All updates

እገዳ ሕቡራት ሃገራት ተላዒሉ፡ ዮሃና! ካብ እገዳ ኢሳያስ የገላግለና!

26/11/2018

እገዳ ሕቡራት ሃገራት ተላዒሉ፡ ዮሃና! ካብ እገዳ ኢሳያስ የገላግለና!

ብደስበለ መሓሪ 

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተበየነ ናይ ዕደጋ ኣጽዋር፥ መገሻ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን  ንብረቶምን ዝምልከት እገዳ ተላዒሉ፣ ብታሕጓስ ዝውቃዕ ዘሎ ከበሮን ዝረአ ዘሎ ቅጥዒ ዘይብሉ ዝላን ዕንደራን ንግዜ ምግዳፍ ይሓይሽ። እቲ እገዳ ስለምንታይን ከመይን ተወሲኑን ከመይ'ከ ተተርጉሙን ብዙሕ ተዘሪብሉን ተጻሒፍሉን ስለዝኾነ ምድጋሙ ጊዜን ጉልበትን ኣንበብቲ  ምጥፋእ ከይከውን ክሰግሮ መሪጸ ኣሎኩ። እቲ ሎሚ ከተኩረሉ  ደልየ ዘሎኹ ጉዳይ እቲ ሰዓብቲ ስርዓት ኢሳያስ ደጋጊሞም ዘተንብህዎን ዝትስፈውሉን ዘለዉ ናይ ለውጢ ሕቶን ቁጠባዊ ህንጸት ሃገርን ክኸውን ኢዩ።

ሓቂ ኢዩ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ዕስራ ዓመታት "ኣይ ኲናት፡ ኣይ ሰላም" ሃውሁ ተዛዚሙ፥ መስርሕ ሰላምን ናይ ውዕላት ምፍርራምን ብቕልጣፌ ክሰላሰል ይርአ ኣሎ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከተማታት ኢትዮጵያ እናማረጸ ምምልላስ ዝውቱር ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ናበይ ከምዝኸውን ኣይፍልጥን'ምበር ቀጻሊ ዑደት ክህሉ ከምዝኽእል'ውን ምእማት ካብ ሓቂ ምርሓቕ ኣይከውንን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እገዳ ሕ.ሃ. ተላዒሉ ኣሎ። ብመጎታዊ ኣዘራርባ መሰረት፥ እቲ ኣብ ኤርትራ ንሕጊ ዝምእዘዝ ስርዓት ከይነግስ፥ እሱራት ከይፍትሑ፥ ገደብ ኣልቦ ኣገልግሎት ሕጋዊ መኣዝኑ ከይሕዝን፣ እቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ቍጠባዊ ሰረት ሃገርና ትንፋስ ከይመልስን ጕልባብ ኮይኑ ዝጸንሐ እገዳታት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክለዓልን ሽግር ኤርትራ ኩሉ ክፍታሕን ብዙሕ ኤርትራዊ ዝጽበዮ ዘሎ ክውንነት ኢዩ። እንተደኣ ክዉን ኮይኑ ብዙሕ ጻዕርን ግዜን ዝሓትት ምዃኑ'ውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቶም ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ምድራዊ ኣምላኽ ዘምልኽዎን ዝኣምንዎን ናብቲ ለዋህ ህዝብና  ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ መልእኽቲ ነዚ ዝመስል ኢዩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝተዛረቦ ዘረባን ዘርኣዮ ዘሕፍር ባህርያትን፥ ርእዮም ከምዘይረኣዩ፡ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ፡ ክሓልፍዎ ደልዮም'ምበር እቲ ዝህቦ ምልክታት ናብቲ ንሳቶም ዝሓስብዎ ዘምርሕ  ኣይኮነን። ወይድማ እተን ለወሃት ኣዴታት ዝብልኦ ዘለዋ "እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከሎ ጡፍ ጡፍ ኢሎም ዝተቐበልዎን ካባታት ዝኸደንዎን ዓበይቲ ዓዲ ስለዝፈወስዎ'ምበር" ከምኡ ኢሉ ክዛረብን እቲ ዘርኣዮ ተግባራት ከርእን ኣይክእልን ኢሎም ከመኽንይሉ እንተዝፍትኑ'ኳ ምሓሸ። እቲ ሓቂ ከምዚ ኣደታት ዝብልኦ እንተደኣ ኮይኑ፣ ወይ ናብቶም ናይ ዓዲ ያዕቆብ ጠንቋሊ ወይ ድማ ናብቶም ዓማውልቱ ካልኦት ከይዱ ክፍወስ ምምካር ከድሊ ኢዩ።

