All updates

ገይሹ ኢና ንብሎም

11/09/2019
[:swvar:text:838:]

ገይሹ ኢና ንብሎም

ኣብ ኤርትራ፡ብፍላይ ስርዓት ህግደፍ ፍቱዋትና ኪምንጥለና፡ ደቅና ኪምንዛዓና፡ ኣዋልድና ኪዕመጻ፡ ቃል ኪዳና ጨውዩ ኪፈታተነና፡ እንሆ ሰለስተ (3) ዓሰርተ ኣቚጺሩ። ብኸምዚ ከኣ ንህዝቢ አርትራ ብማእሰርቲ ኣማህሚኑ፡ ብስደት በቲኑ፡ ስድራ ኣዘኽቲሙ፡ ቍሸት ኣብሪሱ፡ ሕርሻ ኣቓዲሩ፡ ደምበ ማልና ነበረያ ነበረ ኰይኑ ኣሎ። እቶም ህሉዋት ኢና እንብል ከኣ፡ ከም ሰባት ርእስና ብኣልማማ ከም ዝተሃረምና፡ መኣዝንና ኣጥፊእና፡ ነዚ ዘይንቡርን ዘይሰብኣውን ኣነባብራ ከም ንቡር ህይወት ወሲድና ንጐዓዝ ኣለና። እኳ ደኣ፡ብሓደ ወገን፡ ገለ ገለ ነዚ ከመኽንዩሉን ኪጣበቑሉን ከጣቕዑሉን ክትርኢ እንከለኻ፣ በቲ ካልእ ከኣ፡ ተቓወምቲ በሃልቲ ኣብ ዘየለ ኪህውትቱ ክትርኢ እንከለኻስ ንርእስኻ’ውን ሕውዝዉዝ’ዩ ዝብለካ።

ከምዚ ክብል እንከለኹ ነቲ ኣብ 2002 ዓ.ም ዚተፈጸመ፡ 18 ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ናይ ዓበይቲ ሓለፍቲን ምኩራት ገዳይምን ተስፋ ሃገር ዚዀኑ ሓደስቲ ወለዶ መናእሰይን ጋዜጠኛታትን እንዝክረሉን መብጽዓና እነሓድሰሉን እዋን ኢዩ። ብፍላይ ነቶም ቀንዲ ግዳያት ዚዀኑ ስድራ ቤቶም ደገፍና እንህበሉ ኣብ ክንድኦም ከነድምጽን ሕልናና ከነባራብርን ዝድርኸና ኢዩ።

እቲ ጃምላዊ ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ እቶም ብክድዓት ኣሳቢቡ ከካብ መደቀሲኦምን ገለ ኣንጊሆም ንስፖርት ዚወጹ ዝወሰዶም፡ ብዙሓት ቅድሚኡን ድሕሪኡን በብዝወፈርዎ ዚጠፍኡ ሓያሎ ኢዮም። ገለ ካብ መንገዲ፡ገለ ካብ ስራሕ፡ ገለ ካብ መገሻ፡ ፟ንደልየካ ኣለና ፟ እናበሉ፡ ብዘይ ሕጊ ዚጠፍኡ ዜጋታት ዘይተመለሱ፡ ገገዝኦም ትቚጸሮ። በዚ ከኣ ክንደይ ስድራቤታት በይነን ብፍላይ ኣዴታት ህጻናት ደቀን ሒዘን ኣፈን ዓቢሰን ደቀን ጠቢረን ነዚ ከቢድ ጾር ተሰኪመን ዝኸዳ ኢየን። ንሎሚ ተመክሮይ ንሓደ ኣብ ከባቢ 2001 ግዳያት ዚዀኑ ስድራ ፈርኦን ወልዱ፡ በዓል ቤታ ንስነ ጥበባዊት ኣብረሀት ጓል ኣንከረ’ ኢዩ። ስነ ጥበባዊት ጓል ኣንከረ በቲ ጥዑም ድምጻ ሓያሎ ደርፍታት ንሃገርዊ ናጽነት ዘዜመት ሓያል ታቓላሲት ኢያ። ይዂን እምበር፡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ሰብ ጠፊኡካ ኣይትዛረብን ኢኻ። ኣብ ሕብረተሰብና ደርሆ እንተጠፍኣትካ “ደርሆና ዶ ርኢኹም”፧ ክትብል ተምሲ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ኣቦ ጠፊኡ፡ ወድኻ ጠፊኡ፡ ጓልካ ጠፊኣ፡ምሕታት የለን፡ ስድራ በይና ትሕመስ። ገለ ከኣ ንትኣምኖ ወይ ብሰብ ጌራ ትሓትት። ምድረ ሰማይ በይንኻ ይጽልምተካ። ዝገርም’ዩ! ዝገርም’ዩ! እናበልና እነሆ 3ይ ወለዶ ግዳይ ዚዀኑሉ እዋን በጺሕና። 

