All updates

ሓተታ - ብድሆታት ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

23/07/2018
ሓተታ

ብድሆታት ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

 ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሳምንቲ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ማለት፡ ኣብ መንጎ 5 ሰነን 16 ሓምለን  2018፡ ካብ ዚተናውሐ ኵነተ ኲናትን መሪር ተጻብኦን ናብ ኵነተ ኣመና ህንጡይ ሰላምን ምሕዝነትን ቅጽበታውን ሃንደበታውን ለውጢ ኣርእዩ። እዚ ድማ፡ ውጽኢት ናይቶም ተኸታቲሎም ዚተኸስቱ ሃንደበታውን ድራማውን ፍጻመታት ኢዩ፡- 

  • መግለጺ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘይኵነታዊ ቅበላን ትግባረን ውሳነ ዶብ ኣብ 5 ሰነ 2018፤
  • ኣወንታዊ መልሲ ኤርትራ ኣብ 20 ሰነ 2018፤
  • ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ 26-28 ሰነ 2018፤
  • ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ዓቢይ ኣሕመድ ናብ ናብ ኤርትራ ኣብ 8-9 ሓምለ 2018፤
  • ምፍራም ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 9 ሓምለ 2018፤
  • ዑደት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ 14-16 ሓምለ 2018።

እቲ ብቕልጡፍ ናህሪ ኪሰላሰል ዚጸንሐ ሰንሰለት ፍጻመታት፡ ነቲ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ገለ ከይተፈጸመ፡ ኣብ ሳምንቲ ዓሰርተታት ዓመታት ተፈጺሙ ዚብል ብሂል ይገልጽ። ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ቀንዲ ውጽኢት ናይዚ ኣገዳሲ ምዕባለታት’ዚ ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዚጸንሐ ኵነተ ኲናት ኣኸቲሙ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር ንምፍጣር፤ ናይ መጐዓዝያ፡ ንግድን ተለኮምዩኒከሽንን  ርክባትን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታትን እንደገና ንምጅማር፤ ውሳነ ዶብ ንምትግባር፤ ዞባዊ ሰላም፡ ልምዓትን ምትሕብባርን ንምርግጋጽ ኪጽዕሩ ቃል ኣትዮም።

እቲ ኣገዳሲ ሓባራዊ ኣዋጅ  ንሓደ ኣመና ኣዕናዊ፡ ግናይን መሪርን ምዕራፍ ኣብ ታሪኽ ዝምድናታት ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ይድምድም።

  • ፖለቲካ ናይ ትርጉም-ኣልቦ ኲናትን ተጻብኦን፤
  • ትራጀዲ ናይ ጃምላዊ ጥርዝያታትን ምዝንባል ህዝብታትን፤
  • ራስያታት ናይ ርእሰማልን ንብረትን ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፤
  • ሓሳድነት ናይ ‘ክሰር-ክሰር’ ዝምድና፤
  • ገዚፍ ክሳራ ዕድል ናይ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ግስጋሰን ሰብኣዊ ድሕነትን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ምኽታም ኵነተ ኲናት፣ ምፍታሕ ዶባዊ ግጭት፣ ምምላስ ንቡር ክልተኣዊ ዝምድናታት፣ መብጽዓ ናይ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር፣ ንነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰነ ንስፍነት ሰላም፡ ጸጥታ፡ ርግኣትን ዞባዊ ምትሕብባርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽቡቕ ፋል ኢዩ። እዚ ሓድሽ ዝምድና ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዚተነብረ እገዳ ንኪለዓል ስጕምቲታት ንምውሳድ መንገዲ ዚጸርግን ኤርትራ እንደገና ኣባል ናይቲ  በይነ-መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት [Inter-Governmental Authority on Development (IGAD)] ብምዃን ተራኣ ኪትጻወት ዘፍቅድን ኢዩ።

