All updates

ፍጻሜታት ቤት-ትምህርቲ ኣል-ዲያእን ብድሆታት ኤርትራን

06/11/2017
[:swvar:text:838:]
ፍጻሜታት ቤት-ትምህርቲ ኣል-ዲያእን ብድሆታት ኤርትራን*

ዓወት ተ. ወልደሚካኤል
5 ሕዳር 2017

እዚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ቤት ትምህርቲ ኣል-ዲያእ ኣል-እስላሚያ ኣማእኺሉ ኣብ ኣስመራ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ተርእዮ ሳዕቤን ናይቲ ንዕስራ ዓመት ዝጸንሐ መንግስታዊ ዓፈና ሃይማኖታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ኤርትራ እዩ። ብስም ዓለማውነት (secularism) ወይ ከኣ ምፍልላይ ሃይማኖትን መንግስትን (state)፥ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሓምለ (July) 1995 ዝምድና መንግስትን (state) ሃይማኖታትን ዝሕንጽጽ ኣዋጅ ቍ. 73/1995 ኣዊጁ። እንተኾነ ግን፥ ኣብ ግብሪ፥ እዚ ኣዋጅ’ዚ ስልጣንን ልዕልናን መንግስቲ (government) ኣብ ልዕሊ ኵለን ሃይማኖታት ክዉን ብምግባር ኣዕናዊ ተራ መንግስትን (government) ኣባላቱን ኣብ ሃይማኖታዊ ሂወት ኤርትራዉያን ዜጋታትን ሃይማኖታውያን ትካላቶምን ኣኸቲሉ።

ብፍላይ ከኣ ሃማኖት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ብምስፋሩ፥ ኣዋጅ ቍ. 73/1995 (ዓንቀጽ 9.1) ንኣብያተ-ክርስትያናት፥ መሳጊድ፥ መራሕተንን ኣመንተንን ጸጥታዊ ጕዳይ ጌሩወን፤ ምኽንያቱ እቲ ሚኒስትሪ’ቲ ቀንዲ ዕማሙ ውሽጣዊ ጸጥታ ሰለዝነበረ። በቲ ኣዋጅ’ቲ መሰረት፥ ኣብ ትሕቲ’ቲ ሚኒስትሪ፥ “ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጕዳያት” ብምቛም፥ ብዙሓት ማእከላይ ደረጃ ስልጣን ዝነበሮም ኣባላት ስለያን ጸጥታትን ዝርከብዎም ሰብ-መዚ ንሃይማኖታውያን ትካላት ናይ ምክትታልን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያተን ናይ ምትእትታውን ሓይሎም/ስልጣኖም ኣረጋገጸ።

ምዕጻው ዝተፈላለያ ኣብያተ-እምነታት፥ ምቕያድ ተኸተልቲ “ብሕጊ ዘይ-ተፈቕደለን” ዝበሃላ ትካላት እምነት፥ ዘልምስ መንግስታዊ ቍጽጽር ኣብ ማሕበራውን ረዲኤታውን ተበግሶታት ሃይማኖታት. . . ወ.ዘ.ተ. ቐጥታዊ ሳዕቤን ኣዋጅ ቍ. 73/1995 እዩ። ምውሓድ ዓቕምን ስነ-ምግባርን ናይ ዝምልከቶም ገለ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ከኣ ነቲ ዘይሃናጺ ርክባት መንግስትን ትካላት ሃይማኖትን ኣብኢሱዎ ክበሃል ይከኣል። ነቲ ብደገ ዝዕዘብ ተንታኒ፥ መንግስታዊ ምቍጽጻርን ምትእትታውን ኣብ ሃይማኖታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ብቐንዱ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያንን ኣብ እስላማዊ ኣውቓፍን መስጊድን ጐሊሑ ይርአ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ምሕራይን ምትካእን መራሕቲ እዘን ክልተ ትካላት እምነት። ንገለ ካብቲ ጕሉሕ ኣብነታት ንምጥቃስ፡-

  • ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ 3ይ ፓትሪያርክ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን፡ ብመንግስቲ ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም ኣብ ማሕዩር ይርከቡ።
  • ዝተክኡዎም ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ካብ ዝሞቱ ድሮ ክልተ ዓመቶም ቀሪቡ ከይተተክኡ፥ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብዘይ መራሒ ከም ትሳለ ኰይና። 
  • ምሕራይ ሸኽ ኣልኣሚን ዑስማን፡ ሙፍቲ ኤርትራ፡ ጥራሕ ዘይኮነ፤ እዞም ሙፍቲ ካብ ዝሞቱ ሽዱሽተ ወርሖም ቀሪቡ ከሎ፥ መሳጊድን እምነተ ምስልምና ኤርትራን ብዘይ ኣላይን ተካእን ዝተዳኸመ ኣውቓፍን ይርከብ። 

