All updates

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

20/06/2022

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ክፍለዓለምና ኣፍሪቃ መዘናኣልቦ ብረታዊ ቃልሲ ብምክያድ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን መቊሑ ዘሳቐዮ ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓንሳብ ንሓዋሩ በንጢሱ፣ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ክውንቲ ገይሩ። እቲ ሓያሎ ኤርትራዊ ወለዶታት ዘሳተፈ፣ ብተወራረስቲ ዓቐበ-ቍልቍለታትን ክብ-ለጠቓትን ዚሓለፈ፣ ህይወትን ኣካላትን ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ዚበልዐ ዕዉት ቃልሲ ኣዝዩ ጽንኩርን መሪርን፡ ግን ከኣ፡ ኣዝዩ ዘሐብን ብጹእ ኤርትራዊ ታሪኽ ኢዩ። እምበኣርከስ፡ 20 ሰነ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን መታን ኪሰፍን፣ ኤርትራ መታን ኪትትስእን ኪትስስንን፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ መታን ናጻን ሓራን ኪኸውን ዚተበጀዉ ጀጋኑ ሓርበኛታት ብሕልና ዘመጕሰላ ፍልይቲ ዕለተ-ዝኽሪ ሰማእታትና ኢያ።

ምስ ግዜ፡ ነቶም መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራ ከም ሃገር፡ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኤርትራ ከም ህዝቢ፡ ኣብ ምርግጋጽ ዚወደቑ ጀጋኑ ሓርበኛታት፣ እቶም ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ህይወቶም ዚወፈዩ ጀጋኑ ሓርበኛታት ተሓዊሰሞም። ጀጋኑ ሰማእታትና ብክቡር መስዋእቶም ምስረታን ቀጻሊ ህላወን ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ኣረጋጊጾም። ህይወቶም ከፊሎም፡ ብቐይሕ ደሞም ጅግንነታዊ ታሪኽ ዘመናዊት ኤርትራ ጽሒፎም። ክንድ ዚዀነ፡ 20 ሰነ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ንዅሎም እቶም ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ክቡር ህይወቶም ዚኸፈሉ ጀጋኑ ሰማእታትና ብሓበን ዚዝክረላ ፍልይቲ ዕለተ ዝኽሪ ኢያ።

ርግጽ፡ ሰማእታትና ኣብ መሬት ኤርትራ ብቐዳምነት ምእንቲ ናጽነት፡ ሓርነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ኢዮም ተበጂዮም። ይዅን’ምበር፡ ክንየው ኤርትራ፡ ንሓርነት ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ እጃም ኣንበሳ ኣበርኪቶም ኢዮም። ደሞም ኣብ ኢትዮጵያ - ኣብ ትግራይ፡ ኣብ በገምድር፡ ኣብ ወሎ፡ ኣብ ሽዋ፡ ኣብ ወለጋ፡ ወዘተ. - ፈሲሱ፣ ኣዕጽምቶም ተኸስኪሱ። ምልካዊ ግዝኣት ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ኣብቂዑ ኣብ ኢትዮጵያ ባና ሓርነት ንኪዅላዕ ወሳኒ ተራ ተዋሲኦም።

ምጽኣት ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ንገዛእ ርእሱ ዕዙዝ ታሪኻዊ ፍጻሜ ኢዩ። እዚ ዕዙዝ ታሪኻዊ ፍጻሜ’ዚ ግን፡ ንሱ ንበይኑ ናይ መወዳእታ ዕላማ ዘይኰነስ፣ እንተላይ ከም መንጠሪ ባይታ ናብ ምስረታ ናይ ሓደ መሰረታዊ ሓርነታት ዘጐናጽፍ፣ ልዑላዊ ስልጣን ህዝቢ ዘረጋግጽ፣ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ዘስፍን ቅዋማዊ ምሕደራ ንኪኸውን ኢዩ ነይሩ። ብቐንዱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ናይ ምሉእ ፖለቲካዊ፡ ሰብኣዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መሰላቱ ከም ዚኸውን ንምግባር ዚዓለመ ኢዩ ነይሩ።

ሎሚ መዓልቲ ጀጋኑ ሰማእታትና ኣብ እንዝክረሉ ዘለና ዕዙዝ ኣጋጣሚ፣ መስዋእቶም ንምድባስ፡ ክንየው ብምስትንታን ምዝካር ክንሓሳብ ህጹጽ እዋናዊ ሓላፍነት ኣለና። ነቲ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ ግዝኣት ተገላጊላ መታን ኪትትስእን ኪትስስንን፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሓራ ህዝቢ ኰይኑ መታን ብሰላም፡ ብክብረት፡ ብቅሳነት፡ ብራህዋ ኪነብር ክቡር ህይወቶም ዚወፈዩሉ ብጹእ ዕላማ ክዉን ንምግባር ብግዝኣተ-ሕጊ ዘመሓድር ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ብምሉእ ዓቕምና ንምቅላስ መብጽዓና ከነሐድስ ይግባእ።

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!