All updates

ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን? 1ይ ክፋል

05/04/2019

ኤርትራ ናይ መን ትኹን?
ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡
ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን?
1
ይ ክፋል

ብ'ታደሰ ኪዳነ (ቢርሚንግሃም-ዓባይ ብሪጣንያ)
by Mr. Tadese Kidane (Birmingham - UK)

ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና - ናይቶም ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ ናይቶም ሰብ ገበን?

“ኤርትራ ናይ መን ትኹን”? ዝብል ሕቶ ምሕታት ቀሊል ይመስል ይኸውን። ቀሊል መልሱ’ውን “ናይ ኤርትራውያን” ዝብል ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ግን ናይ ኣየኖት ኤርትራውያን? ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር ዝርከብ ህዝቢ፡ ዝበዝሐ ጥዑይ፡ ባህሉን ስነ-ምግባሩን ዘኽብር፡ ብስጋይ ስጋኻ እናተኸባበረ ኢዩ ዝነብር። ንባህሉ፡ ወግዕታቱን ስነ ምግባሩን ዝዘርጉ ውልቀ-ሰባት፡ ከከም ግብሮም ዝቕይድ ሕጊ፡ ካብ ተግባራቶም ንኽመሃሩ ዝጸንሑሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ሰሪሑ፡ ንገበነኛታት ተቆጻጺሩ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ብዝሰማማዓሉ መንገዲ፡ ወግዕታቱ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝነብር። ህዝቢ ክንብል ከለና ዝተኻኻእ ወለዶ ማለትና ምዃኑ ዘካትዕ ኣይመስለንን። ዝተኻኻእ ወለዶ ዘይብሉ ዘዝተወልደ ዝሃድሞ ሕ/ሰብ ከኣ፡ ከም ህዝቢ ክቕጽል ኣይክእልን ኢዩ።

ወለድና ንዓና ስለ ዝወለዱ፡ ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ጸኒሕና፡ ቀጺልና ከኣ። ነቶም ንዓና ኣጥፊኦም ባሕርና ክወርሱ፡ እንዳና ክግብቱ ብደቡብ ዝመጹና ኢትዮጵያውያን ወረርቲ፡ ስንና ነኺስና፡ ብቕድሚትን ብድሕሪትን እናተሃረምና፡ ንኹሉ ሕሰም ተጻዊርና ክንቃለሶም ከለና፡ ከም ህዝቢ ክንተኻኻእ፡ ወግዕታትና ንወለዶታት ክኽበር፡ ደቅናን መንእሰያትናን ዝኾርዑላ፡ ንዓና ተኪኦም ተካእቲ ዘፍርዩላ ሃገር ከነምጽእ እምበር፡ ተመሊሶም ንዘብርሱናን መሬትናን ርስቲ ኣባሓጎታትናን ንዘስኣኑና ገበነኛታት ንኸነረክብ ኣይነበረን። ነዚ ክንገብር - ካብ ጌጋታት ኣቦታትና ክንመሃር እምበር፡ ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ንዝፈጸምዎ ጌጋታት ከነኮማስዕ ግዜ ኣየጥፋእናን። ርስቲ፡ ዑናን መሬትን ኣባሓጎታትና ጥራይ ኣይኮናን ወሪስና። ንሳቶም ንዝፈጸምዎ ጌጋታት’ውን ከም ናትና ወሪስና ኣሪምናዮን ከነስተኻኽሎ ፈቲናን ጽዒርናን፡ ተዓዊትናን እውን ኢና።