እቲ ዝገርም ግን እዞም ጉጅለ ኣምለኽትን ሰዓብትን ኢሳያስ ኣብዚ ዝሓለፈ ነዊሕ ናይ ታሪኽና ጉዕዞ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ሓቅታት ኣዛሚዶም ብሓንጎሎም ክመዝንዎን ክመራመርሉን ዘይምኽእሎምን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ለውጢ ክምጽወተሎም ይጽበዩ ምህላዎም ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን፡ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስትን ሃገርን ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ዜጋታት፣ ኣብ ኢሳያሳዊ ኣምልኾት ዘይኣምኑ፣ ብሃገራዊ ሓልዮትን ሓላፍነትን ተደሪኾም፣ ሓደ መዓልቲ ራህዋ፡ ሰላምን ሃገራዊ ትንሳኤን ክመጽእ ምዃኑ ኣሚኖም ብተስፋ ዝነብሩን ዝሰርሑን ምህላዎም ዓቢ ተስፋ ኢዩ። እታ ሓንቲ መዓልቲ ድማ ቀሪባ ከምዘላ ከይተገንዘብዋ ዝተርፉ ኣይመስለንን።  ለውጢ ብትምኒት ጥራይ ክመጽእ ከምዘይኮነ፣ ኣብ ክውንነት ዝተሞርኮሰ ቃልስን ልዑል ተወፋይነት መስዋእትን ከምዝሓትት ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ክሳብ ሎሚ ጉልባብ ኮይኑ ዝጸንሐ ዕንቅፋታት ተቐንጢጡ ስለዝኮነ፣ ናይ ለውጢ መስርሕ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ክምጽወት እግርን ኢድን ኣጣሚርካ ምጽባይ፣ ልውህናን ዕሸልነትን ጥራይ ምዃኑ ምስትውዓል ኣድላዪ ኢዩ። ብዛዕባ መንነት ኢስያስ ኣፈወርቂ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ትምህርቲ ክንወስድ ይግበእና።

እቶም መተዓብይቱ ዝትርኽዎ ናይ ንእስነቱ ታሪኽ ገዲፍና፣ ኣብ ቃልሲ ካብ ዝተጸንበረሉ ግዜ ጀሚርካ ዘሎ ናይ 52 ዓመታት ግዜ፣ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ደቂ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብቐረባ ዘዛረብዎ ወጻእተኛታትን ካብ ዝገልጽዎን ካብ ንባብን ትዕዝብትን ተበጊስካ ዝተዋህለለ ኣፍልጦ ስእሊ ባህሪ ኢሳያስ ምግምጋም ኣገዳሲ ኢዩ።

እንተ ተበዲሀ ዝያዳ ዘይዕጸፍ(stubborn)፣ዝያዳ ደረቕ (rigid) ኢየ ዝኸውን፣ብጣዕሚ ስምዒታዊ ኢየ፣" Isayas Afeworki quoted in Dan Connell, Against all odds: a chronicle of the Eritrean Revolution, 1997, p 173

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብትዕቢት ዝሓበጠ፣ ብመንፈስ ኣነ እፈልጥን መን ከማይን ዝተመረዘ፣ ዘይርጉእን ዘይቅሱንን ኣእምሮ ዝውንን፣ኣብ ነብሱ ንዝቐርብ ነቕፌታ ከም ገበን ዝቘጽር፣ ንሽግር ብዘተን ዲፖሎማሲን ምፍታሕ ከም ስዕረት ዝወስዶ ፣ ተጠራጣርን ኣብ ካልእ ሰብ ምትእምማን ጨርሹ ዘይብሉን፣ ሕድገት ዘይፈልጥ ብድርቅና ዝተማረኸ፣ ሊበራላዊ ደሞክራሲ ኣዝዩ ዝጸልእ፣ ጨካንን ቂምተኛን ምዃኑ ብዙሓት ዝምስክርዎ ሓቂ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ግብሪ ብዘርኣዮ ባህርያት ብዙሕ ኤርትራዊ ዜጋ ዝተገንዘቦ ሓቅታት ኢዩ። እዚ ባህርያት'ዚ እቶም ብፍቕሩ ዝዓወሩን ኣምለኽቱን ጨሪሾም ከም ዘይግንዘብዎን ከም ዘይተመህርሉን ከይተደቀሰ ዝተሓልመ ኢዩ። እታ ክንልግሰሎም ንኽእል ምኽሪ፣ እቶም ኣሚነሞ ተጋዲሎም ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ዝማስኑ ዘለውን፣ ይምቱ ይሃልዉ ዘይተፈልጡን ሃገራውያን ጀጋኑ፣ ኣብ ፈቐዶ ስደት ብጥልመት ኢሳያስ እናኣስቈርቈሩ ዝነብሩ ዘለዉ መራሕትን ተጋደልትን፥ ከምኡ ድማ፡ "ካብ ዚኦምስ ደርጊ ምሓሸና" እናበለ ክራገም ዝውዕል ዘሎ ህዝብናን ትምህርቲ ክወስዱ ምሕባር ጥራይ ኢዩ።

