All updates

[UPDATED Part 1 & 2] ሕድሪ ሰማእታትና ተፈጺሙ ዶ፧

19/06/2020
ኤልሳ፡- እቲ ውጽኢት ናይ ኩሉ መስዋእትነት ሃገራዊ ናጽነት ጥራይ ኣይነበረን። ራህዋ ኣብ ናብርኡ፡ ምፍጣር ሰላም እዩ ነሩ እቲ ዕላማ።
 
ትርሓስ፡- “መምህር ልደቱ ኣደ 4 ስዉኣት፡ ናይ ደቀይ መስዋእቲ ወይ ክሕበን ወይ ክበኪ’ሲ፣ እንተደኣ ንዉሑዳት መጻወቲ ክኸዉን ርእየዮ፡ ሽዑ’የ ዝበኪ”
 
ሞባእ፡- “መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ድሮ በዓል ናጽነት ክግፈፍ ዘምሲ እንተ ኮይኑ ክብሪ ናይ ሰማእታት ኣበይ እዩ ዝሕሎ ዘሎ፧”
 
ኤፍረም፡- “እዚ ስርዓት ብስሞም ንብዓት ሓርገጽ ይነብዕ። ብስሞም ገንዘብ ካብ ህዝቢ ይእክብ። ድርብ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰማእታትን።”