ማእሰርቲ ፈርኦን ምስ ሰማዕኩ ነይረ ነይረ ንጓል ኣንከረ እሓታ’የ። ብወገና “ንጽበ” ዚብል መልሲ ኢያ ትህበኒ። ካብኡ ንላዕሊ ትብሎ የለን። “እዞም ቈልዑ’ኸ” ኢለያ። “ገይሹ ኢልናዮም”፤ ከም ዚገሸ ኢዮም ዚፈልጡ” ኢላትኒ። ግዜ እናኸደ ከይዱ። ገያሻይ ደንጉዩ። ብወገነይ በይነይ ብዙሕ’የ ዘድንቓ። ብኣኣ እሓስብ፡ ንነብሰይ ኣብ ቦታኣ ኣእትየ እሪኣ። “ኣነ እንተ ዝኸውን ከ?” እብል። ንባዕለይ በይነይ እፈርህ። ብፍላይ ገለ ምድላዋት ክህሉ እንከሎ ልምምድ (rehearsal) ክትገብር እንከላ ድምጺ እሰምዕ’ሞ፡ ምስ ነብሰይ እዛረብ።

“ኣየ ትብዓት” እብል። መሊሰ ከኣ፡ “እንታይ ዝበለ ግፍዒ ኢዩ ኣሚንካ፡ ኣቦ እትፈትዎም ደቅኻ ወሲዶም፥ ክሲ የብሉ በደልካ እዚ’ዩ የብሉ፡ ፍርዲ የብሉ፡ መጻኢ ተሸፊኑካ፡ ነዚ በዲህካ ክትከይድ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዚሰሓት ኣይኰነን። እስከ ኲልና ነብስና ኣብ ቦታኣ ኰይና፡ ከምኡ ከኣ፡ ስለ ኲለን ኣዴታት፡ ንሕሰብ። ስርዓት ህግደፍ ምርጫ ዘይብልካ ኢዩ ዝገብረካ!!

ቤቲን ጆንን ደቂ ፈርኦን ምስ ንእሽቶ ወዲ 6 ዓመት ወድና ብነጸላ መንደቕ በቲ ሬተ ኲሉ ግዜ የዕልሉ’ዮም። እንታይ ይብሉ ዝግደሰሎም ሰብ የለን። ሓደ ምሸት ምስ ደቀይ ኮፍ ኢልና እንከለና፡ ወድና ሃንደበት ፍርሒ ብዝተሓወሶ ድምጺ “ኣነ’ኳ ኣቦይ ከም ኣቦ ጆን ኪኸውን ኣይደልን’የ፡ ምስ ገሽ ኣቦይ ቀልጢፉ ኪምለስ’የ ዝደሊ” በለ። ዚዀነ ካባና ዚመለሰ ኣይነበረን፣ ስቕ ኢልና ጠሚትናዮ። ኣቡኡ ኣበይ ከይዱ፧ እንታይ ኰይኑ፧ ኣይበልናዮን። ስንባደና ኣብ ከብድና። ንርእሰይ ተቢዐ ከረድኦ ወይ ክሕግዞ ወይ ዘድልዮ ኣይመለስኩን። ንሕና’ውን ኣብ ውሽጢ ገዛና ፈሪህና፤ ኣነ ሰንቢደ ጥራይ ዘይኰነስ ውሽጠይ ብሓዘን መሊኡ። ለካስ እቶም መታን ከይሓስቡ፡ ከይጃጅዉ እትከላኸለሎም፡ ኲሉ በይና ዚገበረቶ ጓል ኣንከረስ ደቃ ደሃይ ዚፈትዉዎ ኣቦኦም ደንጒዩዎምስ ናፍቖቶም ንመዛንኦም ኣካፊሎሞም ኢዮም። ወድና ከኣ፡ በቲ ናቱ ደረጃ ኣቦኻ ክጠፍኣካ ክንደይ መሪር ምዃኑ ኣካፊሉና።

ስለቲ ነዚ ግፍዕታት’ዚ በዲሁ ዝከይድ ዘሎ ናይ ህዝብና ጽንዓት ናይ ጓል ኣንከረ ዋዜማ ኢላ ዝደረፈታ “ንክብሪ በዓል ናጽነት” ጆባእ እብለኩም።

(ብናተይ ትርጉም)

ዋዜማ ንሃገርና ንኡሱራትና

ዋዜማ ንቅዋም ሃገርና

ዋዜማ ፍትሒ ክነግሰልና

ዝወለድናዮም ክረክቡ ሰላም ናይ ሕልና።

ዋዜማ ንክብሪ ናጽነትና

ዋዜማ ክምለስ ክብርታትና

ዋዜማ ንሞሳ ሰማእታትና።

    - ኣልጋነሽ ተወልደ

Link: https://www.youtube.com/watch?v=n3rXi1SZIig