All updates

ክቡር ኣዝማች በርሀ ታሪኽ ሂወቶምን ፍትሐዊ ዳንነቶምን፡ ጅግንነት መስዋእቶምን!

01/03/2019
ኣብቲ ኤርትራ፡ ንጣልያንዶ፣ ንእንግሊዝ መግዛእቲ? ንኢትዮጵያ'ዶ ንሱዳን ትመቐል? ኣብ ዝተባህለሉ ወቕቲ፡ ብ18 ለካቲት 1947 ዓ.ም "ኤርትራ ንኤርትራውያን" ካብ ዝመስረቱ ሓደ ኣዝማች በርሀ ኢዮም፡፡ ብፕረሲደንተ ማሕበር ኣንድነት ደጊያት በየነ በራኺ ንዝተጻሕፈሎም ምሕጽንታ ብምንጻግ ድማ ብ 26-6-1949 ዓ.ም ውድብ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ ካብ ዘቖሙ ተባዓት ደቂ ሃገር ሐደ ኣዝማች በርሀ እዮም ነይሮም። ጅግና ኣዝማች በርሀ ብውግዘት አቡነ ማርቆስ ከይተዳናገሩ ብፈኸራ መራሕቲ ኣንድነትን ሸፋትኦምን ከይተሸበሩ፤ ብናይ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ሽርሕታት ከይተዳህሉ ኣባ መርዚ እምቢ ንሃገር ኣይሕበልን ኢሎም ብ10 መጋቢት 1950 ዓ.ም ውዲታቶም ብቓልን ብጽሑፍን ብምቅላዕ፡ መትከል ሃገራዊ ናጽነት ውድቦም፡ ብትሪ ዘነጸሩ ሐርበኛ ኢዮም፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብ 16 ጉንበት 1950 ዓ.ም ወጋሕታ፡ ባንደራ ኢትዮጵያ ኣምሪሖም ብአስረሰሄይ እምባየ ዕባይ ዓረዛ (ትግራዋይ) ተመሪሖም ኣብ መንበሪ ቤቶም ሐደጋ ስለዝወደቑዎም ኣብ 58 ዕድሜኦም፡ ምስ ብላታ ገብረኣብ ተወልደብርሃንን ብርሃነ ገብሩን፡ ሳልሳይ ርእሶም ጽዋእ መስዋእቲ ተቐበሉ።