All updates

ዚጐደለ ሓቅታት ኣብ ክትዕ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን

18/06/2018

1. መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ዶባዊ ግጭት

2. እቲ ሓቂ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ‘ባድመን ከባቢኣን’ ዚካየድ ‘ተቓውሞታት’

3. ምእንቲ ሕቡእ አጀንዳ ሕንፍሽፍሽን ዕውንውንን ምዝራእ

4. መዋጥር ስቕታ ኢሳያስ

5. ጕዕዞ ንቕድሚት ናብ ርጉእ ሰላም

 

1.    መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ዶባዊ ግጭት

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን በቶም ነቲ ማእከላይ፡ ምዕራባውን ምብራቓውን ክፋላት ናይቲ ዶብ ብንጹር ባህርያውን ጀኦሜትሪያውን መወከሲታት ዚውስኑ ሰለስተ መግዛእታዊ ውዕላት (1900፡ 1902ን 1908ን) ዚተደረተ ኢዩ። ብመሰረት እዞም ውዕላት’ዚኣቶም ሓንሳእ ምስ ተደረተ፣እቲ ዶብ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ (1890-1941)፡ ወተሃደራዊ  ምምሕዳር ብሪጣንያ (1941-1952)፡ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ (1952-1962)ን ጐበጣ ኢትዮጵያን (1962-1991) ርጉእ ኰይኑ ጸኒሑ። ንሓደ ምሉእ ዘመን ድማ ብሕግብግብርን ኣህጕራዊ ቦትኡ ዓቂቡ ጸኒሑ። ኣብ 1997 ጥራይ ኢዩ ንመጀመርያ ግዜ ዞባዊ ምምሕዳር ትግራይ ንበይኑ፡ ብሓገዝ ወኪል ተክኒካዊ ምትሕግጋዝ ጀርመን [German Technical Cooperation Agency (GTZ ሕጂ GIZ)፡ ነቲ  ታሪኻዊ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ፡ ልኡላውነቱ ቅድሚኡ ኣብ መንጎ መንግስቲታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣከራኺሩ ዘይፈልጥ ሰፋሕቲ ቦታታት ኤርትራ ናብ ትግራይ ዚሓወሰ ካርታ ምምሕዳራዊ ዞባ (ክልል) ትግራይ (Weyin, ወይን 1997) ኣሕቲሙ ዘውጽአ (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ጠውቕ)። ብተወሳኺ፡ እዚ ሓድሽ ካርታ ናይታ ዚተስፋሕፍሐት ትግራይ እንተላይ ካብተን ጐረባብቲ ዞባታት ኢትዮጵያ፡ ማለት በገምድርን ወሎን፡ ሰፋሕቲ ቦታታት ሓዊሱ ዚወጸ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ወልቃይትን ራያን ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ ዘሎ ጕዳይ ኢዩ።

እቲ ካርታ፡ ኣብቲ ብበዓል-መዚ ስራሕ ካርታ ኢትዮጵያ (Ethiopian Mapping Authority) ተሓቲሙን ነቲ ሓድሽ ባጤራ ኢትዮጵያ ኣጋይጹን ዚወጸ ሓድሽ ካርታ ናይ ኢትዮጵያ ተቐዲሑ ተዘርጊሑ። እቲ ካርታ’ቲ፡ ነቲ ንሓደ ምሉእ ዘመን ከይተተንከፈ ዚጸንሐ ኣህጕራዊ ዶብ ኤርትራ  ምስ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ቀይሩዎ (Splinter, 1998, 245-272)። ደድሕሪ ምዝርግሑ፡ እቲ ካርታ ክሳብ ሽዑ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስቲታት ኣከራኺሩ ንዘይፈልጥ ከባቢታት ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንምግሃስ፣ ኤርትራዊ ምምሕዳራዊ መዋቕር ንምፍራስ፣ ኤርትራውያን ዜጋታት ነቒልካ ንምስጓግን ኣብቲ ሓድሽ ዚተታሕዘ ከባቢታት መሬት ኤርትራ ትግራዋይ ምምሕዳራዊ ስልጣን ንምምስራትን ከም ውጥን ኣገልጊሉ። 

