All updates

ሎሚ`ውን፡ ካልኣይ ፈንቅል የድሊ ኣሎ

10/02/2020

ሎሚ`ውን፡ ካልኣይ ፈንቅል የድሊ ኣሎ
ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ፡ ስርሒት ፈንቅል፡
(And now - 2nd Fenkil Against
the Dictatorship of Eritrea)
'ዮውሃንስ ጸጋይ


ዝኸበርኩም ደቂ ኤርትራ!
ዝኸበርኩም ሓርበኛታትን ስዉኣትን ብጾተይ!
ኣንቱም ምዑታት ሰብ ስረ!
ኣንትን ዋዕሮታት ሰብ ቅናትን ጠበንጃን!
ኣንቱም ወረስቲ ሕድሪ ዋርሳይ!
ኣንቱም ሞያውያን፡ ለባማት፡ መራሕቲ እምነታትናን ምሁራትናን!

ሎሚ ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል (10 ለካቲት 1990 - 10 ለካቲት 2020)፡ ምሳኹም ከዕልል ኢየ መሪጸ።

ኣብቲ ናይ 1977 ቀዳማይ መጥቃዕቲ ባጽዕ ከም እተሳተፍኩ ተጋዳላይ መጠን፡ እታ ክንደይ ስዉኣት ዝወፈናላ ከተማ ምጽዋዕን ከባቢኣን፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ ዕለት 10 ለካቲት 1990፡ ሓራ ምዃና፡ ብስራት ምስ ሰማዕኩ፡ ስምዒተይ፡ ኣዝዩ ጥርዚ ኢዩ በጺሑ። ሳልስቲ ድሕሪ ሓርነት ከተማ ባጽዕ፡ ብስራሕ ናብ ከተማ ባጽዕ ከይደ፡ ነቲ ንብረት ካብ ሓዊ ንምድሓን ዝጓየ ዝነበረ ህዝቢን ተጋዳላይን ብዓይነይ ተዓዚበዮ። ኣብኡ ኾይነ`ውን ነቲ ኣብ 1977 ዓሪድናሉ ዝነበርና ድፋዓት ሳሊና (ከባቢ እንዳ ሚኪኤል) ክሳብ ጉርጉሱም እናማዕደኹ፡ ነቶም ካብ ጋሕቴላይ ክሳብ ፎርቶ ከምኡ`ውን ኣጂፕን ውሽጢ ባጽዕን ዝተሳተፉን ዝተሰውኡን ብጾተይ እናዘከርኩ፡ ኣስተንቲነ። ሽዑ (1977) ኣብ ብርጌድ 23 ኢየ ዝነበርኩ። ኣብቲ ካብ ባጽዕ ምንስሓብ ዝነበረሉ ሕማቕ እዋን፡ እታ ዝነበርኩዋ ቦጦሎኒ፡ ኣይነበረትን። ኣብ ውግእ ባረንቱ፡ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ትሳተፍ ስለዝነበረት። እንተኾነ፡ እቲ ብድሕሬና ዘጋጠመ ኩነታትን ዝተኻየደ ከቢድ ኩናትን ዝወረደ መስዋእቲን ሰሚዕናዮ። እወ ገድሊ ቀሊል ኣይኮነን፡ ብመስዋእቲ ብሉጻት እናተመወለ ኢዩ ብህይወት ቀጺሉ።

ስርሒት ፈንቅል ክዝክር ከሎኹ፡ ንኹሎም እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ፡ ኣብ ኣፍደገ ዓወት ዝበጻሕናለን ትስፉዋት ዓመታት፡ ከምኡውን መረርቲ ወራራትን፡ ኣብኦም ዝሓለፉ ብጾትን፡ ብሳላኦም ድማ ዝተሓፍሱ ዓወታትን ምዕባለታትን ይዝክር።

