All updates

1. ቍራቦ ካብ 6 ዓመታት ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ

04/09/2018
ይርጋኣለም ፍስሃ ON 03-SEP-2018
ቀዳማይ ክፋል

“ነዚ ሰብኣይ ትኸውን ሓንቲ ጥይት ድያ ተሳኢና ኢልኪ ተዛሪብኪ”

ንውሕሰነት ሓያሎ ሰብ ዛንታ ክብል᎓ ኣብ ጽሑፈይ ስም ኣይክጠቅስን’የ።  

“19 ለካቲት 2009 ልክዕ ሰዓት 4 ድ/ቀ/ ኣገዳሲ ኣኼባ ስለዘሎ ኩሉ ኣባል ኣብ ኮረድዮ ክርከብ ንሕብር” ኣብ መስቀሊ ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት ሬድዮ ባና ተሰቒላ ናይ ዝሓደረትን ዝወዓለትን ወረቐት፣ ትእዛዝ ኣኽቢሩ ዝተኣኻኸበ ሰራሕተኛ᎓ ርዝነት ዘይዋሃቦም ነጥብታት እናኣልዓለ ንከባቢ ኣርብዓ ደቃይቕ ተሳልዩ ተበተነ።

እታ ዝገፈሐትን ዝበዝሑ ኣባላትን ዝነበሩዋ ቤት-ጽሕፈት “ፓነል ጥዕና” ናብ ኮሮድዮ ምስ ኣተኻ ቅድሚት ካብ ዝርከባ ክፍልታት’ያ። ኣባላታ ብዛዕባ ዘይንጹርነትን ኣድላይነትን ናይቲ ኣኼባ እናኣዕለልና፣ ድልዱል ሰብኣይ ምሉእ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ብዝዓጠቐ መንእሰይ ተዓጅቡ ህሩግ በለና። ስም እቲ ኣኪቡና ዝጸንሐ ዳ/ጀነራል ክ/ት/ን/ሜድያን ጠቒሱ ሓተተና። ቤት-ጽሕፈቱ ካብዚ ቀጽሪ ወጻኢ ምዃኑ ነገርናዮ። ንሱ ግና ከምዘሎ ርግጸና ምዃኑ ሓቢሩና ወጸ። ብናይ ውሽጥጢ መስመር ቴለፎን ናብ ሓላፊየይ ደወልኩ። “ንእከለ ዝደለዩ ሰባት መጺኦም ኣለዉ ሰብ ድሓን ድማ ኣይመስሉን” ሓበርኩዎ። ከይመለሰለይ እቶም ሰባት ድሮ ማዕጾ ቤት ጽሕፈቱ ስለ ዝዃሕኵሑ ግን ‘ድሓን መጺኦም ኣለዉ” ኢሉ ዓጸወኒ። ዕላል ኣባላት “ፓነል ጥዕና” ካብ ጉዳይ ኣኼባ ናብ ጉዳይ እዞም ኣጋይሽ ገዓዘ። ድሕሪ ደቓይቕ እታ ቴለፎን ኣድሃየት። ኣልዓልክዋ። “ይርጋኣለም ዲኺ ሓንሳብ’ስከ ንዒ” ሓላፍየይ’ዩ።

እታ ጸባብ ቤት ጽሕፈቱ ብሰባት ኣዕለቕሊቓ ጸንሓትኒ። እቶም ኣጋይሽ፣ ካብ ዝተሓቱ ክሳብ ዳ/ጀነራል ዝርከቡ ሓለፍትናን ገለ መሳርሕተይን ነበሩ። እቲ ፈላማ ዝረኣኹዎ ሰብኣይ᎓ ዝርዝር ኣስማት ምጽዋዕ ቀጸለ። ሽዱሽተ ደቀኣንስትዮ ንርከቦም ሓያሎ ሰባት ድማ ተጠቐስና። በብሓደ ናብታ ጸባብ ክፍሊ ተኣከብና።

