All updates

BBC Tigrinya: ተወልደ ረዳ፡ ትእምርቲ እምቢታ "ሽገይ-ሃቡኒ!" - ኣስመራ ኣብ 1965

28/05/2020
[:swvar:text:838:]
Image Copyright TEWELDE

ተወልደ ረዳ፡ ትእምርቲ እምቢታ "ሽገይ-ሃቡኒ!" - ኣስመራ ኣብ 1965

 ፈደራላዊ ውዕላት ክብሕጎግን መሰላት ህዝቢ ክገሃስን ምስጀመረ ኤርትራዊ ተነዓዒቡ። ኣብ 1958 ናይ ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ተቓውሞታት ተኻይዱ። ኣብ 1962 ባይቶ ኤርትራ ብወግዒ ምስ ፈረሰን ባንዴራ ኤርትራ ምስ ወረደትን መላእ ህዝቢ ተቓውሞ ከስምዕ ስለዝጀመረ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ግጭት ኣትዩ። ሰባት ክእሰሩን ክህደኑን ጀሚሮም።

ድሮ ንግህሰትን ዓመጽን ዝተቓወመ ብእድሪስ ዓዋተ ዝተመርሐ ናይ እምቢታ ትእምርቲ ኣብ መስከረም 1961 ብረታዊ ቓልሲ ምጅማሩ ኣበሲሩ። ስርዓት ሃይለስላሰ ተቓለስቲ ሓርነት ተዕቑባን ትቕልባን ኢኽን ዝተባህላ ዓድታት መታሕት ምስ ሰበን ተቓጺለን - ህዝበንን ጥሪተንን በልማማ ሃሊቖም።

ኩሎም እቶም መሰልና ዝበሉ ተቓለስቲ ናጽነት፡ ካብ ከተማን ገጠርን፡ ካብ በረኻን ባሕርን "ሸፋቱ" ተባሂሎም እናተሃድኑ፡ በብኽልተ ተኣሲሮም ናብ ማሕቡስ ወረዱ። ህዝቢ መታን ክርዕድ ከኣ ብማእከል ህዝቢ፡ በእጋሮም ይወስዱዎም ነይሮም።

እቲ ዘበን፡ ዘበነ "ሽገይ ሃቡኒ!" ኤርትራዊ ሃገራውነት ቀስቂሱ ንመላእ ህዝቢ ንቓልሲ ከምዝደፋፍኦ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ገና ተማሃራይ መባእታ ዝነበረ፡ ተመራማሪ ታሪኽን ጸሓፍን ዳዊት መስፍን ይዝክር።

" ኣብቲ እዋን ተማሃሮ ኣስኳላ ቪተርዮ ኣዲሞም ብፖሊስ ክህደኑን ክእሰሩን፡ ብዝኸድካዮ ጎደናታት ኣስመራ ከም ትእምርቲ እምቢታ " ሽገይ-ሃቡኒ!" ክትድረፍ፡ ስድራ-ቤታት ደቆም ኣብ ፖለቲካ ኣትዮም ኣደዳ ማእሰርቲ ከይኮኑ ክመኽሩን ከጠንቅቑን፡ ኣብታ ከተማ ፍርሒ ዓሲሉ፡ ከቢድ ፈታኒ እዋን ከንጸላሉ ይዝከረኒ" ይብል ዳዊት።

ኣብ መታሕት ኤርትራ ዝጀመረ ሃገራዊ ቃልሲ፡ ወርኡ ናብ ከበሳ ደይቡ፡ ኣብ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ጽልውኡ ሰፊሑ። መንእሰያት ካብ መላእ ኤርትራ፡ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ወጻእን ከይተረፈ ናብ ቃልሲ ናጽነት ተጸንቢሮም። እንተኾነ፡ እቲ ንናጽነት ዝቃለስ ዝነበረ ውድብ ብዙሕ ድኽመታት ስለዝነበሮ፡ ኣብ ነንሓድሕዱ ተመቓቒሉ፡ ኣብ ብረታዊ ረጽሚ ተጸሚዱ፡ ከቢድ ደም አሕዋት ፈሲሱ። መንእሰያት ኤርትራ ግን " ሽገይ ሃቡኒ!" እናዜሙ ቃልሶም ቀጺሎም።

