All updates

ፍትሒ ንጅግና ሓርበኛ ቢትወደድ ኣብርሃ - ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

11/10/2021

6 ጥቅምቲ 2021

 

ፍትሒ ንጅግና ሓርበኛ ቢትወደድ ኣብርሃ

ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ፡ ኣብ 1973 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ህሓሓኤ) ብምስላፍ፡ ንእስነቱ ምእንቲ ናጽነት ሃገሩን ሓርነት ህዝቡን ወፍዩ፤ ኣብ ዚተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፡ ብፍላይ ካብ 1ይ ጕባኤ ህሓሓኤ/ህግሓኤ ኣብ ጥሪ 1977 ኣትሒዙ፡ ከም ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) መጠን፡ ብደረጃ ማእከልነት ናይ ዚተፈላለያ ጨናፍር (መጐዓዝያን ህንጻን፡ ትምህርቲ፡ ዕጥቅን ስንቅን) ብምግልጋል፡ ክሳብ ፍጹም ዓወት ኣብ 1991 ብጅግንነት ተቓሊሱን ኣቃሊሱን። ኣብ ጽባሕ ዓወት ብረታዊ ቃልሲ ግን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዓመጽ ተፈጺሙ፣ ግዳይ ናይ ህድግለነ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ግፍዒ ኰይኑ።

ኣብ 6 ጥቅምቲ 1991፡ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ተኣሲሩ፣ ብዘይ ክሲ፡ ብዘይ ፍርዲ፡ ንዝያዳ ሽዱሽተ (6) ዓመታት ኣብ ጽሙው ማሕቡስ ተቐይዱ። ብዘይካ’ተን ካብ ታሕሳስ 1997 ክሳብ መጋቢት 1998፡ ብዘይ ዚዀነ መግለጺ ምኽንያት  መእሰሪኡ፡ ተፈቲሑለን ዚነበረ ሰለስተ (3) ኣዋርሕ፣ ሎሚ ን30 ዓመታት መመላእታ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተገፊፉ፡ ኣብ ዘስካሕክሕ ቀይዲ ናይ ጽሙው ማሕቡስ ይማስን ኣሎ።

ሓርበኛ ቢትወደድ ምእንቲ ረብሓ ሃገርን ክብሪ ህዝብን ኣብ መትከል ረጊጹ ብጽንዓት ደው ስለ ዚበለ፣ ኣብ ጽዕጹዕ ውግእ ብኤርትራዊ መስዋእቲ ዚተማረኸ ንብረትን ንዋትን ንባዕዳዊ ሓይሊ ኪወሃብ የብሉን ኢሉ ስለ ዚተማጐተ፣ ንረብሓ ሃገር ኣሕሊፉ ንዚህብ ትእዛዝ ውልቀ-መላኺ፡ ብድፍረት ‘ኣይፋል፡ እምቢ፡ ኣየፍቅድን እየ’ ኢሉ ስለ ዚጸንዐ፣ ግዳይ ኣረሜናዊ ዓመጽ፡ ግዳይ ገበናዊ ግፍዒ ኰይኑ። ሓርበኛ ቢትወደድ፡ ግዳይ ገበናዊ ግፍዒ ውልቀ-መላኺ ጥራይ ግን ኣይኰነን ኰይኑ። እንተላይ ግዳይ ስቕታ ላዕለዎት ሓለፍቱ፡ መዛንኡን መቓልስቱን እውን ኢዩ ኰይኑ።

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ህሓሓኤን ህግሓኤን ማዕቢሉ ኣብ እዋን ናጽነት ዚሳዕረረ ሓደ ጐዳኢ ልምዲ ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ ተጋዳላይ፡ ደረጃ ሓላፍነቱ ብዘየገድስ፡ ብሃውራዊ ውሳኔ ኣብ ዚድስክለሉ፡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኣብ ዚዳጐነሉ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዚቕየደሉ እዋን፣ “እገለ ስለምንታይ ደስኪሉ፧ እገለ ስለምንታይ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኣትዩ፧ እገለ ስለምንታይ ተኣሲሩ፧” ኢሉ ዚሓተሉ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣይነበረን፣ ሕጂ’ውን የለን። ኣብቲ ግሉጽነት ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ዚጐድሎ እዋን ናይ ርሱን ኲናት፡ እቶም ይፈልጡ ይዀኑ ወይ ኪፈልጡ ይኽእሉ ኢዮም ዚበሃሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምስ ዝሕተቱ፣ ንገዛእ ርእሶም’ውን ነቲ ዚውስን ‘መራሒ’ ደፊሮም ስለ ዘይሓቱ፣ “ገለ ገይሩ ወይ ገለ ገይራ ትኸውን” ዚብል መልሲ ዚህብ’ምበር ምኽንያት ዚሕብር ይዅን ዓገብ ዚብል ኣይነበረን።