ንጉስ ሃይለ ስላሴ መረብ ሰጊሩ ኤርትራ ክኣቱ ከሎ፡ ኣቦታትና ልዕሊ ሰብ - ትሕቲ ኣምላኽ ኣኽቢሮም ተቐቢሎሞ። ደቆም ዋጋ ክንከፍለሉ ምስ ረኣዩ ግን ብልቢ ነቢዕም። እነሆ ከኣ ሎሚ ታሪኽ ይድገም ኣሎ። ትማሊ ክብሪ ህዝብናን ልዑላውነት ሃገርናን ከነምልስ ከለና፡ ኣብ ውሽጢ ተሰዂዖም ብደምና ጠጢዖም፡ ብመስዋኣትና ተዓቂቦም፡ ኣብ ድኽነትናን ጥሙይ ከብድናን ጥዒሙዎም ዝኣተው ጓሓሉ፡ ዳግማይ ወለዶና ከጥፍኡ፡ ሕ/ሰብና ክብትኑ ይፍትኑ ኣለዉ። እቶም ንዓና ተኪኦም ጥዑይ ሕ/ሰብ ክምስርቱ፡ መንነትና ወሪሶም ከም ህዝቢ ክቅጽሉ ዝተጸበናዮም ደቅና፡ ናብ ዓዲ ጓኖት ኣምሪሖም፡ ኣብ ዓለም ተበቲኖም፡ ከም ሰባት ሓሲሮም። ጉንዖን መሰልን ካብ ጻዕሮምን ኣብራኾምን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዘይኮነ ካብ ካልኦት ብትኳቦ ክወሃቦም “ዑቕባኹም” ይብሉዎም ኣለዉ። ኤርትራ ሃገርና፡ እታ ምእንታኣ ብዙሕ ህይወት ዝኸፈልናላ ሃገር፡ ኑጹሃት ዝሃድሙዋ፡ ገበነኛታትን ዓመጽትን ድላዮም ዝገብርዋ፡ ሰብ ብፍርሒ ዝነብራ ሃገር ኮይና። ነዚ ንኽምልስ ከኣ ኢየ፡ ነዚ ክብ ኢለ ዘቅረብኩዎ ሕቶ ዘምጻኣኩ። እሞ’ኸ፡ ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና’ናይቶም ሰብ ገበን?

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመራከቢ ብዙሃን ብዝሰማዕኩዎ ዜና ኢየ ክጅምር። እቲ ንሞትን ሕስረትን ዘብጻሓና ኢሰያስ፡ ኣብ ዓዲ ሓሎ ዝበሃል ቦታ፡ ሓድሽ ቤተ-መንግስቲ መስሪቱ ምህላዉ ካብ ንሰምዕ ሓያሎ እዋን ሓሊፉ ኢዩ። ንዕኡ ዝሕሉ ከኣ እቲ ንስንኩላን ኲናት፡ ነቶም ደልዓስ እናበሉ ዝኸዱ፡ ፍርቂ ኣካሎም ንኽብሪ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝሃቡ፡ ብሓልዮትን ክብርን ክተሓዙ ዝግበኦም ስንኩላን፡ ብተመልከተለይ ብጠያይቲ ዝረሸነ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ጅግና፡ ናይ እዋን ሰላም ብርጋደር ጀነራል፡ ፍጹም ወዲ መምህር። እቲ ብቅሉዕ ቀትሪ ምድሪ፡ ብዙሓት እናረኣይዎ፡ ሰባት ዝቐዘፈ ፍጹም ወዲ-መምህር፡ ካብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ብጽኑዕ ሓለዋ ተሰንዩ ቤት ፍርዲ እናተመላለሰ፡ ብመንገዲ ጠበቕኡ ፍርዱ ክቃለለሉ ክልምን እምበር፡ ንካብኡ ዝዓቢ ገበነኛ፡ ካብ ንጹሃት ደቂ መሬት ክሕሉ መን ይጽበዮ። ኢሰያስን ፍጹም ወዲ መምህርን፡ ምስ ካልኦት መሰልቶም ኩሉ ህዝቢ ዝፈልጦ፡ ብዙሕ ሰብ ዝቐዘፉ ገበነኛታት ኢዮም። እሞ - መንእሰያት ሃገረይ!! ኤርትራውያን ኣሓተይን ኣሕዋተይን፡ ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ናትና’ዶ ናይቶም ገበነኛታት? ደቅና፡ ርስትን ዓድን ኣቦሓጎታቶም ወሪሶም፡ ብሰላም ዝነብሩላ’ዶ፡ ንጹሃን ሰባት ዝቐዝፉ ገበነኛታት ይንበርዋን ይዓንድሩላን?