ጸኒሖም በልማማ ስለ ዝገበሩዎ᎓ ኣባል ይዅን ዘይኣባል᎓ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ይጽናሕ ኣብ እንዳሻሂ᎓ ወለንተኛታትን ወጻእተኛታት ከይተረፉ ኣብቲ ካንቸሎ ኣከቡና። ቀጽሪ ሬድዮ ባና ብወተሃደራት ተኸቢቡ ጸንሓና። ክልተ ኣባላት ማ/ቤ/ሚ/ትምህርቲ ተጸንበሩና። ልዕሊ ኣርብዓ ሰባት፣ ተዳልያ ናብ ዝጸንሐት ናይ ጽዕነት መኪና ከም ንስቀል ተገብረ።

ንዓዲ-ኣበይቶ ምዃንና’ዩ።

ኣብታ ሽዓ ምሸት᎓ ላብቶፕክን ፍላሽክን ኣበይ ኣለዋ? ዕላማ ሬድዮ ባና እንታይ’ዩ? ዝርዝራዊ ዘዳልዎም መደባት᎓ ሬድዮ ተቓወምቲ ትሰምዒዶ? ሬድዮ ወጋሕታ ካበይ ትፍኖ? ናይ ባንኪ ደብተር ኣለኪዶ? ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ኣለኪ?... ዝኣመሰሉ ሕቶታት ተሓተትኩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ብጌጋ ተታሒዘ ምህላወይን ኣጻርዮም ከም ዝሰዱንን ርግጸኛ ኰንኩ። ኣብ ሳልስቱ ቀዳምን ዝሰዓበት ሰሉስን’ውን ተጸዋዕኩ። ብዘይካ ብሓንቲ ካብተን ዝቐረባለይ ሕቶታት ብዅሉ ቅስንቲ ነበርኩ።

“ነዚ ሰብኣይ ትኸውን ሓንቲ ጥይት ድያ ተሳኢና?” ኢልኪ ተዛሪብኪ።

“ነየናይ ሰብኣይ?” ምስ ስንባደይ ሓተትኩ።

“ንፕረሲደንት።”

“ኣይበልኩን።”

“ኢልኪ ምበር መሰኻኽር ኣለዉ።”

“ንመን ኢለዮ? መቸም እዚ ዘረባ ትም ኢልካ ዝበሃል ኣይኰነን። ነቲ ዘምጽኣልኩም ሰብ ኢለዮ ማለት ድዩ?”

“ደሓን ንመን መዓስን ኢልኪ ዘዘክረኪ ሰብ ከነምጽኣልኪ ኢና᎓” ተባሂለ።

ዝምስክር’ኳ እንተዘየቕረቡ፣ መርመርተይ ንሕቶታቶም ኣብ ዝብድሃሉ እዋን “ነዚ ሰብኣይ ትኸውን ጥይትዶ ተሳኢና ትብሊ ሰብ’ኮ ኢኺ᎓” እናበሉ መሰንበዲት ተጠቒሞሙላ’ዮም። ኣነ’ውን ንሳ እናክትጥቀስ፣ ‘ክወጽእ’የ’ ዝብል ተስፋይ ይቕህም ነበረ።

ብድሕሪ’ዚ 23/05/2009 ናብ ማይ-ስርዋ ተወሰድኩ። ሸላ 48 ድሓር ድማ ሸላ 22 ቤተይ ነበራ።

ኢመይልን ፓስዎርድን ኣረክቢ 

ለካቲት ምስ ተኣሰርና ብሰንፈላል ትጽቢትን ኮን ዶኾንን ክንቅሎ ምስ ጸናሕና᎓ ንመርመራ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2009 ተጸዋዕኩ። ብዋርድያ ተዓጂበ ኣብቲ መመርመሪ ክፍሊ ምስ ተቐልቀልኩ ብሕሱም ኣገባብ ኣመራምርኡ ህቡብ ዝነብረ መርማሪ ኮፍ ኢሉ ጸንሓኒ።

