All updates

ሕድሪ ‘ለኪ ባጽዕ!

15/02/2019
ሕድሪ ‘ለኪ ባጽዕ!     
 
ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ
ባጽዕ ’ወ ባጽዕ ሓያል ሰራውራ።
 
ተበሃጊት ወደብ ምስ ገማግም ባሕራ
ዓይኒ ኣባይ ዘይፍለየኪ ሒዙ መከራ
ፍሉይ’ዩ ቦታኺ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ
ብፍላይ ብፍላይ መግዛእቲ ኣምሓራ።
 
ሕድሪ ‘ለኪ ባጽዕ፡ ሕድሪ ‘77 ብመራራ
ንኣዋርሕ ዓሪዶም ከርህዉልኪ መከራ
ገዲፎም’ወ ዓጽመ ስግኦም ሒዙ ሓደራ
ብዘግሒ ጨውኪ ዝነቐጹ በዲሆም ንሰብ ጽሩራ።
 
ኣብ ከርስኺ ዝገደፎ ርስቲ
ሓመድኪ ማሚቑ ብናቱ ኣዕጽምቲ
ጕብዝንኡ ቀቢሩ ኣብ ጨውኪ መማቅርቲ።
 
ዓይንኺ ዝረኣዮ ጅግንነት
ንስኺ ብተስፋ ንሱ ብተወፋይነት
ንስኺ ብሃንቀውታ ንሱ ብሕነት
ህያው ኰይኑ ብስርሒት ፈንቅል በዓል ሕድሪ እምነት።
 
መግዛእቲ ደምሲሱ ሃበኪ ግርማ
ስቃይኪ ቀቢሩ ኣልቢሱኪ ጋማ
ክትኰንሉ’ወ መትኒ ምዕባለ በልማማ።
 
ፍሑዅ ከይበልኪ ሓሺሽወን ደሴታት ሓኒሽ ርስቲ
መሲሉ ብዓል ርስቲ ጕልቲ
ኣሚነይ ዝበልኪዮ ኰይኑ ሕማም ኵርምቲ
ሓወይ ክትብልዮ ገይሩኪ መባድልቲ
ውሉደይ ክትብልዮ ገበረኪ ምኽንቲ 
ኣሕሊፉ ክህበኪ ንዓመጽቲ።
 
እወ፡ ኡፎይ ከይበልኪ ኣውጁልኪ መከራ
ዳግማይ ከይትህነጺ ኣብዝሓልኪ መፈንጠራ
ከይተደበስኪ ናይ መንግስቱ፡ ናፓል ምስ ክላስተራ
ዝጸሓየ ኣብ ኣባይትኺ ዝደምሰሶ ብኵምራ።
 
እቲ ናይ ትማሊ ንብዓት ምስ ኣውያት
ዘሰንከለ ህጻውንቲ ዘትረፎም ዘኽታማት
መስከርቲ’ዮም እቶም ውጻእ መዓት።
   
ዝኣመንኪዮ ወጊኡኪ ኣጸጽዩ ሰብ ዝና ዝናራ
ታሪኾም ደምሲሱ ኣውሪዱኪ ንዕዳጋ ምስ ጃህራ
ደሴታትኪ ኰይነን መዋፈሪ ንሰብ ወርቂ ምስ ዶላራ
ከጕብጠኪ ወጊኑ ምስ ገዛእቲ ኣምሓራ።
 
ንቐል ወዲ ሃገር ስርሒት ፈንቅል ድገሞ
ዝገደፉልና ሕድሪ ንዓቅብ ብዓወት ንዛዝሞ
ቀይሕ ባሕሪ ባዕልኻ ክትውንኖ።