All updates

ውዕሎ ፈንቅል

10/02/2024
ውዕሎ ፈንቅል
 
 
ፈንቅል’ወ ሓራ ዝገበርካ ጎላጉል ሰምሃር ምስ ባሕራ
ኣኽሊል ናጽነት ዝደፋእካላ ንምጽዋዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ
ተበሃጊት ወደብ ምስ ገማግም ባሕራ
ካባ ሰላም ዘልበስካያ ጸሪግካ መግዛእታዊ መከራ
ሰበርካዮ’ወ ትምክሕቲ ገዛእቲ ምስ ካዕቦ ፈኸራ
ኣርዓድካዮም’ወ ጀነራላት ዓመጽ ሰብ ጽሩራ
በታተንካዮም ሰብ ጃህራ ካራማራ
ሓነቕካዮም’ወ ገበርካዮም ዓፍራ።
 
ፈንቅል ሓበን ኵርዓት ኢኻ ንህዝብኻ
ኣርዓዶም ኢኻ ንጸላእትኻ
ፈጻሚ ሕድሪ ሰማእታትካ
ነቶም ዝወደቑ ኣብ ጨው ሳሊና እናበሉ ሓደራኻ
ተወፊኻ ንመስዋእቲ ከተተግብር መብጽዓኻ።
 
ምጽዋዕ ዓይኒ ኣባይ ዘይፍለየኪ ሒዙ መከራ
ፍሉይ’ዩ ቦታኺ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ።
 
ዓይንኺ ዝረኣዮ ጅግንነት
ንስኺ ብተስፋ ንሱ ብተወፋይነት
ንስኺ ብሃንቀውታ ንሱ ብሕነት
ህያው ኰይኑ ብስርሒት ፈንቅል በዓል ሕድሪ እምነት።
 
ፈንቅል’ወ ስቓይኪ ቀቢሩ ኣሲሩልኪ ጋማ
ህዝቢ ክቐስን ረኺቡ ጻማ
ዳግማይ ፈንቅል ነበግስ ንሓርነት ብዕላማ
መናእሰይ ክመሃሩ ክዀኑ ሃነጽቲ ከተማ
ከበርክቱ ንምዕባለ ኤርትራ ከም ዓለማ
ወደብኪ ክህነጽ ብግርማ።
 
ከተማታትና ክዓስለን ናይ ሓጎስ እልልታ
ኲናትን ህውከትን ክትክኣ ብሰሓቕ ዋዕዋዕታ
ወለዲ ደቆም ከምህሩ ብደስታ።
 
ከተእንግዲ መራክብ ክትኰኒ ማእከል ብልጽግና
ጽርግያታትኪ ክልበጡ ብቕጥራን
ክስለሙ ብዕንባባ ሱሻን
ዝዓንወ ህንጻታትኪ ክህነጽ ብውጥን።
 
ሕድሪ ፈንቅል ክንፍጽም ሓቢርና
ንቃለስ ኣንጻር ምልኪ ሰሚርና
ህዝብና ክቐስን ክትምዕብል ሃገርና።
 
- አልጋነሽ ተወልደ

[:swvar:text:838:]