All updates

ብህግደፍ ዝድገፉ ኣቡናት ኣብ ልዕሊ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ሓድሽ ጸለመ የካይዱ

19/07/2019

ብህግደፍ ዝድገፉ ኣቡናት ኣብ ልዕሊ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ሓድሽ ጸለመ የካይዱ

ብሃይማኖታዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝምርሑ ኣቡናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ፣ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ሓድሽ ጸለመ ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም ይርከቡ።

ብስም እቶም ኣቡናት፣ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓድሽ ናይ ጸለመ መግለጺ፣ ድሕሪ ሞት እቶም ብህግደፍ ዝተሸሙ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ፣ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ሓድሽ ፓትርያርክ ቅድሚ ምምራጹ፣ ብጹእ ቆ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮንስ እንተተጣዒሶም ናብ መንበሮም ንምምላስ ክጽበ ምጽንሑ’ዩ ዘመልክት።

“ኣገዳሲን እዋናዊን መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ” ተባሂሉ ብ17 ሓምለ ዝተዘርግሐ ወቐሳታት ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ፣ ብጹእ ቆ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሉ ምእመን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ነቒሕሉ ዘሎ፣ ምትእትታው ህግደፍ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ንምሽፋን ዝዓለመ ጸለመ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓሙሽተ ፈለስቲ ገዳም ደብረ ቢዘን ከምዝኣሰሩ ኣይርሳዕን።

ህግደፍ ነቶም ባዕሉ ዝዝውሮም ኣቡናት፣ ሓድሽ ፓትርያርክ ክመርጹ ይደፋፍኦም እኳ እንተሎ፣ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮንስ ብህይወቶም እንከለዉ፣ ካልእ ፓትርያርክ ምምራጽ ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስትያን ምግሃስ’ዩ ዝብል ተሪር ተቓውሞ ዝበዝሑ ፈለስትን ካህናትን ዓብሊሉ ይርከብ።

ይኹን’ምበር እቶም ንሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ኣብ ጎኖም ዘሰለፉ ሒደት ኣቡናት፣ ብስም ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ እንጠንዮስን ካልኦትን “ጉጅለ መናፍቓን” እናበሉ ንሓያሎ ዓመታት ክኸስዎም ጸኒሖም’ዮም።

ኣቡነ እንጠንዮን፣ ንህዝቢ፣ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያንን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን በደልን ምግላጾም ኣይርሳዕን።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይ ናይቲ ብህግደፍ ዝምርሑ ኣቡናት ዘርጊሖሞ ዘለዉ መግለጺ እንሆ፣-

(Original Source: Radio Erena)