All updates

ላምፐዱሳ ነባሪ ቍስሊ ኣብ ሓባራዊ ዝኽርና

02/10/2020
[:swvar:text:838:]
ላምፐዱሳ ነባሪ ቍስሊ ኣብ ሓባራዊ ዝኽርና
 
ማእከላይ ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ፡ ኢጣልያ
እናማዕደኺ ተሕልፊየን መራክብ ዚዝንብያ።
 
ገያሾ ተእንግዲ ኣብቲ ደርማስ ማያትኪ
ተስንቕዮም ዓሳ ምስ ኵሉ ባህርያዊ ጸጋኺ።
 
ተሳልይየን’ወ ክሳብ ዝበጽሓ ዝደለይኦ መእለያ
እንታይ ደኣ ወረደኪ ኣብ 3 ጥቅምቲ ዘይገበርኪ ንሕስያ
ኣጋይሽ ዘየዕቈብኪ ዝሃደሙ ካብ ግፍዒ ብማእለያ፧
 
ኣንጊሆም ዝገስገሱ፡ ተስፋ ሰኒቖም
እግሪ ተኽሎም ወዶም ጓሎም
ኣብ ማህጸን ዝማሞቐ ዕሸሎም
ዘኽታሞም፡ ነፍሰጾር እንተላይ ኣቡኦም፡
ስድራ ከይነሓፍኪ ወሲድኪዮም
ደቂ ሓንቲ ማህጸን ውሒጥኪዮም።
ተዋሓስና ዝበሉኺ ተቘጢዕኪዮም
ኣብ ጽሙው ብነድሪ ሃዲንኪዮም
ኣብ ኣጋ ዓወቶም ከቲርኪዮም።
 
ጐራዙ እወ ጐራዙ ንቡር ዝሰኣና ከይናበራ ብሞያ
ለይለይ መናእሰይ፡ ዝሰኣኑ ኣላይ ዝኸውን ኣያ
ዘየሳገርኪዮም ኴንኪ ድንድል መናሃሪያ።
 
ብቐዝሒ ውሒጥኪዮም
ዋና ዘይብሎም ዘሪኺዮም፡
መሬት እናርኣዩ ሹት ትሓልፉ ኢልኪዮም፡
ደቂ ሓንቲ መሬት ምዃኖም ኣለሊኺ
ኪዳን ኣሲርኪ ምስ ጨቋኒኦም፡ ምስ ጠላሚኦም።
 
ገና ኣየዕረፉን ይዝንቢ’ዩ ዘሎ መንፈሶም
ግደ ህሉዋት’ዩ ከነዕርፎ ሬሳኦም
ንሶም ክዓርፉ፡ ክቐስኑ ስድርኦም
ፍታሕ ክንገብረሉ ጠንቂ መጥፊኢኦም።
 
ጽንዓት ንግዳያት ስድራ ቤትን ፈተውትን
 
ኣልጋነሽ ተወልደ