All updates

BBC Tigrinya - ሜሮን ሰመዳር፡ ቖልዓ ሳሕል: ስደተኛ ኣብ ውድድር ባይቶ ምምሕዳር ከተማ ኦክላንድ

14/09/2020
5 መስከረም 2020
ሜሮን ሰመዳር፡ ቖልዓ ሳሕል: ስደተኛ ኣብ ውድድር ባይቶ ምምሕዳር ከተማ ኦክላንድ
[:swvar:text:838:]
ሜሮን ሰመዳር
ኣብዚ እዋን'መንእሰይ ኤርትራ፡ ነዊሕን ጽንኩርን ኩነታት ኣሕሊፉ፡ ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ስደት ናብርኡ ኣብ ምምሕያሽን ምምዕባልን ተዋፊሩ ይርከብ። ወላ እኳ ገለ መንእሰያት ብሰንኪ ኣብ ናብራ ዘጓንፎም ጸገማትን ሕልኽላኻትን ህይወቶም ተደሪቱ እንተሃለወ፡ ገለ መንእሰያት ግን ፈታንን ጽንኩርን ኩነታት ኣሕሊፎም ኣብ ትምህርትን ስራሕን ተዓዊቶም ሕብተሰቦምን ኣብ ምግልጋል ተዋፊሮም ይርከቡ።

ሓደ ካብኦም ኣብዚ እዋን ነቲ ዘጋጠሞ ናይ ህይወት መድረኻት ሰጊሩ ኣብ ትስፍው መድረኽ በጺሑ ዝርከብ ሜሮን ሰመዳር እዩ።

ሜሮን ሰመዳር፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሳሕል፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከባቢ ሂምቦል ዝዓበየ መንእሰይ እዩ። ስድርኡ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ስለዝነበሩ ክሳብ ናጽነት ኤርትራ ፍቕሪ ወለዱ ከየስተማቐረ ነቲ ዝነበረ ጽንኩርን በዳህን ኩነታት ከም መዛንኡ መኪቱ ኣሕሊፍዎ።

ሜሮን ንፈለማ ግዜ ድሕሪ ናጽነት፡ እዩ ነብኡ ብኣካል ረኺቡዎ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ ከባቢ መበቆል ዓዶም ኣብ ከረን ህይወቶም ክመርሑ ጀሚሮም። እንተኾነ ምስ ኣብኡ ከምቲ ዝድለ ግዜ ከየሕለፈን ፍቕሪ ወላዲኡ ከይጸገበን ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ ስለዝጀመረ፡ ኣብኡ ልኡላውነት ሃገሩ ንምውሓስ ተሰሊፉ ኣብቲ ደማዊ ኩናት ከኣ ተሰዊኡ።

ሜሮን፡ ድሕሪ መስዋእቲ ወላዲኡ፡ ጾር እቲ ስድራ-ቤት ናብኡ ብምውዳቑ፡ እቲ ጾር ናተይ እዩ ኢሉ ብትብዓት ሓላፍነት ወሲዱ። ንሱ፡ ትምህርቱ ብዕቱብ ድሕሪ ምክትታል ከም ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዜጋ ሓላፍነቱ ንምፍጻም ኣብ መበል 18 ዙርያ ንሳዋ ወሪዱ።

[:swvar:text:838:]

ከም መንእሰይ መጠን ባህጉ፡ ኤርትራ፡ ብኩሉ መደያታ ብትምህርቲ፡ ቴክኖሎጂ፡ ብቑጠባ ከምኡ'ውን ፍትሒ ነጊሱ ሰልጢና ክርኢን ሰሪሑ ንሃገሩን ስድራቤቱን ከማዕብል እዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ እቲ ናይ ስራሕን ምዕባለን ዕድላት ከምቲ ዝደለዮ ባህታን ዕግበት ሰላምን ፍትሕን ስለዘይረኸበ፡ ኣብ 2005 ንስደት ኣምሪሑ።

