All updates

BBC Tigrinya: ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ

28/07/2020
ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት፡ ግዝኣታዊ ምሉእነትን ልዑላዊነትን ሃገሩ ሓልዩ ምስ ኵሎም ጐረባብቱ ብሰላምን ጽቡቕ ጕርብትናን ኪነብር ዚደሊ ህዝቢ ኢዩ። ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ግን፡ ናይ ሃይለስላሰ፡ ደርግ፡ ወያነ ኰነ ኣቢይ፡ ብዋጋ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምስፍሕፋሕ፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምውናን፡ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምህላው፡ ዘይረዊ ህርፋን ኣለዎም። ሃይለ ስላሰን ደርግን ናይ ጐበጣ ወራር ኣካይዶም፣ 30 ዓመት ህዝብና መኪቱ ስዒሩዎም። ወያነ ኣብ ምምስራታ ፍርቂ ግዝኣት ናይ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ትግራይ ዘእተወ ማኒፈስቶ 1976 ኣውጺኣ። ማእከላይ መንግስቲ ምስ ሓዘት ከኣ፡ ሰፋሕቲ ቍርጽራጽ ግዝኣት ኤርትራ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዘእተው ካርታ ኣብ 1997 ኣምጺኣ። ብኡ መሰረት ካብ ሓምለ 1997 ኣትሒዙ ኣብ ባይታ ሓድሽ ክዉንነት ንምፍጣር ዘየድሊ ኣዕናዊ ኲናት ዘስዓበ ተግባራት ናይ ወራር ፈጺማ።   
-----------------
ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል?
ክሳብ ክንደይ ናይ ኲናት ስግኣት ኣሎ?
ዘተ ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደግዮርጊስን ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን