All updates

ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣስታት 150 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሊብያ ጥሒሎም

31/07/2019
[:swvar:text:838:]

ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኢጣልያ ንምእታው ዝሓለኑ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም 150 ሰባት ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ላዕለውይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ካብቶም ብሓሙስ 25 ሓምለ ዝጠሓሉ ሰባት ዛጊት ናይ ኣስታት 15 ሰባት ሬሳ ተኣኪቡ ኣሎ።

ኣስታት 300 ዝኾኑ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝጸዓነት ጃልባ፣ ካብ ገማምግ ባሕሪ ሊብያ ብዙሕ ከይርሓቐት ብምጥሓላ’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ህይወት ኣብ ምድሓንን ሬሳታት ኣብ ምእካብን ተዋፊሮም ዝነበሩ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፣ ኣማኢት ስደተኛታት ዝጸዓና ካልኦት ሰለስተ ጀላቡ’ውን በቲ ሓደጋ ዝተፈጸመሉ ክሊ ማይ ኣብ ዝሓልፋሉ ዝነበራ እዋን ድሕሪ ምሓዞም ናብ ሊብያ ከምዝመለስወን ኣፍሊጦም።

ብዝሒ ናይቶም በዚ ሓደጋ ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣይተነጸረን።

(Original Source: Radio Erena)