ሜሮን ብቐዳማይ ደረጃ ዝሰርዖ ብርቱዕ ድልየትን ፍቕርን ናይ ትምህርቲ ስለዝነበሮ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ዕውት ንክኸውን ሃንቀውትኡ ንምርዋይን ካብ ሱዳን ንደቡብ ኣፍሪቃ ትምህርቱ ንምክትታል ከይዱ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣሳሳዪ ኮይኑ እናሰርሐ እንከሎ ብሲቪል ኢንጅነሪን ቀዳማይ ዳግሪ ወዲኡ። ኣብኡ ድማ ከም ሲቪል ኢንጅነር ኮይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ። ስርሑ ብግቡእ እናሰላሰለ'ውን ኣብ ዝተፋላለያ ማሕበራት ከም በዓል ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ ናይ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ፍትሕን ዝቃለሱ ማሕበር ከምኡ'ውን ንስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምእታው ዝነጥፍ ዝነበረ ማሕበር ኣብ ጽፍሒ ሓለፍነት ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብ 2012፡ ብንጥፈታትን ስራሓት ሜሮንን ዝከታተሉን ዝተመሰጡን ዝነበረ ማሕበር፡ ሜሮን ኣብ ኣመሪካ መጺኡ መደረ ከስምዕ ዓዲሞሞ። እቲ ኣኼባ ዓቢ መጋባእያ ብምንባሩ፡ በዓል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን ከምኡ'ውን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነበር ኮፊ ኣናን ዝተረኽቡሉ መጋባእያ እዩ ነይሩ።

ሜሮን፡ ኣብቲ ኣኼባ ንኤርትራውንን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ንዘሎ ኩነታት ስደተኛታትን ኣመልኪቱ ብዛዕባ ኩነታት መሰላት ወዲ ሰብ መደረ ኣስሚዑ።

"ጋቢየይ ተኸዲነ፡ ናይ ሓበሻ ነጸላ ገይረ፡ በትረይ ኣብ ቱሽቱሸይ ቀርቂረ ነቲ ዝወከልኩዎ ሕብረተሰብ ብዘኹርዕ ምስሊ ወኪለ እየ ተዛሪበ" ይብል።

[:swvar:text:838:]

ንሱ፡ ነዚ ዕድል ተጠቒሙ ድማ ኣብ ኣመሪካ ዕቑባ ሓቲቱ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ስደተኛ ስለዝነበረ፡ ኣብ ኣመሪካ'ውን ዑቕባ ክሓትት ግድን ነይሩ። ድሕሪ ናይ ዓመት ቁሩቁስ ከኣ ካብ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ወረቐት ከምዝተዋህቦን ካብኡ ከኣ ነቲ ናብራ ኣመሪካ ተታሐሒዝዎ።

ኣብ ኣመሪካ'ውን ድልየት ናይ ትምህርቲ ስለዝነበሮ፡ ኣብ 2016 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳን ፍራንሲስኮ ብኢንተርናሽናል ስታዲስ ብኣህጉራዊ ጉዳያት ተመሪቑ።

ኣብዚ እዋን ኣብቲ ቃልሲ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ'ውን ኣብቲ ንሕብረተሰብ ኤርትራውያን ዘጓንፉ ሽግራት ንምፍታሕ ብቐጻሊ መጋባእያታት ከምዝገብርን፡ ዩሲ በርክሊ ኣብ ዝበሃል ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሰንተር ፎር ኣፍሪካን ስታዲስ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ብምስራሕ ይናበር። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2020 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ኣመሪካ ከኣ ናይ ከተማ ኦክላንድ ሲቲ ካውንሳል ንምዃን ይወዳደር ኣሎ።

ናይ ሳሕል ተመኩሮታቱ

ኣብ ሳሕል፡ ቖልዓ ስለዝነበረ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ብዙሕ እኳ ከምቲ ዝድለ ክሕዞን ክርድኦን እንተዘይከኣለ፡ እቲ ዘሕለፎ ህይወት ግን ብኣውንታ እዩ ዝገልጾ።