ኣብቲ ብዕለት 10 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ኣብ ዓዲ ኣንግሊዝ እንነብር 50 ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበር፡ ምሉእ ስምናን ኣድራሻናን ገሊጽና፡ ብጽሑፍ - ኢሰያስን ኩሎም ኣብ ጎድኑ ዘለዉ ገበነኛታትን ካብ ስልጣን ክእለዩ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብውልቅን ብጉጅለን ድምጹ ከስምዕን ‘ይኣክል’ ክብልን ጸዊዕና። ሎሚ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ህዝቢ “ይኣክል!!” ይብል ኣሎ። እወ፡ ይኣክል ስደትን ውርደትን፡ ይኣክል ጭውያን ቅትለትን፡ ይኣክል ዕንደራን ብድዐን፡ ይኣክል ጽምዋን ብኽያትን፡ ይኣክል ምጽናትን ብርሰትን። እቲ ይኣክል ዝበሃል ዝርዝራት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።

ሎሚ ዘዝተወልደ ኤርትራዊ ናብ ደገ የቋምት፡ መጻኢኡ ካብ ስደት ጥራይ ዝተጸበዮ ይመስል። እዛ ናይ ስደት ሓሳብ፡ ድሕሪ ናጽነት ከመይ ኢላ ከም ዝማዕበለት ሓሲብናሉ’ዶ ንፈልጥ? እስኪ ምልስ ኢልና፡ ጉዕዞናን ታሪኽናን ንፈትሽ።

ኣብ ዝሓለፈ 28 ናይ ናጽነት ዓመታት፡ እቶም ሎሚ ዝባኖም ቀሊዖም ንሓድሕዶም ዝተሓላለዉ ዘለዉ ገበነኛታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኽብተን፡ ናብ ስደት መታን ክጥምት ከም መደብ ሒዞም ክሰርሕሉ ዝጸንሑ ኢዩ። ተጋዳላይ፡ እቲ ንኽብሪ ህዝቡን ሃገሩን ህይወት ዝኸፍል ዝነበረ ተጋዳላይ፡ ኣብ 1991 ዓ.ም ብዓወት ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ነዚኣ ኢዮም ምሂሮሞ። ሽዑ ነቲ ጥራይ ጅቡኡ፡ ብሓጻውን ዝተበሳስዐ ጭዋዳታት ተሰኪሙ ዝኣተወ ተጋዳላይ፡ ብጥሙይ ከብዱ፡ ብዕሩቕ ዝባኑ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ደርቢዮም ናብ ለማኒ ከም ዝቕየር ገይሮሞ። ደስ ዝበለቶ ካምቻ ክገዝእ፡ እንዳ ሻሂ ኣትዩ ጽምኡ ከርዊ፡ ንቃል-ኪዳን መእሰሪ ዝኾኖ ክዳውንቲ ክገዝእ፡ ኮታ ከም ሰብ ንቐለልቲ ነገራዊ ድሌታቱ ከማልእ፡ ናብቶም ቀደም ጠንጢኖሞን ከዲዖሞን ናብ ስደት ዝኸዱ፡ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ዝነበሩ ሰባት ቁሊሕ ክብል ተገዲዱ። ተጋዳላይ ዓዲ ከይዱ ወለዱ ንኽርኢ፡ ኣብ ፈቐዶ ጽርግያታት ኢዱ ዊጥ እናበለ፡ ዝሓልፋ መካይን ክማልእኦ ለሚኑ። ኣብ ገዛ ተዓጽዮም፡ ትቕመስ መግቢ ንዘይነበሮም ወለዱ ክዕንግል፡ ንመእተዊ ገዛ ኣብ ኢዱ ኣንጠልጢሉዎ ዝኣቱ ከም ሓርጭ፡ ሽኮርን ጸባን ክልግስሉ ንሓለፍቱ ለሚኑ። ኣብ ጥቓ ዓዱ ኮይኑ ወለዱ ኣናኣለየ፡ ዝተዋህቦ ስራሕ መንግስቲ ክዓምም ብመንገዲ ዝፈልጦም ሓለፍቲ፡ ንዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ለሚኑ። እቲ ተጋዲሉ ዝኣተወ ተጋዳላይ ድኻ፡ እቶም ደቆም ብህይወት ክመጹዎም ክጽበዩ ዝጸንሑ ወለዲ ድኻታት ኮይኖም። ጸገም ናይቶም ደቆም ዘይተመልሱዎም ስድራ ስውኣት እሞ ከኣ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኢዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ክንዲ ምግዳል፡ ሃገር ገዲፎም ናብ ስደት ዘምርሑን ሞትን መስዋእትን ፈሪሖም፡ ጠንጢኖሙና ዝሃደሙን ከኣ ናብ ነብሶምን ወለዶምን ዝጥውሩ፡ ነቲ ዋጋ ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ናይ ናጽነት ጽሩይ ኣየር ዘስተንፍሱ ንሶም ኮይኖም። ህድማን ክድዓትን ናብ ጅግንነት፡ ሓቦን ስኒ ምንካስን ከኣ ናብ ዕሽነት ዝተለወጠትሉ እዋን ከኣ ሽዓ ኢያ። እታ “ገንዘብ ኣብ ሃገርካን ብጻዕርኻን ዘይኮነስ፡ ኣብ ስደት ሓሲርካን ከዲምካን ኢዩ ዝመጽእ” ዝብል ሓሳብ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሓንጎል ሱር ክትሰድድ ዝጀመረት’ውን ሽዓ ኢያ።