ቅልውላው ሰርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ንኻልእ መዓልቲ/ጽሑፍ ዝሕደግ ኣርእስቲ እኳ እንተዀነ፥ ኣዋጅ ቍ. 73/1995 ኣብ ልዕሊ ዝፈጠሮ ብድሆታት ተደሪቡ እዩ ነዚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተራእየ ኵነታት ዝፈጠረ። እቲ ሕልኽላኽን ግርምቢጥን ናይዚ ጕዳይ ከኣ ኣዋጅ ቍ. 73/1995 (ዓንቀጽ 3.1) ንሃይማኖታውያን ትካላት መሰል  ይማኖታcation per - although Hartian sense, and how? What conditions do they themsevles ምምሃር መንፈሳዊ ትምህርትን ሰበኻን ዘፍቅድ ምዃኑ’ዩ። መንፈሳዊ ትምህርቲ ንምምሃር ዘኽእለን መንግስታዊ ምትእትታው ዘይብለን ትካላት ክህልወን ይግባእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ እዘን ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታትን ትካላትን ዝተመስረታ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ምህናጽ ኤርትራውያን ዜጋታት ነዊሕ ታሪኽ ዘለወንን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ዝገበራን እየን።

ብሰንኪ ዕድመ ዝቘጸረ ብኵራት ግዝኣተ-ሕግን፥ መቓቓሊ ኣተሓሕዛን፥ ጨፍላቒ ስርዓተ-ጸጥታን ዜጋታት ኣኣብ ዝኣምንዎ ጸቢብ ዙርያታት ጥራሕ ተሓጺሮም ብፍርሂ ክኸዱ ናይ ግድን ይዀኖም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋሁው ዝተቐልቀለ ናይ ተቓውሞ ተርእዮታት በቲ ዝጸበበ መለለዪኡ ናይ ምርቋሑን ምዅናኑን ተኽእሎታት ኣሎ። እንተኾነ ግን፥ እዚ ሓድሽ ንዅሎም ኤርትራውያን ዝምልከት ክስተት ጠለብ መሰል ዜጋታት ኰይኑ ውጽኢት ናይ ዕስራ ዓመት ኣዕናዊ መንግስታዊ ኣተሓሕዛ ሃይማኖታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ኢዩ። ኵሉ ኤርትራዊ፡ ካብ ተራ ዜጋ ክሳብ መራሕ መንግስቲ፡ ነዚ ጉዳይ በቲ ዝግብኦ ጥንቃቐን ብሓላፍነታዊ ኣገባብን ምስ ዘይሕዞ ከኣ ሳዕቤናቱ ክብእስ እዩ። ኣብ ሓጺር መድረኽ፥ መንግስቲ ካብ ምእሳር ዜጋታት ክቝጠብን ንዝቐየዶም ዜጋታት ከኣ ክፈትሕን የድሊ። ልዕሊ ዅሉ ግን ኣብ ነዊሕ፥ ብዘይ መሰረታዊ ቅርጻዊ ለውጢ፥ ምፍታሕ ሼኽ ሓጂ ሙሳ ይኹን ምምላስ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ኣል-ዲያእ ናብ ክፍልታቶም ግዝያዊ ፍታሕ ጥራሕ’ዩ ዝኸውን።

ንዅሉ ዝሓቍፍ ሲቪካውን ፖሊቲካውን በሪታት ክሳብ ዘይተራሕዉ፥ ኣሳተፍቲ ባይታታት ክሳብ ዘይተፈጥሩን ግዝኣተ ሕጊ ክሳብ ዘይሰፈነን፥ ህዝባዊ ተቓውሞ ዘይተርፍ’ዩ – መልክዑ ብዘየገድስ። መንግስቲ ንሰላማዊ ተቓውሞ ክሳዕ ዘየፍቀደ ከኣ ንጐነጻዊ ምትፍናን ወይ’ውን ንጐነጻዊ ተቓውሞ ዘይተርፍ ይገብሮ። ነዚ ተገንዚብና ኢና ኸኣ ብዙሓት ዜጋታት ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ ህጹጽ ኣድላይነት ሃገራዊ ዕርቅን ፖሊቲካዊ ምስግጋርን ክንላቦ ዝጸናሕናን ዘለናን።

-----------

*ንዝሰፈሐ ትንታኔ ናይዚ ኣርእስቲ ምስ ፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ ብምትሕብባር ዘዳለናያ ኣብዚ ቀረባ እዋን እትሕተም African Liberation Theology ዘርእስታ መጽሓፍና ተመልከት።

--- /// ---

About the author: Dr. Awet Weldemichael, Associate Professor and Queen's National Scholar, African and World History.