እዚ ባህርያት'ዚ ምስ ስነኣእምሮኣዊ ኣተሃናንጽኡ ዝተኣሳሰረ ምንባሩ እቶም መተዓብይቱ ዝገልጽዎ'ኳ እንተዀነን፣ ኣብ ገለ እዋናት'ውን ብልጭ ዝብል ምንባሩ ክሕበር እንተጸንሐን፣ ብዝያዳ ጐሊሑ ክርአ ዝጀመረ ግን ካብ ምንቅስቓስ ጉጅለ 15 ኣብ 2001 ኢዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ቅድሚኡ ግን; እቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ ሳልሳይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተለሞ ረቂቕ ውዲት ምግንዛብ ኣገድሲ ይኸውን። "እዚ ውድብ'ዚ ሓዱሽ ደም፣ ሓደስቲ መራሕቲ የድልይዎ ኣለዉ" ዝብል ቅቡልን ቅኑዕን ዝመስል ሓሳብ ብምጭራሕን፣ "ምድርራብ ሓላፍነታት ኣብ መንግስትን ውድብን ንስራሕ ኣሳልጦ ዕንቅፋት ከምዝኾነ" ብምእማንን፣ እቶም ክውጥርዎን ክወዳደርዎን ዝኽእሉ ነባራት ተቓለስቲ ካብ ፈጻሚ ኣካል ውድብ ከምዘግለሉ ገበረ።ብስም "ሓድሽ ደም" ኣብ ቃልሲ ነዊሕ ተመኵሮ ዘይነበሮም፣ ክቃወምዎ ዘይደፍሩ ምእዙዛት "መንእሰያት" ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ናይቲ ውድብ ኣምረጸ። እቲ ክሳብ እቲ እዋን'ቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሕቡእ ሰልፊ ከምዝፈረሰ ብምእዋጅ፣ ስልጣን መንግስቲ ናብቲ ንሱ ብቐሊሉ ኪቈቆጻጸሮ ዝኽእል ፈጻሚት ሽማግለ ውድብ ብምስግጋር፡ ነቲ መንግስታዊ ትካላት ከልምሶ ጀመረ። ፖለቲካውን ቍጠባዊን መዝነት ትካላት መንግስቲ ናብ ውድባዊ መሪሕነት (ፈጻሚት ሽማግለ) ብምዝምባል ብዘይ ተቓውሞ ምልካዊ ኣመራርሓ ንምስፋን ባይታ ከጣጥሕ ጀመረ።