ንኹሎም ሃገራውያን ድምጻውያን ልዑል ኣድናቖት ዘለዎ ተጋዳላይ መጎስ ብርሃነ፡ ነቲ ኣብ ስሳታት ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝረኣዮ፡ "ሃገራዊ ቅርሲ እዩ" ንዝብሎ በሃር ድምጻውን ሙዚቀኛን ተወልደ ረዳ፡ ብኣካል ረኺቡ ከዕልሎን ፍቕሩን ኣድናቖቱን ክገልጸሉ ብሂጉ፡ ክልተ ሳዕ ናብ ሮቶርዳም ተጓዒዙ ነይሩ - ግን ኣጋጣሚ ኣይሰለጦን። ንተወልደ፡ ልክዕ ከም ሞጎስ ተዘክሮታቶም ከዕልሉዎ ዝብህጉ መንእሰያት ስሳታት ውሑዳት ኣይኮኑን።

"ሙዚቃ ዝኽሪ እዩ፤ ሙዚቃ ፍቐሪ እዩ!" ዝብል…፡ ንተወልደ፡ ኣብ ሲነማ ኦድዮን ክደርፍ ዝረኣዮ ተጋዳላይ ቴድሮስ ተኽለ፡ "ልዕሊ ደርፍታቱ ብኣተሃራርማ ጊታሩ እየ ዝምሰጥ ነይረ" ይብል ከም ብዙሓት ኣድነቕቲ ህርመትን ምልከትን ክእለት ጊታር ተወልደ። ከምቲ ቴድሮስ ዝበሎ፡ ሙዚቃ ዝኽርን ፍቕርን እዩ። ደርፊ፡ መዘክር እዩ።

ንነብሲ ወከፍ ደርፊ፡ መዓስን ኣበይን ሰሚዕካያ፡ ምስ መንን ኣብ ከመይ ኩነታትን ሰሚዕካያ፡ ነቲ ዝሓለፍካዮ እዋን: ነቲ ዝሓለፍካዮ መዋእል ዘዘኻኽር ሰነድ እዩ ደርፊ። ሃገራዊ ደርፍታት ከኣ፡ ማዕረን ልዕልን ፍቕራዊ ደርፍታት ኣብ ዝኽሪ ዝተርፍ ኣሰር ኣለዎ።

[:swvar:text:838:]
Image Copyright TEWELDE

ንተወልደን ደርፍታቱን ምስ ሃገራዊ ተጋድሎ ዘተኣሳስሮ መጎስ፡ ናብ እዋን ቁልዕነቱ ናብ ስሳታት ተመሊሱ ዝኽሩ የካፍል። "ኣቦታትና ዓሳክር ናይ ጥልያን ስለዝነበሩ፡ ኣብ ትሩብሊ ምስ ጥልያን፡ ብድሕሪኡ ምስ ኢንግሊዝ፡ ኣብ እዋን ዓደይ ዓደይ ከኣ፡ ንኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባት፡ ንከም ፕሮ- ኢታልያ፡ ኤርትራ ንኤርትራውያ፡ ቀጽሪ ናጽነት፡ ማሕበር ኣንድነት ዝኣመሰለ ውዳበታት፡ ክትንትኑዎን ክካትዑሉን እናሰማዕና ስለዝዓበና፡ ትርጉም ሽገይ ሃቡኒ ክንርዳእ ኣይጸገመናን" ይብል።

ብቑልዕነቱ፡ ብሽገይን ፍርያት ተወልደን ስለዝተመሰጠ ከኣ እዩ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንሆላንድ ገይሹ ንተወልደ ክረኽቦ ዝበሃገ።

