All updates

ሓሙሽተ ኤርትራውያን፣ ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተረቝሖም

29/11/2021
[:swvar:text:838:]

ንብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ’ ካብ ዝተረቑሑ 15 ተቐዳደምቲ፣ እቶም ሓሙሽተ ኤርትራውያን ምዃኖም ተፈሊጡ።

ብኣቦመንበርነት 5 ግዜ ተሸላሚ ብጫ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ዝኾነ ፈረንሳዊ በርናርድ ሂኖ እትምራሕ፡ ንኣሰልጠንቲ፡ ዳይሬክተራት ስፖርት፡ መራሕቲ ጋንታን፡ ኣፍሪቃውያንን ኤውሮጳውያንን ጋዜጠኛታትን ብዝሓቖፈት ሽማግለ ንዝዕደል፣ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተረቝሖም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ቢንያም ግርማይ፣ መርሃዊ ቅዱስ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን፣ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናሆም ዘርኣይን’ዮም።

ብዘይካ’ቲ ምስ ክለብ ሰምበል ዝቐዳደምን ብዕድመ ዝኣነሰን ወዲ 19 ዓመት ናሆም ዘርኣይ፣ እቶም ካልኦት ኣርባዕተ ኤርትራውውያን ምስ ዓበይቲ ክለባት ዓለምና ተጠርኒፎም ዝቐዳደሙ ዘለዉ ፕሮፌሽናላት’ዮም።

እታ ሽማግለ ነቲ ሽልማት ይበቕዑ እዮም ዝበለቶም 15 ሕጹያት ብሓሙስ 26 ሕዳር ዕላዊ ኣብ ዝገበረትሉ እቶም ሓሙሽተ ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣርባዕተ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፣ ክልተ ዜጋታት ቡርኪናፋሶ፣ ክልተ ካሜሩናውያን፣ ሓደ ዜጋ ኣይቮሪኮስትን ሓደ ድማ ኣልጀርያዊን’ዮም።

ስልማት “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣህጉር ኣፍሪቃ” ኣብ 2012 ምዕዳል ካብ ዝጅምር፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2012፡ መኽሰብ ደበሳይ ኣብ 2014፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብ 2016፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ 2020 ተዓዊቶሙሉ ከምዝተዓወትሉ ይዝከር።

እዚ ማለት ድማ እቲ ሽልማት ካብ ዝጅምር ኣብዚ 10 ዓመቱ፣ እቲ ሓሙሽተ እዋን ብኤርትራውያን ‘ዩ ተባሒቱ።

Original Source: Radio Erena