ኣብዚ ብንጹር ከብርሆ ዝደሊ፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ንምግላጽ እምበር፡ ሰባት ንምሕማይን ንወቐሳን ኣይኮንኩን። ብኣንጻሩ ኩሉ’ቲ ኣብ ደገ ዝነበረ ኤርትራዊ ሃገሩ ንምህናጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጣየስን መበገሲ ሓድሽ ናብራ ናይቶም ኣብ ገድሊ ሰንኪሎምን ሸምጊሎምን ዝኣትዉ ኣሕዋቱ ኩሉ ዝከኣሎ ገይሩን ዝያዳ ክገብር’ውን ሕጉስ ነይሩን ኢዩ። ኩሉ’ቲ “ነሕዋትና” ተባሂሉ ዝተኣከበ ገንዘብ ግን ኣብ ጁባ ናይቶም ሎሚ ናብ ጎይቶት ተለዊጦም ዘለዉ ጓሓሉ ኣትዩ ጨው ኮይኑ ኢዩ ተሪፉ። ብማዕሪኡ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ እውን “ምጥያስ ሰራዊት ልዕሊ ዓቕሚ ናይቲ ሓድሽ ዝቖመ መንግስቲ ኢዩ” ኢሉ ስለ ዝኣመነ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር፡ ግን ከኣ ግብራዊ - ዝጭበጥ ስጉምቲ ክርኢ ቃል ኣትዩ ነይሩ ኢዩ። እታ ናይ ቀተልትን ገበነኛታትን ጉጅለ ግን፡ ኩሉ’ቲ ክወሃብ ዝድለ ገንዘብ ኮነ ካልእ ሓገዛት፡ ብቐጥታ ኣብ ኢዳ ክወሃባ ኢያ ሓቲታ። ንመጣየስን እግሪ መትከልን ዘይኮነ፡ ስልጣን መዐቀብን ንጹሃት ክትቀትለሉን ስለዝደለየት። ገለ ካብቲ ንመበገሲ ዝተዋህባ ገንዘብ’ውን ኣብ ኢዳ ምስ ኣተወ፡ ጨው ኮይኑ ኢዩ ተሪፉ። እቲ ከም መርኣያ ናይቲ ብድሕሪኡ ክስዕብ ዝተሓስበ ናይ ጥሜትን ድኽነትን፡ ናይ ስደትን ከርተት ፖሊሲ፡ ከም መፈተንታ ዝተወስደ ተጋዳላይ እምበኣር፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ክመጽእ ዝኽእል ናይ ምጥያስን ምውጋንን ስራሕ ክዳለወሉን ስነ-ኣእምሮኣዊ ምቅርራብ ክገብረሉን ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ኣጉል - ዘይሰርሕ ናይ ሓሶት መብጽዓ ኢዩ ብዘይ ወግዓዊ መንገዲ ዝንገሮ ዝነብረ። ብግብሪ ግን ናብ ለማንን ተመጽዋትን ተቐይሩ።

