All updates

ውርሻ ብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ንዓቅብ!

30/08/2018
ውርሻ ብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ንዓቅብ!


ብኣጋጣሚ ጽንብል ሓደ መስከረም፡ መበል 57 ዝክረ-ዓመት ጅማረ ብረታዊ ቃልሲ ሃገራዊ ሓርነት፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ምዉቕ ዮሃና!

እቲ ኣብ መስርሕ ናይ 30 ዓመታት መሪር ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ፡ ጽንኩራት መሰናኽላት ሰጊሩ፣ ዚተሓላለኹ ብድሆታት መኪቱ፣ መዘና-ኣልቦ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ፣ ዓቢይ ታሪኻዊ ዓወት ዘመዝገበ ህዝቢ ኤርትራ፤ ሎሚ፡ ድሕሪ 27 ዓመታት ናጽነት፡ ኣብ ደሞክራሲ፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ኣኽብሮት መሰላት ደቂሰብ ዚሰፈና ሃገር ብሰላም፡ ቅሳነት፡ ፍትሕን ራህዋን ኪነብር ምተገብአ። ኰይኑ ግን፡ ድሌቱን ባህጉን ኣይሰመረሉን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንቐጻሊ ህላወ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክስተት ይገሃድ ኣሎ። ክንዲ ዚዀነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ሎሚ፡ ልዑላዊ ናጽነት ሃገሩ ዓቂቡ፣ ነቲ ግዝኣተ-ሰብ ዚፈጠሮ ተጻይ ክዉንነት ብስሩ ብምቕያር፣ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ ምቅላስ ይርከብ።

ኣብዚ መበል 57 ዝክረ-ዓመት ጅማረ ኲናት ሃገራዊ ሓርነት ዚጽንበለሉ ዘሎ እዋን’ዚ ብፍላይ፡ መሰረታዊ ዕላማታት ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ንምምላስ ኰነ ነቲ ዚዓበየ ውርሻ ሰማእታትና ዚዀነ ልዑላዊ ናጽነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገርና ንምዕቃብ፣ ሎሚ ዝያዳ ትማሊ፡ ንቕሓት፡ ስምረት፡ ትኩርነት፡ ተዓጢቕና ንቃለስ። ነቲ ንቐጻሊ ህላወ ናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓድሽ ድነ ስግኣት ብጽንዓት ንምምካት ሃገራዊ ግዴታና ንሰከም። ኣብዚ ንኣበጋሲ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና፡ ጅግና እድሪስ ሓምድ ዓዋተን ብጾቱን፡ እነኽብረሉ ኣጋጣሚ ድማ፡ ነቶም ስም ናይቲ ሃገራዊ ጅግና ሰማእት እናተጠቕሙ ወይ እናጸውዑ፣ ነቲ ዚተቓለሰሉ ዕላማ ዚጻረር፣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኰነ  ስምረት መሳርዕ ሃገራዊ ተቓውሞ ንምልሕላሕ፣ ከፋፋሊ ጕጅላዊ ፕሮፓጋንዳ ዘሳስዩ፡ ጐድኒ ንጐድኑ፡ ጸለመ ሓርበኛታት ዘሰላስሉ ሕሱራት ናይ ፖለቲካ ሸቃጦ ወጊድ ንበል።