"እቲ ህይወት ኣብ ሂምቦል ከም ቖልዑ ከቢርና ኢና። ወላ እኳ ጸገማት ናይ መግቢ ድዩ ካልእ እንተነበረ፡ ግን እቶም ዝነበሩ ተጋደልትን ኣደታትን ፍቅሪ የርእዩኻ። ናጽነት ነሩካ፡ ከም ቖልዓ ዝተራእየካ ክትዛረብ እውን ናጽነት ነይሩ። ትተባባዕ እውን። ብዛዕባ ሃይማኖት ዓሌት ወገን ኣይንፈልጦን ኢና ኩሉ ማዕረ እዩ ነይሩ" ይብል።

ንሱ፡ እቶም ዝሕዝዎም ዝናብይዎምን ዝነበሩ ተጋደልቲ ብፍላይ ከኣ ወዲ ባሻይ ዝበሃል ተጋደላይ ብጽቡቕ ከምዝዝክሮን ብዙሕ ጦብላሕታትን ከምዝገደፈሉን ይዛረብ።

"ምሸት ምሸት ኣብቲ ኣብ ደጀን ዝርከብ ቦታ (ኣዝዩ ርሑቕ ካብ ድፍዓት) ዋርዲያ ክኸይድ ከሎ ሒዝኒ ይኸይድ'ሞ፡ እቲ ዓራቱ ንዓይ ይህበኒ። ንሱ ድማ እታ ብረቱ ኣብ መንጎ ኣእጋሩ ጌሩ ኮፍ ኢሉ፡ ክሹፍ ተጠቕሊሉ ይሕሉ። ልክዕ ከም ዓቢ ሰብ የዕልለኒ። ሽዑኡ ኣብ መንጎ ገዲፈዮ ይድቅስ። ንጽባሒቱ ኣተንሲኡ፡ ኣቑሪሱ፡ ክሳብ ናብቶም ካልኦት መዛኖይ ቖልዑ ዝምለስ ጠጠው ኢሉ ይርእየንን የፋንወንን" ነይሩ ክብል ብናፍቖት ይዝክሮ።

ንሜሮን ክሳብ ሕጂ እቲ ናይ ቑልዕነት ተዘክሮታት፡ ኣብ ሓልዮትን ፍቕርን ዝተሞርኮሰ ብምንባሩ ክሳብ ሕጂ እዩ ዝዝክሮ። እቶም ዝሕልውዎምን ዝናብዮም ዝነበሩ ተጋደልቲ ነፈርቲ ክመጽኣ እንከለዋ፡ ካብ ነፈርቲ ብኸመይ ትሕባእ፡ ናበይ ትሃድም፡ ከምዝመሃርዎምን፡ መምርሒኦም ተኸቲሎም ካብ ናይ ጸላኢ ነፈርቲ ከምዝደሓኑን ይገልጽ።

እቲ ካብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝቐሰሞ ትምህርቲ ንህይወቱ ብብዙሕ መገዲ ከምዝጸለዎ ከኣ ይዛረብ።

"ኣብ ሳሕል ናጻ ኴንካ ነብስኻ ከምትገልጽ ተማሂርና፡ ናጽነት ኮይኑ፡ ናብቲ ከተማ ምስኣተኹ ኣብ ትሕቲ ሕብረተሰብ ክኣቱ፡ ናይ ብሓቂ ጸጊሙኒ። ምኽንያቱ ኣብ ሳሕል፡ ዝኾነ ከምዚ ዝዓጽወካ ነገር የሎን፡ ናጻ ኬንካ ኢኻ ትዛረብ" ይብል።