ሽዑ’ውን ንድኽነትን ልማኖን፡ ንስደትን ውርደትን ክርዕም ምርጭኡ ኣይነበረን። ኩሉ ዝከኣሎ ገይሩን ንሕመቕን ሕስረትን ክብድህ ተቓሊሱን ኢዩ። ካብ ደገ፡ ሃገሩ ከልምዕን ኣብ ወፍሪ ክሳተፍን ብዙሕ ሰብ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ። ኤርትራዊ፡ እቲ ሰንኪሉን ሸምጊሉን በሰላታት ተሰኪሙን ዝኣተወ ተጋዳላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋላ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ ምስ ፈንጅን ወፍርታት ወዶ-ገባን እናተቖራቖሰ፡ ክቡር ዋጋ ከፊሉ፡ ናጽነት ውሑስ ዝገበረ ህዝቢ ክይተረፈ፡ ሊቸንሳ ኣውጺኡ ከነግድ፡ ሞተረታት ገዚኡ ኣሕምልትን ፍረታትን ከልምዕ፡ ከም ደርሁ፡ ኣናህብን ኣባጊዕን ኣፍሪዩ ክሸይጥ፡ ዓሳ ገፊፉ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ፡ ገዛውቲ ሰሪሑ ከካርን ክሸይጥን ዘይፈተነ ኣይነበረን። ኩሉዚ’ውን ጨው ኮይኑ ተሪፉ። ከም ገለ ሰሊጡዎ ክዕወት እንተ ጀሚሩ፡ ብለይቲ ተገፊፉ፡ ንብረቱ ዛሕዚሑ ብብልሽውና ተኸሲሱ ይእሰር። መንእሰይ እንተ ኾይኑ ከኣ ንብረቱ ከይጠርነፈን ከይተላበወን፡ ብሃንደበት ካብ መንገዲ ተገፊፉ ናብ ሳዋ - ናብ ታዕሊም ይለኣኽ። በቃ ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ዘይሰርሕ ተገይሩ። ሓርኮትኮት ኤርትራዊ ጨው ሓፊሱ። ሽዑ ከኣ ኢዩ ነብሱን ስድርኡን ክናቢ ዝደሊ መንእሰይ ምርጭኡ ስደት ጥራይ ዝኾነ። ጽቡቕ ክትክደንን ጽቡቕ ክትረግጽን ዝበሃገት ጎርዞ፡ ኣብ ትሕቲ ከምኣ ዝበላ ደቀ-ንስትዮ ክትግዛእ፡ ንስራሕ ገዛ - ንዓዲ ዓረብ ጠሚታ። ነዚ ኩሉ ብስውር ከም ዝትግበር ዝገበረ ከኣ፡ በዚ ሎሚ ሓለቓ ሸፋቱ ኮይኑ ዘሎ ኢሰያስ ኣፎርቂ ዝምራሕ ጉጅለ ኢዩ። እነሆ ከኣ ሎሚ እታ ኢሰያስ ዝመርሓ ጉጅለ፡ ጉጅለ ገበነኛታት ምዃና ብንጹር ኣርእያትና።