ኤሪ-ፕላትፎርም ንሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመትከል መርሓባ ንብል። ንምንታይሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓሚቝ ናፍቖት ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዚተነፍጎ ርጉእ ሰላም ስለዘለዎ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ቅድሚኡ ኣብ ኣስመራ ዚተሰምዐ ቅርሕንታዊ ምሕንሓን ኰነ ስዒቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን  ዚተራእየ፣ ንቡር ፕሮቶኮላዊ ቅጥዒ ዚሰሓተ፣ ጥልመት ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ዘመልክት፣ ሃገርን ህዝብን ዘዋረደ ወደኽደኽ ንዅሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ክስተት ምዃኑ ንዕዘብ። ክንዲ ዚዀነ፡ ንግብራዊ ኣተረጓጕማ ይዅን ኣፋፍኖት ናይተን ሓሙሽተ ነጥብታት ሓባራዊ ኣዋጅ ብዚምልከት እዚ ዚስዕብ ኣጠንቃቒ መተሓሳሰቢ ከነመዝግብ ሃገራዊ ግቡእ ይድርኸና፡-

1. ህያው ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንተላይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነባሪ ሰላምን ሓቀኛ ሰብኣዊ ድሕነትን ከምጽእ ይግባእ። እቲ ኣብ ሓድሓደ ዞባታት እትዮጵያ ዚካየድ ዘሎ ደማዊ ኤትኒካዊ ግጭትን ቅስቀሳ ናይ ጽልኢ ዘመተን ከቋርጽ ይግባእ። ኣብ ኤርትራ እቲ ብጠንቂ ኣረሜናዊ መድቈስቲ፡ ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ደረት-ኣልቦ ቀይድን መወዳእታ ዘይብሉ ንጡፍ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሰፊኑ ዘሎ ሓፈሻዊ ኵነተ ስግኣት ከኸትም ኣለዎ። ነቶም ናይቲ ዚሓለፈ እዋን ጌጋታት ንምእራምን ቍስልታት ንምሕዋይን ልቦናዊ መሪሕነት ምዝውታር ልዑል ኣድላዪነት ኣለዎ። ህያው ሰላም ንምስፋን ንናይ ጽባሕ ሰላም ሓድሽ ሰረት ዘንጽፍ፡ ኣብ ትማሊ ዚነብር ዘይኰነስ ንቕድሚት ዚጥምት መሪሕነት የድሊ። መስርሕ ምርግጋጽ ነባሪ ሰላምን ተጠቃምነት ፍርያቱን ኣብ ክልቲአን ሃገራት ንዅሉ ዚሓቍፍን፡ ብውሑዱ ድማ፡ ነቶም ቀንዲ ፖለቲካዊ ተዋሳእትን ሰብ ጕዳይን ኣብ ጽምዶ ዘእቱን ኪኸውን ይግባእ። ንዚዀነ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ተዋሳኢ(እቲ) ንምንጻል ወይ ንምግላል ዚግበር ፈተነ ልቦና ዚጐደሎ ኪኸውን ኢዩ። ውጽኢቱ’ውን፡ ሰላም ዚዘርግ፣ ነቲ ዛጊት ዚተመዝገበ ገስጋስ ዚብትን፣ ካብኡ ሓሊፉ፡ ሳዕቤናቱ ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መቓልሕ ዚዝርግሕ፡ ሓድሽ ኲናት ሓድሕድ ዚትዅትዅ ኪኸውን ይኽእል።

