All updates

እምባትካላ ዒራዒሮ፡ ምስጢርክን ንገራ!

17/09/2018
እምባትካላ ዒራዒሮ፡ ምስጢርክን ንገራ!
 
እምባትካላ፡ እምባትካላ ደሃይ ሃብና
ከርስኺ ዝዓቘሮ ምስጢር ኣካፍልና
ተራእዮም ኢሎሞም ኣብ ቅርዓትኺ ጀጋኑና
ዝውንጀሉዎም ብክሕደት ሃገርና
ሕድሪ ኢሎምኺ’ዮም ንገርልና ንስድራና
ኣሰር ገዲፎም’ዮም ኣሉ ከይትብልና
ከም ጨዋይን ጨወይትን ዘይብሎም ሕልና።
 
ኣቱም ዕሱባት ዘስገርኩም ንዒራዒሮ
ስድራ ኣለዉዎም ዘትረፍኩሞም ዝሮምሮ
መንገዱ ሓብሩና ክንበጽሖም ሒዝና ሽሮ
ከነልዕሎም ካብ ዝወደቑዎ ኵነተ-ኣእምሮ
እንተ ረኸብናዮም ህሉዋት ስነ-ኣእምሮ
ኣካሎም ክንድህስስ ክዀኖም ተስፋ ንመንብሮ
ፈተውቲ ከም ዘለዎም ዝጽበዩ ብኣንክሮ። 
 
ዝወደቑ ክንገንዝ ከነህግገሎም ዕጣን
ንቡር ወዲ ኣዳም ክረኽቡ መቓን
ክቡራት’ዮም ሰብ ሓቦን ዝናን
ከዘንቱ’ዩ ዓጽሞም ኣለዎ ልሳን  
ከዘንቱ’ዩ ዓጽሞም ኣለዎ ልሳን።
 
ዒራዒሮ ኣይትግፍዕዮም ከምቲ ከዳዕ ሰውራ
ጋህሲ’ዩ ከብዱ፡ ከጽንት ዝተበገሰ ንብሃገራ
ምሕረት ኣይባህሪኡን፡ ደም’ዩ ቀለቡ ከም ኮብራ
ውዕሎኹም ጨውዩ ኰይኑ መውዓሊ ዳንኬራ
ጐኑ ፈሽ ፈሽ ኢሉዎ ተጸጊዑ ምሰ-ምሓራ
ጻዕረ ከንቱ’ዩ ከረስዓኩም ብታሪኽ ኤርትራ።
 
ጅግንነትኩም ቀቢሩ ብዘይ ኣላዝቦ
መላሲ የብሉን ካብ ዝሓዀሮ ገቦ
በጺሑዎ’ዩ ጥፍኣቱ ከም ዝኣኸከለ ብዓንተቦ
ፍርሒ’ዩ፡ ኣዕጽምቲ ሰብ ዘርግጾ ብካዕቦ  
ኣብ ሬሳ’ዩ ዝስዕስዕ እንተዀኖ ሓቦ
ምስ ከደምቱ ክጠፍእ’ዩ ኣብ ግዜ ዕራርቦ።
 
ክትስእ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ ወሲዱ’ሎ ምህሮ
ቅዋም ከቐድም’ዩ ንሃገር ብሕጊ ዘመሓድሮ።
 
 
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ  
 
- ደላይት ሰናይ

[:swvar:text:838:]