All updates

‘ብቤቶም ተውጽኦም’ - ኣክሊል ሃይሉ

05/04/2019
‘ብቤቶም ተውጽኦም’
 
ኣክሊል ሃይሉ

ፍጥረት ዘበለ ኹሉ ነናይ ርእሱ ቀያዲ ባህርያዊ ሕጊ ኣለዎ። ብዘይካ እቲ እንኮ እዋን፡ ብቓል ፈጣሪ ካብ ዘይምህላው ናብ ህላዌ ደበኽ ምባሉ፡ ኩሉ ፍጥረት ክኽተሎ እተሰርዓሉ መስርሕ ኣለዎ። እዚ መስርሕ ኣይጠሓስን፡ ክትሰግሮ እንተደሌኻ’ውን ኣይከውንን። እንተዘይማእምኣካ’ውን ንሱ’ዩ፡ ንጸጋም ወይ ንየማን መላገሲ ኣይርከብን። እምብኣር ኩሉ እዚ ኣብ ዙርያና እንርእዮ ዘሎና፥ ጸገማትን ዕድላትን፡ ጸበባን ራህዋን፡ ጥሜትን ጽጋብን፡ ዓመጽን ፍትሕን፡ ቃልስን ዓወትን፡ ነቶም ዘይጠሓሱን ዘይምሕሩን መትከላት ኣሰራርሓ ስዒቦም ዝቕልቀሉ ውጽኢታት እዮም።

ግራቱ ዘይጸግአ፡ ዘየዳለወ፤ ዘይሓረሰ፡ ዘይጎልጎለ፤ ዘይዘርአ፡ ዘይጸሃየ፤ ኣብ ጊዚኡ ዘይዓጸደ ዘየኼደ፡ እቶት ክጽበ ኣይክእልን። ጽጋብ ትሃድሞ፡ ጥሜትን ዕርቃንን ንሰበይቱን ደቁን የርክቦም። ክራማት ኣይኮነን ሓጋይ ኣይሰግርን። ሕሉፍ ልቕሑ ከይከፈለ ኻልእ ዘለቅሖ የናዲ። ሕስራን መለለዪ ቤቱ ይኸውን። እቲ ህርኩት ሓረስታይ ግን ነዚ ከምዚ ዝበለ ነገር ይጽየፎ። ንጎረቤቱ ኣይጥምትን፡ ድቃስ እቲ ሃካይ ኣየቕንኦን፡ ደርሆ ከይነቀወ ኣንጊሁ ይትንስእ፡ ጸሓይ ከይበረቐት ዕማሙ የፋርቕ፤ ሰበይቱ’ውን ማመት፡ ጎጎኣ ኣዳልያ ቡና እፍሊሓ ደድሕሪኡ ትስዕብ፡ ድግድጊት ተዓጢቓ ኣብ ደገ ትሕግዝ፡ ኣብ ቤታ’ውን ጥቅውቲ፡ ወሓለ፡ ቤቱ ቤት ኣንበሳ’ዩ። ‘እብ እንዳ ኣንበሳዶ ይሰኣን ዓጽሚ’ ይበሃለሉ፡ ኣብ ባይቶ ዓዲ ሕፉር’ዩ፡ ቤቱ ድማ ምውቕቲ፡ ሰሓቕን ወኻዕታን ይበዝሓሉ። ከምዚ ዝበለ ኣድሃ ዝመልኦ ቤት ብጻዕሪ እዩ ዝርከብ።

ህዝቢ ኤርትራ ንሕና ኢና። ደሓን ሃገርና እንምነ ንሕና ኢና። መስተርሆት ህዝብና ንደሊ ንሕና ኢና። ካልእ የለን። ካልእ’ውን ኣይንደልን።

እዚ ኣብዚ ቕንያት ካብ ልቢ ህዝቢ ገንፊሉ ዝወጸ ናይ ‘ይኣክል’ ነውጺ ሃንደበት ዝመጸ ሒቕታ ኣይኮነን። ናይቲ ፈኸም እናበለ ክናኸስ ዝጸንሐ ሓዊ ዝፈጠሮ፡ ባህርያዊ መስርሕ ተኸቲሉ እተቐልቀለ ውጽኢትን መቐጸልታን እቲ ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሔ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ እዩ። እንተኾነ ኣብ ሓድሽ መድረኽ፡ ዝለዓለ ብራኸ፡ ክብ ዝበለ ደረጃን ኣቲና ከም ዘሎና ክንዝንግዕ ኣይግባእን። እቲ መልእኽቲ ኣብያ ናብ ተግባር እንሰጋግረሉ ህሞት ምዃኑ ነለሊ።