ሰለሎ ናይዚ ብኣግኡ ዘይተገትአ ጐዳኢ ልምዲ’ዚ፡ ሎሚ ንብዙሓት ዓበይቲ ገዳይም ሓርበኛታት፡ ነቶም ቀንዲ ኣርካናት ብረታዊ ቃልሲ ሃገራዊ ሓርነት ከይተረፈ ለኪሙ፣ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣውዲቑ ይርከብ። ኣብ ልዕሊ ሓርበኛ ቢትወደድ ሃውራዊ ግፍዒ ኪፍጸም እንከሎ፡ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቱ፡ መዛንኡ ኰነ መቓልስቱ፡ ሽዑ፡ ብፍላይ ብስሙር ድምጺ፡ “ዓገብ” ኢልና እንተ እንነብር፣ ምናልባት፡ እቲ ብድሕሪኡ ዚሰዓበ፡ ንብዙሓት ጀጋኑ ሓርበኛታትን ኣርካናት ብረታዊ ቃልስን ዚበልዐ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ኪግታእ ወይ ኪውገድ ምተኻእለ ነይሩ ይኸውን። ምናልባት’ውን፡ እቲ ዘጋጠመ ጥልመት ሃረርታ ህዝብና ንሓርነት፡ ንፍትሒ፡ ንራህዋ ኪዅለፍ ምተኻእለ ነይሩ ይኸውን። ወይ’ውን፡ ከምቶም ብድፍረት ዓገብ ዚበሉ ክቡር ጅግና ሓርበኛ ኣቦና ዑመር ኣኪቶ፡ ኣብቲ ዘየናሕሲ መቑሕ ቀይዲ ናይቲ ዓመጸኛ ስርዓት ምዓረፍና ኔርና ንኸውን።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ሕማቕ ክስተት፡ ኣብ ነብስኻ ምስ በጽሓካ ጥራይ ዓመጽ ኰነ ግፍዒ ከም ዚፍጸም ምርዳእ ኣብ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ተለሚዱ፡ ንቡር ኰይኑ ምጽንሑ ኢዩ። ነቲ ኣብ ሓድሕድና ዚፍጸም ሃውራዊ ዓመጽ ዓገብ ክንብል ብዘይ ምኽኣልና፡ ክንየው እቶም ቀጥታዊ ግዳያት ናይቲ ህሞት፡ ንነብስና ተገፊዕና ንህዝብናን ሃገርናን ለኪምና፡ ኣብዚ ወሪዱዎ ዘሎ ሓሳረ-መከራ ኣውዲቕና። በብእጃምና፡ ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ተሓተትቲ ስለ ዝዀንና ድማ፡ ሎሚ ሕልናና ሓኺኽና፣ ነብስና ገምጊምና፣ ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና ተማሂርና፣ መጻኢና ንምዕራይ ክንሰርሕ ይግባእ።

ኣብዚ መበል 30 ዓመት ገበናዊ ቀይዲ ጅግና ሓርበኛ ቢትወደድ ኣብራሃ ብዓሚቝ ጓሂ እንዝክረሉ ዘለና ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንሓርበኛ ቢትወደድ ኣብራሃ፡ ነቶም ብድሕሪኡ በብእዋኑ ናብ ደረት-ኣልቦ ጽሙው ማሕቡስ ዚሰዓቡዎ ብዙሓት ጀጋኑ ኣርካናት ብረታዊ ቃልሲ ሃገራዊ ሓርነት ኰነ ንዅሎም እቶም ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ተመቊሖም፣ ብዘይ ክሲ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዚሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታት፣ ብዓውታ ፍትሒ ንጠልብ። ፍትሒ ስለ ዝጠለብና ጥራይ በቲ ፍትሒ ከመሓድር ዘይደልን ዘይክእልን ዓመጸኛ ስርዓት ፍትሒ ስለ ዘይፍጸም ግን፣ ኣብ ሃገርና ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን፣ ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ዚምስረት፡ ሰብኣዊ መሰላት ህዝብና ዘኽብር፡ ደሞክራስያዊ መትከላት ዚኽተል ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል ቈሪጽና ንበገስ።

ፍትሒ ንጅግና ሓርበኛ ቢትወደድ ኣብራሃ!

ፍትሒ ንኵሎም ፖለቲካዊ እሱራት!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ኣብ መወዳእታ፡ ነቶም ነዚ መደብ’ዚ ዝወደብኩምን ኣብዚ መደብ’ዚ እትሳተፉ ዘለኹምን ብልቢ ኣመስግን።

የቐንየለይ።