ኣብ 1977፡ ከተማታት ኤርትራ ካብ ኢድ ሰራዊት መግዛእቲ ሓራ ወጺኡ፡ ኣስመራ ከቢብናያ፡ ንናይ መወዳእታ ዛዛሚ ኩናት ሎሚ` ዶ ጽባሕ፡ ናይ ተበገስ ትእዛዝ ይወሃበና ዝብል መምርሒ ጥራይ ንጽበየሉ ዝነበርና ናይ ተስፋ ዓመታት፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ (ጽርግያ ኣስመራ - እምባደርሆ) ዓሪድናሉ ዝነበርና ዓመት 1978 ይዝከረኒ። ካብዚ፡ እቲ ናይ ኣጋ መወዳእታ 1978 ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ስዒቡ፡ መረርቲ ውግኣት ዒላበርዕድ፡ ማዕሚደን ሳሕልን ሓሊፍና። ድሕሪ ምዝላቕ፡ ካብ 1979 ክሳብ 1988 ኣብ ሳሕልን ሰንሒትን ዝተኻየደ ናይ ምርብራብ ኩናትን ዝተኸፍለ ከቢድ መስዋእቲን፡ ገሊኡ ብኣካል ዝነበርኩዎ፡ ገሊኡ ድሕሪ ምስንካለይ ካልኦት ብጾተይ ብጅግንነት ዝሓለፉሉን ዝወዓሉዎን፡ ሓያል ናይ መኸተ ዓመታት ሓሊፉ። ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ወራራት ጸላኢ፡ ለሽ! ኢሉ፡ ጸረ-መጥቃዕትታት እውን ተወሲዱ። ጸላኢና ግን ስዕረቱ ስለዘይተቐበለ፡ ክሳብ ዓንቀሩ ዝዓጠቐ፡ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ ዝተሰምየ (6ይ ወራር)፡ መጠነ-ሰፊሕ ምድላዋት ዝገበረሉን ወራር ኣዳልዩ፡ ዓወቱ ከም ርጉጽ ገይሩ ኣሚኑ፡ ሙሉእ ጥፍኣት ናይ ሻዕቢያ ክእውጅ፡ ናይ ዓለም ተዓዘብቲ ከይተረፈ ዝዓደመሉ፡ ስርዓት ኒመሪ (ሱዳን) እውን ከይተረፈ፡ ኣብቲ ደርግ ዘውጽኦ ውጥን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሸነኽ ዶምቦ-ቤት ሸነኽ ሱዳን ክኣቱ ዕድል ዝሃበሉ፡ ናይ ከበባ ኩናት፡ ብጽንዓት ተጋደልትና ፈሺሉ። ድሒሩ ዝሰዓበ ሰላሕታ ወራር፡ እውን ከምኡ ብጽንዓት ፈሺሉ። ድሕሪ`ዚ ሓይሊ ሰውራና፡ ናብ ናይ ጃላነት መድርኽ ተሳጋጊሩ። ስዒቡ፡ ምድምሳስ ግምባር ውቃው (ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል) 1984፡ ቀጺሉ ዓበይቲ ዓወታት ከባቢ ስርሒት ባረንቱ፡ ካብኡ ድማ እቲ ውሩይ መራሒ ዓብዱራሕማን ባቡ፡ ምስ ዓወታት ዲዮም-ቤንፉ (ቬትናም) ዘናጻጸሮ፡ ምድምሳስ ናይቲ ምኩሕ ሰራዊት መግዛእቲ `ግምባር ናደው` (ከባቢ ኣፍዓበትን ናቕፋን) ኣብ 1988 ተመስኪሩ። ኣብዚ ኩናት ዚ፡ ማእለያ ዘይብሉ ኣጽዋርን፡ ናይ ሕብረት-ሶቬት ወታሃደራዊያን ኣማኸርቲን ከይተረፉ ዝተማረኹሉ ኲናት፡ ሓይሊ ሰውራና ኣዝዩ፡ ክብ ኢሉ። እቲ ዝርዝራትን መስተንክር ፍጻሜታትን፡ ብዙሓት ኣብኡ ዝወዓሉ ጀጋኑ ስለዝገለጹዎ፡ ወይ`ውን ክገልጹዎ ስለዝኽእሉ፡ ከማራስሓሎም ኣይደልን። እምበኣር፡ ኣሰራት ናይዚ ኹሉ ኢዩ፡ ነቲ ደምሳሲ ስርሒት ፈንቅል፡ ዝወለደ። ነቶም ነዚ ክዉን ዝገበሩ ሓርበኛታት ጀጋኑ፡ ክብሪን ምስጋናን ይብጻሓዮም።

ስርሒት ፈንቅል፡ መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ፡ ከይፈተወ ስዕረቱ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝተኣመነሉ ፍጻሜ ኢዩ ነይሩ። ብኡ መጠን ድማ፡ ፍናንን ተስፋን ኤርትራውያን፡ ኣዝዩ ክብ ኢሉ። ንመላእ ሃገርና ኤርትራ ሓራ እነውጻኣሉ እዋን ርሑቕ ከምዘይኮነ ድማ ንኹልና ሃገራዊያን ኣግሂዱን ኣመስኪሩን። ኮይኑ ኸኣ፡ ኣብ ዓመቱ ኣብ 1991፡ ናጽነትና ብቅልጽምና ኣረጋጊጽና።