ኣብ ፈለማ ጉዳይና ዝተጋነነ ግምት ስለ ዝተዋህቦ᎓ እቶም ብሕሱም ግድዓዊ ኣመራምራኦምን ገዳይም መርመርቲ’ዮም ሒዞሞ። ኣነ ሓንቲ ካብ’ቶም ኣብ’ታ ዝተተሓዝናላ ምሸት ዝተመርመሩ ውሑዳት ነበርኩ። ድሕሪኡ ግን ፋይላትና ንተልመዴን መርመርቲ ተዓደለ። እዚ ንዓና ቍርብ ትንፋስ ዝሃበ ምልክት’ዩ ነይሩ።

ስለምንታይ ደኣ’ዩ ሕጂ ካብ’ቶም ቀንዲ መርመርቲ ዝጽውዓኒ? ምሽቓለይ ዛየደ።

እዚ መርማሪ ቅድሚ ገለ መዓልታት ሳልሳይ ርእሱ፣ ኣብ ሸላ ነፍሲ-ወከፍ ናይ’ታ ኣነ ዝርከባ ጉጅለ እሱራት እናኮለለ ኢመይላት ፓስዎርድታት እሱራት ክእክብ ከሎ፡ ኣብ ሸላይ (ሸላ ቁጽሪ 22) መጺኡኒ ነበረ።

በታ ኣብ ማዕጾ ትርከብ ንእሽቶ ማዕጾ ተቐልቂሎም ተደሃዩኒ።

“ከመይ ኣለኺ?” ሓተተኒ።

“ኣምላኽ ይመስገን።” 

“ተሰማሚዑኪ’ምበር።” 

ኣይመለስኩን።

“በሊ ናይ ኢመይል ኣድራሻኽን ፓስዎርድኽን ኣብዚኣ ጽሓፊ” ወረቐትን ፒሮን ኣቐበለኒ። ጽሒፈ መለስኩሉ። ኣድራሻይን ፓስዎርደይን ምስ ዝላገባ ክፈትውዎ ዘይክእሉ ምሉእ ሓሳብ የቝማ ስለ ዝነበራ፡ ከየስተብህለላ ተሻቐልኩ። ኣዒንቱ ኣብ’ቲ ወረቐት ተኺሉ ከሎ᎓ “ሓንቲ ኢመይል ጥራይ’ያ ዘላትኪ?” ሓተተኒ።

“እወ።” ውሽጠይ ግን ኣሻቡ ራዕዲ ኣተዎ።

“ሓቂ ደኣ?”

“ንሳ ጥራይ’ያ ዘላትኒ᎓” መለስኩ። ግና ይሕሱ ነበርኩ።

ድሕሪ ገለ ግዜ እዛ ቀዳም’ዚኣ መጺኣስ ንካልኣይ ግዜ ተራኺብና። ፊቱ ኣብ ዝነበረ ሰድያ ኮፍ ክብል ኣመልከተለይ። ንመተኣታተዊ ዝበሎ’ዩ መስለኒ፣ ንናብራይን ጥዕናይን ዝምልከት ሕቶታት ኣቐደመ።

ቀጺሉ፤ “ናብ’ቲ ዝኸፍአ ኣገባብ መርመራ ከይኣተና ሓቂ ክትዛረብ’የ ዝመኽረኪ᎓” በለኒ።

ርእሰይ ንድጋፍ ነቕነቕኩ።

ገለ ካብቶም ዝሓተኒ ዘነበሩ ሕቶታት መስሓቓት፣ ገሊኣቶም ምሳይ ብኸመይ ምትእስሳስር ከም ዘለዎም ንምርዳኦም ዝሓርበተኒ፣ ካልኦት ከኣ ስለምንታይ ንዓይ ይሕተቱ ዘብሉ’ዮም ነይሮም።

ኣብታ ዕለት ዓብለልቲ ካብ ዝነበራ ነጥብታት መርመራይ፤

“ኣብ ዓድቐይሕ መብራህቲን ቴለፎንን የለን ኢልኪ ተዛሪብኪ።”

‘ንመን? መዓስ? ኢለ ኣይዝክርን፡ ኣብ ዓዲ-ቐይሕ መብራህቲን ቴለፎንን ስለ ዘየለ ግን ኢለ እኸውን’የ።’

