All updates

ምልዓል ማዕቀብ ንሓደ ምቹእ መሳርሒ ናይቲ ስርዓት የወግን

15/11/2018
ምልዓል ማዕቀብ ንሓደ ምቹእ መሳርሒ ናይቲ ስርዓት የወግን
 

ኤሪ-ፕላትፎርም ንምልዓል ናይቲ ብጸጥታዊ ባይቶ ሕሃ ኣብ 23 ታሕሳስ 2009 [ውሳኔ 1907 (2009)] ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ መርሓባ ትብል።

እቲ ን9 ዓመታት ዚጸንሐ ማዕቀብ (1) እገዳ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ኤርትራን (2) እገዳ መገሻን (3) ድስካለ ንብረትን ኣብ ልዕሊ እቶም ዒላማ ዚዀኑ ውልቀሰባትን የጠቓልል። ኣብቲ ዝርዝር ናይቶም እገዳ መገሻን ድስካለ ንብረትን ዚተነብረሎም ውልቀሰባት (link) ዚኣተወ፡ ስለዚ ድማ በቲ እገዳ ዚተተንከፈ፡ ዚዀነ ኤርትራዊ በዓል ስልጣን መንግስቲ ወይ ዜጋ የለን። ስግር’ቲ እገዳ ኣጽዋር፡ እቲ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ይዅን ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ዚዀን ቍጠባዊ ሳዕቤን ኣይነበሮን።

ኰይኑ ግን፡ እቲ ማዕቀብ፡ ህዝቢ ንምትላል፡ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ኤርትራ ግዳማዊ ሰበብ ዘለዎ ኣምሲልካ ንምቕራብ ከም መመሳመሲ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። እቲ ስርዓት ነቲ ሳዕቤናት ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ጥፍሽናን ዝሩግ ቍጠባዊ ኣከያይዳን ንማዕቀብ ከም ጕልባብ ኪጥቀመሉ ጸኒሑ። እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ኵነት ናይ ፍጹም ፖለቲካዊ ልምሰት፡ ቍጠባዊ ዕንወት ኰነ ዝርገት ናይቲ ቀንዲ እልማት ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ሳዕቤን ናይ ማዕቀብ ዘይኰነስ ውጽኢት ናይቲ እቲ መላኺ ስርዓት ኰነ ኢሉ ኪኽተሎ ዚጸንሐ ሜላታትን ዚፈጸሞ ተግባራትን ኢዩ። ብርግጽ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ጽልሙት ኵነታት፡ ሕሉፍ ድኽነትን ከርፋሕ ሕሰምን ስራሕ ናይቲ ስርዓት፣ ማለት፡ ውጽኢት ናይቲ እኩይ ሜላታቱን ሓሳድ ተግባራቱን ኢዩ። ዝዀነ ዓቐን ናይ ፕሮፓጋንዳ ነዚ ክፉእ ሓቂ’ዚ ኪኽውሎ ከቶ ኣይክእልን’ዩ።

ኤሪ-ፕላትፎርም፡ ብመትከልን ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓን፡ ማዕቀብ ነጻሊ፡ ዘይምኽኑይን ዘየድልን ምዃኑ ኪገልጽ ጸኒሑ (‘The Case for Lifting Sanctions on Eritrea’ ርአ)። እቲ ማዕቀብ ሕሃ ዋላ በቲ ስርዓት ዚተደፋፍአ ምዃኑ ምሉእ ግንዛቤ እናሃለወ፡ ንኣወሳስናኡን ቀጻልነቱን ብመትከል ክንቃወም ጸኒሕና ኢና። ብዚተረፈ፡ በቲ ስርዓት ዚተደፋፍአን ንግጉይ ምኽንያታት ብጌጋ ዚተነብረን ኢዩ!