ክብ ኢለ፡ ስደት ከም መፍትሒ ግዝያዊ ጸገም ኮይኑ ናብ ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝኣትወሉ መንገዲ ኢየ ገሊጸ። ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ምስ ወሓዙ’ውን፡ ኣብታ ዶብ ዝሰገሩላ እዋን፡ ኩሎም ብናይ “ተኲስካ ቅተል ፖለሲ” ንሞት ፍሩዳት ኢዮም ነይሮም። ንስክላ ኣምሊጦም ዶብ ምስ ሰገሩ’ውን ኣይገደፎምን። ደላሎን ነጋዶ ደቂ-ሰብን ኣዋፊሩ፡ ባሕሪን ምድረ-በዳ ሲናይን ሰጊሮም ኣብ ኤውሮጳን እስራኤልን ክሳብ ዝኣትዉ፡ ካብቲ ንመሰጋገሪ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ክሳብ መሸጣ ናውቲ ኣካላቶም፡ ካብታ ዓጽሚ ጥራይ ዝተረፈት ነብሶም ኣሽሓት ዘቚቑ ኢዩ። ነቶም ነዚ ኩሉ ሰጊሮም ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣትዮም መንበሪ ፍቓድ ናይተን ሃገራት ዝረኸቡ’ውን ተመሊሱ ከም መወዓውዒ (advertisement) ንዝያዳ ስደት ናይቶ ንኹሉ ጸገም ተጻዊሮም ኣብ ኤርትራ ዝተረፉ ካልኦት ተጠቒሙሎም። እቶም ካብ በረኻታት ኤርትራ ካብ ኣገልግሎት ሃዲሞም፡ ኣብ ዓዶም ሓንቲ ለይቲ ክሓድሩ ዘይክእሉ ዝነበሩ መንእሰያት፡ መንበሪ ወረቐት ናይ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ሒዞም ኤርትራ እንተ ተመሊሶም ግን “መን ኢኻ!!” ዝብል ዘይብሎም፡ ቀደም (ቅድሚ ሃገር ምግዳፎም) ክረግጽዎን ክንቀሳቐስዎን ዘይክእሉ ዝነበሩ ቦታታት፡ ልቦም ነፊሖም ‘ሸናዕ’ ክብልሉ ኪኢሎም። ክልተ ካብ ሚእቲ ከፊሎም፡ መሬት ክማስሑ፡ ብኣካል ተረኺቦም ክሰርሕዎን ከስርሕዎን ተራእዮም። እዚ ዕድል’ዚ ነቶም ኣብ ናቶም ደረጃ ዝነበሩ፡ ስደት ከይጠዓሙ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ንመንግስቲ ተማእዚዞም ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሑ መዛንኦም መንእሰያት - ፍጹም-ዝፍቀድ ኣይኮነን።

ነዚ ዝረኣዩ እንተ ተጸጊሞም፡ እንተ ብኻልእ ምኽንያት ኣብ ዓዶምን ኣብ ኣገልግሎትን ዝጸንሑ መንእሰያት ከኣ ጸሪሮም ሃገር ይገድፉን ይስደዱን ኣለዉ። ብዙሓት ወለዲ’ውን ደቆም መሪቖም ከፋንዉ ጀሚሮም። ንሳዋን ወረ ሳዋን ዕድሚኦም ዘይኣኸለ ቆልዑ፡ መጻኢኦም ምስ ጸልመተ ተሰዲዶም። መዓስ እዚ ጥራይ፡ እቶም ከም ገለ ሰሊጡዎም ኤውሮጳ ዝኣተዉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ’ውን፡ ንኣቦታቶምን ኣዲኦምን “ኣለይትና” ኢሎም ፕሮሰስ ገይሮም ከምጽእዎም ንርኢ ኣሎና። እነሆ ከኣ ዝዓበየን ዝነኣሰን፡ ዝኸኣለን ዘይከኣለን ኩሉ ኤርትራዊ ንስደት ነቒሉ። ኤርትራ ብዘይ ሰብ ተሪፋ። እቶም ሰብ ምቕታል ዝለመዱ ገበነኛታት ሰሊጡዎም “መን ኢኻ!” ዝብል ዘይብሎም፡ ኣብታ - እምበር ሽማግለን ድኑስን፡ ዝሰምዕ ጎበዝ ዘይብላ ሃገር፡ ርእሶም ኣቕኒዖም ከም ድላዮም ይዛወሩ ኣለዉ። እዚ ክሳብ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ኣተሓሕዛ መንእሰያትና ከኣ እዚ ኢዩ።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ። እሞ - ኤርትራ ናይ መን ትኹን? ሃገርና ብመን ትወነን? በቶም ዝበዝሑ ንጹሃን ደቃ’ዶ፡ ወይስ በቶም ውሑዳት ሰብ ገበን? ኤርትራዊ ሕ/ሰብ፡ ኤርትራዊ ስነ-ምግባርን ወግዕን ይቐጽል’ዶ ኣብ ሰንከልከል ይእቶ? ኣንቱም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮንኩም ናብ ስደት ተቋምቱ ዘለኹም መንእሰያት፡ መሰረት ቀጻሊ ሕ/ሰብ ኤርትራ ንስኻትኩም ኢኹም። ኤርትራ ናትኩም እምበር፡ ናይቶም ከም ቁሪ ዝፍርሑ፡ ካብ ምሒር ፍርሒ - ሰብ ንምቕታል ድሕር ዘይብሉ ገበነኛታት ኣይኮነትን።