ጉጅለ 15 ዘቕረብዎ ጠለብ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ክካየድን ህልውን ሕሉፍን ኵነታት ሃገርን ውድብን ተገምጊሙ ናብ ሓድሽ መድረኽ ንምእታውን ቅዋም ንምትግባርን ዘድሊ ስትራተጂ ክንሕጽጽ ዝብል ምንባሩ ሰነዳት ዘብርሆ'ኳ እንተኮነ፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ክብሩ ዝተደፍረን ስልጣኑ ዝተተንከፈን ስለዝመሰሎ፣ ኣብ ክንዲ ዘተ ሓይሊ መሪጹ ኣብ ዕራዒሮ ክዳጉኖም ወሰነ። ደገፍቲ ኢዮም ዝብሎም'ውን ኣሰረ። ጋዜጣታት ብምእጋድ ኣዳለውቲ ጋዜጠኛታት'ውን ብምቕፋድ ጸረ ዲሞክራሲ ባህሪኡ ኣረጋገጸ። በቲ ዝተዘርግሐ ጽሑፋትን ዝተፈጥረ ምብርባርን ክሳብ ሽዑ ብህዝቢ ብዙሕ ዘይፍለጥ ዝነበረ እከይ ተግባራቱን ባህርይኡን ስለዝተቐልዐ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ቂምትኡን ቅርሕንቱን ንምውጻእ ናይ ምዕናውን ምፍራስን ውጥኑ ኣበገሰ። ኩሉ ትካላት መንግስትን ውድብን (ሃገራዊ ባይቶ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ማእከላይ ባይቶ ህግደፍ . .  .) ብምድስካል ምልካዊ ስርዓቱ ከስፍን ተተሓሓዞ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ዘስምዑ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ጉልባብ እናፈጠረ ክኣስርን ክቐትልን ጥጡሕ ባይታ ኣንጺፉ ይቕጽሎ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ብፍቕሪ ዶክተር ኣቢይ ተማሪኹን ብጽልኢ ህ.ወ.ሓ.ት. ተላዕጢጡን ዘካይዶ ዘሎ ምንቅስቓስ'ውን ኣብ ዘይንደልዮ ደልሃመት ክወስድ ከምዝኽእል ምጥርጣር ባህሪ ኢስያስ ካብ ምግምጋም ዝብገስ ግምት ኢዩ። ምስ ብሄራት ኣምሓራን ኦሮሞን ተሻሪኹ ናብ ህዝባዊ ወይኔ ሓርነት ትግራይ ዘተኮረ ውዲታት ይኣልም ከምዘሎ ንዅሉ ብሩህ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ዘይንቡር ፖለቲካዊ ኪዳን'ዚ ኣብ ዝምድና ትግራይን ኤርትራን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ቀሊል ኣይክኸውን ኢዩ። ደጋጊሙ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምርግጋእ ኵነታት ኢትዮጵያ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ እናበለ ዝዝርግሖ ዘሎ መልእኽቲ ናብ ምድምሳስ ህ.ወ.ሓ.ት ዝእምት ምዃኑ ምግንዛብ ዘሸግር ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን'ዚ ቀዳማይ ዕማም ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ብኣጀንዳ ዶክተር ኣቢይ እናተመርሐ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ዘወሰነ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ምዕማም ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ንኤርትራ ዝምልከት ናይ ለውጢ ኣጄንዳ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ሓንጎል ኢሳያስ ቦታ የብሉን።

ጐድኒ ንጐድኒ ናይዚ ፖለቲካዊ ኪዳን'ዚ ዝካየድ ዘሎ ኣጀንዳ'ውን እንተዀነ፡ ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ካብቲ ዝተሓተ ሸቐጣ ሸቕጥ ናይ መዓልታዊ ሃለኽቲ ኣቑሑ ጀሚርካ ናብቲ ዝለዓለ ናይ ምፍራይን ምጕዕዓዝን፣ ናብ ደገ ምልኣኽን ናብ ሃገር ምምጻእን ዘገልግል ሰራውር ቍጠባ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢትዮጵያ ዝጠምር ፖሊሲ ተበጊሱ ከምዘሎ ዘርኢ ኢዩ። ናይ መሬት፣ ናይ ኣየርን ናይ ባሕሪን መጐዓዝያ ብናይ ኢትዮጵያ ነጋዶን ትካላትን ተዓብሊሉ ይካየድ ምህላዉ ሓቅታት ዘብርሆ ክውንነት ኢዩ።

ንምዃኑ እቲ ንዓመታት ኢሳያስ ዝተመክሐሉን ምሉእ ዓለም ጸላእትና ክኾኑ ዝገበረን ኢሉ ዝግዕረሉ "ርእስኻ ምኽኣል" ዝበሃል ቍጠባዊ ፖሊሲ ደኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣበይ ተሰወረ? ወይስ ንሕና ከይተረድኣና "ርእስኻ ምኽኣል" ምስ ኢትዮጵያ ቍጠባዊ ውህደት ምስ ገበርና ኢና ንትርጉሞ ኢዩ ዝብለና ነይሩ? ወይ ድማ "ርእስኻ ምኽኣል" ኣብዚ እዋን'ዚ ክንትርጉሞ ዘይከኣል ቍጠባዊ ፖሊሲ ስለዝኾነ ምስ ኢትዮጵያ ቍጠባዊ ውህደት ምፍጣር ጥራይ ኢዩ ዘዋጻኣና ዝብል ምርጫ ወሲኑ ኢዩ?