2. ንሓድሕድ ዚጠቅም፡ ንህያው ረብሓታት ክልቲኡ ህዝብታት ዘገልግልን ዘሳጕምን ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ቍጠባዊ፡ማሕበራዊ፡ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር ምፍጣር፣ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዘን መዳያት ንጥፈት እዚኣተን ብማዕረ ዘዋስእ ሜዳ ኪህሉ ይጠልብ። ኣብቲ ሓፈሻዊ ኵነት ናይ ክልቲአን ሃገራት ብዙሕ ተመሳሳልነት እኳ እንተሃለወ፣ ብጠንቂ እቲ ኣብ ተክኒካውን ሞያውን ዓቕሚ ዘሎ ዓቢ ዘይምምጥጣን ኰነ እቲ ኣብቶም ዚተፈላለዩ ክፋላት፡ ኣብ ምዕባለታትን ኣሰራርሓን ዘሎ ጕሉሕ ፍልልያት፣ እቲ ክልቲኡ ህዝብታት ካብቲ ኣብቲ ዚተዘርዘረ ነንበይኑ መዳያት ናይ ጥቡቕ ክልተኣዊ ምትሕብባር ዚረኽቦ ጥቕምታት ኣጸቢቑ ዘይመዛዘን ኪኸውን ኢዩ። ፖለቲካ፡ ቍጠባን ሕብረተሰብን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ብሕትውና ናይ ብሓደ ፊን ዘበሎ ዚገብር ውልቀ-መላኺ ዚእዘዝ ልሙስ ገዛኢ ግንባር ተደፊኑ ሕምብሊል ዚብል ዘሎ ኢዩ። እዚ፡ ብመጽር’ቲ ብፈጻሚ ሽማግለ ህዝባዊ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኢትዮጵያን (ህሰደግኢ ወይ EPRDF)  ሃገራዊ ፓርላማ ኢትዮጵያን ዚጸደቐ መብጽዓ ኢትዮጵያ፣ እቲ መብጽዓ ኤርትራ ንሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ኣብቲ ኣጠራጣርን ኣብ ዊንታን ረብሓን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥራይ ኢዩ ዚምርኰስ ማለት ኢዩ።

ብተወሳኺ፡ እቶም መብዛሕትኦም ዓቕሚ ዘለዎም ገዳይም መራሕትን ካድራትን ኲናት ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ኰነ እቶም ላህመታት ምሁራትን ሰብ-ዋኒንን ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ኣብ ስደት ኣለዉ። ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ እቲ እቲ ስርዓት ዘተኣታተዎ ምቍንጻብን ምንቍልቋልን ትምህርቲ ንወለዶታት ናይ መንእሰያት ኤርትራ ዓቕሞም ዘማዕብልሉን ንኣድማዒ ህዝባዊ ኣገልግሎት ይዅን ንኣርባሒ ብሕታዊ ዕዮ ዚቕርብ ዕድል ነፊጉ። እዞም ረቛሒታት እዚኣቶም፡ እታ ሃገር፡ ኣብ ኵሉ ሜዳታት ስራሕን ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት መንግስትን ዋኒነ-ትካላትን፡ ብክቱር ሕጽረት ብቑዕ ሓይሊሰብ ከም እትሳቐ ገይሮም።

ኪኖ’ቲ ወሳኒ ብኵራት ግዝኣተ ሕግን ሰናይ ምሕደራን፡ ኤርትራ ዋላ ስማዊ ፓርላማ (ሃገራዊ ባይቶ) ኰነ ኣብቲ መንግስታውን ብሕታውን ክፋልት ዘድምዕ ተግባራዊ ትካላት የብላን። ቍጠባኣ ዓንዩ ኢዩ፤ ኣብ መንግስታዊ ፋይናንስ ዚዀነ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ኰነ ኣፍልጦ ናይ ኣታዊታት፣ ከም ኣብነት ናይቲ ልዑል መኽሰብ ዘለዎ ጽላት ዕደና፡ የለን። ቀጻሊ መጥቃዕቲ፡ ሃውራዊ ቀይድታት፡ ምስሓብ ፍቓዳት ንግድን (ሊቸንሳታት)፡ ምዕሻግ ዋኒናትን፡ ንመብዛሕትኦም ሰብ ሞያን ሰብ ዋኒንን ሃገር ገዲፎም ከም ዚባረሩ ገይሩ። እዚ ጭቡጥ ክዉንነት እዚ፣ ንሃገረ ኤርትራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ኤርትራን ንኤርትራውያን ሰብ ዋኒንን፣ ብመንጽር እቶም ብተዛማዲ ኣብ ዚሓሸ ኵነታት ዚርከቡ ኢትዮጵያውያን መማዝንቶም፣ ኣብ ኣዝዩ ዓቢ መግዳዕቲ ዘውድቕ ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ ሃገረ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰብ ዋኒን ኤርትራ፣ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዚፍጠር ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር ተመጣጣኒ ረብሓታት መታን ኪሓፍሱ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቍጠባዊ ዕብሰት፡ ፖለቲካዊ ልምሰትን  ሕብረተሰባዊ ዝርገትን ከም ዘብቅዕ ምግባር ህጹጽ ኣድላዪነት ኣለዎ።