ኣንቱም ኣብ ፈቐዶ መዓስከራትን ከተማታትን ኢትዮጵያ ተበቲንኩም ዘለኹም ኤርትራውያን፡ ብመንገዲ ኢትዮጵያ ናብ ከንያን ኡጋንዳን፡ ካብኡ’ውን ንዝያዳ ስደት ናብ ሃገራት ምዕራብ ተቋምቱ ዘለኹም መንእሰያት ሃገረይ!! “እንጀራ ጀላዕ ኣይበላዕ!!” ዝብል ምስላ ኣቦታትኩም ዘክሩ። ስደት ሓሳር ኢዩ። ኣብ ስደት ዘብለጭልጭ ጨርቀ-መርቅን ዝብላዕ መግብን ኣይሰኣንን ይኸውን። ተኣማሚንካ ትረግጾ፡ ኣፍካ መሊእካ ትዛረበሉ፡ ዋንነት ሃልዩኳ ‘ናተይ’ ትብሎ ክብሪ ግን የለን። እዞም “ዑቕባኹም” ንብሎም ዘሎና ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ውሽጦም ንዝነበሩ ጓሓሉ ኣልዮም ኣብ ዘረጋገጽዎ መሰል፡ ሰሪሖምን ጽዒሮምን ኣብ ዝሃነጽዎ ስርዓተ ቁጠባ ኢና ንሕወሶም ዘሎና። ንሳቶም’ውን ዝብላዕን ዝኽደንን ክልግሱልና፡ ኣብ ትሑት ንሶም ዝንዕቅዎ ስራሕ ክንሰርሕ’ውን ከፍቅዱልና ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ማእከል ዓዶም፡ ማዕሪኦም ክንከውን ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ ናይቶም ንወለዶታት ዝተቐመጡ፡ ብዘይካኣ - ካልእ ሃገር ዘይብሎም፡ በቶም ጸዓዱ ከም ጓኖት ዝረኣዩ ዘለዉ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ህይወት - ከም ኣብነት ክንወስዶን ክንመሃረሉን ንኽእል ኢና።

ኣንቱም ኣብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ መዝሓልን መረውሓን ትነብሩ፡ ብዶሮናን ካምሲንን ትግጨቡ ዘለኹም ኤርትራውያን፡ ዓዲ ኣለኩም። መረውሓ ዘየድልዮ ዝሑል ኣየር ዝውንን፡ ዋላኻን ባዕከልን ዝሓመዱ መሬት። ብዋንነት “ናተይ“ ኢልኩም ኣፍኩም መሊእኩም እትዛረብሉ ሃገር ኣለኩም። ኣንቱም ኣስማትኩም ቀይርኩም፡ ግብሪ እናኸፈልኩም ኣብ ሱዑድያን ቀጠርን፡ ኣብ ዖማንን ኣቡዳብን ዘለኹም ኤርትራውያን፡ ሃገር ኣላትኩም። ልሙዕ ኣግራብን ድንግል ሓመድን እትውንን ሃገር። ነቶም ርሂጽኩምን ለፊዕኩምን ግብሪ ትኸፍዎም ዘለኹም ዓምታት’፡ ባሕሪ ሰጊሮም ብምምጻእ፡ ኣጋይሽኩም ክትገብርዎም ሕሰቡ። ሓቀኛ ኣስማትኩም ነጊርኩም፡ ናይ ሃይማኖትን እምነትን ናጽነት - መሰል ምዃኑ ክትምህርዎም ኢኹም። ነዚ ንምግባር ግን ቀተልትን ጓሓሉን ካብ ሃገርና ክእለዩ ኣለዎም። ኩሉ ጻዕርኹም፡ ሕልምታትኩም፡ ትምኒታትኩምን ትጽቢታትኩምን ናብ ሃገርኩም ግበርዎ። ክብረትኩም ኣብ ሃገርኩም ኢዩ ዘሎ። ስደት ሕስረት ኢዩ።

ኣብ 2ይን መወዳእታን ክፋል የራኽበና

ታደሰ ኪዳነ
ቢርሚንግሃም (ዓባይ ብሪጣንያ)
04/04/2019

Original Source: Link