ተመላሊስና ኣብ ሓደ መዕለቢ ስለ ዘይበጻሕና፤ “ኣብ ኢመይል ስለዝጽሓፍክዮ ብጽሑፍ መርትዖ ከምጽኣልኪ’የ᎓” በለኒ። ንግዜኡ ተዓጽያ።

“እገለ ዝብሃል ኣባል ሚ/ዜና ተፈልጥዮዶ?” ስም ተጋግዩ ነይሩ። ሞያኡ ስለዝወሰኸላ ግን ፈሊጠዮ ነበረኩ። “እገለ ክትብል ዲኻ’ ክብሎ ስለዘይደለኹ ግን ‘ኣይፈልጦን!’ መለስኩ። ወረቐት ገናጺሉ ልክዕ ስምን ሞያን ጸውዓለይ።

“እወ እፈልጦ።”

“ብኸመይ ትፋለጡ?”

“ካብ ንኣሽቱና ኢና ንፋለጥ። መተዓብይቲ ኢና።”

“ንሱስ ፈሊጠ ኣለኹ ካልእ ደኣ ኣምጽኢ?”

‘ካብኡ ዝሓልፍ ቅርበት የብልናን።”

“ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ’ዩ ዘሎ ምሳና᎓”

“ካብዚ ዝብለካ ዘለኹ ወጻኢ ርክብ ነይሩና ዝብል እንተዀይኑ፣ ኣቕርበለይ።”

“ኣብዚኣ ከምጽኦ’የ᎓” እዚኣ’ውን ምስ’ታ ቀዳመይቲ ሕቶ ንግዚኡ ተዓጽወት።

“ስምዒ’ንዶ እንታይ ገይረ ትብሊ?”

“ወላ ሓደ ከይገበርኩ ተኣሲረ እብል᎓”

“መንግስቲ ወላ ሓንቲ ከይገበርኩ ኣሲሩኒ ኢልኪ ትሓስቢ?”

“እወ መንግስቲ ወላ ሓንቲ ከይገበርኩ ኣሲሩኒ ኢለ እሓስብ።’

“እሞ እንተወጺእኪ፣ ወላ ሓንቲ ከይገበርኩ ተኣሲረ ኢልኪ ኣብ ጋዜጣ ክትጽሕፊ ዲኺ?” ፈታኒት ሕቶ። “ኣውጽኡኒ ደኣ’ምበር ኢደይ ትሰበር” ክብሎ ነይሩኒ’ኸውን። ናይ ልበይ ዘይምዃኑ ግን ንሱ’ውን ኣይስሕቶን’ዩ። ‘በቲ ምእንቲ ክወጽእ ዝለማመጾን መሬት ዝዘብጦን ክሕጭጭ ከሎ ኣብ ኣእምሮይ ተሳእለኒ።

“ደጊመ ከይእሰር እንተዘይፈሪሐስ ምጽሓፍኩ’መስለኒ᎓” ድምጸይ ኣለምልም ኣቢለ᎓ ኣይትብዓት ኣይፍርሒ መለስኩ።

“ሓንቲ ኢመይል ኢያ ዘላትኒ ኢልኪ ነርኪ ሓቀይ? ናብ ካልእ ነጥቢ ሰገረ።

“እወ ሓንቲ’ያ ዘላትኒ።”

“ዝከፍአ ከይስዓበ ሓቂ ተዛረቢ።”

“ንሳ’ያ᎓” መለስኩ፣ ብፍርሒ ግን ከብደይ ክግላበጥ ተፈለጠኒ።

“delaytfitah ወይ delaytfitihi ናይ መን ኣድራሻ’ያ?” ዓይኒ-ዓይነይ ጠመተኒ። ፍዝዝ በልኩ።

እዛ ኣድራሻ እዚኣ ምስ ሓደ ብኣካል ዘይፈልጦን ዘይፈልጠንን ጸሓፋይ᎓ ዝጽሓሓፈላ ዝነበርኩ’ያ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ግን ምጽሕሓፍና ዛሕቲሉ ነበረ። ከም ካልአይቲ ኣድራሻ ከመዝግባ ዘይመረጽኩሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ “ደላዪት ፍታሕ” እንታይ ማለት’ዩ? እንታይ ክትብሊ ኢኺ ደሊኺ? ካብ ዝብሉ ሕቶታት ክሃድም ኢለ’የ።