3. ክልተኣዊ ዝምድናታት ናብ ንቡር ምምላስ፣ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ኰነ ናይ መጐዓዝያ፡ ንግድን ተለኮምዩኒከሽዩን ርክባት እንደገና ምጅማር ሓደስቲ ዕድላትዚኸፍት ኣገዳሲ ምዕባለ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ገና ብናይ መቝነን መግቢ፡ ብክቱር ሕጽረት ማይ፡ ብቐጻሊ ምቍራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ብዘይ ብቑዕ መሳለጥያታት መጐዓዝያ ኣብ ምስቓይ ይርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ሓድሽ ምልጋብ መሳለጥያታት መጐዓዝያ፡ ንግድን ተለኮምዩኒከሽንን ርካባት ሓባራዊ ጥቕሚ መታን ኪረክብ ድማ፣ እቲ ኣገልግሎታት ኰነ ንግድን ኢንዱስትሪን ነቲ ብሕታዊ ክፋል ክፉት ኪኸውን፣ እቲ ዓንዩ ዘሎ ኣካላዊ ትሕተ-ቅርጺ ኤርትራ ኪተዓራረ፣ መሳለጥያታት መጐዓዝያን መራኸቢታትን ኪመሓየሹ፣ እኹል ቀረብ ጸዓትን ማይን ኪረጋገጽ የድሊ። ብሓጺሩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብቐጥታ ዘርብሕ ኪኸውን ኣለዎ።

4. ትግባረ ውሳነ ዶብ ከም መሰረት ናይ ኵሉ’ቲ ኣብ መንጎ ልኡላውያን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚፍጠር ዝምድናታት፣ እንተላይ ናይቲ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር፣ ኰይኑ ዘገልግል ኢዩ። እቲ ዶብ ዚበሃል ኣምር ኣድላዪ ረቛሒ ናይዚ ዘመናዊ ኣህጕራዊ ስርዓተ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ሃገራት ምዃኑ ኪዝንጋዕ የብሉን። ክንዲ ዚዀነ፡ ብንጹር ዚተመልከተ ዶብ ንሃገራዊ መንነት ወይ ሃገራዊ ዜግነት ናይቶም ኣብቲ ወሰናስን ዶባት ዚነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ይውስን፤ ንቦታታት ልኡላዊ ስልጣን ወይ ዘቤታዊ ሕጋዊ ስልጣን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ይድርት። ብዚተረፈ፡ እቲ ዶብ ትርጉም የብሉን ዚብል ኣበሃህላ ደንቆሮ ወይ ውዲታዊ ጥራይ ኢዩ ኪኸውን ዚሕእል።

ኵሎም ዶባት ኣብ መንጎ  ኵለን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብሃውራዊ መግዛእታዊ ውዕላት ዚተወሰኑ ኢዮም። ክንዲ ዚዀነ፡ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን፡ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት ናይ 1900፡ 1902ን 1908ን፡ ብጀኦግራፍያዊ ምልክታትን  ጀኦሜትርያዊ ድርብ ኣሃዛትን፡ ዚተደረተ ኢዩ። እቲ ኣብ ክልቲኡ ሸነኻት ናይቲ ወሰናስን ዶባት ዚነብር ህዝቢ ነቲ ልክዕ ደረት ናይቲ ሓባራዊ ዶብ ካብ ቀደሙ ኣረጋጊጹ ይፈልጥ፡ ይቕበልን የኽብርን ኢዩ። ብርግጽ፡ እቲ ናይ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ብሕግን ብግብርን ኣህጕራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰይኑ ንዳርጋ ሓደ ምሉእ ዘመን ጸኒሑ ኢዩ። ኢትዮጵያ ስለ’ቲ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ምስሕሓብ ኣልዒላ ወይ ለውጢ ገይራ ኣይትፈልጥን ኢያ። ኣብ 1997 ጥራይ ኢዩ ብበይናዊ ኣገባብ፣ ኣብቲ ምዕራባዊ፡ ማእከላይን ምብራቓውን ክፋላት ንሰፊሕ ቦታታት መሬት ኤርትራ ናብታ ሽዑ ስፍሓት ወሲኻ ዚቘመት ክልል ትግራይ ዚጸንበረ ካርታ ዳግም ተሳኢሉ።