እወ፡ ሎሚ`ውን ካልኣይ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ የድሊ ኣሎ።

እዚ ናይ ሎሚ ካልኣይ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣንጻር፦ ግዝኣተ-ምልኪን ራዕዲን፥ ኮይኑ፡- ምእንቲ ድሕነት ህዝቢን ሃገርን፥ ምእንቲ ፍትሒን ሰላምን፥ ምእንቲ ክብረት ህዝብናን ምእንቲ ልዕልና ሕጊን፥ ንቡር ህይወት ህዝብናን ክብርናን ምእንቲ ክምለስ፥ ኣብ ዓድናን መሬትናን ጽሩይ ኣየር ምእንቲ ከነተንፍስ፥ ፍልሰት ኤርትራውያን ንሓዋሩ ደው ንክብልን ኢዩ ዝካየድ። ከምኡ`ውን፡ ነቲ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊልና ልዑላውነቱ ዘውሓስናዮ ባሕርናን ወደባትናን፡ ብምስጢራዊ ውዲትን ሽርክናን፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውሪዱዎ ዘሎ ውልቀ-መላኺ-ስርዓት፡ ከይቀደመና ኸሎ ንምቕዳሙን፡ በዚ ኸኣ፡ ሕድሪ ጀጋኑና ከነተግብርን ኢዩ፡ ዝካየድ።

እቲ ራህዋን ብርሃንን ንርእየሉ እዋን፡ ግዚኡ ዝቐረበ ኮይኑ እራኣየኒ። ስለምንታይ? መላእ ህዝብና፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን መን ምዃኑ ኣጸቢቑ ኣለልዩን ነቒሑሉን ስለዘሎ፡ ከምኡ`ውን ህዝብና፡ መን ክፈላልዮ ከምዝጸንሐ፡ ፈሊጡዎ ስለዘሎ ኢዩ። እምበኣር ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሙሉኡ፡ ስርዓተ ምልኪ ክኣሊ፡ ተዳልዩ ኢዩ ዘሎ። ስለዚ ኢየ ኸኣ፡ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ "ሎሚ`ውን፡ ካልኣይ ፈንቅል የድሊ ኣሎ" ዝብል ኣርእስቲ ክህባ ዝመረጽኩ።

እቶም ትማሊ ንስርሒት ፈንቅል ዘዐወቱ ሰማእታት፡ ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ሓበንን ንዕኦም ይኹን! ብሳላኹም፡ ኢና ህይወት ረኺብና።

ስዉኣትና ሕጂ`ውን፡ ኣጆኹም! ራእይኩም ዘተግብሩ ጀጋኑ ደቂ ሃገር ኣለዉ፡ ተኣማመኑ። መስዋእትኹም ከንቱ ኣይክኸውንን ኢዩ። መንእሰያት ኤርትራ ደቂ-መን ድዮም!? መንእሰያትና፡ ቅያ ናይ ወለዶም ዳግማይ ዘመስክሩሉ ግዚ ቀሪቡ ኢዩ። እቶም ብዘይ ኣላዪ ዝተረፉ ወለድኹም፡ እቶም ኣብ ፈቐዳ ምድረበዳን ባሕሪን ስደትን ክከላበቱ ዝጸንሑ ደቅኹምን ህዝብኹምን፡ ዳግማይ ናብ ዓዶም ተመሊሶም፡ ኣብታ ማሙቕ ቤቶም፡ ምስ ህዝቦም ዝራኸቡላን ዝተሓቛቖፉላን መዓልቲ፡ ክትመጽእ ቀሪባ ኢያ። ዕምሪ ስርዓተ-ምልኪ ኣብ ኤርትራ ድማ፡ ንሓዋሩ ከብቅዕ ኢዩ። ህዝብናን መሬትናን፡ ሎሚ`ውን ከም ትማሊ፡ ኣይነድፍርን!

ቅሰኑ ሰማእታትና!

ዓወት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ`ውን ናይ ግድን ኢዩ!

ሓውኹም ዮውሃንስ ጸጋይ
ሎንዶን (ዓባይ ብሪጣንያ)
08 February 2020

(Original Source: SNITNA)