All updates

ምንጪ ብርቱዕ ሃገራዊ ፍቕሪ፣ - ሳምሪ ሳምሪ

14/06/2019
ምንጪ ብርቱዕ ሃገራዊ ፍቕሪ፣ እምነት ኣብ ሓባራዊ ዕላማ እዩ።
 
ሳምሪ ሳምሪ
 

ፍቕሪ ሃገር፣ እቲ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ሕላገት ናይ ሓደ ህዝቢ እዩ። ፍቕሪ ሃገር፣ ኣብ ኩሉ ወዲ ሰብ ዘሎ ባህርያዊ ነገር እዩ ክብሃል ይከኣል። ምኽንያቱ መበቈሉ፣ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ቦታን ሕብረተሰብን ዘየፍቅር የልቦን። መበቈልካ ምፍታው ጥራይ ግን፣ መግለጺ ሃገራውነት ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ፍቕሪ፣ ሓላፍነት ብዘሰክም ንቕሓት ክዕጀብ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ቃልሲ፣ ኣዝዩ ዘዂርዕን ዝሕበነሉን ታሪኽ ክፍጽም ዝኸኣለ፣ ብፍቕሪ ሃገርን ህዝቢን ዝነደዱ፣ ካብ ውልቃዊ ዕላማታት ንላዕሊ ሃገራዊን ህዝባዊን ባህጊ ንምጭባጥ ዘንቀዱ፥ ብሉጻትን ንቑሓትን ደቁ ስለዝረኸበ እዩ። መጻኢ ጉዕዞኡን ተስፋታቱን እናለምለመ  ክኸይድ እንተኾይኑ ከኣ፣ ዝጸንሐ ባህርያት ዘይተጎልባብነትን  ተዓቂቡ፣ ናብ ንኣሽቱ እናተሰጋገረ ክቕጽል ምስዝኽእል’ዩ። 

ምእንቲ ገዛእ ረብሓኻን ብሩህ መጻኢ ናይቲ እትሓልየሉ ህዝብኻን ሃገርኻን ተጸሚድካ ብቕዓትካ ክብ ምባል፣ ብስራሕ ዘይምግባዝ፣  ንዝኽሰቱ ሽግራት ብብልሓትን መሃዝነትን ምፍታሕ ብሉጽ ክብርታት ናይ ሓደ ህዝቢ እዩ። ምኽንያቱ ብልሓት ብቕዓትካ ኣሐይሉ ዓቕምኻ ብዓጽፊታት ኣራቢሑ፣ ንገዛእ ርእስኻን ነቲ ተፍቅሮ ህዝቢን ሃገርን ዝያዳ ከተበርክተሉ ዘኽእለካ ቀንዲ ዕጥቂ እዩ። ብልሕን ቅንዕናን ዘይግቡዝ ኣኻይዳን፣ ብልዑል ድሌት ሓያል ውልቃዊ ጻዕሪ ምክያድ እምበኣር፣ ሓደ ካብ መለለዪ ባህርያት ህዝቢ እዩ። ምኽንያቱ ብልሕን ፥ ብቕዓትን ዝተዓደለ ኣእምሮ ብዘይካ ክገብር’የ ምባልን ብሉጽ ሕልምታት ምሕላምን፣ ካልእ ሰንኰፍ ሓሳባት ክሓስብ ኣይክእልን እዩ። ሓላፍነት ህዝቢ ዝጾረ ወለዶ ድማ ብሰንፈላል ዘሕልፎ ግዜ ክህልዎ ኣይግባእን። 

