All updates

መልእኽቲ ኣምባ. ዓንደብርሃን ብኣጋጣሚ 20 ሰነ 2020 መዓልቲ ሰማእታት

23/06/2020
20 ሰነ 2020
መልእኽቲ ኣምባ. ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
ብኣጋጣሚ 20 ሰነ 2020 መዓልቲ ሰማእታት
 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡

ሎሚ 20 ሰነ 2020፡ ከም ወትሩ ዓመት ዓመት፡ ነቶም ምእንቲ ናጽነት ሃገርና፡ ሓርነት ህዝብና፣ ኤርትራ መታን ኪትስእን ኪትስስንን፣ ህዝቢ ኤርትራ መታን ናጻ ኪኸውን ዚወደቑ ጀጋኑ ሰማእታትና ብዓሚቝ ትዝታን ዓቢ ሓበንን እንዝክረላ ዕዝዝቲ ዕለት ኢያ።

ብጹኣት ሰማእታትና ክቡር ህይወቶም ዚበጀዉ፡ ኤርትራ ናጻ ልዑላዊት ሃገር መታን ኪትከውን፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሓራ ልዑላዊ ህዝቢ መታን ኪኸውን ኢዩ። ብጹኣት ሰማእታትና ክቡር ህይወቶም ዚወፈዩ፡ መጻእቲ ወለዶታት መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ንቡር መነባብሮ፡ ብግቡእ ስድራቤታዊ ሓልዮትን ብብቑዕ ስርዓተ ትምህርትን እናተዀስኰሱ መታን ኪዓብዩ ኢዩ።

እቲ ዅሉ ኣብቲ ኵሉ-ጐድናዊ ጥምጥም ምስ ሓይልታት ባዕዳዊ ወራር ኣብ ዓውደ ውግኣት፡ ከተማዊ ስርሒታትን ኣብያተ ማእሰርትን ኰነ ብጠንቂ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ሰራዊት ወራር ኢትዮጵያ ዚወሐዘ ቀይሕ ደም ተጋዳላይን ህዝብን፡ ዚተኸስከሰ ኵምራታት ኣዕጽምትን፣ እቲ ዅሉ ዚተኸፍለ ማእለያ ዘይብሉ ብዝሒ ኤርትራዊ ህይወት፣ ኤርትራ ሃገርና ናጽነትን ሓርነትን ተጐናጺፋ፤ መንእሰይ ኤርትራ ብዘመናዊ ስነፍልጠትን ስነኪነትን ዕቑር ዓቕሙ ኣማዕቢሉ፣ ንነብሱን ስድርኡን ርሁው መነባብሮ ሃኒጹ፣ ሓበን ወለዱ፡ ኣማዕባሊ ሃገሩን ኣገልጋሊ ህዝቡን መታን ኪኸውን ኢዩ።

ብርግጽ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዚኸፈሎ መጠን መስዋእቲ፡ ብተዛማዲ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ቃልሲ ውጹዓት ህዝብታት ዓለም መዳርግቲ የብሉን። እቲ ዚተኸፍለ መስዋእቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብኣሃዛት ዚግለጽ ሓፈሻዊ መቕዘፍቲ ጥራይ ኣይኰነን። ረዚን ሚዛን ዚሓዘለ፡ ዓሚቝ ሃገራውን ሰብኣውን ትርጉም ዘለዎ፡ ወትሩ ህያው ኰይኑ ዚዝከር ኣዝዩ ክቡር ጽዋእ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ መስዋእቲ ንዅሉ ኤርትራዊ ስለ ዚትንክፍን፡ ሳላኡ ኤርትራ ሃገርና ልዑላዊ ናጽነት ስለዚጨበጠትን።

ብርግጽ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዘይተሰውአ ውላድ ወይ ዘይተሰውአ ኣባል ቤተሰብ ዘይብሉ የለን። ኵሎም ደቀን ብመስዋእቲ ዚሰኣና፣ ኣብ ሃልሃልታ ኰነ ንጣር ናይቲ ኲናት ዚጸነታ ስድራቤታትን ዚዓነዋ ዓድታትን ኣዝየን ብዙሓት ኢየን። እቲ መስዋእቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዚትንክፍ፣ እቲ ውጽኢቱ ድማ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕን ዘሐብንን ሃገራዊ ናጽነት ኢዩ።

