All updates

ጸለመ ጠጠው ይበል - ደስበለ መሓሪ

24/05/2019
ጸለመ ጠጠው ይበል
ደስበለ መሓሪ

እዚ ኣብ ሶሻል ሜድያ ዝከይድ ዘሎ ናይ ጸለመን ኣፈላላይን ዘመተ ከተንብብ ከሎኻ ስለምንታይ ኣብዚ እዋንዚ ብናህሪ ተዋፊሩ ይረአ ኣሎ ዝብል ሕቶ ከተልዕል ትግደድ። መበገሲኡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ውሽጢ ደለይቲ ፍትሒ ተፈጢሩ ዘሎ ውህደትን ፣ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ካብ ዝብል መንፈስ ዝተበገሰ ምልዕዓልን ከተተኣሳስሮ ትግደድ፣፣ ኣብዚ ተፈጢሩ ዘሎ ውዕዉዕ ናይ ምልዕዓልን ምውድዳብን  ሃዋሁ ህላዌኡ ዘጠራጥሮን ረብሓኡ ዝትንከፍን፣ እቲ እከይ ስርዓት ኢሳያስ ጥራይ ምኳኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብዝተፈላለየ መገዲ ነቲ ዝርአ ዘሎ ውዕውዕ ሃዋሁ ደለይቲ  ፍትሒ ንምዝራግን ንምዕንቃፍን ከይደቀሰ ከምዝሓድር'ውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ዝጥቀመሉ ሜላታት ድማ  ብገለ ጊዜ ገዲፍዎም ዝኸደ፣ ኣብ ድሑር ናይ ኣውርጃን ካልእ ኣተሓሳስባን ዝነብሩ ኤርትራውያን ብምዕንጋልን ነቶም ነዚ ኩነታት'ዚ ኣብ መዕለቢኡ ከብጽሕዎን ከበርክቱን ይክእሉ ኢዮም ዝበሃሉ ውልቀ ሰባት ብምጽላምን ፖለቲካዊ ቅንጸላ ብምክያድን ምኳኑ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ።

ኩሎም እቶም  ኣብ ሶሻል መድያ ወጺኦም ዘህተፍትፉ ዘለው ብቀጥታ ምስ ህግደፍ ምትእስሳር'ኳ ዘይከኣል እንተኮነ እቲ ዓንዲ ሕቖ ናይቲ ዘመተ ግን ንሱ ምኳኑ ዝጠፍኦ ዜጋ ዘሎ ኣይመስለንን። ኮይኑ ግን እቶም ብቀጥታ ምስ ስርዓት ኢሳያስ ዘይተእሳሰሩውን እንተኮነ ብግብሪ ግን ከኣ ብዘይፍልጦ ፣ኣብቲ ኢሳያስ ዝደልዮን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓንጎሎም ዘስፈሮን ድሑር ስምዒታት ጥሒሎም ምውሰኦም ካብቲ በደል ነጻ ኣይገብሮምን።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ጸለመ ኣብ ኣውራጃዊ ሕማምን፣ኣብ ሕሉፍ ናይ ቃልሲ ታሪኽን ዝምስረት ኢዩ።

እቲ ኣብ ኣውራጃ ዝምርኮስ ናይ ጸለመ ዘመተን  ንእኡ ንምክልኻል ዝመጽእ ተመሳሳሊ ትምክሕታዊ ጸረ መልስን፣ካብ  ናይ ኣተሓሳስባ ድሕረት ዝብገስ ብምኳኑ ምስ ጊዜን ኩነታትን ክጎዓዙን ክሓፍርሉን ከምዘለዎም  ካብ ምዝኽኻር ሓሊፍካ ብዙሕ ክበሃል ዝከኣል ዘሎ ኣይመስለንን።ኣብዘይተርድእዋ ኤርትራ ይነብሩን ኣንጻር ህዝቦምን ኣውራጅኦምን የህተፍትፉ ከምዘለዉ ምውካሶም ሕማቕ ኣይኮነን፣ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓንን ንምውሓስን ኣብዝካየድ ምርብራብ ኣውራጃዊ ሕቶ ኣልዒልካ ምዕንዳር፣ኤርትራ እንተዘይ ሃልያ ዝኾነት ትኩን ኣውራጃን ወዲ ኣውራጃን ክህልዉ ከምዘይክእሉ ዘይምግንዛብ ካብ ዕሽነት ንላዕሊ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ተራ ሕሉፍ ታሪካዊ ቃልሲ ዝተሞርከሰ ዝከየድ ፈተነ ፖለቲካዊ ቅንጸላ ካብ ዕሸላዊ ኣረዳዳኣ ዝብገስ ጠቖም ፈሊጥ ኣተናትና ዝሓዘለ ዘመተ ኢዩ፣ ነቶም ትምህርቶምን ስርሖምን ስድራኦምን ጠንጢኖም ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ እጃሞም ዘበርከቱ ሃገራውያን ጀጋኑ፣ ዝግበኦም ሞገስን ምስጋናን ምክላእ ጥራይ ዘይኮነ ብበለካ ለኽዓካ ዝተበተነ ወረ ኣብ ክሲን ፍርድን ኣቅሪብካ ከተደናግር ምፍታን ሕልና ወድ ሰብ ክገብሮ ዘይበቅዕ ስነ ምግባር ኢዩ፣