ኣብ ኤርትራ ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ደረት-ኣልቦ ቀይዲ፡ ግዱድ ምስዋርን (ምጥፋእ ሃለዋት) ጨካን ስቅያትን ልሙድ ኰይኑ ጸኒሑ። ብግዱሳት ኣህጕራውያን መሻርኽቲ፡ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ንምኽታል፡ ግዝኣተ ሕጊ ንምስፋን፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ዝቐረቡሉ ተደጋገምቲ ምሕጽንታታት ጸማም እዝኒ ሂቡዎም። እቲ ኣብ ኵነተ ፍጹም ብኵራት ግዝኣተ ሕጊ፣ ስሩዕ፡ ጃምላውን  መጠነ-ሰፊሕን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣረሜናዊ መድቈስቲ ናይ ተቓውሞ ዚሰላሰል ጨፍላቒ ሜላታትን ተግባራትን ናይቲ መላኺ ስርዓት ነታ ሃገር፡ ብዞባውን ኣህጕራውን ደረጃታት፡ ድሮ ኣብ ፍጹም ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ዲፕሎማስያውን ተነጽሎ ሸሚሙዋ ጸኒሑ ኢዩ።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ብኣህጕራውያን መሻርኽቲ፡ እንተላይ ብላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት ሃገራትን፡ እቲ ስርዓት ንኣሸባሪ ምንቅስቓስ ኣብ ሶማልያ (ምንቅስቓስ መንእሰያት ሙጃሂዲን) ይድግፍ’ዩ ንዚብል ብህሎ (ዘይተረጋገጸ ክሲ) ንኺምክት፡ ሓቅነት ከም ዘይብሉ ንኸእምን ወይ ንኸቋርጽ ኣብ ጽምዶ ንምእታዉ ዚተገብረ ፈተነታት ነጺጉ፣ ንዅሉ’ቲ ዚተዋህቦ ተደጋጋሚ መጠንቐቕታታት ተሓሲሙ። ኣብ ርእሲኡ፡ ነቲ ኣብ ብረታዊ ረጽሚ ዘብጽሐ ዶባዊ ግጭት ምስ ጂቡቲ ምእማን ኣብዩ፣ ንዅሉ’ቲ ነቲ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ዚተወስደ ዞባዊ ተበግሶታትን ኣህጕራዊ ፈተነታትን ነጺጉ ከብቅዕ፤ እቲ ማዕቀብ ምስ ተነብረ፡ ‘ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ’ ከም ዚበሃል፡ ኣመና ደንጒዩ መልሓሱ ብምዕጻፍ፡ ሓሶታቱ ውሒጡ ነቲ ሓቂ ብምእማን፡ ሽምግልና ቓጣር ተቐቢሉ።

ንነብሰ-ተነጽሎ ኤርትራ ብምምዝማዝ፣ ነቲ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ዚኣተዎ ውዕላዊ ግዴታ ዚጻረር፣ ካብቲ ምዕንቃፍ ዕዮ ምምልካት ዶብ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰነ ካብቲ ቀጻሊ ጐበጣ ልዑላዊ ግዝኣት ኤርትራ ኣንፈት ኣተኵሮ ክትትል ኣህጕራዊ ኮም  ንምጥምዛዝ፣ እቲ ሽዑ ዚነበረ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ብሰላሕታዊ ደገፍ ሕቡራት መንግስቲታት፡ ቀንዲ ደፋኢ ናይቲ ውሳኔ ማዕቀብ ኢዩ ነይሩ። እቲ ውሳኔ ማዕቀብ ኣብቲ በይነመንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት (IGAD)፡ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት (AU)፡ ኣብ ጸጥታዊ ባይቶ ሕሃ (UNSC) ብዘይ ዚዀነ ተቓውሞ፡ ብምሉእ ድምጺ ኪሓልፍ ምኽኣሉ፡ እቲ ስርዓት ንሃገረ ኤርትራ፡  ኣብ ንኡስ-ዞባዊ፡ ዞባውን ኣህጕራውን ጽፍሕታት ፍጹም ኣብ ምንጻል ከም ዚተዓወተ ዘረጋግጸ ፍጻሜ ኢዩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ስርዓት ምስቲ ናይ ሶማልያ-ኤርትራ ተኸታታሊ ጕጅለን (Eritrea-Somalia Monitoring Group) ምስ ኣቦ መንበር ሽማግለ ማዕቀብ ጸጥታዊ ባይቶ ሕሃን (ሚር. ከይራት ዑስማኖቭ ናይ ካዛኽስታን) ኣብ ጽምዶ ንምእታው ኰነ ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ፡ ብተደጋጋሚ፡ ፍቓድ ምሃብ ስለዚኣበየ፣ ነቲ ብገለ ግዱሳት ኣባላት ጸጥታዊ ባይቶ እቲ ማዕቀብ ንኪለዓል ዚተገብረር ሓያሎ ፈተነታት ብምዕንቃፍ፣ እቲ ማዕቀብ ከም ዚናዋሕ ገይሩ ኢዩ።