እዚ ድማ ኣብቲ ዚተተንከፈ ዶባዊ ዞባታት ናብ ምዝንባል ህዝቢ ኣምሪሑ፣ ርግኣት ወሰናስን ናይቲ ዶብ ዘሪጉ። ነቲ ዚሰዓበ ውጥረት ብክልተኣዊ ምይይጥ ወይ ልዝብ ንምህዳእን ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕን ዘይምኽኣል፡ ኣብ መወዳእትኡ ተጻብኦታት ናብ ምብራዕ ደፊኡ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ዲቕ ዚበለ ኲናት ኣምሪሑ። እቲ ብፈተውቲ ሳልሳይ ኣካላት (ሕቡራት መንግስቲታት ኣመሪካ፡ ሕመኣ-ርዋንዳ፡ጂቡቲ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ) ዚተኻየደ ጻዕርታት ኣህጕራዊ ሽምግልና ነቲ እናነሃረ ዚኸይድ ዚነበረ ማዕበል ተጻብኦታት ኪገትኦ ስለዘይከኣለ፣ እተን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ዘየድሊ፡ ኪእለ ዚከኣል ዚነበረ፡ ኣዝዩ ኣዕናዊ ኲናት (1998-2000) ኣካይደን።  

 

2.    እቲ ብዛዕባ ኣብባድመን ከባቢኣንዚካየድተቓውሞታት

እቶም ናይ ‘ተቓውሞ’ ሰላማዊ ሰልፍታት  ኣብ ‘ባድመን ከባቢኣን’ ሓቀኛ ክዉንነት ዘይገልጹ፣ ምናልባት’ውን፡ ብተጣበቕቲ ዓባይ ትግራይ ዚተደፋፍኡ ኢዮም። እቲ ‘ባድመን ከባቢኣን’ ዚብል ስያመ ነቲ እጀታ ዘንበረትሉ ቦታታት ኤርትራ ንምምልካት ፈለማ ብኢትዮጵያ ዚተዘውተረ ሓረግ ኢዩ። እቲ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ “ዚዀነ ወጻእተኛ፡ ኤርትራዊ ይዅን ጃፓናዊ፡ ወዘተ.፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዚነብር ብሰናይ ድሌት ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ሕብሪ ዓይንኻ ስለዘይፈተናዮ፡ ኪድ’ እንተኢሉዎ ኪኸይድ ኣለዎ” (ፈነወ ተለቪዥን ኢትዮጵያ፡ 9 ሓምለ 1998) ዚብል መመኽነይታ ዚሃበሉ ጃምላዊ ጥርዝያታት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ዚዝከር ኢዩ። ኣብ እዋን’ቲ ኲናት፡ እቲ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዚተዓብለለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጃምላዊ ጥርዝያ ናይ ልዕሊ 75,000 ኤርትራውያን ፈጺሙ። እቶም ኣብ ‘ባድመን ከባቢኣን’ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ኪሕዙ ወይ ዓድታቶም ለቒቖም ኪኸዱ ዚተገደዱ ኤርትራውያን ድማ ገለ ካብዞም ልዕሊ 75,000 ዚተሰጐጉን ንብረቶም ዚተራሰየን ጥሩዛት ኤርትራውያን ኢዮም።

ብድሕሪ’ቲ ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ዚተኣወጀ ውሳነ ምድራት ዶብ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (EEBC’s delimitation decision of 13 April 2002)፡ ምምሕዳር ዞባዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ሓምለ 2002 ኣትሒዙ፡ ሰባት ካብ ዚተፈላለዩ ቦታታት ትግራይ ኣምጺኡ ኣብቲ ካብ ሽዑ ዚተጐብጠ ኤርትራዊ መሬት ‘ባድመን ከባቢኣን’ ከስፍሮም ጀሚሩ። ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሽዑ እቲ ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ንኪፈርስን ደው ኪብልን ነዚ ዚስዕብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ (EEBC: Order of the Commission)፡-

. ድሕሪ 13 ሚያዝያ 2002 ዚዀነ ብሓልዮት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዚተፈጸመ ዳግመ-ሰፈራ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣብ ደምበ መንጉል ኪግበር ኣይነበሮን፤

. ኢትዮጵያ፡-

(i) ነቶም ብመሰረት ፕሮግራም ዳግመ-ሰፈራ ኢትዮጵያ ካብ 13 ሚያዝያ 2002 ኣትሒዙ ካብ ኢትዮጵያ መጺኦም ኣብ ደምበ መንጉል ዚሰፈሩ ሰባት ብቕጽበት ናብ መሬት ኢትዮጵያ ምምላስ ኪትፍጽም ኣለዋ፤ […]