ተወልደ ቤት-ሙዚቃ ምስ ከፈተ፡ ብዙሕ ሰብ ደርፍታቱ ክሰምዕን ደርፊ ከምልእን ኣብ ድካኑ ይተኣኻኸብ ነይሩ። ኣሰፋውን ቴድሮስን ካብቶም ብዙሓት ብዛዕባ እታ ዱካን ዝኽሪ ዘለዎም ቖልዑ ስሳታት እዮም። እታ ድኳን ግን እንዳ ሙዚቃ ጥራሕ ኣይነበረትን፡ መተኣኸኻቢት፡ ምስጢራውያን ደለይቲ ናጽነት፡ ፈዳኢንን፡ መሳርሒታቶምን እያ ነይራ። ተወልደ እውን ገና ኣብ ኣስመራ እንከሎ ብደርፉን ሙዚቁኡን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብዕጥቁ እውን ንናጽነት ሃገር ዝቃለስ ዕጡቕ እዩ ነይሩ።

ቀንዲ ዕማም ናይቶም ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣብ ከተማ ተጸፍዮም ዝሰርሑ ተጋደልቲ (ፈዳኢን)፡ ህዝቢ ንዘበሳብሱ ዕሉላት ሰበስልጣን መግዛእቲ ምቕንጻልን ምስንባድን'ዩ። ስለዚ ተወልደ ኣብታ ብንግድ ሙዚቃ ዝጎልበባ ድኳኑ ኮይኑ፡ ውድቡ ዝሃቦ ዕማም የሳልጥ ነይሩ።

ኣብ 1979 ግን ኩነታት ስለዝተበላሸወን ኣብ ከተማ ኮይንካ ምስጢራዊ ዕማም ምስክያድ ምስ ጸበበን፡ ከላሽን ዓጢቑ፡ ነቶም ናጽነቱን መሰሉን ብሓይሊ ዝገፈፍዎ ገዛእቲ ክምክት ንሜዳ ወሪዱ። ሓያሎ ካብቶም ኣብ ማትኣ ዝነጥፉ ዝነበሩ ብጾቱ እውን ድሮ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ተጸምቢሮም ነይሮም።

[:swvar:text:838:]
Image Copyright TEWELDE
ተወልደን ብዙሓት ብጾቱን ብፍቕሪ ዝሰርሑላ ሃገራዊ ስምዒት ዘስረጸት፡ ማሕበር ትያትር ኣስመራ፡ ጽልዋኣ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣስሪጻ እያ። "ተበርህ ተስፋሁነይ!" እቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ ትዃን ቁንጪ መሊኦሞ" ብምባል፡ ንመግዛእትን ግፍዓዊ ኣተሓሕዛኡን ብተጻይን ባልዕን ዝመሰለትሉ እዋን ካብ ዝኽሪ ኤርትራውያን ኣይሃስስን እዩ።

ኣብ ዓውደ ኩናት ርእሳ ተሃሪማ ሰንኪላ፡ ድሕሪ ናጽነት ንዝተሰወአት ፍትውቲ ድምጻዊት ነፍሲ-ሄር ተበርህ ተስፋሁነይ፡ ብግጥምን ዜማን ካብ ዝድግፉዋን ዘስንቑዋን ሰባት፡ ሓደ ተወልደ እዩ ነይሩ።

እታ ብሃገራዊ ፍቕሪ ዝተቓጸለት ማትኣ፡ ብደርፍታታን ስነ-ጥበባዊ ስርሓን ናብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ናብ ከበሳን ቆላን፡ ናብ ባሕርን በረኻን ሃገራዊ ጽልዋኣ ኣስፋሕፊሓ ብግፍዒ ዝተረግጸ፡ ውጹዕ ኤርትራዊ ንናጽነት ከምዘድምጽ ገይራቶ። ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሽዑ ኣትሒዞም፡ "ሽገይ ሃቡኒ" እናዘመሩ ናብ ቃልሲ ውሒዞም።

