All updates

UPDATED [TG/AR] መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2021

31/12/2020

------ [Arabic Version below] ------

31 ታሕሳስ 2020

ልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2021

ምንቅስቓስ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ

ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

 

ኣቐዲመ፡ ብስም ምንቅስቓስ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ (ልህኤ)፡  እንቋዕ ናብዚ እንፍልሞ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2021 ኣብጽሓና እናበልኩ፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመት እትምነየልኩም።

ልዑላዊ ናጽነት ኤርትራ ብተባዕ ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ካብ ዚጭበጥ ዳርጋ 30 ዓመታት ቀሪቡ። ኰይኑ ግን፡ ልዑላዊ ናጽነት ሃገርና ድሕሪ ምጭባጥ፡ ከም ህዝቢ መሰረታዊ ዕላማታት ብረታዊ ቃልስና ተጠሊሙ፤ ልዑላዊ ስልጣንና ተመንዚዑ፣ ሰብኣዊ መሰላትና ተረጊጹ፣ ህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ይዅን ኣብ ስደት፡ ፈቐዱኡ ተዋሪዱ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ንረብሓ ውልቀ-ምልኩ ጥራይ ዚሰርሕ፡ ኣመና ምእኩል ጨቋኒ ስርዓት፡ ሃገራዊ ቍጠብኡ ዓንዩ፣ መነባብሮኡ ኣንቈልቊሉ፣ ሕብረተሰቡ ተዳኺሙ፣ ስድራቤታቱ ተበታቲኑ፣ ብሓለንጊ ስቓይ ናይ መዘና-ኣልቦ ግፍዕታት፡ ኣረሜናዊ መድቈስትን ጃምላዊ ጥሜትን ይግረፍ ኣሎ።

ነዚ ኵነት’ዚ ንምቕያር፡ እቲ ቀንዲ ኣተኵሮ ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ኣብ ጕዳይ ሃገሩን ህዝቡን  ከድህብ ይግባእ። ንዅሉ ዓቕምታቱ ኣብ ናይ ሓባር ዕላማ ጠርኒፉ፡ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ብዘቤታዊ ሓይሊ ንምምጻእ ኣብ ምድራኽ ኪነጥፍ፣ ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓርነት ዘረጋግጽ፡ ቅልጡፍ ልምዓት ዘሰስን፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ፍትሒ ዘስፍን፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲ ንምትካል ዘኽእል ባይታ ኣብ ምንጻፍ ኣበርክቶኡ ከዐዝዝ ናይዚ እዋን’ዚ ህጹጽ ጠለብ ኢዩ።

ምንቅስቓስ ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ’ታ ጽባሕ ብስሙር ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኪትህነጽ ዚግባእ ወይ ኪትህነጽ እትድለ ኤርትራ ንጹር ራእይ ኣለዎ። ብሕጽር ዚበለ ኣቀራርባ፡ እዚ ራእይ’ዚ፡ ኣብ እዞም ዚስዕቡ ኣርባዕተ ቀንዲ መትከላት ኪጠቓለል ይከኣል፦

1.     ልዑላውነት ሃገርን ህዝብን ምርግጋጽ፣

2.     ግዝኣተ ሕጊ ዘንግስ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል፣

3.     መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን መባእታዊ ናጽነታትን ዜጋታት ምውሓስ፣

4.     ሰላም፡ ርግኣት፡ ድሕነት፡ ቅሳነትን ራህዋን ምስፋን።

ብሓጺሩ፡ ኣብ ግዝኣታዊ ምሉእነታ ዚዓቀበት፣ ልዑላውነት ህዝባ እተረጋግጽ ናጻ ሃገረ ኤርትራ፣ ንዅሉ ዜጋ ግቡእ ሰብኣዊ ኣኽብሮት፡ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ናጽነት፡ ማዕረ ዕድል ዚህብ፣ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ራህዋ ዘስፍን፣ ኣብ ኵሉ መዳያት ሃገራዊ ህይወት - ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ ኰነ ባህላዊ - ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ዚዅስኵስ፣ ግሉጽን ተሓታትን ምሕደራ ዘሰላስል፣ ምስ ኵለን ጐረባብቲ ሃገራት ብሰላም፡ ብጽቡቕ ጕርብትና፡ ብሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ንምንባር ዚሰርሕ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምምስራት።

