All updates

Martyrs Betrayed! መብጽዓ ጠሊመ፡ ቅሳነት ሕልና ስኢነ!

28/06/2017
[:swvar:text:838:]

መብጽዓ ጠሊመ፡ ቅሳነት ሕልና ስኢነ!

መጓዕዝቲ ኔርና፡ ንናጽነት ሃገር ንሓርነት ህዝብና
ንመሰል፡ ንፍትሒ፡ ንራህዋ ተቓሊስና
ግቡእና ክንፍጽም ንእስነትና ወፊና።

ኣንታ ክቡር ብጻይ ኣብ ጐድነይ ዝወደቕካ
ኢደይ ጨቢጥካ ዘሰከምካኒ ሓደራ
ኣንታ ዓቢ መምህር ‘ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ’ ዝበልካ።

ህሉው ኰይነ ድሕሬኻ ዝተረፍኩ
ሽግካ ወሊዐ ከብርህ መብጽዓ ዝኣተኹ
ኣብ ጐድኒ ሬሳኻ ‘ዓወት ንሓፋሽ!’ ዝበልኩ። 

ጠሊመ’የ እወ! ገዛይ ምስ ኣተኹ
ሕልናይ ኣይቀሰነን፡ ወጊኡኒ ዝኽርኻ
ነባሪ ቍስሊ ኰይኑኒ ቈላሕታ ዓይንኻ።

 
ሃብቶም ኪዳነ