‘ይኣክል’ በጨቕታ ኮይኑ ክተርፍ ኣይጀመረን። ሓይሊ እናደለበ፡ ብዝለዓለ ውዳበ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ እናተላብዔ ዝኸይድ ዘሎ ሃገራዊ ምልዕዓል እዩ። ለውጢ ከይምጽኤ ደው ኣይብልን። ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ሕጂ! ጽባሕ ኣይኮነን፡ ሕጂ! ለውጢ ሕጂ።

ነዊሕ እዋን ይገብር ሓደ ሰብኣይ ላም ክሸይጥ ናብ ዕዳጋ ወረደ። እታ ላም ክትወልድ ዝቐረበት ህራይ ነበረት። ሓደ ላም ክግዝእ ዝደለየ ሰብ እታ መላእ ላም ደስ በለቶ’ሞ ነቲ ሸያጣይ ስም’ታ ላም ሓተቶ፡ ሸያጣይ ትቕብል ኣቢሉ ‘ብቤቶም ተውጽኦም’ እዩ ስማ ቢሉ መለሰሉ። ገዛኣይ እናተሓጎሰ ብልቡ “እምብኣር እዚኣስ ለጋዕ ላም’ያ፡ ንደቀይ ክረምቲ ክተውጽኦም’ያ” ኢሉ ብምሕሳብ ተዋግዩ ዓደጋ። እንተኾነ ዘይተጸበዮ ነገር ኣጓነፎ፡ ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ወለደት’ሞ ክሓልብዋ እንተመጹ ሓንገደት። ሓደ ይሓልብ፡ ሓደ ምራኽ ይሕዝ፡ ሓደ ብቀርና ይሕዝ፡ ሓደ ጨው የልሕሳ። ንሓንቲ ላም ክትሓልብ ብዝላ ቤት ተሰርዔት። እንተ ጸባ ግን ከም ጉድ ተሓልበት።

ሎሚ፡ ኣሽምባይዶ ጸባ ክህበና ነቲ ዘሎና ዘብተኸና፡ ሓንሳብ ብቐርኑ እናወግኤ፡ ጸኒሑ ዝራጋሕ፡ ገሌና ብእግሩ፡ ገሌና ብቐርኑ ንሓዞ። በቲ እተዋህበናን ዘማዕበልናዮን ሞያ፡ ዓቕሚ፡ ክእለት፡ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሰናይን ህዝብና ኢደይ ኢድካ እናበልና ንህዝብና ልግዐ ነቕርበሉ። ብቤቶም ዘውጽእ መንቀኛ ካብ ገጠመና ብቤትና ንውጻእ። ብሓባር ንግጠሞ፡ ሓሊኽና ነውድቆ። ብቤትና ምእንቲ ክንዕወት።

ሃገርና ኤርትራ ኣዝያ ሃብታም’ያ። ብዙሕ ዝዓይነቶም ዓሳታት ባሕሪ፡ ማእለያ ዜብሎም ክቡራት ኣእማን ኣብ ከርሲ ምድራን ባሕራን፡ ካልእ ባህርያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት፡ አረ ገለ ኽፋላስ እታ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ” መሬት ተባሂላ ብኸም በዓል ኣባ ኣልቫረዝ ኣብ ታሪኽ ዝተነደላ እያ። ቅርዕው ምሕደራ ምስረኸበት ንኹሉ ህዝባ ኣኺሉ ዝተርፍ፡ ንኻልኦት ጽጉማትን ስኡናትን ከይተረፈ ዝምቀል ሃብቲ ኣለዋ። ንኹሎም ስንኩላት፡ ተጋደልቲ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዕድሜኦም ዘፋረቑ ዝኣክል መሕወይን መትከል እግርን ክትህብ እትኽእል ሃገር’ያ።