ኣብ ሳሕል ነቲ ዓቢ ሰብ፡ ከም ሰብ ተኽብሮ እምበር ከምዚ ዓቢ ንእሽቶ ዝበሃል ከምዘይነበረን፡ ድሕሪ ናጽነት ግና ኣብ ከተማ ምስ ኣተው፡ እቲ ሕብረተሰብ ናቱ ኣከያይዳን ባህልን ከምዘለዎ ምስ ፈለጠ፡ ምስቲ ዝጸንሐ ባህሊ ተዋሃሂዱ ህይወቱ ክመርሕ ከምዝጀመረ ይሕብር። ኣብዚ እዋን'ውን ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ከምቲ ዝጸንሓካ ባህልን ልምድን ተዋሃሂድካ ምንባር ኣገዳሲ ምዃኑ የረድእ።

[:swvar:text:838:]

ኣብ ስደት ዘጋጠሞ ብድሆታት

ሜሮን ከም መሰልቱ መንእሰያት ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖሎቲካዊ ዘይምርግጋእ ናብ ስደት ካብ ዘምርሐሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝነብረላ ዘሎ ኣመሪካ ብዙሕ ጸገማትን ሽግራት ከምዘጋጠሞ ይገልጽ።

ካብ ኤርትራ ንሱዳን ምስ ሓሙሽተ መንእሰያት ብጾቱ ከም ዝተበገሱን ኣብ መገዲ ፍርሒ፡ ራዕዲ ኩሉ ዓይነት ስምዒታት ከምዝነበሮምን፡ ከይተታሓዙ ኣብ ጎቦታት ተሓቢኦም ከምዘሕለፍዎ ይዛረብ። እቲ ዝነበረ ጉዕዞ ድማ ኣዝዩ በዳህን ጽንኩርን ከምዝነበረ'ዩ ዝገልጽ።

ኣብቲ እዋን ንዝኾነ ዶብ ክሰግር ዝተታሕዘ ኣዝዩ ሓደገኛ ማእሰርቲ ይጽበዮም ብምንባሩ እቲ ጉዕዞ ኣዝዩ ራዕዲ መሊእዎ ከምዝነበረ ይሕብር።

ብዝኾነ ኣምላኽ ኢልዎ ከይተታሕዙ ንሱዳን ከምዝኣተውን፡ ኣብ ሱዳን'ውን እቲ ናብራ ጽንኩርን ሃላኽን ምንባሩ ይዝክር።

ሜሮን ግን ህርፋን ትምህርቲ ስለዝነበሮ፡ ነዊሕ እዋን ከይገበረ ንደቡብ ኣፍሪቃ ኣምሪሑ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን እንተኾነ ብኸቢድ ጻዕሪ ወረቐት ከምዝሓዘ እዩ ዝገልጽ። እቲ ናይ ስደተኛ ወረቐት ጉቦ ሂብካ ስለዝወስድ፡ ንምርካቡ'ውን ኣጸጋሚ ከምዝነበረን ነቲ ክንዲ ገለ ዝኸውን ወረቐት ሒዝካ ስራሕ ክትሓትትን ናይ ባንክ ሕሳብ ከተውጽእን ሕስረት ከም ዝስመዓካን ይገልጽ።

"ነቲ ሓደ ዓቢ ጻዕዳ ወረቐት ሒዝካ ስራሕ ክትሓትት ከሎኻ፡ ኣብ ባንክ ክትከይድ ከሎኻ፡ እቲ ዝህቡኻ ናይ ሕስረት ኣረኣእያ፡ በቃ ትርእዮም ኢኻ፡ ንዓኻስ ናይ ሓደ ዘይረብሕ ዋጋ ዘይብሉ ሰብ፡ ትሕቲኦም ከም ዝኾንካ ጌሮም እዮም ዝርእዮኻ" ይብል።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍልይ ዝበለ፡ እቶም ደቀባት ኣንጻር ካልኦት ኣፍሪቃውያን ሕዱር ጽልኢ (ዜኖፎብያ) ስለዘለዎም፤ ኣብቲ ዓዲ ብዙሓት ናይ ካልኦት ሃገራት ዜጋታት ይቕተሉ ከምዝነበሩ ሜሮን ይገልጽ።

