣት፡ ልምዓትን ራህዋን ዘስፍን ፖለቲካዊ ምትሕግጋዝን ቍጠባዊ ውህደንትን ምስላጥ ኢዩ። ኣብቲ ከባቢና፡ ብደረጃ ክፍለ-ዓለም፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት (African Union)፣ ብደረጃ ዞባ ድማ በይነ-መንግስታዊ ስልጣን ንልምዓት (Inter-Governmental Authority on Development) ኣለዉ። ሃገረ ኤርትራ ኣባል ክልቲኡ ውድባት ኢያ። ይዅን’ምበር፡ እዚ ዘሎ መንግስቲ፡ ኣብዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ዓለምለኻዊ ክዉንነት፡ ይትረፍ ዶ ኣብቲ ረቂቕ ጸወታ ናይቲ ዚተሓላለኸ ኣህጕራውን ዞባውን ረብሓታት ናይተን ቀንዲ ሓያላት ሃገራት፣ ኣብቲ ንቡር ጸወታ ናይተን ካልኦት ተራ ሃገራት’ውን እንተዀነ፣ ምስ ዓለም ኰነ ምስቲ ዞባ ዘዋስእ ሜላን ዓቕምን ይዅን ንሃገራዊ ረብሓ ዘቐድም ድሌትን ኣሰራርሓን ስለዘይብሉ፣ ንኤርትራ ሃገርና ኣብ ፍጹም ማሕበረ-ቍጠባዊ ድሕረትን ኣህጕራዊ ተነጽሎን ኣጥሒሉዋ ይርከብ።

4. መደምደምታ

ኣብ መወዳእታ፡ ንሓንቲ ዓሚቝ ቍምነገር ዚሓዘለት “ኣይኰነን ኦሮማይ” ዘርእስታ፡ ዓቢይ ትሕዝቶ መልእኽታ ኪስቈረና ዚግባእ፡ ዜማ ናይቲ ህቡብ ኤርትራዊ ሓርበኛ ስነ-ጥበባዊ፡ የማነ ገብረሚካኤል (የማነ ባርያ)፡ ብምጥቃስ ዘረባይ እድምድም።

 

ኣይኰነን ኦሮማይ
ሓርበኛ ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)
 
ሓወይ ቅንጣብ ዓጽመ-ስጋይ
ሰበይ ኣይቀሰነን ከማይ
 
ግዜ ፈሪዱዎ ዚተበታተነ
ተወሊዱ ከብቅዕ ቦታ ዚሰኣነ
ተዝእከብ ኔሩ ግን በብሓደ ኣብ ግብሪ
ኣይምሰኣነን መሬትና ናየቦታት ክብሪ
 
ኣይቀሰንካን እወ ከማኻ’ውን ኣነ
ኣንታ ተንፋቐር ሓወይ ተንሳነ
ምተፈትሐ ኔሩ ናይ ሓጹር ሰንሰለት
ምስ ሰመረ ኣእዳው ግድን’ዩ ኪዕወት
 
መን ኣሎ ዚቐሰነ ስደት ዚመቀሮ
እንጀራ ዕዳጋ ሓሞት ዘይመረሮ
 
ፈትሊ’ውን ተዀነ ኣዝዩ ዚፈዀሰ
ኣንበሳ’ዩ ዚኣስር ሓቢሩ ምስተፋሕሰ
ትርጕም ዓወት ድማ ቀንዲ ቁምነገሩ
ኣሕዋት ተሓቢሮም ጸላኢ የባርሩ
 
ሕልና ኣይተድክም ኣይኰነን ኦሮማይ
ገና ግዜ ኣለካ ኣይዓረበን ጸሓይ
ሰላም ኣብ ውሽጥኻ ምስ ተረኽበ ሓድነት
ሽዑ’ዩ ዓወትካ ራህዋ ምስ ቅሳነት።
 
ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ፡ አመስግን።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!