እቲ ዅሉ ዚተኸፍለ መስዋእቲ ናይ ተኸታተልቲ ወለዶታት ጀጋኑ፡ ክቡር ዋጋ ናጽነት ኢዩ። እቲ መሰረታዊ ዕላማ፡ ትጽቢት ኰነ ተስፋ ህዝብና፡ መብጽዓ ናጽነት ተረጋጊጹ፣ ሓርነት፡ ፍትሒ፡ ራህዋን ቅሳነትን ንምስፋን ኢዩ ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኻዊ ግርንቢጥ ኣጋጢሙ፣ ሕድሪ ሰማእታትና ተጠሊሙ፣ ሎሚ 29 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ብሓፈሻ፡ መንእሰይና ብፍላይ፡ ኣደዳ ኣደራዕ ናይ ውልቀ-ምልካዊ ግፍዒ፡ ጭቈና፡ መድቈስትን ዓመጽን ኰይኑ፣ ኣብ ንምግላጹ ዘሸቝርር ስቓይ ናይ ስእነት፡ ጭንቅን ጸበባን ወዲቑ።

ሰማእታትና ውልቀ-ምልኪ ንምትካል ኣይተሰውኡን። ሰማእታትና ባዕዳዊ ጭቈና ብዘቤታዊ ጭቈና ንምትካእ ኣይተሰውኡን። ሰማእታትና ህዝብና ብሓለንጊ ዓመጽ፡ ውርደት፡ ስእነት፡ ጥሜት ንኪግርፍ ኣይተሰውኡን። ሰማእታትና ስንኩላን ኲናትና ብቃጻ ንኪቕተሉ ኣይተሰውኡን። ሰማእታትና መንእሰያትና ንምፍላስ፣ ደቆምን ደቂ ብጾቶምን ኣብ ምድረበዳ ሳሃራ ብወቕዒ ጸሓይ ንኪወድቁ፣ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ተሓሪዶም ኰላሊቶም ንኪሽየጥ፣ ኣብ ሊብያ ክሳውዶም ንኪስየፍ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንኪጥሕሉ፣ ፈቐድኡ ኣብ ስደት ከርተት ኪብሉ፣ ኣይተሰውኡን። 

ህዝብና ብዓቢኡ ጽቡቕ ኣይተፈድየን። ዚግብኦ ደበስ ኣይረኸበን። ኤርትራ ሃገርና ሎሚ ናብ ናይ ብዙሃን ገሃነም ተቐይራ ኪትርአ መዓንጣ ከብድኻ ዚቐርጽ ኢዩ። ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ-19 ንመላእ ዓለም ወሪሩሉ ዘሎ ሕማቕ እዋን’ዚ ብፍላይ፡ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኵነታት ይርከብ። መብዛሕትኡ፡ ኣሽንኳይ ዶ መባእታዊ ክንክን ጽሬት ንምሕላው ዘኽእል፡ ነታ ንኣፉ ዚሰትያ እኹል ቀረብ ማይ፣ ኣካላዊ ምፍንታት ንምግባር ዘኽእል ዘጋላብጥ ስፍሓት ዘለዎ ንቡር መንበሪ ገዛ፣ ሃለዋት ጥዕናኡ ንምፍላጥ ዘኽእል መመርመሪ  መሳርሒታት፣ ጥዕንኡ ንምክንኻን ዘኽእል ብቑዕ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና የብሉን።

እዚ ከይኣክል፡ እቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንክስተት ኮቪድ-19 ከም ምቹእ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ዓመጸኛ ቍጽጽሩ ንምጥባቕ፣ ቀይዲ ምንቅስቓስ ኣዊጁ፡ ነቲ ‘ካብ ኢድ ናብ ኣፍ’ ዚነባብር መብዛሕትኡ ህዝብና ድራር እለቱ ከይምእርር፡ ንከም ንግዲ፡ ናኣሽቱ ሸቐጣ-ሸቐጥ፡ ምግፋፍ ዓሳ ዚኣመሰሉ መዓልታዊ ቍጠባዊ ንጥፈታት ብምዕጻው፣ ንሓደጋ ክቱር ጥሜት ኣቃሊዑዎ ይርከብ። ነቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዚካየድ ዘሎ ምትሕልላይ ብምምጓስ፣ ህዝብና ነዛ ሕማቕ እዋን ብደሓን መታን ኪሓልፋ፡ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዙ ከዕዝዝ እላቦ። 