እቶም ደቂ ዓዲ "ንስኻትኩም ስራሕና፡ ገንዘብና፡ ኣንስትና ኢኹም ትወስዱልና" ዝብል ኣረኣእያ ከምዘለዎምን፡ ኣብቲ ዓዲ ስደተኛ ተዋሪዱ ከምዝነብርን ይሕብር።

ኣብዚ ዝነብረሉ ዓዲ'ውን ከይተረፈ፡ መሓውር ዝሰደደ ዓሌታውነትን ምፍልልያን ከምዘሎን፡ እቲ ዘሎ ባህልን ልምድን ድማ ክቕየርን ክልወጥን ዘይክእል ብምዃኑን እዩ።

"ኣነ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተቐሚጠ'የ፡ ኩሉ ሽግር ነየሩ፡ ኣብ ሱዳን ከምኡ፡ ኣመሪካ መጺኤ ከምኡ፡ ሕጂ ይድንጽወካ፡ ነቲ ትርጉም ናይ ህይወት ንነፍስኻ ክትሓታ ትደሊ፡ ዘይሩ ዘይሩ ክብረትካ ኣብ ዓድኻ'ዩ ናብ ዝብል እዩ ዝመልሰካ። ሓቂ ከኣ እዩ። ስለዚ ኢኻ ከኣ ነቲ ብደሆታት ክትገጥሞ ዘሎካ" ይብል።

ኣቡኡ ወላዲኡ፡ ንሓርነትን ናጽነትን ኢሉ ዝተሰወኣላ ሃገር፡ ንሱ'ውን ከይተረፈ ንሳዋ ከይዱ ዘገልገላን ሃገር፡ ንመንእሰይ ኤርትራ ክትኸውን ብዘይምኽኣላ ኣዝዮ ከምዘጉሃዮ ይሕብር።

[:swvar:text:838:]

ንመሰታኻ መንእሰይ እንታይ ምመኽርካዮ

ዓድኻ'ዩ ክብረትካ ከምዝበሃል፡ እቲ እንኮ ክብረትን ሰብኣውነትን እትረኽበሉ ዝተወለድካሉን እትውንኖን ዓዲ እንተለካ ጥራይ'ዩ ዝብል ሜሮን፡ ኣብ ዓዲ ባይታ ተፈጢሩ፡ ተምሃራይ ተማሂሩ ሕልሙ ዘተግብረሉ ቦታ እንተረኺቡ፡ ሓረስታይ ሓሪሱ፡ ነጋዳይ ነጊዱ ዝኣትወሉ ባይታ እንተተፈጢሩ፡ እታ ሃገርን ሕብረተሰብን ሓቢሮም ከምዝምዕብሉ ሜሮን ይገልጽ።

ኣብ ናይ ህይወት ጉዕዞ'ውን ዝኾነ ሰብ ኣብ ውሽጢ ህዝቡን መፍቐርቱን ኮይኑ፡ ክምርዖን ክወልድን ክመውትን እንከሎ ካብዚ ንላዕሊ ዝበለጸ ህይወት የለን ይብል።

"እንተኾነ፡ እዚ ኣብ ዓድና ኣይተረኽበን። ኣየናይ ተማሃራይ እዩ ትምህርቱ ሕልሙ ክተግብር ዝኽእል ኣብ ኤርትራ? ኣነ 11 ክፍሊ ቅድሚ ምውድአይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ተዓጽዩ" ክብል ምረቱ ይገልጽ።

ኣብ ከረን ተምሃራይ እንከሎ፤ ኣቡኡ "ተማሃሩ፡ እንተተማሂርኩም ኣብዛ ዓዲ ብዙሕ ባይታ ኣሎኩም" ኢሉ ይመኽሮም ከምዝነበረን፡ እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ዝኽተሎ ፖሊስታት፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ንስደት ከምዘምርሑ ይሕብር።