. ነፍሲ ወከፍ ወገን ስግር ናይቲ በቲ ውሳነ ናይ 13 ሚያዝያ 2002 ዚተመልከተ ናይ ምድራት መስመር ዚዀነ ዳግመ-ሰፈራ ህዝቢ ንከይግበር ምርግጋጽ ኣለዎ። (ብመሰረት ዓንቀጽ 20ን ዓንቀጽ 27(1)ን ሕጋጋት ቅጥዒናይቲ ኮሚሽን  ዚተዋህበ  ትእዛዝ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን) (EEBC Delimitation of the Border (Eritrea-Ethiopia): Order of the Commission (made pursuant to Article 20 and Article 27(1) of the Commission’s Rules of Procedure)

ይዅን’ምበር፡ እቲ ብህወሓት ዚተዓብለለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ነቶም ዳግመ-ሰፈራታት ንምፍራስን ነቶም ዳግም ዚሰፈሩ ዜጋታቱ ናብ ዓዶም ንምምላስን ዚተዋህበ ትእዛዝ ኮሚሽን ዶብ ጥሒሱ፡ ፕሮግራሙ ቀጺሉ።

ክንዲ ዚዀነ፡ ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ዚስዕብ ውሳነ ኣሕሊፉ፡-

  1. እቶም ወገናት፡ብመሰረት ዓንቀጽ 4.16 ናይቲ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላም [ስምምዕ ሰላም እልጀርስ] ምምልካት ዶብ ኣብ ባይታን (ምትካል ዓምድታት ወይ ሽኻላት ዶብ) ምትሕልላፍ መሬታዊ ቍጽጽርን ተፈጺሙ ክሳብ ዘብቅዕ፣ በይናዊ ናይ ሰራዊት ኰነ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓሳት፡ እንተላይ ምምስራት ናይ ዚዀነ ሓድሽ ሰፈራታት ኣብ ጥቓ እቲ ዶብ ኣብ ዚርከብ ቦታታት ካብ ምግባር ኪቝጠቡ፤ – UNSC Resolution 1430 (2002)

ኢትዮጵያ ንትእዛዝ ኮሚሽን ዶብ ጸማም እዝኒ ምሃብ ምስ ቀጸለት፡ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ምድራት ናይ 13 ሚያዝያ 2002 ንብምልኡ እቲ ዶብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ብዚምልከት ደምዳምን ቀያድን ኢዩ ብምባል ዳግም ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ፡ ከምዚ ዚስዕብ ሓጊጉ፡-

ኢትዮጵያ፡ ነቶም ብድሕሪ  ውሳነ ምድራት ዶብ ዚተበየነሉ ዕለት ኣብ መሬት ኤርትራ ዚሰፈሩ ኢትዮጵያዊ መበቈል ዘለዎም ሰባት ካብ መሬት ኤርትራ ምልጋስ ብምእባያ፡ ግዴታታ ኣየኽበረትን።” (EEBC: Determinations, 7 November 2002)

እምበኣርከስ፡ እዚ ዚተወሃሃደ ዚመስል ‘ተቓውሞታት’ ኣብ ‘ባድመን ከባቢኣን’ ብመንጽር’ቲ ብድሕሪ’ቲ ውሳነ ምድራት ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚተመስረተ ዘይሕጋዊ ዳግመ-ሰፈራታት ኪርአ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ንምታይሲ፡ እቶም ዚበዝሑ ህሉዋት ተቐማጦ ብድሕሪ’ቲ እቶም ቀዳሞት ወይ ደቀባት ኤርትራውያን ተቐማጦ ናብ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ኪቕይሩ ምስ ተገደዱ ወይ ካብ መበቈላዊ ዓድታቶም ተጠሪዞም ምስ ለቐቑ ናብቲ ቦታታት ከም ዚመጹ ተገይሮም ዚሰፈሩ ተጋሩ ስለዚዀኑ።

ብመሰረት’ቲ ነቲ ደምዳምን ቀያድን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምቕባል ብዘይ ቅድመ-ኵነት ንምትግባር ዚተወስደ ውሳነ ፈጻሚ ሽማግለ ህዝባዊ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኢትዮጵያ (ህሰደግኢ)፣ ኣካላዊ ምምልካት ዶብ ንምትግባርን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላማዊ ዝምድናታት ንምምላስን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሳዕቤናት ናይቶም ጥርዝያታትን ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ዞባዊ መንግስቲ ትግራይን ፍታሕ ከናዲ ይግባእ።  

