All updates

BBC Tigrinya - ምስ ኤርትራውያን ኣዴታት ዝተገብረ ዘተ

10/06/2020

ቅትለት ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ :ኣብ ኣመሪካን ዝተፈላለያ ሃገራትን ሰፊሕ ህዝባዊ ሰልፊ: ቁጠዐን ነድርን ኣለዓዒሉ ኣሎ። ብዙሓት አህዛብ እውን ነቲ ጭካነ ብድምጽን ሰልፍን ተቓውሞኦም ይገልጹ ኣለው።
ንሎሚ እምበኣር ምስ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣዴታት፡ ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ተቐማጢት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ወይዘሮ ሸዋ ስዩም፡ ነባሪት ጀርመን፡ ወይዘሮ ከዲጃ ዓሊ መሓመድ ኑርን ወይዘሮ ኣስማሃን ዓሊ ኑዕማንን ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ዛዕባ ሓፈሻዊ ዝርርብ ኣካዪድና ኣሎና፡ ምክትታልኩም ንዕድም።

(Original Source: BBC Tigrinya Facebook)