ብጠንቂ ባዕዳዊ ግህሰት መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ፡ ልዑላውነት ሃገሩን ምሉእነት መሬቱን፣ ህዝቢ ኤርትራ ንሓምሳ ካብዘን ዚሓለፋ ስድሳ ዓመታት ኣብ ርሱን ወይ ዝሑል ኲናት ተጸሚዱ ኪደሚ ጸኒሑ። ሎሚ፡ ኣብ መፈለምታ ሓድሽ ዓመት 2021፡ እቲ ንደጀኑ ዘጥቕዐ ኣስፋሕፋሒ ወራር ብምብጋስ፡ ልዑላዊ መሬትና ንዕስራ ዓመታት ጐቢጡ፣ ብሉይ ኦሪታዊ ኣምር ናይ ሃገርነት ብምስባኽ፡ ኣብ ልዕሊ ምሉእነት ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ኰነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነት ቅሉዕ መጥቃዕቲ ከሰላስል ዚጸንሐ ባዕዳዊ ሓይሊ ኣብ ምብቅዑ ኢዩ። እቲ ሓይሊ’ቲ ነቲ ኣብ ዳያስፖራ ዚነብር ክፋል ህዝብና ብፍላይ፡ ዒላማ ናይ ንረብሓኡ ዘገልግል ምክፍፋል ብምግባር፣ ኣስዳዒ ገንዘብ እናፍሰሰ ኣማለድትን ኣሳሰይቲ ፕሮፓጋንዳኡን ብምዕሳብ፣ ንመሳርዕ ሃገራዊ ሓይሊ ብመደብ ንምድኻም፣ ሰባብ ምፍልላይን ምትፍናንን ኪዘርእ ከም ዚጸንሐ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እቲ ውዕል ሰላምን ኣህጕራዊ ሕግን ብምጥሓስ፣ ንሓያሎ ውሳኔታት ጸጥታዊ ባይቶ ሕሃን ምሕጽንታታት ኣህጕራዊ ትካላትን ጸማም እዝኒ ብምሃብ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተጐቢጡ ዚጸንሐ ልዑላዊ ግዝኣት ኤርትራ ሓራ ዚወጽኣሉ ኵነታት፣ እቲ ብጠንቂ’ቲ ወራርን ቀጻሊ ጐበጣን መሬቱ ንኣስታት 22 ዓመታት ተመዛቢሉ ዚጸንሐ ልዕሊ 60,000 ህዝቢ (ኣብ 2002) ናብ ዓድታቱ ተመሊሱ፡ ንቡር መነባብሮኡ ንምጥያስ ዘፍቅድ ባይታ ተፈጢሩ ኣሎ። ዕዙዝ ኣበርክቶ ንጡፍ ምክልኻል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ) ኣብ ምእላይ ናይቲ ንግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገራዊ ልዑላውነትን ኤርትራ፡ ብግብሪ ኰነ ብህርፋን፡ ህላወኣዊ ስግኣት (existential threat) ኰይኑ ዚጸንሐ ተጻባኢ ባዕዳዊ ሓይሊ መጐስ ዚግብኦ ታሪኻዊ ፍጻመ ኢዩ።

እዚ ሓድሽ ክዉንነት’ዚ፡ ኵሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ኣብ ሓድነት ዕላማ ረጊጹ፡ ምሉእ ዓቕሙ ኣንጻር’ቲ ልዑላዊ ስልጣን ህዝቢ መንዚዑ ብዓመጽ ዚገዝእ ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ብምቕናዕ፡ ብኤርትራዊ ዋንነት ዚመጽእ መሰረታዊ ለውጥን ደሞክራስያዊ ስግግርን ንምድራኽ ምቹእ ዕድል ፈጢሩሉ ኣሎ። ሃየ፡ ንበራበር፡ ነዚ ዕድል’ዚ ብኣድማዕነት ንጠቐመሉ!