ነዚ ሎሚ ደመት ትርኢታ ደዊኑ፡ ታሪኻ ኣማራሲሑ፡ ያታኣ ኣሕሲሩ፡ ሃብታም ክብርታታ ደርብዩ፡ ኣብ ድኽነትን ስእነትን ዝደርበያ ስርዓት ኣፍሪስና፡ ነቲ ሓድጉ ድማ ክንግልብጦ ኢና። ሕጊ ዝነግሰላ፡ ብልጽግቲ፡ ዲምክራስያዊት ሃገር ምትካል ተራና እዩ።

ክትቅልጥፍ በይንኻ ኪዶ፡ ነዊሕ ክትጓዓዝ ግና ብሓባር ግበሮ ይብሉ ለባማት። እዚ ምኽሪ ኣብ ልብና ዓቚርና፡ ነባሪ ለውጢ ንምምጻእ ንላዓዓል፡ ንቀራረብ፡ ኢሂን ምሂን ንበሃሃል።

ገመድ ካብ ዒቃ’ዩ ዝስራሕ። ሓደ ንጽል ጭሕጎ ዒቃ ኣሲሩ ኣየጽንዕን፡ ክልተ ረቀቕቲ ጭሕጎ’ውን ከምኡ፡ ብዙሕ ጭሕጎታት ግና ሓይሊ ይህልዎ። እቲ ጭሕጎታት ብዝበዝሖ መጠን ዝያዳ ዝኸረረ ገመድ ይኸውን። ክትበትኮ ወይ ክትብጥሶ ኣይትኽእልን፡ ክተላሕልሖ’ኳ ንጋዶ እዩ። ዓበይቲ ዕማማት ድማ የስልጥ። ብተመሳሳሊ ጋቢ ካብ ጡጥ’ዩ ዝእለም። ሓንቲ ወይ ክልተ ፍረ ጡጥ ወይ ቁኒን ኣይኣክልን። እቲ እናተፈትለ ዝእከብ እናበዝሔ ብዝኸዶ መጠን ግሩም ዝኾነ፡ ማሕለፍያ ጋቢ ይወጾ።

ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ ንህዝብና ካብዚ ተሸሚምዎ ዘሎ ታኼላ ዜውጽእ ልቦና ወይ ጥበብ ኣሎኒ እንተበለ ይጋገ፡ ምስትውዓል’ውን ይጎድሎ። ነፍሰወከፍ ዜጋ አእጃሙ ምስኣበርከተ ግን እቲ ለውጢ ንሕጊ ባህርይ ስዒቡ ይመጽእ። ስለዚ ክቡራት ደቂ ሃገር፡ ድሕሪ ይኣክል እጅጌኻ ሰብሲብካ ናብ ናይ ስራሕ ጽምዶ ምእታው’ዩ። ድሕሪ ይኣክል ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘሎዉ መማህርትኻ፡ ደቂ ገዛውትኻ፡ ኮሚኒቲኻ፡ መሳርሕትኻ ተወዲብካ ምስጓም’ዩ። ድሕሪ ይኣክል ምስ’ቶም እትኣምኖም ተላፊንካ ምብጋስ’ዩ። ድሕሪ ይኣክል ነቶም ኣብ ሰራዊትን ጸጥታውን ስለያውን ስራሕ ዝተዋፈሩ ኣዝማድካን ኣዕሩኽትኻን ኣብ ጎኒ ህዝቦም ክሳተፉ ምዝኽኻር’ዩ። ስለዚ ተራኻ እንታይ’ዩ፧ ተራኺ እንታይ’ዩ፧ ተራይ እንታይ’ዩ፧ እናበልና ንሕተት።

ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና፥ ሕጊ ዝመልከላ፡ መሰላት ዝኸበረላ፡ ብልጽግትን ሰላማዊትን ኤርትራ ክንሃንጽ ኢና።
ብቤትና ወጺእና፥ ማንም ዘይፍንቅሎ፡ ጽኑዕ መሰረታት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ንመጻኢ ወለዶ ከነውርሶ ኢና።
እቲ ለውጢ ንሕና ኢና። ለውጢ ሕጂ!