ንዶባት ናይተን ናጽነት ዚጐናጸፋ ግዙኣት ሃገራት ንምዕቃብ ዘገልግል መትከል ልማዳዊ ኣህጕራዊ ሕጊ ኣሎ። እቲ ኣብቲ ፈለማ እዋን፡ ንዶባት ናይተን ካብ መግዛእቲ ዚተላቐቓ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ንምሕንጻጽ ኣብ መዓላ ዚወዓለ መትከል ኡቲ ፖሲደቲስ ጁሪስ (uti possidetis juris) ከም ቅቡል ኣገባብ ማዕቢሉ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ። እቲ መትከል ዘይተተንካፍነት ናይቶም ኣብ እዋን ምጭባጥ ናጽነት ዚውረሱ ዶባት የረጋግጽ። እዚ ኣብ ቻርተር ውድብ ሓድነት እፍሪቃ (1963)፡ ውሳነ ካይሮ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (1964)፡ ኣብቲ ህንጻዊ ሰነድ ኣፍሪቃዊ ሕብረት (2000) ብግቡእ ሰፊሩ ይርከብ። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኰነ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ንብጹእነት ናይቶም ኣብ እዋን ምጕንጻፍ ናጽነት ዚውረሱ መግዛእታዊ ዶባት ብትሪ ኪድግፉ ጸኒሖም።

እምበኣርከስ፡ ንውሳነ ዶብ ግቡእ ግምት ኣብ ምሃብ፣ ህያው ፍታሕ ጕዳይ ዶብ፡ ብመሰረት መትከል ኡቲ ፖሲደቲስ ጁሪስን ምምኽኻር ምስቲ ኣብ ወሰናስን ናይቲ ዶብ ዚነብር ህዝብን፣ ኣብ ምዕቃብ ናይቲ ታሪኻዊ መግዛእታዊ ውዕል ዶብ ኪምርኰስ ይግባእ። ከምዚ ዚኣመሰለ ፍታሕ ነቲ ቅድመ-1997 ዚነበረ ኵነተ ህላወ (status quo ante) ዚመልስ፣ ነቶም ኣብቲ ወሰናስን ዶባት ዚነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካብ መሬት ዓደቦ ዘየልቅቕ፣ ሃገራዊ መንነቶምን ዜግነቶምን ዚዕቅብ፣ ቦታታት ዘቤታዊ ሕጋዊ ስልጣን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘይቅይር፣ ዚወሓደ ወይ ባዶ ምዝንባል ህዝቢ ዘስዕብ ፍታሕ ይኸውን።

5. ምስ ምርግጋጽ ሰላምን ምምላስ ንቡር ዝምድናታትን፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣቓልቦአን፡ ጻዕረንን ጸጋታተንን ናብ ምፍታሕ ናይቲ ዘለወን ዘቤታዊ ብድሆታታ ናይ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ሓቛፊ ልምዓትን ከድህባ ይኽእላ። ዕዉት ደሞክራስያዊ ስግግርን ሓቛፊ ልምዓትን ናይ ክልቲአን ሃገራት መፍትሕ ናይቲ ናይ መጻኢ ክልተኣውን ዞባውን ዝምድናታተን ኪኸውን ኢዩ። ሓድሽ ናይ ‘ርባሕ-ርባሕ’ ክልተኣዊ ዝምድና ድማ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሓያል ደራኺ ናይ ዞባዊ ሰላም፡ ልምዓትን ምትሕብባርን ኰይኑ ከገልግል ይኽእል።