ብመሰረቱ፡ ነባሪ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብሓባራዊ ስምምዕ ናይ ክልቲአን ሃገራት፡ ንኣህጕራዊ ልምዳዊ ሕጊ ዚምእዘዝ፡ ንመትከልን ልምድን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዘኽብር፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገረ ኤርትራ ዘረጋግጽ፡ ነቲ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት ዚተደረተ ኣህጕራዊ ዶብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ምኽላል ይጠልብ። ብተወሳኺ፡ እቲ ብመራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዚተራሰየ ንብረት፡ ኣባይትን ዋኒነ-ትካላትን ናይቶም ብዘስካሕክሕ ግፍዕታት ዚተጠረዙ ኤርትራውያን፡ ምስ ግቡእ ካሕሳኡ፡ ናብ ዋናታቱ ምምላስ፣ ነቲ ንብዙሓት ኤርትራውያን ከሳቒ ዚጸንሐ ቍስሊ ኣብ ምሕዋይ ዕዙዝ ኣበርክቶ ኪገብር ይኽእል።

ልዑል ጀኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጋብላ ቀይሕ ባሕርን ኰነ ህሉው ኣሰላልፋ ዞባውን ኣህጕራውን ሓይልታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኰነ ኣብ መንጎ ኤርትራን እተን ካልኦት ቀጥታዊ ጐረባብቲ ሃገራትን፡ ኣብ ሓባራዊ ስትራተጅያዊ ረብሓ ዚምርኰስ ክልተኣዊ ምትሕግጋዛዊ ዝምድናታት ምምዕባል ንፍትሓዊ ዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታ፡ ርግኣትን ልምዓትን ወሳኒ ረቛሒ ኢዩ። ነዚ ተኽእሎ’ዚ ብዘተኣማምን መንገዲ ክዉን ጌርካ ምስሳን፡ ኣብ ኤርትራ ኰነ ኣብተን ቀጥታዊ ጐረባብቲ ሃገራት ምስረታ ናይ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓታት ይጠልብ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ሕቶ’ዚ ይዅን ኣቀዋውማ ዘቤታዊ ስርዓት፡ ንህዝቢ ኤርትራን ንህዝቢታት ናይተን ቀጥታዊ ጐረባብቲ ሃገራትን ስለ ዚምልከት፡ ዚዀነት ጐረቤት ሃገር ኣብ ናይ ካልእ ጐረቤት ሃገር ውሽጣዊ ጕዳያት ጣልቃ ምእታው ኣይግባእን።

ስፍነት ፍትሓዊ ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ንልምዓት ዞባና፡ ምጥፋእ ድኽነትን ድንቍርናን ኰነ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብታቱ መሰረታዊ ቅድመ-ኵነት ኢዩ። ክንዲ ዚዀነ፡ (1) እቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ፡ ኪካየድ ዚጸንሐ ኲናት፣ ብመሰረት ቅዋማዊ ግዝኣተ ሕጊ፡ ሰራሪ ፍትሓዊ መዕለቢ ኪግበረሉ፤ (2) ከምቲ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ምስቶም ዚምልከቶም ሰብመዚ ሕሃ ዝደፋእናሉ፡ ብመሰረት ኣህጕራዊ ሕጊ ኲናትን ውዕል ጀነቫን፡ ድሕነትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ኰነ ግቡእ መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኪሕሎ፤ (3) እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተኸሲቱ ዘሎ ዶባዊ ግጭት ኰነ እቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልያን ተፈጢሩ ዘሎ ማያዊ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ ክንዲ ብኲናት ወይ ብሓይሊ፣ ነቶም ኣብ መፈለምታ መበል 20 ዘመን ኣብ መንጎ ብሪጣንያ፡ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዚተፈረሙ መግዛእታዊ ውዕላትን ነቲ ኣብ 1982 ዚጸደቐ ውዕል ሕቡራት ሃገራት ናይ ሕጊ ባሕርን (United Nations Convention of the Law of the Sea) መሰረት ብምግባር፣ ብሓደ ካብ ሰለስተ ኣማራጺታት፡ ማለት፡ ብክልተኣዊ ልዝብ፡ ብሽምግልና ሳልሳይ ኣካል ወይ ብኣህጕራዊ ፍርዲ፡ ግቡእ መዕለቢ ኪናደየሎም ይግባእ። 