ኣብ ሃገሩ ናይ ስራሕን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰልን እንተዝህሉ ከም ካልኦት ኣፍሪቃውያን ተማሂሩ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ክሰርሕ ባህጊ ከምዝነበሮ ዝገልጽ ሜሮን፡ እዚ ዘሎ ስርዓት ግን መንእሰይ ኤርትራ ንከይምዕብል ጅሆ ከምዝሓዞ ይዛረብ።

"ስደት ካብ መጻእካዮ፡ ስደት ካብ ኣተኻዮ ንዕድላቱ ክትጥቀመሉ ኣለካ። ስደት ቀሊል ዘይምዃኑ ኩላትና ንፈልጦ ኢና። ክትጽዕር ኣለካ፡ ክትመሳሰል ኣለካ፡ ክትሰርሕ ኣለካ። ኮይኑ ግን ከምኡ እናገበርካ ባይታታት ኣብ ዘለዎ ዓድታት" መንእሰያት ኤርትራ ብንጥፈት ክዋስኡ ይመክር።

እንተጽዒርካ ጻማ ፍረ ኣለዎ ዝብል ሜሮን፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ፋሕ ኢሉ ዘሎ መንእሰይ፡ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ዘለዎ ግዜ ተጠቒሙ፡ ብኹሉ መዳያቱ ነብሱ ከማዕብል ይምሕጸን።

ሜሮን ኣብቲ ኣብ 2012 ዝተሳተፎ ኣኼባ (One Young World) ካብቶም ተሳተፍትን መደረ ዘስምዑ ዝነበሩ ሰባትን ብዙሕ ከምዝተማህረን ንሶም በጺሖሞ ኣብ ዘለው ደረጃ ንክበጽሕ ኒሕ ከምዘስነቖን ይዛረብ።

"ንሶም ስለዝጸዓሩ እዮም ኣብዚ በጺሖም፡ ኣነ'ውን እንተጽዒረ ዘይበጽሓሉ ምኽንያት የሎን። ዝብል ስምዒት ሓዲሩኒ። ንኣተሓሳስባኻ ብኣውንታ ስለዝጸልዎ፡ ናይ ለባማት ሓሳባት ከምእትሓስብ ይገብረካ" ይብል።

[:swvar:text:838:]

ተጣባቒ ስደተኛታት

ኣብ በረኻታት ሳሕል ክዓቢ እንከሎ፡ እቶም ዝሕብሕብዎም ዝነበሩ ተጋደልቲ ብድልየቶም ብዘይ ኣፋላላይ ከም ደቆም ይሓጽብዎምን ይምግቦምን የኸድንኦምን ከምዝነበሩ መሮን ይገልጽ። እቲ ናቱ ሕልሚ ዝነበረ ድማ እታ መጻኢት ኤርትራ ከምቲ ሎሚ ዝርእያ ዘሎ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ኣብ ንእስነቱ እንከሎ ዘስተማቐሮ ሓልዮትን ምክብባርን ዝመልኦ ክርኢ'ዩ ድልየቱ ነይሩ።

"ኣብ ጉዕዞ ስደት ብዙሓት መተዓብይተይ፡ ምሳይ ኩዕሶ እግሪ ዝጻወቱ ዝነበሩ፡ ቤተ ክርስትያን ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩ፡ ቤት ትምህርቲ ምሳይ ዝመሃሩ ዝነበሩ መንእሰያት ስኢነ። እዚ ናይ ብሓቂ እዩ ዝትንክፈኒ" ይብል።

ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ከብቅዕ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ድኽነትን ስእነትን ጃምላዊ ስደትን ማእሰርትን ብምውዳቑ ስለዘተሓሳሰቦ ብዓቕሙ ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ከምዝተዋፈረ ይሕብር።