ኣብቲ ነዊሕ ነጻነት ዘጓነጸፈ ሕሉፍ ናይ ቃልሲ መስርሕ፣ብኩሉ ወገናት ዝተፈጸመ ገለ ጉድለታት ይኩን ገበናት ክህሉ ይኽእል ይከውን።   ኣዎንታዊ ሚዛን ናይቲ ቃልሲ ከምዝዕብልል ዘረጋግጽ ሓቂ ግን እቲ ቀዳማይ ዕላማ ዝነበረ ነጻነት ኤርትራ ምጉንጻፍ ኢዩ፣ እቲ ከከም ምንዮትካን ድልየትካን ዝወሃብ ካልእ ትንታኔ ግን ብካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ዝስራዕ ይከውን፣

ንምኳኑ እቲ ዝቐርብ ናይ ጸለመ ክሲ ኣብ መንጎ ጉድለትን ገበንን ክህሉ ዝኽእል ፍልልይ ብከመይ ይርአ? ናብቲ ዕሸላዊ ድልየትካ ንምምላእ ክትህቦ  ትደሊ መደምደምታ ንከብጸሓካ ዝተሃንጸ ጥራይ ኢዩ፣ ጉድለት ዓቢን ንእሽቶን፣ፈሊጥካ ዝፈጸምካዮን ከይፈለጥካ ዝፈጸምካዮን ተባሂሉ ክክፈልን ብዕቅኑ ድማ መአረምታ ክግበረሉ ይግባእ'ምበር ጉድለት ምስ ገበን ዝመጣጠን ኣይኮነን፣ ገበን መብዝሕቲኡ ጊዜ ኮነ ኢልካ ዝፍጸም መበጊስኡ ምክንያታት ድማ ክፈላለ ዝክእል ብወንጀል ሕጊ ዘክስስን ብማእሰርትን ካልእ ልዑል መቕጻዕትን ዝዛዘም ፍጻሜ ኢዩ።

እዞም መኽፈቲ ኣፍ ኮይኖም ዘለዉ ተቃለስቲ ዝኽሰሱ ዘለዉ ብገበን ድዩ ወይስ ብጉድለት (ጌጋ)? እንታይ ዓይነት ጉድለትን ከመይ ዝኣመሰለ ገበንን'ከ? መንከ ይውስኖ? ብሕግን ብቤት ፍርድን ዶ ? ወይስ ብፌስ ቡክን ብፓልቶክን?

ታሪኽ ክውን ሓቅታት ስለዝኾነ ኣብ ዝተፈላለየ መዛግብቲ ተዓቂቡ ከምዘሎ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ።ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብእኩብ ይኩን ብውልቂ ዝተፈጸሙ ጉድለታት ኮኑ ገበናትውን ኣብ ብዙሕ መዛግብቲ ሰፊሮም ከምዝርከቡ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ግዜን ኩነታትን ፈቒዱ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ምስ ተኣልየ ምግንጻሉ ስለዝከኣል፣ሎሚ ግን እቲ ኣብኡ ንከይንበጽሕ ዝካየድ ዘሎ ሸርሕታት ነቒሕና ከነፈሽሎ ኣቶክሮና ኣብኡ ንግበር።

ኣብ ህልውን ሕሉፍን ኩነታት ኤርትራ  ብዝበዝሐ ገበንን ጉድለትን ክኽሰሱ ዝግበኦም ካብ ኢሳያስን እቶም ውሑዳት ሰዓብቱን ንላዕሊ ካልእ ክህሉ ዝክእል ኣይመስለንን። እዞም  ናይ ጸለመ ዘመተ ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ ጀጋኑ ዜጋታት ዝፈጸምዎ ገበናት ኣሎ ዝብሃል እንተኮይኑ ድማ ኣብ መስርዕ ኣትዩ ጭብታቱ ከቕርብ ዕድል  ኣለዎ። እንተ እዚ ናይ ሎሚ ጫውጫውሞ ኣብኡ ንከይብጻሕ ዝካየድ ዘሎ ቀቢጸ ተስፋ ሜላ ናይቲ ስርዓት ኢዩ ዝቕጸር።

ሓድነትና ዋሕስ ዓወትና

ስውኣትና ንዘለኣለም ይዘከሩ

ሓርበኛታት ኩሉ ጊዜ ይከበሩ