እታ ንዓመታት ቀዳመይቲ ጸላኢት ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ ተቘጺራ ብዝገበረቶን ዘይገበረቶን መኽፈቲ ኣፍ ኢሳያስ ኮይና ዝጸንሐት ኣመሪካ፣ ስዑድ ዓረብን ኤሚራት ብምቕዳም ባይታ ድሕሪ ምጥጣሕ ናብ ኤርትራ ገጻ ትጥምት ኣላ። ኣብዚ ዝምድና'ዚ ኣቐዲሙ ዝርአ ነጥቢ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ትራምፕን ዘሎ ምምስሳልን ኣብ መንጎ ኢሳያስን ኦባማን (ቅዲሚኡ ድማ ክሊንቶን) ዝነበረ ፍልልይን ኢዩ። "ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ" ኢልካ ክስገር እኹል ዝገልጾ እመስለኒ።

ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ድሕሪ ናጽነት ንገለ ዓመታት ጽቡቕ ምንባሩ ብዝተፈላለየ ሓቅታት ዝግለጽ ኢዩ። ድሕር’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፍጥረ ኲናት፡ እቲ ዝምድና እናኸፍአ ከምዝኸደ ይዝከር።

ኣብ 2002 ምስ ኣብ ዒራቕ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ተኣሳሲሩ ኣመሪካ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር ክህልዋ ምንቅስቓስ ትጅምር። ከም ተመራጺ ቦታ ጅቡቲን ኤርትራን ይጥመታ። ነዚ መደብ ናይ ኣመሪካ ኣብ ባሕርን ወደባትን ኤርትራ ንምእንጋድ "ስለምንታይ ኤርትራ ዘይትኸውን" “(Why not Eritrea?)” ዘርእስቱ ሰነድ ብምዝርጋሕ ቅሩብቱ ንምግላጽ ዘመተ የዋፍር።

በዚ ጥራይ ከይተወሰነ፡ ምስ ኣመሪካ ዝነበሮ ዝምድና ንምምሕያሽ፣ ኣብ ወርሒ US$ 50፣000 እናኸፈለ ዘስርሖ፣ ግሪንበርግ ትራውሪግ (Greenberg Traurig) ዝበሃል ኣማላዲ (lobbyist)ትካል ብምቝጻር ካብ 15 ማዝያ 2002 ክሳብ 14 ማዝያ 2003 ድሕሪ ምጽዓሩ ከይተዓወተ ተረፈ። ምስቲ ኩሉ ባህርያውን ትሕተ-ቅርጻውን ብልጫታት ኤርትራ፣ ብርቱዕ ሃሩርን ምንኣስን ጂቡቲ እናተፈልጠ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ክትከል ተወሰነ። እቲ ቀንዲ ምኽንያታት ናይዚ ፍሽለት'ዚ ድማ

  1. ዘይርጉእ (ተገላባጢ) መንፈስ፣ ጻሕታሪ ዝምባሌን ኣዕገርጋሪ (ተኹታኺ) ዝኾነ ባህርያት ናይ ኢሳያስ፤
  2. ርጉእ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ምእዙዝነትን ጅቡቲ፤
  3. ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጥዑይ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ምስ ኢትዮጵያ ዘይምስምማዕ ምስ ኤርትራ ዘይምስማማዕ ምምራጾም ኢዩ።

 እዚ ፈተነ'ዚ ድሕሪ ምፍሻሉ ድማ ኢዩ እቲ ንዓመታት ጸረ-ኣመሪካን "ከደምታ" ወያኔን እናተባህለ ኣእዛንን ሓንጎልን ህዝቢ ኤርትራ ዘደንቈረ ዘመተ ዝተበገሰ።

ኣብ መደምደምታ ምንጪ ኩሉ ጸገማት ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ብዅሉ ህዝብና ርዱእ ክኸውንን ካብ ስልጣን ምእላዩ እንኮ ምርጫ ምዃና ምግንዛብ።

ሃገርናን ህዝብናን ካብ ዝዋረድ

ኢሳያስ ካብ ስልጣን ይውረድ።