ምንጪ ብርቱዕ ሃገራዊ ፍቕሪ፣ እምነት ኣብ ሓባራዊ ዕላማ እዩ። እምነት ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ድማ መሰረቱ ፍትሒ እዩ። ፍትሒ እቲ ቀንዲ መጣምር ሕብረተሰብ እዩ። ጥምረት ደቂሰባት ብፍትሒ እዩ ዝረጋገጽ። ፍትሒን ማዕርነትን ምስዝጥሓስ፣ ጥምረት እናዘለቐ ናብ ምብትታን እዩ ዘምርሕ። መራጉዲ ናይዚ ዝገለጽናዮ ሃገርና ኤርትራ ተከቲላቶ ዘላ፥ ፍትሕን ዲሞክራሲን  ዘይንታዮ መላኺ ስርዓት ዝኽተሉ ንዘሎ ተዓዚብና ክበርሃልና ዝኽእል ቃል እዩ። ብኡኡ ክኣ እዩ  ሓላይ ዝበሃል ነዚ ሓቂ’ዚ ብዕምቈት ተገንዚቡ፣ ፍትወት ሓቂ፣ ፍትሒን ማዕርነትን ባህሉ ገይሩ ዝለበሶ  ጥራይ እዩ። ኣፍቃሪ ሃገሩን ህዝቡን ዝበሃል ዜጋ ንነብሱ ከም ኣገልጋሊ ፍትሒን ሓቂን ማዕርነትን እዩ ዝጥምታ እምበር  ሕብረ ቀለም ባንዴራ ሒዝኻ ስለዘዳኼርኻን ዝነጠርኻን ኣይኾነን  ኣነ ደጋፊ ሃገር’የ ፥ ኣፍቃሪ ዓደየ  ምባል እዚ ምስ  ፍቕሪ ሃገር ፍጹም  ዘተኣሳስር የብሉን። እቲ ልክዕ ሃገራዉነት ዝበሃል፣ ፍትሒ ከይጠፍእ ይከላኸል፣ ዝርአ ጌጋታት ኣብ ምእራም ብትግሃት ይዋሳእ። ብዘይ ፍትሒ፣ ምርግጋእ ይኹን ብልጽግና ፍጹም ክመጽእ ከምዘይክእል ብምርዳእ፣ ሓደ ዜጋ ንማሕበራዊ ፍትሒ ምጥባቕ፣ ጾር ውጽዓት ወገናቱ ንምቅላል ብሓላፍነታዊ መንፈስ ምስራሕ፣ ኣድልዎ ዘይብሉን ማዕርነታዊ ኣጠማምታን ንምስፋን ምቅላስ መለለዪ ባህርያቱ እዩ። እዚ ባህርያት  እዚ ዜጋ ድማ  እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ኩሉ ሰብ እምነት ኣብ ዕላማ ኣሕዲሩ፣ ብጥምረት ሓባራዊ ባህጊ ንምጭባጥ ክሰርሕ ዘኽእሎ። 

ሃገራዊ ሓድነትን ስኒትን እቲ ቀንዲ ምንጪ ሓይልን ብቕዓትን ሕብረተሰብ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ሃገራዊ ዜጋ ዝበሃል፣ እቲ ንኹሉ ከፋፋሊ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒታትን ተግባራትን ነጺጉ፣ ንመላእ ህዝቢ ኣብ ሓደ ዕላማ ከስምር ዝቃለስ ዜጋ እዩ። ስእነት ሃገራዊ ስኒት ክሳብ ክንደይ ንህላወ ሓደ ሕብረተሰብ ከምዝፈታተን፣ ተሞኩሮ ብዙሓት ህዝብታት ክዝርዘር ይከኣል እዩ። ኤርትራዊ ዜጋ እቲ ንማሕበራዊ ስኒት ከም ብሌን ዓይኒ ዝሕሉ ህዝባ እዩ። ሓደ ካብ ሕላገታት ክኣ  ጉጅላዊ ኣተሓሳስባን ኩሉ መልክዓት ኣድልዎን ብትሪ ነጺግን ንሃገራዊ ጥምረት ምስራሕ እዩ። 

ምስ  እዚ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ክኣ ርእሰ ምትእምማን እቲ ካልእ ጉሉሕ መለለዪ ባህርይ ናይ ሓደ ዜጋ እዩ። ቀዳሞት ኤርትራውያን  ብኣተሓሳስባ ይኹን ብግብሪ ኣብ ነብሶም ልዑል እምነት ዝነበሮም እዮም። ሃገራዊ ዕላማታቶም ዘቐድሙ፤ ንውጽዓ ህዝቦም ዝቃለሱ፥ ፍትሕን ዲሞክራሲን ዝጽዕሩ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሞም ዝምርኰሱን  ንገዛእ ባህላዊ ውርሻታቶም ዘድንቑ እዮም ነይሮም።  እዚ ባህርይ ቀዳሞት ኤርትራውያን  እዩ፣ ስለዚ ኩሉ ንሃገርን ህዝብን የፍቕር’የ ዝብል ዜጋ ብዘይተጎላባነት ፡ ነዚ ዘሐብን ባህላዊ ውርሻ’ዚ ዝያዳ ኣማዕቢሉ፣ ንረብሓ ውጽዕ ህዝቡ ክጽዕር እንከሎ እዩ  ፍቕሪ ሃገር ዝውንን ዝብሃል ስያመ ዝወሃቦ።