 

3.    ምእንቲ ሕቡእ አጀንዳ ሕንፍሽፍሽን ዕውንውንን ምዝራእ

እቶም ብፍርዙናት ሰበስልጣንን ሰበስልጣን-ነበርን ህወሓት፡ ብማዕከናት ዜና ትግራይ፡ ብልፍለፋ ማሕበራዊ ማዕከናት (እንተላይ ብሓድሓደ ግጉያት መርበባት ሓበሬታ ኢንተርነት ኤርትራውያን) ኪዝርግሑ ዚጸንሑ መግለጺታትን መልእኽቲታትን ነቶም ካብ 1997 ኣትሒዙ ኣብ ጐደቦታት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ባይታ ኪኽሰቱ ዚጸንሑ ሓቅታት፡ ከከምቲ ዚምችኦም፡ ኪጐስዩ፡ ኪጥምዝዙ ወይ ብጌጋ ከቕርቡ ጸኒሖም።

እዚ ድማ ብፍላጥ ኰነ ኢልካ ነቲ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምትግባር ርጉእ ሰላም ንምምላስ ዚሕልን ተባዕ ተበግሶ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንምዕንቃፍ ዚዓለመ ኢዩ። ሎሚ ብሕሳብ ልዑል ረብሓታት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰነ ዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ኣስፋሕፋሒ ህርፋን ምስልሳል ኪግደፍ እዋኑ ኢዩ።

 

4.    መዋጥር ስቕታ ኢሳያስ

ኢሳያስ ንኵነተ ኣይሰላም፡ ኣይኲናት ነቲ ኣብ 1997 ዚጸደቐ ቅዋም ንዘይምትግባር ኰነ ሃገራዊ ምርጫታት ንዘይምክያድ ከም መመሳመሲ ኪጥቀመሉ ጸኒሑ ኢዩ። እንተላይ ነቲ ኣብቲ ናይ 1995 ኣዋጅ (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ጠውቕ) ብንጹር ዚተወሰነ ደረት ግዜ ናይ 18 ኣዋርሕ ብምጥሓስ፣ ንጡፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረትኣልቦ ንምግባር ከም መመኽነይታ ኪጥቀመሉ ጸኒሑ። ብጕልባብ ሃገራዊ ድሕነት፡ ስርዓት ኢሳያስ ንኵነተ ኣይሰላም፡ ኣይኲናት መንግስታዊ ስልጣን ንምብሓት ኰነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣረሜናዊ መድቈስትን ሓሳረ-መከራን ንምውራድ ኪጥቀመሉ ጸኒሑ ኣሎ። ስለዚ ድማ፡እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ቅባለን ዘይኵነታዊ ትግባረን ውሳነ ምድራት ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘቕረቦ መግለጺ ሃንደበት ኰይኑዎ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።

ምእላይ ኵነተ ኣይሰላም፡ ኣይኲናት ንጕልባብ ሃገራዊ ድሕነት ብምቕንጣጥ ንኢሳያስ ኵሉ ወዮ ኰይኑ ኣብ መዋጥር የእትዎ - በዚ ኢሉ ወይ በቲ፡ መጀምርያ ናይ መወዳእታ ምዝርዛር ምልኩ ኪኸውን ይኽእል። ዛጊት ብኣወንታ ኪምልስ ዘይምኽኣሉ ወይ ዘይምድላዩ ድማ ነጸብራቕ ናይ ሻቕሎቱ ኢዩ ኪኸውን ዚኽእል።

ኣብ ዚተፈላለዩ፡ ምስ ኢትዮጵያውያን ሰበስልጣን ፊት-ንፊት ዝተራኸብኩሉ ኣህጕራዊ ወይ ዞባዊ ኣጋጣሚታት፣ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስ ብምትግባር ሰራዊታ ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ እንተ እትስሕብ፣ ነቲ ምንጻፍ ካብ ትሕቲ እግሪ ኢሳያስ ምሰሓበት እናበልኩ ክገልጽ ጸኒሐ። ንኣመዓባብላ ናይቶም ሕጂ ኣብ መድረኽ ዚቀላቐሉ ዘለዉ ታሪኻዊ ዳይናሚክስ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፣ እቲ ስርዓት ብናይ ገዛእ ርእሱ ምናወራ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ዚተቐርቀረ፣ ኢሳያስ ድማ፡ እንተገበረ ወዮ እንተዘይገበረ ወዮ ኰይኑዎ፡ ኣብ መዋጥር ዚኣተወ ይመስል።

