All updates

ውዕለት ሰማእታት

19/06/2023

ውዕለት  ሰማእታት

 

ኣንታ ስዉእ በዓል ግርማ ተጋዳላይ፡

ትረኣየኒ’ለኻ ዕጥቅኻን ጋምባለኻን ብሕልናይ፡

በጃ ህዝቢ ዝሓለፍካ ምእንቲ ሰናይ፡

ንእስነትካ ከየስተማቐርካ ብምዉፋይ፡

ኣሕሊፍካ ዘይትህብ ንመንደላይ።

 

ካብ ይከኣሎ ኣርኪቡ ንዋርሳይ፡

ከየዕረፈ ዝዛሪ ዘሎ ዳግማይ፡

ሃገር ከይትድፈር ብካሕዳይ፡

ዘለካ ዝሃብካ ከይበልካ ንዓይ።

 

ጸላእትኻ ብስምካ’ዮም ዝርዕዱ፡

ዘይነበረ ሓዊ ክኣጓጉዱ።

 

መንፈስካ ሃዊጹዎም ከይድቅሱ፡

መካነ ዕረፍትኻ ከፍርሱ፡

ታሪኽካ ክድምስሱ፡

መሲሉዎም ብሰላም ዝህርሱ፡

መስዋእትኻ ንብላሽ ክርምሱ።

 

ዘልኣለማዊ ህያውነትካ ዝሰሓቱ፡

ሓለምቲ’ዮም ክነብሩ እናሃውተቱ።

 

ኣብቲ ኣየር፡  ኣድማስ መንፈስካ ምስራቡ፡

 

ኣዕጽምትኻ ምዃኑ ረመጽ ጸላእቱ፡

ደምካ ሰልሚ ብቱኻት ጎረበቱ።

 

ዝወደቕካሉ ርስቲ ክምንዝዑ፡

ሰላምካ ዘሪጎም ዝርንዝሕ ዝነብዑ፡

ሓዊ ወሊዖም ገበታ ዘጕርዑ፡

መጺዮምኻ’ምበር ኢልካዮም’ዶ ንዑ፡

ከድካዮም’ዶ ዓዲሞም ዘላኽዑ።

 

ዘይነበሮም ታሪኽ ክምህዙ፡

መዝሙር ሓደ ኢና መሃዙ፡

ዓለማዊ ካርታ ክጥምዝዙ፡

ሕልሞም’ዩ ታሪኽካ ክብርዙ

ነበረያ ነበረ ክገብሩ፡ ሰራም ዚመዘዙ።

 

ውልቀመላኺ ብትዕቢት እንተዓበደ፡

ናይ ታሪኽ ሒቕታ’ዩ ምልኪ እንተሰወደ፡

መብጽዓኻ ተጠሊሙ እንተተኻሕደ።

 

ዕላማኻ ተሳሒቱ እንተተጨውየ፡

ህዝብኻ ተዳሂኹ እናእወየ፡

መዓልቲ ክመጽእ’ዩ ክኸውን ወየ ወየ፡

እወ መዓልቲ ክመጽእ’ዩ ክኸውን ወየ ወየ።

 

ጸጽባሕ ክጕሕጕሕ ኣባጽሕ ሃገር፡

ጥምርቲ ስድራ በቲኑ ከባርር፡

ልቢ ወለዲ ክሰብር፡

ሓዳር መንእሰይ ከቝርር፡

ተስፋ ወለዶ ክዅምትር፡

ዘይረዊ ሸውሃቱ ከመቅር።

 

ልቢ ህዝቢ ደዊኑ ዘኽሓነ፡

ደቁ ሂቡ ክብረቱ ዝሰኣነ፡

ኣይንሕፎን’ዩ ምስ ደለዎ ኣነ ብኣነ፡

ከቶ ኣይነብርን’ዩ፡ ወለዶ እናኣበርዓነ፡

ከቶ ኣይነብርን’ዩ፡ ወለዶ እናኣበርዓነ።

 

ደቂ ሕድሪ ኣዘኽቲሙ እንተሃጠረ

ሃብቲ ሃገር ጓሕጒሑ እንተዓመረ

ህዝቡ ዝረገጸ ክድርበ’ዩ መን ምስ ነበረ፡

እወ ህዝቡ ዝረገጸ ክድርበ’ዩ መን ምስ ነበረ።

 

ኣሽካዕዕላል ከብቅዕ ላግጺ ብመስዋእቲ፡

ስድራ ከተዕርፍ ካብ ምስቃል ምስክር መስዋእቲ፡

ክትካእ ብመዓርግ ዲግሪ ትምህርቲ፡

ሃገር ሰላም ክረክብ ክንስነስ ሰቲ።

 

ውዕሎኻ ቅዱስን ብጹእን’ዩ፡

ኣይትንክፎን’የ ኣዝዩ ረዚን’ዩ፡

ኣይጽሕፎን’የ ከይብልሎ፡ ክቡር’ዩ

ከየራኽሶ ህያው’ዩ፡

ትረኻ ንሰብ ውዕሎ’ዩ

ስነዳ ግደ ደረስቲ’ዩ።

 

ዘየምቲ ዘምሩሉ በሉዎ ሳላኻ ከቢርና፡

ሃነጽቲ ህነጹሉ ሓወልቲ ክብሪ ንታሪኽና፡

ክቐስኑ ሰማእታትና፡

ክከሓሱ ተቓለስትና፡

ክዀርዕ መጻኢ ወለዶና ፡

ክንቀስን ክንሕበን ዘለና፡

ሓቢርና ክንድብሶ ህዝብና።

ሳላኹም ኣንበልቢልና ባንዴራና፡

 

ክብርን መጐስን ንስዉኣትና፡

ወትሩ ኣብ ልብና

 

– ኣልጋነሽ ተወልደ