All updates

ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብባቡር ተረጊጾም

08/11/2021
[:swvar:text:838:]

ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብባቡር ተረጊጾም

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ካሌ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብባቡር ተረጊጾም።

በቲ ብ4 ሕዳር ዘጋጠመ ናይ ባቡር ሓደጋ፣ ሓደ ኤርትራዊ ብኡ ንብኡ ክመውት እንከሎ፣ ሰለስተ ድማ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ከምዘለዉ ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ሓቢሮም።

ሓደ ካብቶም ቆሲሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብከቢድ ‘ዩ ተጎዲኡ።

ጠንቂ እቲ ሓደጋ፣ ኤርትራውያ ሓተቲ ዑቕባ፣ ባቡር ብናህሪ ናብ ዝሕንበባሉ ሓዲድ ብእኩብ ይጎዓዙ ምንባሮም ምዃኑ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ፣ ካብን ናብን ካሌ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ባቡር መጓዓዝያ ንሓደ መዓልቲ ተሰናኺሉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ’ቲ ዕለት’ቲ ሓደ መንነቱ ዛጊት ዘይተነጸረ ሓታቲ ዑቕባ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ካሌ፣ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ሞይቱ ተረኺቡ።

እታ ጃልባ፣ ሓተቲ ዑቕባ ጽዒና ናብ ብሪጣንያ ዝተበገሰት ክትከውን ከምእትኽእል ይግመት።

ቅድሚ’ዚ ናይ ባቡር ሓደጋ ኣብ ዝነበረት መዓልቲ፣ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣብ ዘንጸላለዋ ጃልባ ዝነበሩ ኣስታት 400 ሓተቲ ዑቕባ፣ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ክድሕኑ ክኢሎም’ዮም።

እንተኾነ ኣብቲ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሒት ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ከምዝሓለፈን ናይ ካልእ ሃለዋት ድማ ከምዘይተረኽበን ፖሊስ ፈረንሳ ኣመልኪቱ።

ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ተበጊሶም፣ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ንምእታው ናይ ዝፍትኑ ዘለዉ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ እናተዓጻጸፈ ይመጽእ ከምዘሎ ጸብጻብ ፖሊስ የረጋግጽ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ 2018 ኣስታት 600 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ተበጊሶም ናብ ብሪጣንያ ንምእታው ክፍትኑ እንከለዉ፣ ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመተ 2021 እቲ ቁጽሪ ናብ 24, 655 ዓሪጉ።

ካብዚኣቶም እቶም ልዕሊ 5700 ሓተቲ ዑቕባ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ክምለሱ እንከለዉ፣ እቶም ልዕሊ 17 ሽሕ ግና ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ከምዝኸኣሉ ይግለጽ።

ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ፣ ዓመታዊ እናተዓጻጸፈ ዝመጽኣሉ ዘሎ፣ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምውጽኣ ስዒቡ ዝመጽአ ተርእዮ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

 

Original Source: Radio Erena