ኣሸበሸብ፡ ይግበር ኣይግበር፡ ድጋመት ውድቀቱ ከይከውን ስግኣት ከይሓደሮ ኣይተርፍን። መዋጥር ኣጋጢሙዎ ኣሎ፣ ምጽኣት መፈለምታ ናይ መወዳእታ ስርዓቱ ኪኸውን ስለዚኽእል። ምስ ደረት ትርኢት ምጽንቃቕ ኵነተ ኣይሰላም፡ ኣይኲናት፡ እቲ ስርዓት ከምቲ ቀደሙ ኪገዝእ  ወይ ኪኸይድ ኪምዝምዞ ዚኽእል ምስምስ የለን። ኤርትራ ነቲ ብኣማእት ኣሽሓት ዚቝጸር ኣብ ድፋዓት ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮፍ ኣቢሉ ዘጽንሕ ዚዀነ መመኽነይታ ኣይክህሉን ኢዩ። እቲ ኢሳያስ ዘዕነዎ ቍጠባ ኤርትራ ኣመና ድኹምን ሰንኮፍን ስለዚዀነ፡ ምጥያስ ሰራዊት ከጣጥሕ ይዅን ናብቲ ዚድለ በርጌሳዊ ህይወት ከሰጋግር ዘኽእል ዓቕሚ የብሉን።

ብኻልእ ወገን፡ እቲ ነቲ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚበየኖ ደምዳምን ቀያድን ውሳነታት ምድራትን ምምልካትን ዶብ ዚምልከት፣ ብተደጋጋሚ ኪገላበጥን ብቐጻሊ ኪቀያየርን  ዚጸንሐ ታሪኽ መርገጺታት ኢትዮጵያ ዚፈጠሮ ኣዝዩ ዓቢ ዘይምትእምማን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ንኤርትራውያን ምርኣይ ምእማን ኪኸውን ኢዩ። ስለዚ፡ ኤርትራውያን ኢትዮጵያ ውሳነኣ ኪትትግብር፡ነቲ መግለጺኣ ብጭቡጥ ግብሪ ከተሰኒ ኣብ ትጽቢት ኣለዉ። 

ብዚተረፈ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኰነ መብዛሕትኦም ላዕለዎት  ሰበስልጣን ኤርትራ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተስፋ ናይ ርጉእ ሰላም ዚህብ ይዅን ናብቲ ንነዊሕ እዋን ተሓሪሙዎ ዚጸንሐ ዚሓሸ ህይወት ናይ ሓርነት፡ ደሞክራስን ራህዋን ዘምርሕ ኣንፈት ምርካቡ ሕጉስ ምዃኑ ጥርጥር የልቦን። 

 

5.    ጕዕዞ ንቕድሚት ናብ ርጉእ ሰላም

ሓቀኛ ፖለቲካዊ ድሌት ምስ ዚህሉ፡ እቲ ጕዕዞ ንቕድሚት ቀሊልን ቀጥታውን ኢዩ። ምሉእ ቅበላን ዘይኵነታዊ ትግባረን ማለት፡ ብመሰረት’ቲ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመንገዲ ጀኦመትራዊ መወከሲታት ዚገበሮ ምድራት (virtual demarcation or demarcation by coordinates)፡ ቀጥታዊ ምንስሓብ ሓይልታት ኢትዮጵያ ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ፣ ምፍራስ ናይቲ ካብ ሓምለ 2002 ኣትሒዙ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ዚተመስረተ ናይ ትግራይ ዳግመ-ሰፈራታት፣ ንምምላስ ናይቶም ዚተጠረዙ ኤርትራውያን ናብተን ኣብ ‘ባድመን ከባቢኣን’ ዚርከባ መበቈላዊ ዓድታቶም፣ ማለት ኢዩ። እዚ ስጕምቲ’ዚ ነቶም ብጠንቂ’ቲ ዶባዊ ግጭት ዚተላዕሉ ዘይተፈትሑ ጕዳያት መዕለቢ ንምግባርን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንቡር ዝምድናታት ንምምላስን ዘኽእል ክልተኣዊ ልዝብ ንምክያድ መንገዲ ዚጸርግ ይኸውን።