ብሓቂ፡ ስድራቤታት ስዉኣት ግቡእ ደበስ ኣይረኸባን። ስዉኣትና ንገዛእ ርእሶም ንጅግንነቶም ዘንጸባርቕ ግቡእ ክብሪ ኣይረኸቡን። ካልእስ ይትረፍ፡ ዛጊት ንክብሮም ዚበቅዕ፡ ህያው መርኣያ ወፈያ ሓርበኛነቶም ዘዘኻኽር፡ ንቡር ሃገራዊ ሓወልቲ’ኳ ኣይተሰርሓሎምን።

ኪኖ’ቲ ዓመት ዓመት ብምስሉይ ዝኽሪ መስዋእቶም ግቡእነት ንምርካብ ዚካየድ ሕሱር ሸቐጥ ናይቲ ስርዓትን ንብዓት ሓርገጽ ናይ ሰዓብቱን ደገፍቱን፡ ዚኸይድ ቁምነገር ኣይተራእየን። እቲ ዓማጺ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ድማ፡ ንኪርአ ትጽቢት ኣይግበርን።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንሕና ከም ተቓለስቲ ንፍትሒ መጠን፡ ብስም ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስቲ ኣብ ኣመሪካን መላእ ዓለምን ጸረ-ዓሌታዊ ኣድሉዎን ግፍዕታትን ዚካየድ ዘሎ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ዘለና ምሕዝነት እገልጽ። ንስድራቤትን ፈተውትን ጆርጅ ፍሎይድን ካልኦት ተመሳሰልቲ ግዳያት ዓሌታዊ ግፍዕን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም፣ ወትሩ ኣብ ጐድንኹም ኣለና፡ እብል። ብወገንና ድማ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ንህዝብና ዓፊኑ ምስትንፋስ ብምኽላእ ህይወት ናይ ኣሽሓት ዜጋታት ዘሕልፍ ዘሎ ዘቤታዊ ጨቋኒንምእላይ ብምቅላስ ግብራዊ ምሕዝነትና ነረጋግጽ።

ብግብሪ፡ እቲ መበቈላዊ ዕላማታት ብረታዊ ተጋድሎና፣ መሰረታዊ ባህግታትን ሃረርታን ህዝብና ኰነ መብጽዓታት ሰማእታትና ስለ ዚተጠልመ፤ ኣብ ትሕቲ ቅዋማዊ ሕጊ እትመሓደር፣ ሓርነት፡ ፍትሕን ራህዋን ዚሰፈና፣ ምዕብልትን ብልጽግትን  ኤርትራ ብምህናጽ ሰማእታትና ንምድባስ ንበገስ።

ኣብ ሃገርና ምልኪ ተኣልዩ ግቡእ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ እነቝመሉ እዋን፣ ኣብቲ ቀንዲ ኣደባባይ ርእሰ-ከተማና ኣስመራን ካልኦት ከተማታትናን፣ ነባሪ ሕላገት ሰማእትነቶም ዘመልክት፣ ታሪኽ ጅግንነት ብረታዊ ቃልሲና ዘውርስ፣ ሓርበኛነት ተኸታተልቲ ወለዶታት ዚዅስኵስ፣ ኣብ ከከባቢኡ ጸብለል ዚብል፡ ግርማ-መጐስ ዚዓሰሎ መዘከርታ ሓወልቲ ሰማእታት ክንተኽለሎም ኢና። ቀንዲ ጐደናታትን ጽርግያታትን ከተማታትና በስማቶም ኪስለም ኢዩ።

ሎሚ፡ እቲ ዕርቃኑ ዚወጸ ውልቀመላኺ፡ ንጥልመት ብክድዓት ንምድባስ ብስቱር ይሰርሕ ከም ዘሎ ዘመልክት ሓበሬታታት ኣሎ። ነቲ ንትሕዝቶን ቅርጽን ፖለቲካዊ ጀኦግራፍ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቕያር ተኣሊሙ ዚስርሓሉ ዘሎ ምስጢራዊ ውዲት ቅድሚ ምትግባሩ ንምዅላፍ፤ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ፡ ውድብ ይዅን ውልቀሰብ፡ ብምሉእ ዓቕሙ ኪሰርሕ ይግባእ። ሕድሪ ሰማእታትና ንምፍጻም፡ ነዛ ጽዋእ ሰማእታትና ዚዀነት ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ብምዕቃብ፣ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ሓቢርና ንቃለስ።

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!

[:swvar:text:838:]