ሕጂ፡ እዚ ሓድሽ ሕዳሰ-ምሕዝነት ምስ ኢትዮጵያን (ከምኡ’ውን ምስ ሶማልያ፡ ብመጠኑ ድማ፡ ምስ ጂቡቲ) እቲ ስዒቡ ዚተራእየ ጽምዶ ምስ ሚር. ዑስማኖቭን፡ እቲ ማዕቀብ ንኪለዓል መንገዲ ጸሪጉ። ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ምልዓል ማዕቀብ ሕሃን፡ ነቲ ስርዓት ኤርትራ፡ ብስም ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ትሕቲ ዘይእዉጅ ኵነተ-ህጹጽነት፡ ኣረሜናዊ ምልኪ ንምስፋንን ንህዝቢ ኤርትራ ጂሆ ንምሓዝን፡ ንማዕቀብ ከም ሰበብ ወይ ጉልባብ ናይቲ ፍጹም ውድቀት ቍጠባ ኤርትራን ከርፋሕ መነባብሮ ህዝብን፡ ኪጥቀመሉ ዚጸንሐ ክልተ ምኽኒታት ወይ ምስምሳት፡ ኣወጊኑዎ ወይ ኣልዩዎ ኣሎ።

ብዘይ ጥርጥር፡ እዚ ንሃገረ ኤርትራ ካብቲ ውርደት ዘናግፍ፣ ነቶም ብቐጻሊ ነቲ ማዕቀብ ዚተቓወሙን ንኪልዓል ዚጸውዑን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዘሞጕስ፣ ነቲ ነጻሊ ስርዓት ድማ ዚጸፍዕ ምዕባለ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ነዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ’ዚ መርሓባ ኪብል ግቡእ ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ እቲ መላኺ ስርዓት (ምስ ሸሓጥቱ)፡ ከም ልማዱ፡ ዕምሪ ምልኩ ዘናውሕ ግዜ ንምዕዳግ፡ ነቲ ኣብ ምድራኽ ናይቲ ማዕቀብ ዚተጻወቶ ከሓዲ ተራ ንምኽዋልን ነቲ ምልዓል ናይቲ ማዕቀብ ከም ዓወት ንምቕራብን ኪፍትን ኢዩ።

ምስ ምልዓል ማዕቀብ ሕሃ፡ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ግቡእ ፍታሕ ሕቶ ዶብ ብምግባርን ንዝምድናታት ክልቲኡ መንግስቲታት ትካላዊነት ብምትሓዝን ኪረጋገጽ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ህያው ሰላም ኤርትራ ምስ ኣብ ውሽጣ ዚተረጋግአት ኢትዮጵያ፡ ብቐዳምነት ሰላም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይጠልብ። ዘቤታዊ ኵነታት ኤርትራ ንለውጢ ይጣራዕ ኣሎ፡- ምምስራት ግዝኣተ ሕጊ፣ ትግባረ ናይቲ ኣብ 1997 ዚጸደቐ ቅዋም፣ ምሕደራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብመሰረት ቅጥዕታት ኣዋጅ 1995፣ ቅጽበታዊ ምፍታሕ ኵሎም ፖለቲካዊ እሱራት፡ እሱራት ጋዜጠኛታት፡ ናይ ሕልና እሱራትን እሱራት ዜጋታትን፣ ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ደረት-ኣልቦ ቀይዲን ስቅያትን ደው ምባል፣ ሓድሽ ደሞክራስያዊ ኣከያይዳ ምትካል፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ባይታ ንኣገግሎትን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ምኽፋት።