ፈቲሹ ክሃስየኒ ዝኽእል ነጥቢ ከምዘይረክብ ርግጸኛ’የ፣ ከለኒ የብለይን ምባለይ ግን መዛረቢ ነጥቢ ንኽረክብ ተሓባቢረዮ’የ።

“እስከ ድገመለይ” ሓሳበይ ንምጥርናፍ ግዜ ክረክብን ነቲ ዝህቦ ምኽንያት መንጸፍ ክዀነኒን ኢለ’የ። ኣብ ገጸይ ፍርሒ ከይንበብ ክኽልክል ካልእ ገድሊ ኰነኒ።

ተኣማሚኑ ደጊሙለይ።

‘ፈጺመ ኣይዘከርክዋን። ግን ንመሓዙተይን ዝፈልጦም ሰባትን ስም ቀይረ ይጽሕፍን የራስንን ስለዝነብበርኩ፣ ብዙሕ እዋን ሓድሽ የውጽእ ነይረ’የ። ንጸወታ ኢለ ስለዘውጽኦ ድሕሪ ገለ ግዜ ይገድፎ ካልእ የውጽእ... ብከምኡታት ብዙሕ ነይሩኒ’ዩ። ግን ዝዝክሮን መሊሰ ዝጥቀመሉን ኣይኮነን። ምናልባት ኣብ ከም’ዚ ኣጋጣሚ ዘውጻእክዋ’ሞ ገለ ግዜ ተጠቒመ ዝገደፍክዋ ክትከውን ትኽእል’ያ። ግና ፈጺመ ኣይዝክራን’የ። ንኩሉ ንጥፈታተይ ዝጥቀመላ እታ ዝሃብኩኻ’ያ” ኣዕረፍኩ። ካብ ንጅምር ክጽሕፍ ወይ ክምዝግብ ኣይረኣኽዎን። ፍሽኽ በለ’ሞ ሰዓቱ ተመልከተ።

“ኪዲ በሊ። ዝወዳእና ግን ከይመስለኪ። ሰሉስ ክንቅጽሎ ኢና። እቲ ወረቓቕትን እቲ ሰብን ሒዘ ክመጸኪ’የ። ተዳሊኺ ጽንሒ።” ኣኣሚነዮ ድየ ኣየእመንክዎን ከይፈለጥኩ ወረቓቕቱ ጠራነፈ።

“ሰሉስ የራኽበና” ደገመለይ። እዚ ኩሉ ኣነ ክዋጠርን ክርዕድን፣ ንዕኡስ ምዝንጋዕ’ዩ ነይሩ። “ነንጭዋ ጻዕረ-ሞታ፣ ንድሙ መጻወቲታ!” ሽዑ ምስ ከደ፡ 21/10/2010 ልክዕ ኣብ ዓመቱ ተመሊሱኒ። እቲ ንሰሉስ ዝተቛጸርናሉ ነጥብታት ተረሲዑ፡ ካልእ ሕቶታት፣ ፌሮን በትርን ሒዙ ሳልሳይ ርእሱ ደኣ መጸ።

ነቲ ክዝክሮ ዘይደሊ ወቕቲ፣ ክጽሕፈሉ ሓይሊ እንተረኺበስ...


(ይቕጽል)

________________________________________________________________

ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ማዕከናት ዜናን ኤርትራ ስራሓታ ዘሕተመት’ያ። ይርጋኣለም ካብ መስከረም 2003 ጀሚራ ኣብ ትምህርታዊ ሬድዮ ባና ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ምስ ምዕጻው ናይታ መደበር ሬድዮ ብዕለት 19 ለካቲት 2009 ንማእሰርቲ ድሕሪ ምውሳዳ፡ ብዘይ ዝዀነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሓ ዕለት 21 ጥሪ 2015 ተፈቲሓ። ደራሲት ካብ ወርሒ መጋቢት 2018 ኣትሒዛ ኣብ ስደት ትርከብ። 

[End of article: (Source) PEN Eritrea]