እቲ ብኣላዪነት ናይተን ዚተቐየራ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚሰላሰል መስርሕ ዞባዊ ፖለቲካዊ ምትሕብባርን ቍጠባዊ ውህደትን ህያው ሰረት እንተተነጺፉሉን ብጽቡቕ እንተማዕቢሉን ድማ፡ እዞም ከም መጋረዲ ዘገልግሉ ዘለዉ ተረርቲ ዶባት (hard borders) ናብ ከም መራኸቢ ዘገልብሉ ፈኰስቲ ዶባት (soft borders) ኪቕየሩ ይኽእሉ ኢዮም። ይዅን’ምበር፡ እዚ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ልኡላውነትን መሬታዊ ምሉእነትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዚምርኰስ፣ ብንጡፍ ተሳትፎን ግሁድ ፍታውን ህዝብታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብዚስነዩ ስምምዓት መሰረት ብዚውሰዱ፣ ደረጃ ብደርጃ ብዚውህለሉ ስጕምቲታት ዚፍጸም ዘገምታዊ መስርሕ ኪኸውን ይግባእ። 

ብመንጽር’ዚ ድሕረባይታ’ዚ፡ እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዚተራእየ ቅልጡፍ ስግግር ካብ ኵነተ  ኲናትን መሪር ተጻብኦን ናብ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ዚምጐስ ኢዩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ዝንቕ   ናይ እዝኒ ዘጽምም ጸለልመለል ናይ ፍቕርን ምድማርን፣ እቲ ሃወኽ ዚመልኦ ዘረባ ናይ ሓደ ህዝቢ፣ እቲ ብተደጋጋሚ ዚተገልጸ ህያብ መሪሕነትን ውክልናን (ኤርትራ) ንቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ሓንቲ ሓዳስ መሓዛ ዚዀነት ንነዊሕ እዋን ተጻባኢት ዚጸንሐት ሃገር፣ ብልኡም ኣዘራርባ፡ ስግንጢርን ኣሻቓልን ኢዩ ኪበሃል ይከኣል፤ ብፍላይ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ንርእሰ-ውሳነ ኣብ ግምት ምስ ዚኣቱ። ዕዮ ገዛና ምስ ዘይንሰርሕ፣ መጻኢና ኣብ ኢድና ንምጭባጥ  ብቕልጡፍ ምስ ዘይንቀሳቐስ ድማ፣ ካብቲ ፈጠራ ናይ ሓደ ህዝቢ ናብ ጽውጽዋይ ናይ ሓንቲ ሃገር ምስጋር ቀሊል ኪኸውን ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን (ኢትዮጵያውያን’ውን ማዕሪኡ) ንዘስካሕክሕ ሳዕቤናት ናይ ከምዚ ዓይነት ፈጠራ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት (1961-1991) ሓርነታዊ ኲናት፣ ንተወሳኺ ክልተ ዓመታት መመላእታ (1998-2000) ዶባዊ ኲናት፣ ክቡር ዋጋ ናይ ደምን ረሃጽን ከፊልና ኢና፤ ክሳብ ለይቲ ሎሚ እውን፡ ብናይ ዓሰርተታት ዓመታት መድቈስትን ዚባኸነ ዕድል ልምዓትን ንሳቐ ኣለና። ሓቅታት ምኽሓድ ኰነ ምዝናይ ኣየዋጽኣናን ኢዩ። ግዜ ጌና ከየርከበ፡ ነዚ ዚተኣኻኸብ ዘሎ ህቦቡላ ንምቍጽጻር፣ ጥልመት ንምብርዓን፣ እቲ ታሪኽ ናይቲ ዚሓለፈ 66 ዓመታት ንኸይድገም ሃየ ንበራበር!