"ሰብ እንዳ ሞተ እንዳተሰደ፡ እናጸገሞ ሓገዝ ደልዩ እናተጣረዐ፡ ውራይ እንጀራኻ ጥራሕ ምግባር ይኸብደኒ እዩ። ስለዚ ምስ ሕብረተሰበይ ክሳቐ ኣብ ሓጎሱ ክሕጎስ ስለዝደሊ እየ ኣክቲቪዝም ጀሚረ" ይብል።

ውድድር ምርጫ

[:swvar:text:838:]
መሮን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነበር ኮንደሌሳ ራይስ

መሮን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነበር ኮንደሌሳ ራይስ

ሜሮን ናብ ኣመሪካ ካብ ዝኣቱ ሾመንተ ዓመት ገይሩ'ሎ። ንሱ፡ ኣብ ኦክላንድ በይ ኤርያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ዝነብር። ኣብቲ ከባቢ ካብ 1980 ኣትሒዙ ብዙሓት ኤርትራውያን ይነብሩ ኣለው።

ሜሮን፡ ኣብታ ዝወዳደረላ ከባቢ ንሸውዓተ ዓመት'ዩ ተቐሚጡ ዘሎ። ንሱ፡ነቲ ከባቢኡ ኣጸቢቑ ስዘለዝተላለዮን ስለዝፈልጦን፡ እንታይ ዓይነት ለውጢ ከምዘድሊ ይፈልጥ እየ ይብል። ኣመሪካዊ ዜጋ ምስ ኮነ ድማ ኣብዚ ከባቢ ንምርጫ ተወዳዲረ ናተይ ኣበርክቶ ክገብር እኽእል እየ ብምባል ክወዳደር ከምዝወሰነን ኣብቲ ምርጫ እንተተዓዊቱ ዝከኣሎ ከምዘበርክትን ወሲኹ የረድእ።

ሜሮን ብሳላ ሓያል ጻዕሩን ኣበርክቶ ሕብረተሰቡን ኣብ ክልተ ደረጃታት ተዓዊቱ ከምዝሓለፈን፡ ብ3 ሕዳር ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ኣመሪካውያን ኣብቲ ቦታ ተወሊዶም ዝዓበዩ መወዳድርቱ ገጢሙ ንኽዕወት ሓያል ጻዕሪ ይጽበዮ ከምዘሎ ግን ከኣ ክዕወት እየ ዝብል ልዑል ተስፋን ድርኺትን ከምዘለዎ ይገልጽ።

[:swvar:text:838:]
መሮን ምሰ ላዕለዎይቲ ኣፈኛ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ

 መሮን ምሰ ላዕለዎይቲ ኣፈኛ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ

ሜሮን፡ ሕብረተሰብ ኣብ ምምዕባል ሓያል ጎስጓስስን ትምህርትን ክገብር ብምጽንሑ፡ እቲ ዘለዎ ከባቢ ይኹን ካልእ ሰብ ብኣውንታ እዩ ዝዝክሮ።

ካብ ንእስነቱ ሕብረተሰብ ኣብ ምምዕባል፡ ፖሊሲታት ኣማሓዩሽካ ንቕድሚት ምስጓም ድላይ ስለዝነበሮ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራትን ዩኒቨርሲታትን ኣብ ምምዕባል እቲ ሕብረተሰብ ተጸሚዱ ክሰርሕ ብምጽንሑ ኣብዚ ናይ ብላክ ላይቭስ ማተር ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝግበር ዘሎ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ካብ ዝቃወሙ ሰብ እዩ።

ሜሮን፡ ኣብዚ ጀሚሩዎ ዘሎ ጉዕዞ ምርጫ እንተኾነ ክዕወት ካብኡ ተረፈ ከኣ ትምህርትን ተመኩሮን ቀሲሙ ካብኡ ብዝረኽቦ ትምህርቲ ኣብታ ስድራ ቤቱ ዝተስውኡላ ኤርትራ ከገልግልን ንካልኦት ክምህርን ክሕግዝን ድልየትን ባህግን ከምዘለዎ ይሕብር።