በዚ ኣጋጣሚ ናይ ትስፉው ሓዲሽ ዓመት’ዚ፡ እቲ ቀዳማዊ ተልእኾ ሓምኤ ዋልታ ሃገር ብምዃን ምሉእነት ግዝኣት፡ ልዑላውነት ሃገርን ድሕነት ህዝብን ምውሓስ ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ኣብ ዘይምልከቶ ናይ ካልኦት ሃገራት ኲናት ምስታፍ ብምቅዋም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ጥራይ ተዋፊሩ ኣህጕራዊ ዶባት ኤርትራ ኣጽኒዑ ብምሕላው ቀዳማዊ ተልእኾኡ እናፈጸመ፡ ኣብቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ስግግርን ንምምጻእ ዚካየድ ህዝባዊ ቃልሲ ግቡእ ኣበርክቶኡ ከወፊ እጽውዕ።

ብተወሳኺ፡ ኣህጕራዊ ኮም ነቲ ኣብ ርእሲ’ቲ ብሰሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ዚወርዶ ዘሎ ሽግራት፡ ብሕሱም ጃምላዊ ጥሜት ዚሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣድላዪ ህጹጽ ረድኤት፡ ናውቲ ሓለዋ ጥዕናን መድሃኒትን፡ ብፍላይ መከላኸልን መከናኸንን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ እንተላይ ክታበት ኮቪድ-19፡ ከቕርብ፣ እቲ ረድኤት ኰነ ሕክምናዊ ሓገዝ ብግቡእ ኣብ ህዝቢ ከም ዚበጽሕ ንምግባር፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓልዮት ህዝቢ ዘየብሉ ስርዓት ኣድላዪ ጸቕጢ ንከንብር አማሕጽን።       

ኣብ መደምደምታ፡ ኵሉ ሃገራዊ ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ኣብ ጕዳይ ጐረቤት ሃገር ምቍያቝ፡ ኣብ ጕዳይ ሃገርናን ህዝብናን ከድህብ፤ ኵላትና ብናይ ሓባር ዕላማ፡ ነቲ  ጥልመት ዕላማታት ብረታዊ ቃልስና ዘስዓቦ ክዉንነት ናይ ሓሳድ ምልኪ፡ ግፍዒ፡ መድቈስቲ፡ ድኽነትን ሓሳረ-መከራን ከም ዘብቅዕ ብምግባር፣ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ራህዋን ዘስፍን፣ ድሕነትን ልዑላውነትን ህዝቢ ዘረጋግጽ፣ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት፣ ሓድነት ሃገራዊ ሓይልታት ንምድልዳል፡ ጥርናፈኡ ንምዕዛዝ፡ ደሞክራስያዊ ቃልስና ንምሕያል ክንሰርሕ እላቦ።

ዕድመ ንናጻ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ!

ክብርን መጐስን ንጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ሓበን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ፈጣሪ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!

ደጊመ፡ ሰናይ ትምኒት ንርሑስ ሓድሽ ዓመት!