ሰውራ ኤርትራ ግን ከም ብዙሓት ንመሰል ርእሰ ውሳነ ዝቃለሳ ሰውራታት ዓለም ብኸቢድ ቅልውላው እዩ ሓሊፉ። ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ብዝኽእል ጉዳያት ኣብ ዘይዕረቕ ግርጭታት ኣትዩ። ደቂ ሓንቲ ማህጸን ክልተ አሕዋት ኣፋሊሱ - ኣብ ታሪኽ ከም ጸሊም ነጥቢ ዝዝከር ኩናት ሓድሕድ አሕዋት ሓሊፉ፡ ጉዕዞ ቃልሲ ሰውራ እውን ብኡ መጠን ተመጢጡ።

እተን ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለሳ ዝነበራ ሃገራውያን ውድባት ብካልኣዊ ግርጭት፡ ኲናት ሓድሕድ ኣዊጀን ብብረት ተዳምየን ልቢ ህዝቢ ኣንቢዐን። ተወልደ ዝነበሮ ውድብ ካብ ሜዳ ምስተኣልየ ከኣ ንሱን ብጾቱን ንሰደት ኣምሪሖም፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ፍጻሜ ብኸቢድ ሓዘን ይዝክርዎ።

"እታ ብረተይ ካብ ዝባነይ ዘውረድኩላ ዕለት፡ ውላደይ ካብ ዝባነይ ኣውሪደ ዝቐበርኩላ መዓልቲ ኮይና'ያ ትስምዓኒ" ይብል ብምሒር ኣስተንትኖ። እቲ ጠበንጃ ጸይሩ፡ ንኹሉ ሕሰም ተጻዊሩ፡ ንናጽነት ኤርትራ ብኹለንትናኡ ዝተቓለሰ መምህር ስነ-ጥበብ ተወልደ ረዳ፡ 78 ዓመት ገይሩ ክነሱ፡ ክሳብ ሕጂ ንሃገሩ ከይተመልሰ ኣብ ምድረ ስደት ኣብ ሆላንድ-ሮተርዳም ይነብር ኣሎ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ሃገራዊ ዕርቂ ተኻይዱ፡ ጉዳይ ደምን ኩናትን ብዕርቂ ስለዘይዓረፈ፡ ከም ተወልደ ዝኣመሰሉ ምስ ተሓኤ ዝቃለሱ ዝነበሩ ሃገራውያን ተቓለስቲ ናጽነት ንዓዶም ኣይተመልሱን - ግን ስለምንታይ? ተወልደ ምኽንያቱ ይገልጽ።

"ካብ መጀመርያ ባህርን ጠባይን እዚ መንግስቲ ሒዙ ዘሎ ስርዓት እከታተሎን ብዓቕመይ እርድኦን ስለዝነበርኩ፤ እዚ ሰብኣይ [ኢሳይያስ] ዝመርሓ ሃገር ሰላምን ቅሳነትን ኣይክህልዋን'ዩ ዝብል እምነት ስለዝነበረኒ፡ ንዓዲ ኣትየ ክነብር ኣይመረጽኩን። ስደት ይሓሸኒ ኢለ፡ ኣብ ስደት ተሪፈ" ይብል ተወልደ።

ብዙሓት ሰባት'ውን ' ሽገይ- ሃቡኒ ዝደርፍካ መምህር፡ እንታይ ኮይንካ ዓዲ ዘይኣተኻ?' ይብልዎ ከም ዝነበሩን፡ ግን ንሱ፡ 'ደሓን ሓሙሽተ ዓሰርተ ዓመት ንጸበ'ሞ፡ ስለምንታይ ንዓዲ ከም ዘይኣተኹ እቲ ኩነታት ባዕሉ ክነግረኩም'ዩ" ዝብል መልሲ ይህቦም ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ተወልደ ሽገይ ሃቡኒ ጥራሕ ኣይኮነን ደሪፉ፡ ካልእ ኣብ ልቢ ሰባት ዝተረፈ ብዙሕ ፍቕራውን ሞራላውን ደርፍታት ደሪፉ እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ሙዚቃ እውን ዘልኣለም ዝዝከር ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

(Original Source: BBC Tigrinya)